^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 29 guests and no members online

ፖለቲካዊ ርእይቶ ኮይንካ ብምርካብ ‘ምበር፡ መሲልካ ብምቕራብ ኣይውከልን

ፖለቲካዊ ርእይቶ ከም’ቲ ብድሌት ቀይሕ ወይ ጸሊም፡ ሓጺር ወይ ነዊሕ፡ ጓል ወይ ወዲ ንምዃን ዘይከኣል፡ ካብ ደርባዊ ባህርን ህዝባዊ ውግንና ወጻኢ ከም ቃሕታኻ መሪጸ ኣለኹ ኢልካ ትኽደኖ ተራ ነገር ኣይኮነን። ናብ ኣየናይ መስመር፡ ጸገማዊ ወይስ የማናዊ፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ ወይስ ፍጹም ምልካዊ ፋሽሽታዊ ኣረኣእያ ትውግን ዝድርኽ ሰናይ ፍቓድ ዘይኮነ መሰረታዊ ባህሪ’ዩ። መፍለዪ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ መንግስቲ ከኣ ንሱ ባህሪ’ዩ። እንታይ ባህሪኡ ብልክዕ ከይፈለጥካ ዘሊልካ ብተግባሩ እዚ ከምዚ’ዩ ክትብል ምልኣት የብሉን። ጎደሎ’ዩ። ብድሌትን ስምዒትን ዝግዛእ ፖለቲካዊ ገምጋም ካብ ምዃን ዘምልጥ ክኸውን ኣይክእልን። ካብ መዓልታዊ ተረኽቦታት ተበጊስካ ብሕርቃን ነዲርካ ወይ እውን ብዘሓጉስ ግዝያዊ ስምዒት ሰኺርካ ትወስዶ ናይ ምቅዋም ወይ ምድጋፍ ውሳነ፡ ኣይኮነን ኣብ ዓወት ከብጽሐካ፡ ርሑቕ ከኺደካ ከምዘይክእል ርዱእ ነገር’ዩ።

ሰባት ከም’ቲ መበቆላዊ ወይ ደማዊ መንነት ዘለዎም፡ ፖለቲካዊ መንነት’ውን ኣለዎም’ዩ። ኣብ ዓለምና ብዝተፈላለዩ ኣስማት ዝጽውዑ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት ከም ዘለው ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና’ዩ። እቶም ነናቶም መለለዪ ኣርማ እናንበልበሉን ዝተፈላለየ ጭርሖታት እናስምዑን ነብሶም ዘላልዩ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ግን፡ ከም’ቲ ኩሎም ሃይማኖታት ኣብ ሓደ ኣምለኽ ዝኣምኑ፡ ንሳቶም’ውን ኣብ ክልተ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዮም ዝጠቓለሉ። ጸገማዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ድማ የማናዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ። ዝተፈላለየ ኣስማት ይሃልዎም፡ ዝተፈላለየ ኣርማ የምበልብሉ፡ በበይኑ ጭርሖታት የስምዑ፡ ኣብ መልክዕ ውደባ’ውን ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ሕብረ-ብሄራዊ ብዝብል ይፈላለዩ፡ ካብ’ዞም ዝተጠቕሱ ክልተ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ወጻኢ ክግለጹ ግን ኣይክእሉን። ኣብ ትሕቲ ጸገማዊ ኣረኣእያ ዝሕቆፉ ብዙሓት ውድባትን ሰልፍታትን ኣለው። ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ የማናዊ ኣረኣእያ ዝሕቆፉ ብዙሓት ውድባት ሰልፍታትን ኣለው። እዚ ኣብ ባይታ ንሪኦ ዘለና ሓቂ’ዩ። ኮይኑ ግን ከም’ቲ ብዝሖም ብዙሕ መሰረታዊ መፈላለዪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኣይኮኑን። ኣለና ዝብልዎ መፈላላዪ ርእይቶ ካብ’ቶም ክልተ መሰረታዊ ዓንድታት ጸገማዊ ወይ የማናዊ ፖለቲካዊ ክንፍታት ዝምንጩ’ዩ። ውድብ ወይ ሰልፊ ብመሰረቱ መሳለጢ ናይ ክትበጽሖ ዝደለኻዮ ሸቶ ‘ምበር ዕላማ ኣይኮነን። መልክዕ ውደባ’ውን ከምኡ፡ ጥበብ ወይ ስልቲ ናይ’ቲ ከተዕውቶ ትደልዮ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ደኣምበር፡ ገዛእ ርእሱ መግለጺ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ራእይ ኣይኮነን።

ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከበድቲ ዕንቅፋት ኮይኖም ካብ ዘለው ሓደ ድማ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ተፈጢሩ ካብ ዘሎ ዝተዘርገ ኣረዳድኣን እምነትን ዝምንጩ’ዩ። ህግደፍ መላኺ’ዩ ክውገድ ኣለዎ ኢሎም ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝዋስኡ ገለ ወገናት ንኣብነት፡ ምስ ህግደፍ ዝፈላልዮም መሰረታዊ ፖለቲካዊ ባህሪ ንጽሩ ኣይኮነን። ንህግደፍ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝመዝንሉ፡ ዝፍለይሉን ዝኹንንሉን ደርባዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ዘይኮነ፡ ካብ ጨካን ኣድላዊ ፋሽሽታዊ ዕለታዊ ተግባሩ ዝነቅል’ዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ መንነት ህግደፍ ካብ ሱር መሰረቱ ብግቡእ ከይተረዳእካ፡ ምስኡ ኣበይ ትራኸብን ትፈላለን ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ከየነጸርካን ኣነ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ’የ። ህግደፍ መደፍ መላኺ’ዩ ክውገድ ኣለዎ እናበልካ ምንቅስቓስ፡ ዕዮ ገዛኡ ናይ ዘየጻፈፈ ተቓውሞ መርኣያ’ዩ። ንህግደፍ ብትምክሕታዊ ኣነነት፣መላኽነት፣ኢደ-ወነናውነት፣ብጥሕሰትመሰረታዊሰብኣዊክብረት፣ዘይሕጋውነትዘይደሞክራስያውነት፣ ኣግላልነት፣ ዓፈና፡ ጭካነ ዝኹንኑ ወገናት፡ ተገልቢጦም በቲ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ድሑርን ምኩሕን ፖለቲካዊ ቋንቋ ገይሮም ንካልኦት ክመዝኑን ክፈርዱን ምስማዕ ሓድሽ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክስራሕ ዝነበሮ ግን ድማ ዘይተሰርሐ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ብኩራት ምህላው’ዩ ዝሕብር።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ በበይኖም ሃገራት ብልዑል ጻዕርን ተጋደስነትን ተባዓት ኤርትራውያን ተወዲቡ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ይውረድ፣ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ይፈትሑ፣ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎ ደው ይበል፣ ቅዋም 1997 ይተግበር፣ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ መሪር ባርነት ንዝርከብ ዕላማ ኣልቦ እኩብ ሰራዊት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ልኡላውነት ሃገሩ ንምኽባር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ንድግፍ፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ልኡላውነት ሃገር …ወዘተ ዝስማዕ ጭርሖታት ካብ’ቲ ዘይተነጸረ ዝተደዋወሰ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝመንጨወ’ዩ። እዚ ጨና ደሞክራሲ ዘይብሉ መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ምስ ኩሉ ትካላዊ መሓውሩ ክውገድ ጥራሕ’ዩ ዘለዎ። እዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ኣረኣእያታት ግን፡ ፈታውን ጸላእን ዝፈሊ ኣይኮነን። ዝተደዋወሰን ሕድሕዱ ዝተሃራረምን ርእይቶ’ዩ። ህግደፍ መላኺ ስለዝኾነ ብቃልሲ ክውገድ ኣለዎ ክትብል ጸኒሕካ፡ ተገምጢል ኢሳያስ ካብ ስልጣን ክወርድ ኣለዎ፡ እሱራት ክፈትሕ ኣለዎ፡ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከውዕል ኣለዎ፡ ትካላቱ ክፈርሱ የብሎምን ምባል፡ በቲ ክውገድ ኣለዎ ዝተባህለ ስርዓት ዝተበደሉ ዝተገፍዑ ወገናት ንዘልዕልዎ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ምኹናን፡ ምቁንጻብ፡ ክሳብ ብትሕቲ ሃገርነት ክትውንጅል ምድንዳን ብውሑዱ ፖለቲካ ግርህነት ደኣምበር ብስለት ኣይመልክትን።

ስለዚ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ሕማሙ ክፍወስ እንተኾይኑ፡ መንገዲ ምምሳል ገዲፉ መንገዲ ምዃን ክኽተል ኣለዎ። ዜጋታት፣ ማሕበራት፣ ፖለቲካዊ ውድባት ነገራት ከንብቡ ወይ ክግምግሙ እንከለው ካብ ምንጩ ክኸውን ይግባእ። ኣይኮነን ብዘይሕጊ ብሕጊ’ውን እንተኾነ ህይወት ሰብ ምጥፋእ ደስ ዘብል ኣይኮነን። ህግደፍ ብዘይጭቡጥ ምኽንያትን ብዘሕጋዊ መስርሕን ህይወት ዜጋታት ከበላሹ፡ ክቐትል እንከሎ ዘሕዝን ዘቖጥዕ ክኸውን ባህሪያዊ’ዩ። ከቖጥዕ ድማ ኣለዎ። ሰብ ስለ ዝኣሰረ፡ ዝቐተለ፡ ንብረት ስለ ዝራሰየ፡ ካብ’ዚ ብዓይኒ ዝረአ ተግባሩ ጥራሕ ተበጊስካ ፖለቲካዊ ሚዛን ከተንብረሉ ግን ምሉእ ሓይሊ ዝህብ ኣይኮነን። ጎደሎ’ዩ። ነቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መዐቀኒ ዝሰሓተ ኣካይዳ’ዩ። ስለዚ “ጨራ ነብሪ ዘይመሓዝ እንተሒዝካ ግን ዘይምልቃቕ” ከም ዝበሃል፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ እንተተኣትዩ ብልክዑ’ዩ ክተሓዝ ዘለዎን ዝግበኦን። ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ውልቀ-ሰብ፡ ጉጅለ ኮነ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ንህግደፍ ስለምንታይ ይቃለሶ ኣሎ፡ ስለምንታይ ክውገድ ኣለዎ ይብል ኣሎ፡ ካብ ዕለታዊ ተግባሩ ዘይኮነ፡ ካብ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡ ተበጊሱ ንኣበሃህላኡ ብጭቡጥ ምኽንያት ከሰኒዮ ኣለዎ። ናይ ህግደፍ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ገዛእ ርእሱ ደርባዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ውን ንፈታውን ጸላእን ብሩህ ብዝኾነ ኣገባብ ክገልጽ ኣለዎ። ዝተነጸረ ስትራተጂን ስልትን ኣውጺኡ ክወፍር ኣለዎ። እዚ ከይገበረ ስርዓተ ምልኪ ኣልጊሰ፡ ስርዓተ ደሞክራሲ ክተክል’የ ዝብል እንተሃል’ዩ ግን፡ ዘይዘራእካዮ ምዕጻድ’ዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ርእይቶ ኮይንካ ብምርካብ ‘ምበር፡ መሲልካ ብምቕራብ ኣይውከልን። ኣይዕወትን ድማ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 24-07-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox