^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 49 guests and no members online

ሰራዊት ምልኪ ዋልታ ሃገር ኣይኮነን ክኸውን ድማ ኣይክእልን።

ብባዕዳዊ መግዛእቲ ድዩ ብዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ዝተጋህሰ፣ ልኡላዊ ስልጣኑ ዝተመንዘዐ፣ ቁጠባዊ ረብሓ ከይረክብ ዝተነፍገ ህዝቢ፡ መሰሉ ከረጋግጽ ክቃለስ ናይ ግድን’ዩ። እቲ ቃልሲ ሰላማውን ፖለቲካውን ክኸውን ይኽእል። ናይ ከተማ ዓመጽ ክኸውን ይኽእል። ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ክኸውን ይኽእል። እዚ ዓይነትን ደረጃን ናይ’ቲ ግርጭት፡ ኣብ’ቲ ግርጭት ዝዋስኡ ሓይልታትን ንቕሓት ህዝብን ዝውስኖ’ዩ ዝኸውን። ንሕና ኤርትራውያን ካብ ግዜ ሞግዚትነት ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኣርባዓታት ዘመናዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከም ዝጀመርና ታሪኽ ይሕብር። ኣብ መድረኽ’ቲ ብውዲት ዝተሰርሐን ዝፈረሰን ፈደሬሽን ድማ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይድና። በዚ ኣቢልና ወነንቲ መሬትናን ሰብኣዊ ክብርናን ክንከውን ስለ ዘይከኣልናን ብሓይሊ ተንበርኪኽኩም ንበሩ ዝብል መግዛእቲ ስለ ዝገጠመናን ምስ ብዙሕ ጎደለታቱ ናብ ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ኣቲና። ብወድዓዊ ተጽዕኖ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብባዕላዊ ድኽመታትናን ድሑር ናይ መን ዓብለለ ላዕለዋይ ኢድ ሓዘ ውሽጣዊ ምትህልላኽን ምሉእ ህዝባዊ ደገፍ ዝነበሮ ህዝባዊ ቃልሲ 30 ዓመት ወሲዱ። ከቢድ ዋጋ ድማ ኣኽፊሉ። እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ኣብ መንጎ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ብዝነበረ ደማዊ ኲናት ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝነበረ ዘይመሰረታዊ ካልኣዊ ፍልልያት’ውን እምበር።

እዛ ናይ ሎሚ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ በዚ መስርሕ’ያ ኣቢላ’ያ መጺኣ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ፡ መግዛእታዊ ሰራዊት ኣብ ምልጋስ መሪሓዊ ተራ ነይርዎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ምኽንያታዊ ፍልልይ ዘይነበሮ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ውድባት ጀብሃን ሻዕብያ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብዘስካሕክሕ ጭካነ ዛዚሙ፡ ኣብ ውሽጡ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ንዝለዓሉ ዝነበሩ ደሞክራስያዊ ሕቶታት ብጭውያን ቅትለትን ኣዳኺሙ’ዩ ኣትዩ። ድሕሪ መሬታዊ ልኡላውነት ከኣ፡ ምስ ህዝቢ ታራኽቦን ሃገራዊ ተብሎን ዝነበረት ዕትብቲ በቲኹ። ጠቕሊሉ ናብ ዕሉል ደመኛ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ተሰጋጊሩ። ቀጻልነት ልኡላዊ ህዝብን ልኡላዊ መሬትን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዝርከብ፡ ብደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝተጨማለቐ ታሪኽ ዝሰነደ ገበናዊ ጉጅለ’ዩ።

እዚ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ፍጹም ሓደጋ ዘውደቐ መሪሕነታዊ ኣካል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ክሳብ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ተጋደልቲ ኤርትራን ስቪል ዜጋታት ኤርትራን ኢ-ሰብኣዊ ጨካን ግፍዕታት ክፍጽም እንከሎ፡ በቶም እንተስ ብውዲ ወይ ብግዲ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ናይ ሎሚ ወተሃደራት ኣቢሉ’ዩ ዝትግብሮ ነይሩ። ፖለቲካዊ ባህሪ ናይ’ቲ ውድብ ከም ዘመልክቶ፡ ነቲ ውድብ ክሳብ ብደረጃ መሪሕነትን ኣባላት ሚስጢራዊት ሰልፍን ኮይኖም ዝተዋስእሉ ፈለጥቲ ውሽጢ ብመርተዖታት እናደገፉ ብዝህብዎ ዘለው ምስክርነትን ድማ፡ ኣብ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣብ ክብርን ወሳንነት ህዝብን ዝተዛበዐ ኣረዳድኣ ዝነበሮ ምዃኑ’ዩ። እዚ ኣብ ምምራሕ ህዝብን ሃገርን መሰረታዊ መምዘኒ ዝኾነ ነጥብታት ብግቡእ ከጨበጠ፡ እቲ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ፈጺሙ ብህዝባውነት ከይተገርሐ፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብዝረኸቦ ወተሃደራዊ ዓወታት ሰኺሩ ብቕልጽሙ እናስተንፈሰ ከም ፖለቲካዊ ሰራዊት ዘይኮነ፡ ከም ዝጸገበ ኣርሓ ፉፍ በል፡ እናበለ ዝንቁ ዝነበረ ሰራዊት’ዩ። ብሓጺሩ ትማሊ ብደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይኮነ፡ መሪሕነት ኢሉ እናበለ ናበይ ብከመይ ከይሓተተ ዝተባህሎ ጥራሕ ዝፍጽም ዝነበረ ሰራዊት’ዩ። ሎሚ ብተመሳሳሊ ናይ ገዛእ ርእሱ መሰል’ውን ከኽብር ዘይከኣለ ብሓደ ውድብ ዘይኮነ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ሰራዊት ኮይኑ’ዩ ዘገልግል ዘሎ።

ከም’ቲ ዘይብሉ ከለቅሕ ዘይኽእል፡ ሓርነታዊ መሰሉ ዘየኽበረ እኩብ በዓል ብረት ድማ፡ ፈሪሱ እንደገና ስርናይን ክርዳድን ተለልዩ ከይተሰርሐን ከም ዘለዎ፡ ናይ ህዝቢ ሰራዊት ክኸውን ልኡላውነት ህዝብን መሬትን ከኽብር ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካብ መግዛእቲ ነጻ ዝወጽአት ሃገር ስለ ዝኾነት ሓለዋ የድሊያ። ኣብ’ዚ ፍልልይ የለን፡ ካብ መግዛእቲ ነጻ ዝወጸት ኮነ ዘይወጽአት ሃገር ሓለዋ የድሊያ። እቲ ሓላዊ ግን መን’ዩ? ብመሰረት ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዝቖመ፡ ዝቖመሉ ዕላማን ተልእኾኡን ብልክዕ ዝፈልጥን ዘኽብርን ክኸውን ኣለዎ። “ቅዋም የለን። ዋላ ቅዋም ኣይሃሉ ግን እቲ ሰራዊት ዋልታ ሃገር’ዩ ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ብመሰረት ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዘይተመስረተ፡ ኣብ ውዑይን ዝሑል እቶ ኣብ ዝተባህሎ ክኣቱ ደኣምበር ንመሰሉ ንኽብሩ ዘይከላኸል ዋርዲያ ሓደ ሰብ ኮይኑ ኣብ ባርነት ዝነብር ዘሎ ሰራዊት፡ ዋልታ ህዝብን ሃገርን ክኸውን ብኸመይ? በየናይ መምዘኒ? ህዝቢ’ኮ ፖለቲካዊ ፍትሒ ደኣምበር፡ ፖለቲካዊ ጽድቂ ንምርካብ ኣይኮነን ዝቃለስ ዘሎ። ሃገር ብዘለዋ ሰራዊት’ያ ትግልገል ትሕሎ’ውን ተባሂሉ። እንታይ ዓይነት ሰራዊት? ህዝባዊ ሰራዊት እንተደኣ ኮይኑ ህዝቡ የኽብር ንልዕላውነቱ ይከላኸል። መሳርሒ ውልቀ መለኽትን ፋሽሽታውያንን ዝኾነ ሰራዊት ግን መጀመርያ ህዝቡ’ዩ ዝጭፍጭፍ። ህዝቡ ኣሕሲሩ ነቶም ውልቀ ሰባት’ዩ ዘኽብር። ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝርከብ ሰራዊት’ኮ ናይ ብሓቂ ህዝባዊ ሰራዊት ኣይኮነን። ኣንጻር ረብሓን መሰል ህዝብታት ኤርትራ ዝሰርሕ ዘሎ ሰራዊት እኮ’ዩ። ሰባት ዝጨዊ፣ ዝኣስር፣ ዘሳቒ፣ ዝቐትል፣ ተኲሱ ዝቐትል ዘሎ’ኮ ካልእ ኣይኮነን ንሱ’ዩ። ኣብ ዶባት ዓስኪሩ ብተመልከተለይ ህይወት ሰብ ዝቐዝፍ ዘሎ’ኮ ካልእ ኣይኮነን ንሱ’ዩ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ኣስታት 27 ዓመታት ከም ሰራዊት እንታይ ጽቡቕ ገይሩ? ንህዝብታት ኤርትራ ከም ህዝብታት ኮነ ንሃገረ ኤርትራ ከም ሃገር ብተግባር ጎዲእዋ ደኣምበር ብኣወንታ ክትስመ፡ ከይትድፈር ክትሕፈር ኣይገበረን። ሱዳን ከይድካ ተዋጋእ ተባሂሉ ተዋጊኡ። የመን ከይድካ ተዋጋእ ተባሂሉ ተዋጊኡ። ኣብ ጅቡቲ ከይድካ ተዋጋእ ተባሂሉ ተዋጊኡ። ኣብ ኢትዮጵያ ከይድካ ተዋጋእ ተባሂሉ ተዋጊኡ። ንውጉኣት ሓርነት ማይ ሓባር ጨፍጭፎም ተባሂሉ ጨፍጪፉ። ንተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨሪሲቲ ህረሞም ተባሂሉ ሃሪምዎም ኣሲርዎም። ኣባይቲ ኣዕኑ ተባሂሉ የዕኑ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ከምኡ ብምግባሩ ክኹነን ‘ምበር ክምጎስ ኣይግባእን። ውሽጣዊ ስኒት ክልሕልሕ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ዞባውን ኣህጉራውይን መድረኻት ክንጸል ኣስተዋጽኦ ገይሩን ይገብር ኣሎን። ህዝቢ ዝነበሮ ክስእን ሃገሩ ከዲፉ ሃጽ ኢሉ ክስደድ ክዋረድ ናቱ እጃም ተጸዊቱ። ከም ተተኳሲ ዘለዎ ዕጡቕ ትካል ካብ ላዕሊ ንዝመጽኦ ንገዛእ ርእሱን ንህዝብን ዘይጠቅም ትእዛዝ ፊት ንፊት ተቓዊሙ ክዓጽፍ ግን ኣይተራእየን።

ልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ረመጽ ረጊጹ ብዘይ ብቑዕ ደሞዝ፡ ሕክምናን ውሑስ ማሕበራዊ ህይወት ዝነብር ዘሎ ንምልኪ ኢዱ ዝሃበ ሰራዊት እኮ’ዩ። ብርግጽ ኩሉ ብገበን ዝሕተት ኣይኮነን። እቲ ዝበዝሐ ብውድዕነቱ ደጋፊ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ዩ ዝብል መጎት የኽይድ’ዩ። ከም ትካል ዋልታ ሃገር ገይርካ ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ህዝባዊ ልምዓት ከውሕስ ትጽቢት ክትገብረሉ ግን ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ። ንህግደፍ ደው ኣቢልዎ ዘሎ’ኮ እዚ ጸረ-ህዝቢ ትካል’ዚእዩ። ስለዚ ክበሃል ዘለዎ ካብ ተራ ማሕበራዊ ምድንጋጽ ብዝደሓነ፡ ኣንታ ኣብ መሳርዕ ህግደፍ ዘለኻ ውጹዕ ወተሃደር ዘለኻዮ ደምበ ናትካ ኣይኮነን። ረብሓኻ ኣብ ናይ ስርዓት ለውጢ’ዩ። ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ጸላኢኻ’ዩ። ብዝጥዕም ኣገባብ ነቲ ጉጅለ ንምድኻምን ንምውጋድን ተረባረብ። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ብባርነት ትሰርሕ ዘለኻ ንስኻ ኢኻሞ ዘለኻዮ ትካል ከም ትካል ንምፍራስ ኩሉ ኣገባብ ተጠቒምካ ንመሰልካ ደው በል’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ትካል ህግደፍ ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለን ትእዛዙ ክሳብ ዝፈጸምን ግን ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዋልታ ህዝብን ሃገርን ኢልካ ክትጽበዮ ናይ ርእይቶ ምዝባዕ ‘ምበር ሓቀኛ ፖለቲካዊ ሚዛን ክኸውን ኣይክእልን።

ሃገር ኣብ ቅልውላው ከይትኣቱ ተድሕና ንስኻ ኢኻ ዋልታናን ክብረትናን ኢኻ ምባል ካብ ክውንነት ዝረሓቐ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዓሚቅ ቅልውላው ከም ዝርከብ፡ ሰብ ይሽየጥ፡ ስድራ ቤታት ይጸንታ፡ ዓድታት ይባድማ ከም ዘለዋ ምዝንጋዕ ወይ ክትቅበል ዘይምድላዩ ዘስምዕ። ስለዚ ህልዊ ዕጡቕ ክፍልታት ህግደፍ ከም ትካል ንህዝቢ ኤርትራ ዘድሚ ደኣምበር፡ ንኽብረት ህዝቢ ኤርትራ ደው ዝበለ ኣይኮነን’ሞ ማሕበራዊ ምድንጋጽን ፖለቲካዊ ናይ ስርዓት ለውጥን እንተዘይተደዋወሰ፡ ተነጺሩ እንተተቐመጠ ጽቡቕ’ዩ። ምኽንያቱ ሰራዊት ምልኪ ኣብ ዝኾነ ሃገር ዋልታ ህዝቢ ኣይኮነን። ክኸውን ድማ ኣይክእልን’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 27-10-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox