^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 87 guests and no members online

ማሕበራዊ ኮነ ፖለቲካዊ ጭቆና ውጽኢት ናይ ድኹም ኣተሓስስባ’ዩ። ጭቆና ውጽኢት ናይ ዕውር ስሰዐ’ውን እዩ። መሰረት ናይ

ከም’ዚ ዝበለ ኣተሓሳስባን ውጽኢቱ ዝኾነ ጭቆናን ከኣ ስልጣን’ዩ። ግጉይ ኣጠቓቕማ ስልጣን። ስልጣን ምስ ዘይመቓራሕ፣ ስልጣን ምስ ዘይከፋፈል፣ ኣብ ኢድ ውሑዳት ወይ ሓደ ሰብ ጥራሕ ምስ ዝኹመር፡ መሳርሒ ህዝቢ ምዃኑ ተሪፉ፡ መሳርሒ ዓመጽን ግህሰትን ይኸውን። እዚ ናይ ዓመጽ ወይ ጭቆና መንግስታዊ ምሕደራ፡ ካበይ ይብገስ ብደቂቕ ክትፈልጥ፡ ብዓይኒኻ ትሪኦ ተግባር ጥራሕ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ደርባዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ወነንቱ ምፍላጥ የድሊ። ምኽንያቱ ሕብረተ-ሰባት ቆይሞም፡ ሃገራት ተመስሪተን ታሪኽ ከኣ ብቃል ኮነ ብጽሑፍ ክዝረብ ካብ ዝጅምር፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ፍልስፍናን ሕሱም ውጽኢቱን ብተደጋጋሚ ምስተነግረና’ዩ። ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሕሰም ዘገላግለና ስነ-ሓሳብን ተግባርን ከኣ፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ ወይ ከኣ ኣብ ድልየትን ምርጫን ህዝቢ ዝተመሰረተ ምምሕዳር ተባሂሉ ዝጽዋዕ’ዩ።

ህዝባዊ ደሞክራሲ ብህዝቢ ኣዝዩ ዝድገፍ፡ ዝፍቶን ዝድነቕን ዝገብሮ ናይ ሕብረተ-ሰባት ድሌትን ሃንቀውታን ክምልስ ዝኽእል ብምዃኑ’ዩ። ምስ ምልካዊ ስርዓት ብምውድዳር ክረእነከሎ ብፍላይ፡ ቅንዕነቱ፣ ፍትሓውነቱ፣ ተቐባልነቱ፣ ኣብ ባይቶታት ዝገበር ክፉት ክተዓቱ፣ ንዜጋታቱ ዝህቦ ነጻነት፣ ሓለዋን ክብረት ሰብኣዊ መሰላቱን ..ወዘተ ኣቐዲሙ ዝርእን ዝከላኸልን ብምዃኑ ከም ምርጫ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ፡ ጉዳይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ልምዓት፣ ብምርድዳእ ህዝብን ወከልቲ ህዝብን’ዩ ዝመሓደር። ውግእ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ’ውን ብተመሳሳሊ ብህዝብን ወከልቲ ህዝብን’ዩ መደባት ዝወጽኣሉን ዝምከትን። ስለምንታይ ህዝባዊ ደሞክራሲ ንርእይቶን ተሳታፍነት ህዝብን ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝለዓለ ቦታ ዝህብ ብምዃኑ። ማለት ሓቢእካ፡ ተኸዊልካ፡ ኣደናጊርካ፡ ኣደሃሊልካ፡ ምኻድ ዘይኮነ ግልጺ ብግልጺ ብምርድዳእ፡ ብምትእምማን ዘስርሕ መስመር’ዩ።

ስርዓተ ምልኪ ብኩለንተናኡ ኣንጻር ሰናይ’ዩ። ኣቃውማ ስርዓተ ምልኪ ንምርዳኡ ኣየጸግምን። ብባህሪኡ ጸረ-ህዝቢ’ዩ። ባርባራዊ’ዩ። ህዝቢ ኣብ ጉዳይ’ዩ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ክውስን ቦታ ኣይህብን። ብከፋፊልካ ግዛእ ድሑር ሜላ፡ ንህዝቢ ናብ መሳርሒኡ ቀይሩ፡ ህዝብታትን ሃገራት ዓለም ካብ ዝምርሕሉ ዝመሓደርሉ ኣድማሳዊ ስምምዓት ኣውጺኡ ተነጺሎም ክነብሩ ዝገብር’ዩ። ኣብ ከበባ ዘእቱ፡ ዘይምርግጋእን ህኮትን ምርጫኡ ዝገብር’ዩ። ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ብሓደ ሰብ ክውሰን ዘፍቅድ’ዩ። ስለምንታይ ኢልካ ክትሓትት ኣየፍቅድን። ስለምንታይ ምባል ክሳብ ብሞት ዘቕጽዕ ገበን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ሎሚ ብኣንጻር ህዝባዊ ደሞክራስን ፍትሕን ጭቆና ሓይሉ ዜጋታት’ውን ነንሕድሕዶም ክፋጠጡ፡ ኩሉ ሐሕማቑ እንተተራእየ እዚ ጸረ-ህዝቢ ባህሪ ዝወለዶ ንምዃኑ ዘማትእ ወይ ዘደናገር የብሉን። ጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነን ሎሚ ዓለም ዝፈለጦ ቅሉዕ ውልቀ መልክነት ኣብ ዘንገሰሉ፡ ኣብ’ቲ መድረኽ ሃገራዊ ነጻነት ማለት ኣብ’ቲ ጽዕጹዕ ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን’ውን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብሓባር ነገራት ይርእን ይውስስን ኣይነበረን። ሓባራዊ ኮሚቴኣዊ ኣመራርሓን ኣሰራርሓን ዝበሃል ካብ ብጊሓቱ ኣይነበሮን። ሎሚ ድማ የለን። ምኽንያቱ ሓደ ውሱን ጉጅለ ኣርሓ ውድብ ኣርሓ ሃገር ኮይኑ ስለ ዘሎ። እዚ ኢደ-ወነናዊ ኣርሓ እንተደለየ ቋንቋ ሰላም ይዝምር፡ ኣንተደለየ ቋንቋ ኲናት ይዝምር መን ኢኻ ስለምንታይ ንመን ረብሓ ኢሉ ዝሓቶ፡ ዘዋጥሮ የብሉን። ገለ ተዓዘብቲ ምስ’ቲ ሰውራ ኤርትራ ዝተጓዕዘሉን ዝኸፈሎ ዋጋን እናነጻጸሩ፡ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ስርዓተ ምልኪ ካብ ካልኦት ዝኸፍአ’ዩ ኢሎም ክገልጽዎ ይስምዑ። ኣማን ብኣማን ሓቆም’ዮም። ምኽንያቱ ምልኪ፡ ምግባት፡ ፍርሒ፡ ጭካነ ደዋዊሱ ዝኸይድ ካብ መስመር ሰብኣውነት ዝወጽአ ፋሽሽታዊ ተግባር ዘዘውትር ስርዓት ስለዝኾነ።

ነቲ ሕልፍ ዝበለ ምልኪ’ዩ ዘብሎ ብገለ ኣብነታት ከሰንዮ፡ ከይትሰርሕ ይዕንቅፈካ፣ ዘፍረኻዮ ይቆጻጸረካ ይራስየካ፣ ንመዓልቲ ክንዲ’ዚ ባኒ ካብ ድኳናት ሕድሪ ገዚኣካ ትበልዕ ኢሉ ይውሰነልካ፣ ንዓይ ደስ ስለ ዘይብለኒ ኣብ እከለ ዝበሃል ሃይማኖት ከይትኣቱ ከይተምልኽ ይብለካ፣ ማይ ናብ ህዝቢ ክቀርብ የብሉን ህዝቢ’ዩ ናብ ማይ ዘለዎ ክኸይድ ዘለዎ ዝብል መምርሒ የውርደልካ፣ ነቲ ንጹህ ገንዘብካ ካብ ባንኪ ከተውጸኦ ዘለካ ክንድዚ ጥራሕ’ዩ ኢሉ ይትምነልካ። ካብ ሰናይ ፍቓድ መንግስቲ ወጻኢ መጻምዲ ወይ ሓደር ምግባር ኣይፍቀድን ይብል። እዚ ናይ ክፉእ ክፉእ ምልኪ መግለጺ’ዩ። እዚ ተመክሮ’ዚ ዘይበጽሖ ወይ ብኡ ዘይሓለፈ ብፍላይ እቶም ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኮይኖም መን ከማኻ ከማና ዝብሉ ውሑዳት መንቀልወጥቲ ተራ ጸለመ ወይ ነበራየ ነበረ ክመስሎም ይኽእል’ዩ። ብተግባር ግን ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ነጊሱ ዘሎ ኣተሓሳስባን ተግባርን’ዩ። እዚ ዝገለጽክዎ እቲ መንግስታዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ኤርትራ ካብ ዝፍጽሞ በርባራዊ ግፍዕታት “ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ’ዩ”

እዚ ጉጅለ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሃገር ጥራሕ ኣይኮነን ተቖጻጺሩ። ሃገራዊ ባጀት ጥራሕ ኣይኮነን ከም ቃሕታኡ ዝስልዕ። ህይወት ዜጋታት ኣበይ ክውዕል ከምዘለዎ’ውን ንሱ’ዩ ዝምድቦ። ልክዕ ከም ገንዘባዊ ባጃት ህይወት ዜጋታት ዝስልዕ ምልኪ’ዩ፡ ኤርትራዊ ህግደፋዊ ምልኪ። ነዚ ኩኑን ጸረ-ህዝቢ ባህርን ተግባርን ኣብ ክንዲ ዝሓፍረሉ ይኾርዓሉ። መን ከም ናትና ኢሉ ይንየተሉ። ናይ ካልኦት ማሕበረ ፖለቲካዊ ተመክሮ ኣይድልየናን ብኣንጻር ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ይብል። ምሕደራና ንካልኦት የቕንእ ይምህር ‘ምበር ብናይ ካልኦት ኣይቐንእን ካብ ካልኦት ኣይመሃርን ኢሉ ይሰብኽ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ነዊሕ ዝሰረቱ ናይ ጥፍኣት ውጥን’ዩ። ብደምን መስዋእትን ዝመጽአት ሃገረ ኤርትራ፡ ቅዋማዊት፣ ፍትሓዊት፣ ባይቶኣዊት፣ ደሞክራስያዊት ኮይትኸውን ህዝባ ፍረ ነጻነት ብግቡእ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ እናሰተማቐረ ንቕድሚት ከይግስግስ ዝዓግት መንደቕ’ዩ።

እዚ ህግደፋዊ ምልኪ ካብ ቀደም ዝሓለሞ፡ ሕጂ ድማ ብተግባር ሰሪሕዎ ዘሎ መንደቕ ድሕረትን ዕንወትን ክንዲ ዝጸንዐ ይጽናዕ ክፈርስ ክዓኑ’ዩ ዘለዎ። ብመለኽቲ ዝህነጹ መናድቕ ብርግጽ ፈረስትን ተሰዓርትን ምዃኖም’ዩ ዓለማዊ ታሪኽ ዝምህረና። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ ዝነበረን ኣማኢት ዓመታት ዝቐጸለ ዓሌታዊ ስርዓት ዝሃነጾ መንደቕ ዝጸንዕ’ኮ ኣይነበረን። እዚ ግን ሳላ ኣፍሪካዊ ሓርበኛ ነፍስሄር ኔንሰል ማንዴላን ብጾትን ዝገበርዎ ዘይሕለል ቃልሲ ዓንዩ ነበረ ኮይኑ። ናይ ኢሳያስ ህግደፍ መንደቕሞ ኣብ ቅድሚ መንደቕ ዓሌታዊ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ክሳብ ሎሚ ማለት ን26 ዓመት ክጸንሕ ገይርዎ ዘሎ ናቱ ጽንዓትን ሓይልን ዘይኮነ፡ ናይ ደምበ ተቓውሞ ሕመቕ’ዩ። ካብ ናይ ኣመራርሓ ብኩራትን ድሩት ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝብን ዝረኸቦ ዕድል’ዩ። ኤርትራ ሃገረ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ልምዓት ክትከውን ‘ምበኣር ናይ ግድን ህግደፋዊ ምልኪ ክፈርስ ኣለዎ። ህግደፍ ብትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ዝሃነጾ መንደቕ ምልኪ ክፈርስ ድማ፡ ዝተበታተነ ርእይቶን ዓቕምን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክቀራረብ፡ ክናበብ፡ ብሓባር ክወፍር፡ ናብ ሓደ ኣንፈት እምኒ ክድርብን ኣለዎ።

                                                                     ካብ ስራጅ ኣሕመድ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 17-05-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox