^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 46 guests and no members online

መጋበርያ ሓደ ሰብ፡ ዓለቕቲ ሕብረተ-ሰብ፡-

ጥዕና ዘለዎ፡ ነጻ ህላወ ዘለዎ ሰብ ኣብ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ’ዩ ዝተኣማመን። ኣብ ሓቅን ፍትሕን ድማ’ዩ ዝምርኮስ። ዓቕሙ ክንዲ ዘፍቀደሉ ከኣ ንረብሓን መሰልን ህዝቢ ይሰርሕ። ኣብ ነብሱ ዘይተኣማመን ሰብ ብኣንጻሩ፡ ካብ ሓቅን ፍትሕን ይሃድም። ንልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ኣትሒቱ ይርኢ። ድሕነት ቀጻልነቱ ኣብ ውልቀ ሰባት ይተኣማመን። ንገዛእ ርእሱ ክዓግብ ዘይኮነ ነቶም ዘምልኾም ውልቀ ሰባት ከዕግብ፡ ኣብ ዓመጽ፣ ሓሶት፣ ምድንጋር፣ ገበን ይዋፈር። ለባም መስተውዓሊ ክመስል’ውን ይፍትን። ብተግባር ግን፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ፡ ኣብ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ኣብ ቅኑዕ ፖለቲካዊ መስመርን ሓቅን እምነት ዘይብሉ ኣንፈቱ ዘይፈልጥ፡ ብሕግን ብሕልናን ኣብ ዘሕትት ብገበን ዝጨቀወ ባይታ እናንሳፈፈ ንጎይታኡ ክብል ዝነብር ውሽጠ ባዶ ፍጡር’ዩ።

እዚ ከም’ዚ ዓይነት ዘሕፍር ውዱቕ ተግባር ብደረጃ ውልቀ-ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብደረጃ እኩባት ሰባት’ውን ክፍጸም ይረአ’ዩ። ኣብ ዓለምና ብዙሓት መለኽቲ መራሕትን መንግስታትን፣ ኣገልገልቶም ዝኾኑ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ተራእዮም’ዮም። መን ኣበይ መዓስ ንምርግጋጽ ርሑቕ ከይድና ማህደራት ታሪኽ ክንገናጽል ኣይንደክምን። ምኽንያቱ ኣብ ቤትና፡ ኣብ ገዛእ ርእስና፡ ኣብ መድረኽና ዝግበር ዘሎ ጉድ ጭቡጥ መረዳእታ’ዩ። ብሕጋዊ ዓይኒ፡ ስሩዕ ኣኼባ፡ ጉባኤ ዝገብር፡ ምልኣተ መሪሕነት ዘለዎ፡ ሓቢሩ ዝሰርሕ ህግደፍ ዝበሃል ፖለቲካዊ ውድብ የለን። ብጉልባብ ናይ’ቲ ህግደፍ ዝብል ስም ኣብ ገበናዊ ተግባራት ዝነጥፉ ውዳቤታት ግን ኣለው። መንእሰያት ህግደፍ፣ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ ሃማመተኤ፣ ሃማደኤ፣ ሃኮሰኤ። ናይ’ዚኦም ውክልና፣ ናይ’ዚኦም ሕጊ፣ናይ’ዚኦም መራሒ፣ ተጸዋዒ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ’ዩ። ኢሳያስ ብዝደለዮ ኣረኣእያ ይቓኒዮም፡ ብዝደለዮ ውደባታት ይሰርሖም ይፍጠሖም፣ ብዝደለዮ ፖለቲካዊ ቋንቋ የዛርቦም፣ ናብ ዝደለዮ ስራሕ ድማ የዋፈሮም። ንሳቶም ግን ናበይ? ስለምንታይ? ብኸመይ? ኣይብሉን። ትእዛዝ ጎይታኦም ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ይፍጽሙ። ጎይታኦም እንተተሓጒሱ ይስሕቁ፡ እንተኸፊእዎ ይሓዝኑ። ብሓቂ ህልዋት ዘይህልዋት’ዮም።

ኣብ’ዚ ቅኒያት ህዝቢ እከለ ዝተባህለ ከባብን ዓድታትን ኣመሓደርቶም ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም ተባሂሉ ከበሮ ይድሰቕ ኣሎ። ብደሞራስያዊ ኣገባብ ኣመሓደርቲ ወይ ወከልቲ ህዝቢ ምምራጽ ግን ብድሌት ጥራሕ ዝፍጸም ተራ ነገር ኣይኮነን። ሃገራዊ ቅዋም ዝእዝዞ ሕጋዊ መስርሕ፣ ናይ ሰላም ውሕስነት፣ ዜጋታት ንክመርጹን ክምረጹን ዕድል ዝህብ ጥጡሕ ደሞክራስያዊ ባይታ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ቅርቡነትን ህዝቢ ይጠልብ። እዚ ኩሉ ሎሚ ካብ ምድሪ ኤርትራ ርሒቑ ኣሎ። ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የለን። ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ የለን። ናይ ሰላም ውሕስነት የለን። ጥጡሕ ደሞክራስያዊ ባይታ የለን። ስለዚ ከኣ ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ብርእሰ ምትእምማን ብነጻነት ክመርጽ ኮነ ብነጻነት ተወዳዲሩ ክስዕር ኢሉ ቅሩብነት ዘርኢ ነጻ ዜጋ የለን። ኣብ ዘይህላወ ናይ’ቲ ግድን ክህሉ ዝነበሮ መሰረታዊ ረቛሒታት ምርጫ’ዩ ’ምበኣር፡ በዓል ክስቶ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መራሕቶም ኣመሓደርቶም ኣነባበርቶም መሪጾም ተባሂሉ ዝዝመር ዘሎ። ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፣ ሃገራዊ ባይቶ፣ ብሕጊ ዝተቐርጸ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣብ ዘይብሉ፡ ብስመ ደሞክራስያዊ ምርጫ ኣብ ስለያዊ ተግባራት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባት፡ ብካልኦት ሰለይቲ ካብ ምትካእ ዝሓልፍ ፋይዳ ዘለዎም ናይ ህዝቢ ኣመሓደርቲ ክምረጹ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ኣሳሰይቲ ናይ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ብልኡላውነት ህዝቢ ዝግበር ጠላዕ፡ መንእሰያት ህግደፍ፣ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ ሃማመተኤ፣ ሃማደኤ፣ ሃኮሰኤን ካልኦት ቅሉዓትን ስውራትን ውዳቤታት ኢሳያስ’ዮም። መረጽትን ተመረጽትን ናይ’ቲ ዝበሃል ዘሎ ድራማዊ መድረኽ ‘ውን ንሳቶም’ዮም። ናብ’ቲ ድራማዊ መድረኽ ምርጫ ዝምደብ ጋዜጠኛ ድማ ንመን ይሓትት እንታይ ይሓትት ኣቐዲሙ ብትካል ስላያ ዝተዋደደ’ዩ። ውዳቤታት ኢሳያስ እንታይ ከም ዝሕተቱ እንታይ ከም ዝምልሱ’ውን ኣቐዲሙ’ዩ ብጽሕፉን ብኣኼባን መልክዕ መምርሒ ዝወሃቦም። እቶም ኣብ መስኮት ቴለቪዥን ቀሪቦም ህዝቢ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣመሓደርቱ ይመርጽ ኣሎ። ህዝቢ ንመን ይመርጽ ንመን ኣይመርጽን ኣጸቢቑ’ዩ ዝፈልጥ። ህዝቢ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ዓብዩን ሰፊሑን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ስልጡን ህዝቢ’ዩ። ኣብ መንግስቱ ዘለዎ እምነት ከኣ ዝለዓለ’ዩ። ካብ’ዚ ሕግን ትርጉም ሕግን ብግቡእ ዝርዳእ ምዕቡል ህዝቢ ብምፍጣረይ ማራ የሐጉሰኒ። ከመይ ክገልጾ ቃላት ይሃጽረኒ። እዚ ሓደን ዝዓበየን ካብ ፍረ ነጻነትና’ዩ ዝብል መሰረት ዘይብሉ መደረ ዘቕርቡ ድማ ንሳቶም’ዮም። እቶም ንኽብሪ ሓደ ሰብ ክብሮም ዝሸጡ ሰለይትን ኣሳሰይትን።

እንተ ህዝብታት ኤርትራ ግን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብህይወት ከመይ ንነብሩ ደኣምበር ኣብ ምርጫን ወዲ ምርጫን የለውን። መተረከስ ጎሮሮ ዝኸውን ማይ፣ ቀረብ መግብን መብሰሊ ዝተረኽበ ብሒቑን ጸብሕን ዝኸውን ጸዓት ዝተኸልከለ ህዝቢ፡ ውሉድን ወላድን ከይራኸብ ሰላሙ ዝተዘርገ ህዝቢ፣ ሰብኣዊ ክብሩ ዝተዘርዐ ህዝቢ፣ ኣብ ረመጽ ረጊጹ ኣመሓደርቱን መራሕቱን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹን ይመርጽ ኣሎን ማለት ውጹእ ሓሶት፡ ልክዑ ዝሓለፎ ንዕቀት’ዩ። ኣብ’ዚ ዝበሃል ዘሎ ድራማዊ ምርጫ ተመሪጾም ዝበሃሉ ከኣ መጋበርያ ሓደ ሰብ፡ ዓለቕቲ ሕብረተ-ሰብ’ዮም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 23-10-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox