^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 36 guests and no members online

ክሳብ ሎሚ ዝሰራሓናዮ ኣድማዒ ልምዓታዊ መደባት የለን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡

ኤርትራ ብጎደና ቁጠባዊ ልምዓት ንቕድሚት ትውንጨፍ ኣላ፡ ኣምለኽቲ ኢሳያስ፡

ብዛዕባ ፖለቲካዊ ምሕደራ፣ ጸጥታዊ ርግኣት፣ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ማዕርነታዊ ተሳትፎ ኣብ ደሞክራስያዊ መሰል፣ ማሕበረ ቁጠባዊ ልምዓት፣ ባህሪ፡ ፖሊስን ተግባርን መንግስቲ ህግደፍ እንታይ ይመስል? ኣብ ከመይ ደረጃ ‘ኸ ይርከብ? ብብሄራትን ብብሄረ-ሰባት ህዝብታት ኤርትራ፣ ብኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ብዞባዊ፡ ኣህጉራውን ዓለማውን ውድባት፡ ብትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብማዕከናት ዜና ዓለም ..ወዘተ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ዝቕበል ብዙሕ መረዳእታታት ክቐርብ ጸኒሑን ኣሎ።

እቲ መረዳእታ ኣብ ኣቀራርባኡ ክህልዎ ዝኽእል መጠናዊ ፍልልያት ገዲፍካ፡ ኣብ ትሕዝቶ ተመሳሳሊ ስኽፍታን መደምደምታን’ዩ ዘለዎ። ፖለቲካዊ ምሕደራ ኤርትራ ኣሳታፍን ደሞክራስያውን ዘይምዃኑ፣ ጸጥታዊ ርግኣት ኤርትራ ብሰላም ወፊርካ ብሰላም ክትምለስ ዘየተኣማምን ምዃኑ፣ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ ብመደብ ብደይ መደይ ይጭፍለቕ ምሃላው፣ ደሞክራስያዊ ማዕርነታዊ ተሳትፎ ከምዘየለ፣ ምዕባለ ኤርትራ ንድሕሪት ከም ዝተኸብሰ፣ ብውጥን ዝምራሕ ረብሓ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረን ህዝቢ ዘሳተፈን ትሕተ ቅርጻዊ ማሕበረ ቁጠባዊ ልምዓታዊ ንጥፈታት ከምዘየለ፣ ፖለቲካዊ ባህሪ፡ ፖሊስን ተግባርን ጉጅለ ህግደፍ ካብ ጠለብን ጭቡጥ ኣተሃላልዋን ህዝቢ ፍጮ ዝወጸ ምዃኑ፣ ስለዚ ከኣ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ከቢድ ኩለ-መዳያዊ ጸገም ከም ዘለው ተመሳሳሊ ተረድኦን ሚዛንን ምህላው ዘርኢ’ዩ።

ኣብ’ዚ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ እንታይ ይመስል? ኤርትራ ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ ዕቤት ኣብ ምንታይ ደረጃ ትርከብ? ህዝቢ ህይወቱ ከመይ ይመርሕ ኣሎ? ዝብል ነጥብታት፡ ካብ መንጎ ፈጣርን መራሕን ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን በሃማት ኣምለኽቱን ሓደ ዓይነት መቓልሕ ዘይምስማዕ ግን ካብ ኩሉ ዝገርም’ዩ። ኣብ መንጎ መላኽን ኣምለኽትን ዘሎ ርክብ ዶቡ ንጹር ምዃኑ ርዱእ’ዩ። መላኺ ከም ገባርን ሓዳግን መጠን ደስ ዝበሎ ክብል ደስ ዝበሎ ድማ ክገብር፡ ኣምለኽቲ ከኣ፡ ብዘይሕቶን ርእይቶን ካብ ጎይታኦም ዝተዋህቦም ከየጉደሉ ከይወሰኹ ኣምየን ኢሎም ክቕበሉ ኣብ ተግባር ክትርጉሙ እዚ’ዩ መላግቦ ናይ ዝምድናኦም። ኣምለኽቲ ኢሳያስ ግን ካብኡ ውጽእ ዝበለ ዘይተለምደ ምንብርካኽ’ዮም ዘርእዩናን ዘስምዑናን ዘለው። ንፖሊስን ተግባርን ኢሳያስን ህግደፍን ልዕሊ ኢሳያስ ከም ዝፈልጥዎ ኮይኖም’ዮም ዝግዕሩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ትርጉም ዘለዎ ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት ሰሪሕና ክንብል ኣይንኽእልን። ብውጥን ደረጃ’ውን ሓሓሊፉ ከም’ዚ ክንገብር ኣለና፡ ኣብ እከለ ቦታ ከም’ዚ ዓይነት ትካላት ክንሃንጽ ኣለና ይበሃል’ዩ፡ ኣብ ተግባር ዝተተርጎመ ግን የለን። ንኣብነት ኩሉ ጽርጊያታት ኤርትራ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ዝተሰርሐን ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ጽገና ዘይተገብረሉን’ዩ። ስለዚ ከም ሃገር ደረጃኡ ዝሓለወ ጽርጊያ ኣለና ክንብል ኣይንኽእልን። ገለ ፈራሪሱ ገለ ከኣ ተኾዓዒቱ ኣብ መጎዓዝያ ከቢድ ጸገም ኣሎ።

መዓርፎ ነፈርቲ ብዝምልከት፡ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንበል ዝኣረገ፣ ጽገና ተገይርሉ ዘይፈልጥ፣ ኣዝዩ ድማ ጸቢብ’ዩ። ኣብ ባጽዕ ዝተሰርሐ መዓርፎ ነፍርቲ ኣሎ ዝኾነ ኣገልግሎት ግን ኣይህብን። ማያት ቀይሕ ባሕርና፡ ወደባትናን ማርሳታትናን ኣብ ምስሳን ሃገራዊ ቁጠባ ዓቢ እጃም ክጻወት ዝኽእል ክንሱ ጠመተ ኣይተገብረሉን። ወደባትና ዘድሊ ትሕተ ቅርጻዊ ህንጸት ኣይተገብረሉን። ተጠቀምቲ ፍርያት ባሕርና ዝኾኑ ዓሳታት ኣይኮናን። ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት እዛ ሃገር ከቢድ ናይ ማይ ጸገም ኣሎ። ጸገም ማይ ከይፈታሕካ ሃገራዊ ልምዓት ምክያድ ኣይከኣልን። ሓይሊ ጸዓት የለን። ብሰንኪ ኣብ’ዛ ሃገር ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ጸዓት፡ ኣይኮነን ፋብሪካታት ከነንቀሳቐስ፡ ዘመናዊ መስኖኣዊ ሕርሻ ከነካይድ፡ ናይ ገዛ መብራህቲ ( ኣምፑል) ንምርካብ ‘ውን ሽግር ኣሎ። ብሃገር ደረጃ 70 ሜጋዋት’ዩ ዘለና። በዚ እንታይ ክንገብር ንኽእል?

ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ኣዝዩ ገዚፍ’ዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ዝፍታሕ’ውን ኣይኮነን። ቀረብ ሃለኽቲ ነገራት ሕጽረት ኣሎ። መንግስቲ ሰራሕተኛታት ማለት መማህራን፣ ሓካይም፣ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ሕርሻ፣ ወተሃደራት፣ ፖሊስ፣ ሃገራዊ ድሕነት … ንሞያኦም ንድኻሞም ዝምጥን ደሞዝ ይኽፈሎም ኣሎ ከበሃል ኣይከኣልን። በርባዕተ ምኢቲ ብሸውዓተ ምኢቲ ናቕፋ ሰብ ከመይ ገይሩ ህይወቱ ክመርሕ ይኽእል? እዚ ደሞዝ ወይ ክፍሊት ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ’ዛ ሃገር ብቕዓት ዘለዎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ዝበዝሕ እቲ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ሱዳን ከይዱ’ዩ ዝሕከም። እዚ ኩሉ ደሚርካ ክረአ እንከሎ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ገስጋስና፣ ስትራተጂካዊ ትሕተ ቅርጻዊ መደባትና ዝፈታሕናዮ ነገር የለን። ከቢድ ጸገም’ዩ ዘሎ። ብከም’ዚ ከመይ ክንከይድ ንኽእል? ብርግጽ ካብ’ዚ ጸገማት’ዚ ከውጸኣና ዝኽእል ዝተጸንዓ መደባት ኣሎ። ግን ብኸመይ ይትግበር? ኣነ ዘይሰራሕናዮ ሰሪሕና፡ ዘየሎ ኣሎ ኢልካ ጃህራ ጽቡቕ ኣይመስለንን። ደሓር ከኣ፡ ብሰንኪ ስርዓት ወያነን ዘራያቱን ልኡላውነትና ኣየውሓስናን። ኣይ ኣብ ኲናት ኣይ ኣብ ሰላም ኢና ንርከብ ዘለና። ቀዳምነት ንህቦ መደብ ከኣ ምውሓስ ልኡላውነት’ዩ። ልኡላውነትና ከየውሓስና ነካይዶ ትርጉም ዘለዎ መደባት ልምዓትን ህንጸት ትሕተ ቅርጻዊ ስራሓትን ክህሉ ኣይክእልን። ስለዚ ህዝቢ ሕጂ’ውን ክጽመም ኣለዎ ብምባል፡ ገለ ብመልክዕ ሕቶ፡ ገለ በመልክዕ መልሲ፡ ገለ ብመልክዕ ትእዛዝ፡ ገለ ከኣ ብመልክዕ ምስትምሳል፡ ሓቀኛን ብልኡላውነት ዝግደስን ክመስል ከም’ቲ ልሙድ ብፖለቲካዊ ሃለውለውን ጣሕመሽመሽን’ዩ ገሊጽዎ። ቁጠባዊ ገስጋስ ነመዝግ ኣለና፡ ህዝቢ ጸጊቡ ይሓድር ኣሎ ግን ኣይበለን።

ኣምለኽቱ ንህልዊ ኩለ-መዳያዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ዝህብዎ መግለጺ ግን ብኣንጻር ናይ’ቲ ዘምልኽዎ መራሒኦም’ዩ። ኤርትራ ኣብ ካልእ ዘየለ ውሑስ ሰላም ኣለዋ። ኤርትራ ተኣምር ክበሃል ዝከኣል ቅልጡፍ ማሕበረ ቁጠባዊ ገስጋስ ተመዝግብ ኣላ። ሰብኣዊ ድዩ ደሞክራስያዊ መሰል ዜጋታት ሕልዊ’ዩ። ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ሸናዕ ክብል ዝኽልክሎ የለን። ኣብ ኤርትራ ሕጽረት ቀርብ የለን። ኣብ ኤርትራ ጥሜየት የለን። ኩሉ ከከም ዓቕሙ ዝሰርሓሉ፡ ከከም ስራሑ ድማ ዝኽፈለሉ ምቹእ ፖለቲካዊ ባይታ ኣሎ። ትምህርቲ ንኹሉ ዜጋ መታን ክባጻሕ መንግስቲ ነጻ ገይርዎ ኣሎ። ሰኣን ሕክምናን መድሓኒትን ዝመውት ሰብ የለን። ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ወከልቲ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረጋገጽዎ ሓቂ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ጸገም ኣሎ ኢሎም ዝኸሱ ጸላእትን ተጻባእትን’ዮም። ንስደት ዝውሕዙ ዘለው ኣብ ምድረ በዳን ባሕርን ዝሞቱ ዘለው ስራሕ ዝጸልኡ፡ ከይሰርሑ ድማ ኣብ ገነት ክነብሩ ዝደልዩ፡ ዝጸገቡ ህዝብን መንግስትን ዘጽርፉ ዘለው፡ ሃልዮም ኣይኹርዑ መይቶም ኣየሕዝኑ ጎሓፋት’ዮም። ኤርትራ ግን ዓዲ ራህዋን ጽጋብን’ያ እናበሉ ኣብ ጎደናታት ምዕራባዊ ዓለም ወጺኦም ኣንጻር ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክግዕሩ ትሰምዕ’ሞ ከምዚ’ውን ደሎ ኢልካ ከም ሰብ ትግረም። ከም ኤርትራዊ ትሓፍር። ሰብኣዊ ሕልናኦም ሸይጦም እሺ ጎይታይ ኢሎም ኣገልገልቲ ሓደ ሰብ ምዃን ከይኣኽሎም፡ ነቲ ብስእነት ሰላም ኣብ ቃንዛ ዝነብር ዝብተን ዘሎ ህዝቢ፡ ነቲ ብድኽነት ዛንዛን ዝብል፡ ዝስተማይን መብራህትን ስኢኑ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከብ ህዝቢ፡ ኣይፋልካን ሓንቂቕካ ደኣምበር ኣይተሽገርካን ይብልዎ ኣለው።

ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ዘለዎም ሕሉፍ ኣምልኾ ዝብገስ፡ ነቲ ንሱ እንተስ ሓቀኛ ክመስል ወይ ብኣጉል ብደዐ ሰኺሩ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት እዚኣ ወጢና ኣዐዊትና ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። በብዓይነቱ ጸገማት ኣሎ ክብል ዝገለጾ፡ ልዕሊኡ ኮይኖም ዝኾነ ጸገም የለን። ሃገርና ሳላ ሓላዪ ህዝቡ መንግስትና ብጎደና ቁጠባዊ ምዕባለ ንቕድሚት ትግስግስ ኣላ ክብሉ ምስማዕ ብርግጽ ዘደንጹ’ዩ። ወዮ ደኣ ናትና ዝብልዎ እምነት የብሎምን .ምበር፡ መታን ብጎያኦም ዝያዳ ተፈተውቲ ክኾኑ ኢሎም እቲ ዘምልኽዎ ሰብ ካብ ዝገለጾ ወጻኢ ዘየለ ወሲኾም ከቕርቡ እንከለው ኢሳያስ ባዕሉ’ውን እንታይ ዓይነታ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት’ዮም ዘምልኹኒ ዘለው ኢሉ ከም ዝኽዕቦ ኣይተገንዘቡን። ብሓጺሩ ኣተሓሳስባ ኣምለኽቲ ኢሳያስ “ ልዕሊ ጳጳስ ካቶሊክ ክትከውን ከም ምድላዪ ዝውሰድ’ዩ። ምስቲ ቪባ ኢሳያስ፣ መንግትና ንዓና ንሕና ንመንግስትና፣ ንመንግስትና ንሕግዝ፣ ንሕና ኤርትራውያን ኢና እናበሉ ክጭርሕዎ ዝቐነዩ ኣዛሚድካ ክግምገም እንከሎ ድማ፡ ነቲ ኣብ ዘመነ ጊላዊ ስርዓት ሰባት፡ ንሰባት ከም ተዛረብቲ ኣቕሓ ኮይኖም የገልግሉ ነይሮም፡ ጎይታኦም እንክመውት ብህይወቶም ምስኡ ይቕበሩ ነይሮም ዝብል ካብ ታሪኽ ዝተመሃርናዮ ዝመሳሰል’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 14-08-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox