^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 116 guests and no members online

ኢሳያስ መርገጽ ኣልቦ ዕሱብ ወይስ ነቓጽ ኣብ መርገጹ?

ኢሳያስ ኣብ ገለ ኤርትራውያን ግጉይ ምስሊ፡ ግጉይ ስብእና ፈጢሩ’ዩ። እዚ ሰብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዓራርብ ሳሕል ካብ ዝገብር ንድሓር ኣብ ሰውራዊ ስራሓት፡ መጻሕፍቲ ኣብ ምንባብ፡ ካድራት ኣብ ምምልማል፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ ዝጉልብተሉ መደባት ኣብ ምሕንጻጽ፡ ምውሳንን ምትግባርን ዘይኮነ፡ ክብረ ዝናኡ ብዝተጋነነ መልክዑ ኣብ ምስፋሕ፡ ሰባት ኣብ ምድንጋር፡ ተጋደልቲ ከመይ ከይተኣማመኑ ክጠራጠሩ ኢሎም’ውን ክጋጨው ከም ዘለዎም፡ ንርእይቶኡ ዘይቅበሉ ከመይ ክደሃሉ፣ ክጭወዩ፡ ብኡ ንብኡ ክሓቁ ውጥን ከውጽእ፡ ነዚ ዝፍጽሙ ሰባት ክውድብ ከም ዘሕለፎ ብዙሓት ፈለጥቲ ውሽጢ ዝምስክርዎ’ዩ።

ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ክሳብ ሎሚ ኣብ’ዚ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ታሪኹ ድማ፡ ኣጀንዳታት ሰሪዑ ብነጻነት ተኻቲዑ ኣካቲዑ፡ ፍልልያት ኣነጺሩ፡ ህዝቢ ክመሃረሉ ብዝኽእል ኣገባብ ቀሪጹ፡ ብደሞክራስያዊ መንገዲ ዘመሓደረሉ ኩነታት የለን። ኣብ’ዚ ነዊሕ ጉዕዞ ነዊሕ ናይ ጥልመት፡ ገበናዊ ታሪኽ’ዩ ሰሪሑ። ኣብ ኣረኣእያን እምነትን ዝተሰረተ ብጻይነት ኣይኮነን ሃኒጹ። ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት’ዩ ኣበላሽ’ዩ፡ ኣጥፊኡ። ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ከበላሹ ከጥፍእ እንከሎ ከኣ፡ ብሕጊ ኣይኮነን። ብግልጽ’ውን ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ብውዲት፡ ብጸልማት፡ ብከውሊ’ዩ ገይርዎ። መሳኪን ብዘይካ ኣማዕድዮም ናብ መግዛእታዊ ሰራዊት ምትኳስን ኤርትራ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ነጻ ትወጽእ ምትስፋውን ካልእ ሓጥያት ዘይነበሮም ተጋደልቲ ኣብ ጽዕጹዕ ኲናት ምስ ቀዳማይ ጸላኢ ብድሕሪትን ብኹሊትን ዕሱባት እናለኣኸ ዘጥፈአ፡ ንሕናን ደሓናን ኢሎም መግቢ ክበልዑ መስተ ክሰትዩ እንከለው ተዋድዩ ብምምራዝ ዝቐትል ዝነበረ ሰብ’ዩ።

እዚ ከም’ዚ ዓይነት ተግባር ካብ ምንታይ’ዩ ዝውለድ? ካብ ቅንዕና፡ ካብ ጽንዓት ኣብ መርገጽ ወይስ ካብ ስሰዐ ካብ ፍርሒ? ከም ናተይ እምነት ኢሳያስ ፈታዊ ነብሱ’ዩ። ደላዪ ዝና’ዩ። መን ብዘየገድስ ዝኾነ ሰብ ፈታዊ ነብሱን ደላዪ ዝናን እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ጽኑዕ ኣብ መትከሉ ደፋር ከም ዘይኮነ ርዱእ’ዩ። ስለዚ ገለ ወገናት፡ ግሩሃትን ኣመለኽትን ኢለ ክግለጾም እኽእል፡ ኢሳያስ’ኮ ኣብ ርእይቶኡ ነቓጽ’ዩ። ገታር’ዩ። ብናቱ መንገድን ውሳነን ደኣምበር፡ ሓያላን ኢና ዝብሉ መንግስታት ዝበሉ እንተበሉ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደጋጊሙ እገዳ እንተወሰነ ዝዕጸፍ ኣይኮነን ኢሎም ከድንቕዎ ይስምዑ’ዮም። እዚኦም ትርጉም ፖለቲካዊ ንቕጽና ወይ ግትርና ብግቡእ ዝተረድኡ ኣይመስለንን። ኢሳያስ ነቓጽ፡ ገታር፡ ጽኑዕ ኣመርገጹ ከምዘይኮነ ግን፡ ኢሳያስ ባዕሉ ምስክር’ዩ።

ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ርእይቶ ንዝሓዙ ናይ ቃልሲ ብጾት ተመኹሊኻ ምቕታል ናይ ለባም ናይ ነቓጽ ተግባር ኣይኮነን። ኣብ ምሉእ ሃገራዊ ነጻነት ዝነበሮ ተወላዋሊ መርገጽ ፖለቲካዊ ንቕጽና ኣይመልክትን። ኣብ ክንዲ ህዝቢ ምኽባር፡ ህዝቢ ምርዓድ ናይ ነቓጽ መርኣያ ኣይኮነን። ካብ ልዕልና ሕጊ ምህዳም፡ ናይ ደፋር ተግባር ኣይኮነን። መርኣያ ጽንዓት ኣብ መርገጽ ኣይኮነን። እዚ ግትርናን ንቕጽናን ኣየመልክት። ፍርሒ’ዩ። ርእሰ ምትእምማን ምጥፋእ’ዩ ዘመልክት።

ብመሰረቱ ህግደፍ ከም ስርዓት ደው ኣቢልዎ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ማሕበራዊ መሰረት ኣይኮነን ዝብል ገማጋም’ዩ ዘለኒ። ቁጠባ ኤርትራ’ውን ተሰኪምዎ የለን። ንኢሳያስ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዝድግፎ ዘሎ ኣብ ዕዳጋ ዝወረደ ጽግዕተኛ ፖለቲካዊ ባህሪኡ’ዩ። ቁጠባዊ ምንጩ ካብ ጎይተቱ ዝረኽቦ ትካቦ’ዩ። ጎይተቱ ድማ ሓደ ወይ ክልተ ኣይኮኑን። ገንዘብ ዘለዎ ኩሉ ጎይታ ኢሳያስ ህግደፍ’ዩ። ስለምንታይ? ተገዲዱ ድዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ በፍጹም ኣይኮነን። ፈትዩ ረድዮ ዝተቐበሎ ዕሱብነትን መጋበርያነትን’ዩ። ለቖመጽመጽ ዝኣመሉ፡ ክብሩ ኣዋሪዱ ንሰብ ገንዘብ ዝዕሰብ መራሕን ስርዓትን ብዝኾነ መዕቀኒ ነቓጽ ገታር ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ ዕሱብነትን ጽንዓትን ኣብ መርገጽን ሓቢሮም ኣይከዱን። ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ኣብ እምነቱ ጽኑዕ ዝኾነ ሰብ’ዩ ነቓጽ ገታር ዝበሃል። ስለዚ ጎይቶት እናቐያየረ ህይወቱ ዝመርሕ ኢሳያስ ንቕጽና ኣይምልከቶን።

ኣበየናይ ፖለቲካዊ መስመሩዩ’ኸ ክነቅጽ? ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ኢሉ ፈኪሩ እንታይ ምስ ኮነ እንታይ ከም ዝገበረ ንኹሉ ብሩህ ይመስለኒ። ምስ ኣመሪካ ተባኢሰ ይብል ኣሎ። እዚ ምስ ሓያል ምበኣስ ሓያል የምስል ካብ ዝብል ዝመሃዞ ድኹም ስልቲ’ዩ። ምኽንያቱ ምስ ኣመሪካ ኣብ ምንታይ ተባኢስኩም ንዝብል ሕቶ ርጡብ መልሲ የብሉን። ዘስመዖ ዘሎ ቀበጥበጥ ባእሲ ዘይኮነ ሕንቃቐ’ዩ። ናይ ውሉድን ወላድን ሕንቃቐ። ብርግጽ ኢስያስ ህግደፍ ምምሕዳር ኣመሪካ ዘርዩና ኢሉ’ዩ ዝግስጉስ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እሙን ልኡኽ ኮይነ ከየገልግል ዕድል ተነፊገ፡ ክብሪ ስኢነ’ዩ ዝብል ዘሎ። ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምሻጥ ዝርከብ ኢሳያስ፡ መርገጽ ኣልቦ ዕሱብ ‘ምበር ነቓጽ ገታር ቃሉ ዘይዓጽፍ ዘብሎ ባህርን ግብርን ዘይብሉ ፈታዊ ነብሱን ደላዪ ዝናን ሰብ’ዩ።

                          ካብ ሮቤል በርሀ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 26-07-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox