^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 51 guests and no members online

እንግሊዛዊ ጋዜጠኛን ተመራማርን ሚካልኤ ፕላውት፡ 24 ለካቲት 2016፡ ትርጉም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ኣብ’ዚ እዋን ውሕልነት ዝጎደሎ ግን ከኣ ብሓውሲ ስቱር፡ ኣብ ልኡላዊ መሬት ሆላንድ ገለ ወፍርታት ከካይድ ንርኢ ኣለና። እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ተገላቢጦሽ’ዩ። ስርዓት ኣስመራ ነቶም ንርእይቶኡ ዘይቅበሉን፡ ብታህዲዱ ዘይጸዓዱን ደፈራት ልሳኖም ክዓብስ፡ ብመንገዲ ኣብያተ ፍርዲ ሆላንድ ኣቢሉ ላዕሊ ታሕቲ ይብል ኣሎ። እዚ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዝብሎን ዝገብሮን ዘይፈልጥ ብሃውሪ ዝጎዓዝ መላኺ ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብ’ዛ ልኡላዊት ሃገር ሆላንድ ዛጊት ካብ ሸውዓተ ዘይውሕድ ክስታት መስሪቱ ይርከብ። ተኸሰስቲ ድማ፡ ጋዜጠኛታት መደበር ራድዮ፣ ሓደ መርበብ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ሆላንድ ብዓቢኡ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ከኣ ሓንቲ ተመራመሪትን ናይ ዩኒቨሪሲቲ መምህር ….ወዘተ ዝርከብዎም።

ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣዝዩ ዝገርም ፋሉልነት ዝሰርሕ ዘሎ፡ ሓደ ጨንፈር ናይ’ቲ ገዛኢ ስርዓት ዝኾነ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ ብዝብል ዝፍለጥ ጨንፈር’ዩ። እዚ ጨንፈር ወይ ምንቅስቓስ ምስ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ’ዩ። ካብ ኣስመራ ንዝመጾ መልእኽቲ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ንምትግባር ዝጓየ’ዩ። ገለ ካብ’ቶም ነዚ ምንቅስቓስ’ዚ ዝውድቡን ናይ ጥፍኣት መደብ ሂቦም ብቐረባ ዝመርሕዎን ሰበ-ስልጣናት ስርዓት ህግደፍ፡ ምስ ፕረሲደንት እታ ሃገር ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ሰብ’ዩ። ካብ’ቲ ኩሉ ብመጋበርያ ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ሆላንድ ዝቐረበ ክስታት፡ ዛጊት ጉዳይ ፕሮፌሴር ሚርያም ቫን ሬይዘን’ዩ። እዛ ሰብ ፕሮፌሰር ናይ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ኣብ ልበርግ ዩኒቨርሲቲ’ያ። ፕሮፌሰር ሚሪያም ቫን ሬይዝን ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣማኻሪት ኮይና ንምዕባሌታት ኤርትራ ብቐረባ እትከታተል ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣዝያ ኣትግደስ ክኢላ’ያ።

ነቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዘብጸሐ ጉዳይ ድማ ብህድኣት ንረዳእ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 2015 ሓደ” ኦን ዎርልድ ዶት ኤንኤል” ዝተባህለ ሆላንዳዊ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ርእሰ ዓንቀጹ፡ ገለ ካብ’ቶም ተርጎምትን ኣስተርጎምትን ኮይኖም ክሰርሑ ብክፍሊ ኤሜግሬሽን መንግስቲ ሆላንድ ዝተቖጽሩ ውልቀ ሰባት ምስ ስርዓት ኣስመራ ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎም’ዮም ኢሉ ኣስፊሩ። እዚ ክትግምቶ ዘጸግም ኣዝዩ ዘሰንብድ ወረ’ዩ ድማ ይብል። ነዚ ጉዳይ ኣይኮነን እቶም ግዳይ ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ኤርትራውያን ካልእ ተዓዛቢ’ውን ነዚ ሰሚዑ ብርግጽ ይስንብድ። እዞም ሃሱሳት ስርዓት ኣስመራ ተርጎምትን ኣስተርጎምትን ተመሲሎም፡ ካብ’ቶም ብስርዓቶም ተገፊዖም ሆላንድ ዝኣተው’ሞ ብንጽህና ፖለቲካ ዕቑባ ክወሃቦም ዘመልክቱ መሳኪን ኤርትራውያን ቀጥታዊ ኣድላዪ ዝበሃል ሓበሬታ ይረኽቡ ኣለው ማለት’ዩ። እዚ ምስጢር’ዚ ከኣ ብቐጥታ ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ’ዩ ዝመሓላለፍ።

ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን ረይዝን እዚ ወረ ምስ ሰምዐት ኣይተዋሕጠላን። ስለዚ ከኣ ክትኣምን’ውን ኣይከኣለትን። እዚ ሓቂ እንተደኣ ኮይኑ’ሞ ውርደት’ዩ ድማ ኢላ። ውርደት ንመሳኪን ሓተቲ ዑቑባ፣ ነቲ እምነት ኣሕዲረምሉ ዝጸንሑ መንግስቲ ሆላንድ ከኣ ዓቢ ሕፍረት። እዞም ኣብ ሆላንድ ዝኣተው መሳኪን” ተበዲሎም፡ ተገፊዖም፡ ጽላል ወይ መዕቆቢ ንኽንኮኖም ናባና መጺኦም ክነሶም፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ፡ ካልኣይ ግዜ’ዶ መኣዝኖም ኣይስሕቱን? እዞም መሳኪን ሓደ ነገር’ዩ መለለይኦም። ብስጭት፡ ኣዝዩ ሓያል ብስጭት። ምኽንያቱ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ከም’ዚ ዝበለ ሓበሬታ ምስ በጽሖ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዝርከቡ መቕርቦም’ዩ ክሰሃሎም። ስለዚ መንግስቲ ሆላንድ ልቢ ከዕቢ ኣለዎ።

መርበብ ሓበሬታ “ኦን ዎርልድ ዶት ኤን ኤል” ካብ’ቶም ኣብ ትርጉም ዝሰርሑ ወድን ጓልን ንኣብነት ኣሕዋት’ዮም። እቲ ወዲ ናይ’ቲ ኣብ ሆላንድ ዝነጥፍ ጨንፈር መንእሰያት ህግደፍ ኣቦ-መንበር’ዩ። እዞም ከም’ዚ ዝበሉ ሰባት ኣብ ውሽጥና’ዮም ዘለው። ኣብ ሆላንድ ጥራሕ ማለት ኣይኮንኩን። ኣብ ኤውሮጳ ብመላኣ ‘ምበር ትብል ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን። ድሕሪ’ዚ ድማ’ዩ እዚ መሰረት ባህልቢ ዝተባህለ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ብቐጥታ ናብ ሓደ መደበር ፖሊስ ከይዱ፡ ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን “ተጻሪፋትኒ። ስመይ ኣጸሊማትኒ። ኣቦ-መንበር ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ኢላትኒ፡ ኣነ ተውሳኸይ ብዘወዓልክዎ። እዛ ሰብ ሕጂ ብዘይወዓል ሕደር 25 ሽሕ ዩሮ ካሕሳይ ክትከፍለኒ ኣለዋ ዝብል ክሲ ዝመሰረተ መሰረት ባህልቢ ብዘይካ’ዚ ፕሮፌሰር ቫን ሬይዝን ብወግዒ ይቕረታ ክትሓተኒ፡ ብድሕሪ ሕጂ ከኣ ክትእረመሉ ምዃና መረጋገጺ ክትህቦ ሓቲቱ።

ነዚ መስደመም ዝኾነ ክሲ ዝተኸታተልና ዘበልና ከም እንፈልጦ እቲ መጋባእያ ብ10 ለካቲት 2016’ዩ ተኸፊቱ። ፈራዶ ግን ነቲ ብመሰረት ባህልቢ ዝቐረበ ክሲ ጥራሕ ኣይኮኑን ፈጠራ’ዩ ስለዚ ከኣ ውዱቕ’ዩ ዝበልዎ። እንታይ ደኣ ካልእ ሓያል ጉድ’ዩ ወጺኡ። ንኣብነት መንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ፡ ስለያዊ ስራሓት ከም ዘካይድ፡ ናይ ጥፋኣት ዕላማ እቲ ስርዓት ንምዕዋት ዝከኣሎ ዘበለ ኩሉ ከም ዝገብር፡ ምስ ኤምባሲታት ናይ’ቲ ስርዓት ከኣ ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ። ኣኽባሪት ሕጊ “ ብመሰረት ባህልቢ ዝቐረበ ክሲ ፈጠራ’ዩ። ስለዚ ውዱቕ’ዩ። ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን ሬይዝን ነጻ ኮይና ርእይቶኣ ክትገልጽ ሕጋዊ መሰላ’ዩ” ምስበለት እቲ ነቲ መጋባእያ ዝከታተል ዝነበረ ጸባ ሰትዩ። ተሓጒሱ። መሰረት ባህልቢ ግን ሓደ ሓቂ ከይተዛረበ ምስ ስዕረቱ ካብ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ክሰናበት ኣይመረጸን። ካበይ ከም ዝተበገሰ እንድዒ ግን እወ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እሱራት ስቅያታዊ መግረፍቲ የካይድ’ዩ ኢሉ።

ኣብ መእተዊ ናይ’ዚ ጽሑፍ ከም ዝገለጽክዎ እቲ ዝቐረበ ክሲ ብርክት ዝበለ’ዩ። በዚ ክስታት ዝልብለብ ከኣ ስርዓት ኣስመራ’ዩ። እንተ መሰረት ባህልቢ ግና በዚ ዘብቃዓሉ ኣይመስልን። ባዕሉ ብዘበገሶ ካልኣይ ክሲ ምስ ናይ መንግስቲ ሆላንድ ወኪል ኣብ ጉዳይ ስደት ክገጥም ሓደ ሕጋዊ መጋባእያ ይጽበዮ ኣሎ። እዚ ጉዳይ’ዚ ቅድሚ መዕለቢ ምርካቡ፡ ብወገን ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ብመርበብ ሓበሬታ ሓያል መጥቃዕቲ ክፍኖ ተጌሩ’ዩ። ኣብ ገዛእ ርእሰይን ኣብ ልዕሊ ፕሮፌሰር ሚርያምን። ብፍላይ ንፕሮፌሰር ሚርያም ብኣካል ክፋረድዋ ምዃኖም ብወግዒ’ዮም ሓዲዶም። ኣብ’ዚ ሓደ ነገር ክንጸር ኣለዎ። ኩሉ’ዚ ብመንእሰያት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዝካየድ መጥቃዕቲ ሃንዳሲኡን መራሒኡን ባዕሉ ስርዓት ኣስመራ’ዩ። መረጋገጺ ናይ’ዚ ኣማኻሪ ናይ ፕረሲደንት የማነ ገብረኣብ ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት 550 መንሰያት ህግደፍ ኣብ ዝተረኽቡ ኣኼባ ኣብ ጀርመን ዘስመዖ መደረ’ዩ። ንሱ ከም’ዚ ኢሉ፡ ንጸላእትና ኣይንዛነየሎም። ምቅላሶምን ምጥፋኦምን ቀዳምነትና ይኹን። ኩርኳሕ ንኹኖም ንመክቶም። ጸላእትና ተንኮለኛታት’ዮም። ንሕና ክንድምስሶም እንተደኣ ኮይና፡ ንምድምሳሶም ብቐዳምነት ሰሪዕና ክንሰርሓሉ ኣለና ኢሉ የማነ ገብረኣብ።

ብሓልዮ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝዳሎ ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 29-02-2016

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox