^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 39 guests and no members online

ተግባር መንጸብረቕታ ውሽጣዊ ባህሪ’ዩ።

ተንተንቲ ፖለቲካዊ ሳይንስ (ስነ-ፍልጠት) ወዲ-ህዝቢ ወይ ጸረ-ህዝቢ፣ ወገን ብዱላት ወይ በደልቲ፣ ደሞክራስያዊ ወይ ኢ-ደሞክራስያዊ፣ ፍትሓዊ ወይ ኢ-ፍትሓዊ፣ ሕጋዊ ወይ ኢ-ሕጋዊ ክትከውን ዝድርኽ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ባህሪ’ዩ። ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታት ቅድሚ ናብ ተግባር ምዋፍሮም ዝቐርጽዎ ራእይ፣ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ፣ ፖሊሲ፡ ስትራተጂን መምርሕን ድማ፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ስምዒትን ድሌትን’ዩ ዘንጸባርቕ። ስለዚ ብዛዕባ እንታይነት ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ መንግስቲ ንምፍላጥ፡ ቅድሚ መዓልታዊ ኣብ ባይታ ዝገብሮ ንጥፈታት፡ ውሽጣዊ ደርባዊ ባህሪኡ እንታይ ይመስል? ነየናይ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ ይውክል፣ ብዝሰኸነ ስነ-ኣእምሮ ብዕምቆት ምፍታሽ፣ ምግምጋም ኣገዳሲ ምዃኑ ይመኽሩ። ንሓደ ገና ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘይደየበ ውድብ ኮነ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ኣብ ምምራሕ ዝርከብ መንግስቲ፡ ካብ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳቶም ኮነ ግብራዊ ንጥፈታቶም ጥራሕ ተበጊስካ ክትድግፍ ወይ ክትቃወም ቅኑዕ ኣይኮነን። ስለምታይ እቲ መምዘኒ ምልኣት ዘይብሉ ጎደሎ ስለ ዝኾነ ይብሉ።

እዚ ኣበሃህላ’ዚ ቅቡል ድዩ ቅቡል ኣይኮነን ንምርዳእ፡ ተመክሮ ንምርካብ ኣርሒቕካ ምጋሽ፡ ኣብ ኣብያተ ንባብ ኣቲኻ መጻሕፍቲ ከተገላብጥ ግዜ፡ ገንዘብን ድኻምን ኣይሓትትን። ሰውራ ኤርትራ ዝተጓዕዘሉ ሓጎጽጎጽ ዝበዝሖ መስርሕ፡ ሕጂ ከም ህዝብን ሃገርን ዘለናሉ ጭቡጥ ኩነታትን ብምንጽጻር ዘየወላውል መልሲ ንምሃብ ይከኣል። ቅድሚ 1991 ኮነ ድሕሪኡ ኣብ ኣእምሮ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ገዛኢ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ኣተሓሳስባ፡ ብፕሮፖጋንዳ ዝምራሕን ብተግባር ዝፈርድን ደኣምበር፡ ረብሓን ወሳንነትን ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ፡ ካብ’ዚ ተበጊሰ ኣብ’ቲ ክበጽሕየ ዝብል ዝተነጸረ ፖለቲካዊ ራእይ ዝወነነን፡ ንፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ንመንግስቲ ህግደፍ፡ ካብ መሰረታዊ ደርባዊ ባህሪኦም ብግቡእ ኣንቢቡ፡ ይውክለኒ ይጠቕመኒ ኢሉ ብኣፍልጦን ብንቕሓትን ዝድግፍ ወይ ዝቃወም ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ባህሪ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምፍላጥ፡ ብኡ መጠን ኣካይዳኻ ምንጻርን ናይ ተግባር መደባት ምውጻእን እምነ መሰረት ክትበጽሖ እትደልዮ ዓወት’ዩ። ነዚ እምነ መሰረት ዓወት ዝኾነ ወሳኒ ጉዳይ ብዘይኣፍልጦ ድዩ ብሸለልትነት ጎሲኻዮ ክትሓልፍ፡ ኣብ ግዝያዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳትን ግብራዊ ንጥፈታትን ጥራሕ መሰረት ገይርካ ሚዛንካ ከተንብር ምፍታን ብሃሳስ መስትያት ጽሕምኻ ክትላጸ ከም ምፍታን’ዩ ዝቑጸር።

ምኽንያቱ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ መንግስቲ ብኩለንተንኡ ክግምገመሉ ዘለዎ ኣገባብ እንተተሳሒቱ፡ ድሒሩ ዝመጽእ ሚዛናት ንጹርነት ዘይብሉ ብስምዒት ዝምራሕ፡ ፈታውን ጸላእን ዘይፈሊ፡ ክንድዚ ሰባት ተኣሲሮም፡ በዓል እከለ ተቐቲሎም፡ ኣባይቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ፈሪሱ፡ ንብረት ተራስዩ፡ እናጸብጸበ ዝተኣኻኸብ ተቓውሞን ንዝሃረመ ይህረም ዝፍኖ መደረጋሕ’ዩ ዝኸውን። እዚ ኣንፈት ናይ’ቲ ህዝባዊ ቃልሲ ደዋዊሱ ዘዛብዕ፡ ግዜ ብግዜ እናተተከአ፡ ጸላኢ ዝፍጽሞ ገበናት እናመረረ፡ ዕለተ ዓወት ድማ ምስ ደንጎየ ናይ ተቓለስቲ ሞራል ዝሃሲ፡ ንቀዳማይ ጸላእን ሓይልታት ድሕረትን ዝጠቅም ውጽኢት’ዩ ዘምጽእ። ቀዳማይ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዘይትግበር መብጸዓ ክኣቱ፡ ትማሊ ከም’ዚ ነበረ ተገብረ ክዝምር፡ ብምኽባር ልኡላውነት ክፍክር እንከሎ፡ እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ። ንህዝቢ ዝጠቅም ስራሕ ክሰርሕ፡ ንነጻነት ዝተኽፍለ ረዚን ዋጋ ክዕቅብ፡ ዳግመ ህንጻ ሃገር ከካይድ፡ ልኡላዊ ግዝኣት ከኸብር ኣይክእልን። ስለምታይ መሰረታዊ ደርባዊ ባህሪኡ ስለዘይፈቕደሉ ዝብል ቅኑዕ ሚዛን ዝነበሮም ኣዝዮም ውሑዳት፡ ህዝባውን ሕጋውን መሰረት ዘይብሉ ሰበ-ስልጣን ጸላኢ ብኣጋጣሚታት ንዝህብዎ ንገብር ኣለና ክንገብር ኢና ዘይጭበጥ ፕሮፖጋዳዊ ተስፋ ኣሚኖም፡ ካብ ሎሚ ጽባሕ እናበሉ፡ ካብ ፍጹም መላኺ ውሑስ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ምዕሩይ ሃገራዊ ቁጠባዊ ዕቤት ዝጽበዩ ድማ ዝበዝሑ ነይሮም።

እቲ ትጽቢታትን ሕልምታትን ኩሉ ምስ በነነ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ብዓይነቱ ዘይኮነ ብዓቕኑ ሰሲኑ። ኣብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ’ውን ብተመሳሳሊ ኣየናይ ውድብ እንታይ ይብል ብከመይ ይምራሕ፡ ብሎሚን ጽባሕን እንታይ ተስፋ ኣለዎ፡ ካብ ደርባዊ ባህሪኡ ኣጽኒዕካ ምድጋፍን ምቅዋምን ምዕቡል ኣረኣእያ ስለዝበኾረ፡ ገበናዊ ተግባር ስርዓት ህግደፍ እናጸብጻብካ፡ ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ቃልቃል እናበልካ፡ ቀደም መጋድልትና፣ መተዓቢትና፣ መማህርትና ዝነብሩ፡ ደቂ-ብሄርና፣ ሃይማኖትና፣ ኣውርጃና ዘለውዎ ውድብ ኮይና ንቃለሶ ንደርዕሞ ዝብል ብድሕረት ዝጋዕገዐ ኣተሓሳስባታት ክስዕርር ኮይኑ። እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ክዕወት፡ እቲ ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር ዝወነነ፡ ደርባዊ ንቕሓት ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ሓፍ ክብልን ህዝቢ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ብመትከል ብትኽክል ከለልን ብቀዳምነት ውሽጣዊ ድኽምታቱ እናውገደ ቀጻሊ ናይ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ስራሓት ክግበር ይህልዎ። እዚ ከኣ ንሕቶ ሓድነትን ምሕዝነትን ፖለቲካዊ ደሞክራስን ዝዕንቅፉ፡ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያታት ብውሽጥን ብደገን እናተቓለሰ፡ ኩሉ ሃገራዊ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ተጠሚሩ፡ ንእዋናዊ ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ብተግባር እንተተሰሪሕሉ’ዩ ናይ ምትእምማን ባይታ እናተፈጥረ ዝኽይድ። በዚ ኣቢሉ ከኣ’ዩ ሕሉፍ ተመክሮኡ እናገምገመ ካብኡ ትምህርቲ እናቀስመ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ግንባራትን ሓድነትን ንምስግጋር ምቹእ ባይታ ዝፍጠር። እዚ እናተረጋጸ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ፡ ብተግባር ኣብ ባይታ ብዓይኑ ብዝሪኦን ካብ ነጻ ተመክሮኡ ዝረኸቦ ትምህርትን ተሓጊዙ እቲ ቃልሲ ንቅድሚት እናተጓዕዘ ዝሓሸ ዓቕሚ እናወነነ ዝኸይድ። ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ፡ ንዘላቒ ረብሓይ ይውክለኒ’ዩ ዝብሎ ደርባዊ ኣረኣእያ እናማዕበለ ኣብ ዙርያቲ ቅኑዕ መስመር እናወገነ ዝኸይድን።

ብርግጽ ጉጅላዊ መንግስቲ ህግደፍ ብእምነት ክሕደት ንፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ታሪኻዊ፣ ምስልና ዝዓየነን ዝደምሰሰን ቅቡጽ ጉጅለ ብምዃኑ፡ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ርእይቶታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላው ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝምስክሮ’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝግበርን ዝንበርን ፖለቲካዊ ገምጋም ብዘይካ ብውሑዳት፡ ብብዙሓት ካብ ባህሪኡ ዘይብገስ ላህመታዊ ስለ ዝኾነ ግን፡ ቆንቊኑ ክንሱ ዝደፍኦ ስኢኑ ይቕጽል ኣሎ። ካብ’ዚ ዕኒይኒይ ንምድሓን ‘ምበኣር “ዝሓለፈ ሓለፈ ጸሓፍ ዝተረፈ” ከም ዝተባህለ፡ ተግባር መንጸበረቕታ ውሽጣዊ ባህሪ ምዃኑ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ሓቀኛ መንነት ውድብን መንግስትን ንምፍላጥ፡ ብግዝያዊ ፕሮፖጋዳዊ ጎስጓሳትን ዕለታዊ ተግባራትን ከይተዳህለልካን ተስፋ ከይቁርጽካን ኣብ መስርሕ፡ ውሽጣዊ ደርባዊ ባህሪኡ እናጽናዕካ ሚዛናካ ብምንባር ጸኒዕካ ምቅላስ የድሊ።

ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ወግዓዊት ልሳን ደ.ግ.ሓ.ኤ ሕታም ቁ 17 ጉንበት 2017 ዝተወስደ።

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 19-05-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox