^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 93 guests and no members online

ዘኽብር ከይሰራሕካ ክብሪ ምድላይ፡

ሓዲ-ሰብ ምስ ካልኦት ከምኡ ዝበሉ ሰባት ከይተራኸበ ኣይነብርን። በይነይ ክነብር ኣለኒ ኢሉ እንተዝሓስብን እንተዝውስንን’ውን ኣይክእልን። ስለምንታይ ወዲ-ሰብ ሰብ ዝሰርሖ ኣቕሓ ኣይኮነን። ናይ ተፈጥሮ ሰብ’ዩ። ስለዝኾነ ከኣ ምስ ሰባት ክነብር፡ ንሰብ ዘድሊዮ ነገራት ክጠልብ፡ ጠለባቱ ንምምላስ ክሰርሕ ተፈጥሮ ባዕሉ የገድዶ’ዩ። ካልእ ይትረፍ መግቢ ምብላዕ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ ናይ ተፈጥሮ ግዴታ’ዩ። ከጠሚ ኣለኒ ኢልካ ኣይትጠምን። ብሕጊ ተፈጥሮ ግን ናይ መግቢ ሰዓት ምስ ኣኸለ ትጠሚ። ጥሜትካ ከተዕገስ መግቢ ክትረክብ ከኣ ናይ ግድን ይኸውን። መግቢ ንምምእራር ከከም ከባቢኻ፣ ባህልኻ፣ ስርዓተ ኣመጋግባኻ፣ ክእለትካን ደረጃ ምዕባሌኻን ኣብ እትገብሮ ምንቅስቓስ ድማ ምስ ሰባት ትራኸብ። ዝምድና ትፈጥር። ካብ ሰባት ትደሊ ሰባት ድማ ካባኻ ይደልዩ። ንስኻ ዘይፍረኻዮ ብመክልዕ ለውጢ፡ ሸመታ ድዩ ህያብ ካብ ካልኦት ትረኽቦ። ካልኦት ብተመሳሳሊ ንሳቶም ዘየፍረይዎ ብመልክዕ ለውጢ ሽመታ ድዩ ህያብ ካባኻ ይረኽብዎ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ናይ ህንካን ሃባን መስርሕ ህይወት፡ ካብ ቀደም ዝነበረ፡ ሎሚ ዘሎ ንጽባሕ’ውን ዝህሉ፡ ብተጽዕኖ ሕጊ ተፈጥሮን ሕጊ ሰብ ተማእኪሉ ዝኸይድ ግዴታ’ዩ።

ክብሪ ዝብል ኣምር ካብ መሰረቱ ካበይ ይብገስ? መዓስ ከ ተኣታቲዩ? ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ዝርዝር ሓበሬታ ምቕራብ መደበይ ኣይኮነን። ንኸምኡ ዝኸውን ጭቡጥ ዓቕሚ’ውን የብለይን። ርእይቶይ ኣብ ናይ ህይወት ተመክሮይ ዝምርኮስ ምዃኑ ኣቐድሚ ክሕብር እፈቱ። ካብ ናይ ህይወት ተመክሮይ ኣብ ክብሪ ዘለኒ ተረድኦ (ላሕመታዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ) ግን ትነብረሉ ዘለኻ ሕብረተ-ሰብ ዝምረሓሉ ሕግን ስርዓትን ካብ ምኽባር፣ ካብ ቅድሚኻ ዝነበረ ትውልዲ ዝወረስካዮ ኣወንታዊ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ታሪኽ ምዕቃብ፣ ተማሂርካ፡ ሰሪሕካ ቅድም ቀዳድም ነስብኻ ምኽኣል፣ ንዓኻ ካብ ዘድልየካ ንላዕሊ ምስ እተፍሪ ድማ ኣብ ቀረባ ዘለው ቤተ-ሰብካ መተዓቢትኻ፡ ትነብረሉ ዘለኻ ሕብረተ-ሰብ ሓይሊ ፍልጠትካን ኣፍራይነትካ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እንተኾይኑ ከኣ ኣብ መላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣወንታዊ ጽልዋን ነገራዊ ደገፋት ምስ እትገብር፡ በብደረጃኡ ዝርከብ ውጽኢት ኣወንታዊ ኣተሓሳስባን ግብራዊ ፍርያት ዝኾነ ጽቡቕ ስም’ዩ ክብሪ።

ካብ’ዚ ከይወጻእና ፍትሒ ጠፊኡ ናይ ውሑዳት መለኽቲ ልዕልነት ነጊሱ፡ ጨቋንን ተጨቋንን ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ሓቀኛ ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፣ መሰረታዊ ክብረት ሰብኣውነት፣ ሃገር ከደን ማሕበረ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ሓባራዊ ተጠቃምነት፣ ምንጋስ ስርዓተ ፍትሕን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ንምርግጋጽ፡ ዕድመ ንእስነትካ፡ ማሕበራዊ ውልቃዊ ድሌታትኻ፣ ናትካ ደገፍ ዘድልዮም ቀረባ ስድራ ቤትካ ብንቕሓት ብውሳነ ንጎኒ ገዲፊካ፡ ኣንጻር ዓመጽቲ ተካይዶ ልባዊ ቃልሲ፡ ዝተወጽዑ ወገናት ኣንቂሕካ ወዲብካ ጸላእን ፈታውን ኣጨቢጥካ፡ ክርከብ ዘለዎ መሰረታዊ መፍትሕን ጠንቕምን ኣረዲእካ ኣብ ዙርያ’ቲ ፍትሓዊ ሕቶ ክዓስል ብምግባርን ብኡ ኣቢልካ፡ ተምጸኦ ለውጥን ኣብ ሕብርተ-ሰብ ትፈጥሮ ጽልዋን ትረኽቦ ኣወንታዊ ስምን ዝናን’ዩ ክብሪ ዝበሃል።

ሎሚ ኤርትራን ኤርትራውያንን ንስለ ህዝቢ ብልቢ ዝውፈ ሰብ ኣብ ዝድለየሉ ኣዝዩ ተኣፋፍን ወሳንን ወቕቲ ከም እንርከብ ብዘይካ ነቶም ፈሊጦም ዝደቀሱ፡ ፖለቲካ ኤርትራ ብኸምዚ ዘለዎ እንተደኣ ቀጺሉ ንረብሓና’ዩ ዝበሉ፡ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣምለኽቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ነቲ ካልእ ዝበዝሐን መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ለውጢ ክመጽኣሉ ዝጽበን ህዝቢ ብሩህ ይመስለኒ። እዚ ህዝቢ ከም ጥሙር ህዝብን ሃገር ከኣ ከም ልኡላዊት ሃገር ንኸይንህሉ ዝገብር ዘንጸላልወና ዘሎ ህግደፍ ኣምጸኦ ሓደጋ ካብ መሰረቱ ንምቕያር ብዓቐኑ ብዙሕ፡ ብዓይነቱ ወይ ኣረኣእያኡ ውሑድ ብጥቕሉል ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ተሰይሙ ይነጥፍ ኣሎ። እቲ ኣሎ ዝበሃል ውዳበታትን ንጥፈታትን ግን ምስ’ቲ ኤርትራዊ ህጹጽነት ዝጠልቦ ዝመዛዘን ኣይኮነን። ካብ’ቲ ኤርትራዊ ህጹጽነት ዝጠልቦ ኣዝዩ ዝወሓደ፡ ድምጹ ደኣምበር ግብራዊ ንጥፈታት ከምቲ ዝድለ ዘይረኣየሉ ኣብ ሓውሲ ድስካለ ዝርከበሉ ኩነታት ኣለና ክብል እደፍር።

ደምበ ደለይቲ ደሞራስያዊ ለውጢ ኣብ’ዚ ምቹእ ናይ ቃልስን ለውጥን ውድዕነት፡ ኣብ ድኹም ወይ ደረጃ ምድስካ ምህላው፡ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ርእሰ ነቐፌታ ክትገብር ደኣምበር ክትኮርዕ ዝዕድም ኣይኮነን፡፡ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኖም፡ እረ ገሊኦምሲ ኣብ በብውድባቶም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስልጣን ተኾድጮም፡ ግቦኡ ከም ዝገበሩ ወይ ይገብሩ ከም ዘለው ክብረ ዝና ክደልዩ ምዕዛብ፡ ነቲ ዝብህግዎ ክብሪ ዝና ድማ ብግልጺ፡ ብብቕዓት፡ ብስራሕ ዘይኮነ፡ ክስቶ ምስ ክስቶ እናበሉ ሰባት ብምግጫው ውዲት ብምእላም፡ ንጹሃት ተቓለስቲ ብምጽላም ከረጋግጽዎ ምርኣይ ልሙድ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ኣድማዒ ስራሕ ኣብ ዘይትሰርሓሉ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣራጢጥካ ልክዑ ዝሓለፎ ድሌት ውልቃዊ ክብረ ዝና ዝወለዶ ድማ’ዩ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ቀላሲ ስኢኑ ኣይብሱል ኣይጥረ ተሓሚሱ ዝነብር ዘሎ። ስለዚ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕ፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ተሪር ውቅዒት ከንብር፡ ካብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና መዓስ ንዕወት ዘይኮነ፡ ንቕጽል’ዶ ኣይንቕጽልን ወድዓዊ ሓላፍነታዊ ስኽፍታ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክንወጽእ፡ ትርጉም ዘለዎ ዘኽብር ስራሕ ከይሰርሑ ክብሪ ዝደልዩ፡ ነቲ ዝደልይዎ ክብረ ዝና ድማ፡ ብሕጓ ብውዲት ኣስማት ንጹሃት ሰባት ብምጽላም ከረጋግጽዎ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሰባት ነለሊ። ብእሩም ግን ከኣ ብዘይነሓፍነት ኣብ መድረኽ ኣውጺእና ንንቀፍ፡ ንግራሕ፡ እምቢ ኣይንእረምን ንዝበሉ ከኣ ሕጋዊ ኣገባብ ንጠቐም። እዚ ዘኽብር ስራሕ ከይሰራሕካ ክብሪ ምድላይ ይውሕድን ይበዝሕን ደኣምበር ኣብ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዘሎ ሓፈሻዊ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘለዎ ደረጃ ዕቤት ሓባሪ’ዩ። እሞ ዝኸብሩም ኣሕዋትን ኣሓትን እንተ ክንዕወት ቀዲምና ገገዛና ነጽሪ። ወደሓንኩም

ነዒማ መሓመድ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 14-08-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox