^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 32 guests and no members online

ህዝቢ ብቕልጽምካ ምምራሕ፡ መንቀሊኡ ፍርሓት’ዩ።

ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 26 ዓመታት ጥራሕ ነቶም ኣብ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ከይጸብጸብና፡ ንኢሳያስ/ህግደፍ ብዙሓት ካብ ባህሪኡ ዝመንጨው ተቓውሞታት’ዮም ገጢመሞ። ኩሎም እቶም ናይ ተቓውሞ ብደሆታት ከኣ ቅቡላት’ዮም። እዚ ናይ ኣደባይይ ምስጢር ብከም’ዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል። ኣብ 1993 ሓፈሻዊ ተቓውሞ ተጋደልቲ፣ ኣብ 1994 ማሕበራዊ ሕቶ ዝመንቀሊ ካብ ውጉኣት ሓርነት ዝተበገሰ ተቓውሞ፣ ምስ ሃገረ ሱዳን፣ ሃገረ የመን፣ ሃገረ ጅቡቲ፣ ሃገረ ኢትዮጵያ፣ ኣብ 2001 ኣብ ማይቤቱ ዝተፈጥረ ጽገናዊ ለውጢ ዝጠልብ ተቓውሞ፣ እንደገና ምስ ሃገረ ጅቡቲ፣ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2013 ጅግና ወዲ ዓሊ ዝተሰወኣሉ ናይ ሰራዊት ምንቅስቓስ እዚ እቲ ዝፈረየን ኣብ ሰብኣውን ቁጠባውን ትሕዝቶ እዛ ሃገር ጸሊም ታሪኽ ዘምዝገበን ተርእዮታት’ዩ።

ኣብ ደቂቕ ምስ እንኣቱ ክንደይ ዜጋታት ብጭውያ ተወሲዶም፣ ብደይ መደይ ተቐቲሎም፣ ንብረቶም ተራስዮም፣ ክንደይ ኣንስቲ ሓዳር ተራኺሰን፣ ክንደይ ሓዳር ፈሪሱ፣ ክንደይ ህጻናትን ሽማግለታትን ኣልቦ ኣላይን ጠዋርን ተሪፎም፣ ክሳብ ክንደይ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተነጺልና፣ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኩሉ ፍርያት ጉጅለ ህግደፍ ፖለቲካዊ ሚዛና ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ሕድሕዳዊ ምትሕልላይና፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ፍቕርና ኣብ ከመይ ይርከብ፣ ሰብኣዊ ክብረትናን ቁጠባዊ ውድቀትናን ከ ምስ እንፍትሽ ብርግጽ ዘባህርር’ዩ።

እዚ መላኺ ኢሳያስ ውልቃዊ ድሌቱ ንከዐውት ክብል ኣብ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ኣዕናዊ ውዲታት ዝገጠሞ ብደሆታትን ዝፈጸሞ ገበናትን ዘርኢ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ተቓውሞን ብደሆን ኣብ ልዕሊ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣጋጢሙ ነይሩ እንተዝኸውን እቶም መራሕቲ ዋላ ክንዲ ዝኾነ ህርፋን ስልጣን ይንበሮም፡ እንታይ ይገብር ኣለኹ ኢሎም ደው ኢሎም ምሓሰቡ፡ ኣብ ኣካይዳኦም ገለ ምትዕርራያት ምገበሩ። ድሕረ ባይታኦም ምመርመሩ። ገለ ከኣ ስልጣኖም መረከቡ። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ግዕዘይ ኣካይዳ፡ ዝገጦም ተቓውሞን ዝተሓጽቦ ደምን ከይሓወስና፡ ሃገር ምምራሕ ካብ ዝጀመረሉ ዝገጠሞ ህዝባዊ ተቓውሞ ቀሊል ኣይኮነን። ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ከኣ ካብ’ዚ ንላዕሊ መምሃሪ ክጽበ ኣይክእልን’ዩ።

ኣብ ታሪኽ ውድብ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ግን እቲ ፈጣርን መራሕን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣይስከፍ፣ እቶም ሕጋውያን ሚኒስተራትን ሰብ ጽሩራን መሲሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሽካዕልሉ ኣይሓፍሩ፡ ሓፋሽ ውድባት ኢና በሃልቲ ኣይልብሙ፡ መን ከማን እናበሉ ክድብሉ እነሆ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ገይሮም። እዚ ዘርእየና ነገር እንተሃለወ ኢሳያስን ጉጅለኡን ሓደ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ደለይቲ ዝናን ስልጣንን’ዮም። ካልኣይ ነቲ ዝደልይዎ ዝናን ስልጣን ብብቕዓት ብሕጊ ክረኽብዎ ባህሪኦምን ዓቕሞምን ኣይፈቐደሎምን። ሳልሳይ ፈራሓት’ዮም ደፋራት ኣይኮኑን።ራብዓይ ከሓድትን ሓሰውትን’ዮም። ካብ ከም’ዚ ዝበለ መራሒ፡ ውድብን ኣባላትን ዝርከብ ፍርያት ድማ እዚ ሕጂ ኤርትራውያን ነሕልፎ ዘለና ፖለቲካዊ ህይወት’ዩ። ብቑዑን ደፋርን ፖለቲከኛ ዝህቦ ፍርድን ፈራሕን ጨካንን ዝህቦ ፍርድን በበይኑ’ዩ። ህግደፋውያን ዝብልዎን ዝገብርዎን ዘለው ከኣ ናይ ፈራሓትን ጨካናትን ‘ዩ። ድምጺ ህዝቢ ኣይሰምዑን። ሰብኣዊ መሰል ኣየኽብሩን። ብሕጊ ኣይግዝኡን። ፖለቲካዊ ነውሪ ኣይፈልጡን። ኩሉ ነገር ብጎነጽ ብሓይሊ፡ ብደም፡ ብራዕዲ፣ ብስርቂ፣ ብምድንጋር፣ ብትምክሕቲ ሰጥ ለበጥ ኣቢሎም ክገዝእዎ’ዮም ዝደል’ዩ። ባህሪና፡ ስልጣናን ታሪኽናን ተግባርን ኣይግበሮ ድማ ብገለ ሸነኹ ድሌቶም ኣሳኺዖም ኣለው።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ትሕተም ፋይናሻል ታይምስ ዝተባህለት ጋዜጣ፡ ጋዜጠኛ ሜሑል ቫስቲቫ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ርእይቶኡ ክህብ እንከሎ፡ መራሒ ሃገር ኮይንካ ካብ ህዝብን ትካላት ህዝብን፡ ትፈርሕ ትሃድም፡ ንኩሉ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳያት ብቕልጽምካ ክትመርሖ ከተመሓድሮ ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ ብዘይጥርጥር ናይ ጥዕና ምልክት ኣይኮነን። ብሕክምና ዝፍወስ ድዩ ብሕጊ ዝእረም ደኣዩ ዘይተነጸረ ‘ምበር ሕማምሲ ጌርካ ኣለኻ ማለት’ዩ ይብል። ናይ ኤርትራ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ሕጋዊ መራሒ ናይታ ሃገር ኮይኑ’ዩ ዝቐርብ። ማዕከናት ዜና ናይ’ታ ሃገር’ውን ብተመሳሳሊ ሕጋዊ መራሒ ገይሮም’ዮም ዝገልጽዎ። ዝውድስዎ። መን ከማኻ ዝብልዎ ብምባል ድማ ኣግራሞቱ ይገልጽ እቲ ጋዜጠኛ። ቀጺሉ ነቶም ኣብ ማዕከናት ዜና ናይ’ታ ሃገር ብሞያ ጋዜጠኝነት ዝሰርሑ ዘለዎ ዜጋታት፡ እዚ ፕረዚደንት ትብልዎ ዘለኹም በየናይ ሃገራዊ ቅዋም፣ ኣበየናይ ግዜ፣ ምስመን ተወዳዲሩ፡ ብመን ዝተመርጸ መራሒ’ዩ ዝብል ሓታተይን ነጻ መድረኽን እንተዘጋጥሞም፡ ክሳብ ሎሚ ካልእ ምዕባለታት ኣይረኣናን። ኣብ’ዚ ርብዒ ዘመን ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ድማ ካብ ሓደ መስኖ ዝፈስስ ስለ ዝኾነ፡ ቀስ ብቐስ ኣብ ኣእምሮና ገዛኢ ቦታ ሒዙ ደቢሉና ይኸውን። ንስለ ህዝባውነቱን ሕጋውነቱን ግን ንፈልጦ የብልናን ምበሉ ኢለ እግምት ክብል ኣሲፍሪኡ ይርከብ። ሓቁ’ዩ። ናይ ህግደፍ ነገር ኩሉ ካብ ኣጉል ትምክሕቲ ዝምንጩ ኮይኑ፡ ምድንጋር፣ ፍርሒ፣ ስምዒታውነት፣ ይመስለኒ፣ ተደዋዊሱ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዝምራሕን ዝስራሕን።

ሚናስ ተኣምራት

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 18-10-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox