^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 33 guests and no members online

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ወግሐ ጸብሐ ግፋ መፍትሒ ኣይኮነን።

ኣብ ስነ-ኣእምሮ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ጂኦግራፊ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፍጹም ከበባ ካብ ዝኣቱ ነዊሕ ግዜ በሊዑ’ዩ። ገለ ዓመታት ኣይኮነን ዓሰርተታት ዓመታት’ዩ ገይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምእዋጅ ነጻነት ሃገር ዝረኽቦ ነገር እንተሃለዎ፡ ካብ ነጻነት ዝምንጩ ክብርታት ዘይኮነስ፡ ታህዲድ፡ ጸርፍን በትርን’ዩ። መላኺ ስርዓት ኮነ ኢሉ ተስፋታት ህዝቢ ዝቐትል ዘጸልምት ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲታት ክትልም ክእውጅ ብተግባር ክትርጉም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ’ዩ ዝነብር ዘሎ። ፖሊሲታትን ኣዋጃትን ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ዕለታዊ ህይወቱ ብሰላም ብርግኣት ንኸይመርሕ ዝጻብኡ ዝዕንቅፉ ዘበሳብሱ’ዮም። ጨፍላቒ ጉጅለ ህግደፍ ብጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ፖሊሲታትን ኣዋጃትን ኣቢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ኣንታ ህዝቢ ዋና ሃገር ኣይኮንካን ክብሉ እንከለው ኣዝዩ ዘስደምም’ዩ።

ኤርትራ ግን “ባንቱስታን ወይ ዞባ ኩዋን ዙሉ” ኣይኮነትን። ኤርትራ ግን ለሴቶ ኣይኮነትን። ማለት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓባይ ሃገር ተሓጺራ ፍቓድ ናይ’ታ ዓባይ ሃገር እናማለአትን እናተጸበየትን ሃገር ኣይኮነትን። ኤርትራ ጀቤል ኤል ጣር’ውን ኣይኮነትን። ማለት ኣብ ሕምብርቲ ካልኦት ሃገራት ዝተደኮነት ግዝኣት ኣይኮነትን። ኤርትራ ነጻ ሃገር ኮይና፡ መዳውብቲ ሃገራት ዘለዋኣ ልኡላዊት ሃገር’ያ።

ልክዕ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ዕድል ዘይገበረ ህዝቢ’ዩ። እዞም ዝሓለፉ ሰብዓ ዓመታት ነዚ ህዝቢ ብዘይምሕረት ተፈታቲነሞ’ዮም። ጭቆና ውረድ ደይብ ስደት’ዩ ኣጋጣምዎ። ኣብ ስደት’ውን ቀጻሊ ምክልባት’ዩ። ይኹን ግን ብተዛማዲ ክረአ እንከሎ፡ ናብ ስደት ምምራሕ ኣይከም ሎምን። እወ ኣብ ስደት ምክልባት ኣይከም ሎምን። ሱዳን፣ ግብጺ፣ ሊብያ፣ እስራኤል፣ ጅቡቲ ዝበሃላ ሃገራት ምስ ናይ ኤርትራውያን ስደትን ምክልባትን ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለወን። ብሚኒስትሪታት ዘቤታዊ ጉዳያት እዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዝካየድ ዝተወሃሃደ ጸረ ኤርትራዊ ሃደን። ብፍላይ ስርዓት ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክበሃል ከም እንሰምዖ፡ ተጻሒፉ’ውን ከም እነንብቦ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ግፍዒታት ዘባህርር’ዩ። ብርግጽ እዚ ስደት ብማሕበራዊ ኩነታቱ ኮነ ብዝሒ ተሰደድቲ ውጽኢት ዘይጭበጥ ግጉይ ኣካይዳን ገምጋምን ናይ’ዚ ህውከት ዝመለለይኡ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ከም ሳዕቤን ናይ ከም’ዚ ዝበለ ኣካይዳ፡ ኤርትራ ደቃ ክትስእን ክትባድም ከላ፡ ብኣንጻሩ ሱዳን ብኤርትራውያን ስደተኛታት ከተዕለቕልቕ ትረአላ። እዚ ብርግጽ ሕማቕ ዕድል’ዩ። ብሕልፊ ንተሰደድቲ ኤርትራውያን ።

ነዚ ሃለዋት ኣዝዩ ክፉእ ዝገብሮ ሱዳን ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዑላትን ስምምዓትን ጀኔቫ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ናይ ፖለቲካ ግፉዓትን ካብ’ዛ ጎረቤት ሃገር ተኸላቢቶም ናብ ግዝኣታ ንዛኣትው ዘለው መሳኪን ኤርትራውያን ተቐቢላ ኣብ ክንዲ ትዘርየሎምን ተዕቁቦምን መሊሳ ክከላበቱ ክጭነቑ ምግባራ’ዩ። ስርዓት ሱዳን ኣብ መጀመርያ ተቐባሊ ስደተኛታት ክመስል ነቶም መሳኪን ኣብ ከም ሸገራብ ዝበሉ ወዲ ሰብ ንኽነብረሎም ዘጸግሙ መዓስከራት ክኣትው ይገብር ነይሩ። ደሓር ግን ብትካል ጸጥታኡ ኣቢሉ ዕለታዊ ኣብ ምክልባቶም ኣትዩ። እዚ ምስተመነዎ ከኣ፡ ግዳይ ስርዓት ህግደፍ ክኾኑ ኣሕሊፉ ክህቦም ጸኒሑን ገና ይህቦም ኣሎን። ኣብ ምጭዋዮም ኮነ ናብ ኤርትራ ኣብ ምምላሶም ብንጥፈት ይዋሳእ ኣሎ። ነቶም ዝተረፉ ድማ የበሳብሶም። ደጊሞም ክመዛበሉ ይገብር። ኣብ ከም ፖርት ሱዳን ከሰላ መደኒ ገዳርፍ ብሕልፊ ከኣ ከም ካርቱም ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ብመሰረት ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝረኽብዎ ህያባት ይኣስሩ ይገርፉ። ደቂ-ኣንስትዮ ይዕምጹ። ገንዘብን ካልእ ክቡር ንብረትን ይገፉ ይራስዩ ዝብል ሕሜታ ብቐጻሊ ክስማዕ ጸኒሑ ኣሎ። ግዳያት ዝነበሩ’ውን ምስክርነቶም ይህቡ ኣለው። ኤርትራውያን ኣብ’ታ ከም ካልአይቲ ሃገሮም ዝቖጽርዋ ሃገረ ሱዳን ከም’ዚ ከጋጥሞም ካብ ትጽቢት ወጻኢ’ዩ። ጉጅለ ህግደፍ ምውዳቑ ኣይተርፎን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ሱዳንን ግን ክቕጽሉ’ዮም። ሎሚ ኤርትራውያን ብሱዳናውያን ሕማቕ ይረኽቡ ኣለው። ጽባሕ ኩነታት ምስተቐየረ ግን ሱዳናውያን ክሓፍር’ዮም።

መሓውር መንግስቲ ሱዳን ብፍላይ ትካላት ጸጥታ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት እናፈለጡ ምስ ዕሱባት ኣባላት ስለያ ስርዓት ኢሳያስ ተሻሪኾም፡ ካብ ህይወቱ ከድሕን ጥራሕ ኢዱ ዝመጽኦም ዘሎ ስደተኛ ግዝያዊ ረብሓ ክረኽቡ ዝገብርዎ ዘለው ግፍዒ ደው ኢሎም ክሓስብሉ ይግባእ። ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘምርሑ ዘለው ጠምዮም ወይ ዓሪቖም ኣይኮኑን። ንኤርትራውይን ከፊእዎም ዘሎስ ሓደን ሓደን’ዩ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ። ፍልፍል ናይ’ዚ ንኤርትራውያን ወሪድዎም ዘሎ ኣደራዕ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዝፈጠሮ’ዩ። ኤርትራውያን ከኣ ካብ’ዚ ኣረሜን ክሃድሙ ቅኑዕን ቅቡልን’ዩ። ወጽዓኦም ከኣ ዘየካትዕ ፖለቲካዊ ምኽንያት’ዩ። ካብ’ዚ ጥረ ሓቂ’ዚ ሃዲምካ ንጠንቂ ገዲፍካ ንግፉዓት ምግፋዕ ዘተዓዛዝብ’ዩ። ዘምጸኦ ፍታሕ ድማ የለን። ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣኑ ክሳብ ዘይተወገደ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕለታዊ ሃደንን ግፋን ደው ከትብሎ ምሕላን ድማ ዘይክውንነታዊ ዘይሓላፍነታዊ ዘይውጽኢታዊ’ዩ።

ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣህጉራዊ’ዩ። ስለዚ ከኣ መንግስቲ ሱዳን ንኣህጉራዊ ውዑል ጀኔቫ ከኽብር ነይርዎ። ምክልባቶም፣ ምእሳሮም፣ ምርሳዮም፣ ካብ’ዚ ሓሊፉ ከኣ ብኣባላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ ክጭወዩ ክስወሩ ከፍቅድ ወይ ክጥርዞም ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣህጉራዊ ውዑላት እንተወሓደ ብስኽፍታ ከኽብሮ ነይርዎ። ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ናይ ኣልማማ ጥርዝያ ፋይዳ ስለዘይብሉ ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። መንግስቲ ሱዳን ዋላ ስምዒት ናይ ህዝቡ’ውን ኣብ ግምት ከኣቱ ነይርዎ። ምኽንያቱ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ሰፊሕ ግፋ ንህዝቢ ሱዳን ዘሐጉስ ኣይኮነን። ንህግደፍ ጥራሕ’ዩ ዘሐጉስን እፎይታ ዝህብን። ስለዚ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ወግሐ ጸብሐ ካብ ምግፋፍን ምክልባትን፡ ናብ’ቲ ጠንቂ ምጥማት ሓላፍነታዊ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ካብ ዘይነብ ዓብደል ቃድር

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰልማን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 16-10-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox