^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 75 guests and no members online

ፖለቲካዊ ባርነት ዝወለዶ ጉልበታዊ ባርነት

ባርነት ጥንቲ ዝነበረ፡ ግን ከኣ ዝተሰግረን ታሪኽ ዝኾነን ይመስል ነይሩ። ከም ሓቂ ግን ብኣተሓሳስባን ተግባርን ዛጊት ካብኡ ዘይወጽኡ ሰባት ኣለው። ሰባት ክንሶም ብተዘዋዋሪ ንከምኦም ዝበሉ ሰባት ዝበልዑ ሰባት ኣለው። ጥንቲ ኮነ ሎሚ ድማ ምንጪ ባርነት፡ ስእነት ህዝባዊ ሓርነት’ዩ። ምጉዳል ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ምጥፋእ ማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነትን’ዩ። እዚ ኩሉ ከኣ ተቓሊስካ ክቕየር ዝኽእል፡ ስሰዓ ወዲ-ሰብ ዝወለዶ ሕማም’ዩ። ዘይደሞክራስያውያን፣ ንጉሳውያን፣ መለኽትን ፋሽሽታውያንን ስርዓታት ልዕና ኣብ ዝሓዙለን ሃገራት ይዓብን ይንእስን እንተዘይኮይኑ ኣብ መንጎ ዜጋታት ኣድልዎ ኣሎ። ካብ ባህሪያዊ ሃገራዊ ጸጋታት ብፍልጠትካ፣ ብጉልበትካ ብማዕረ ዘይምጥቃም ኣሎ። ክሳብ’ውን ነታ ናይ ተፈጥሮ ህይወት ዘይምውናን ኣሎ። እቲ ገለ ኢዱ ኣብ ስራሕ ከይሰደደ ዝያዳ ክጥቀም ኣብ ምቾት ክነብር፡ እቲ ገለ ድማ ዝያዳ ለፊዑ ርሂጹ ክንሱ፡ ንምንባር ክጽገም ብድሕረትን ድኽነትን እናተገርፈ ክነብር ይፍረድ። ከም’ዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ምሕደራ ድማ ዝጽወር ኣይኮነን። መሰረታዊ መድሓኒት ናይ’ዚ ተወዲብካ ቃልሲ’ኳ እንተኾነ፡ ገለ ሰባት ብህድማ ዝገላገሉ ስለ ዝመስሎም፡ ካብ ማይ ቤቶም ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ይረኣዩ።

ስለዚ ቀዳሞት ተሓተቲ ናይ ባርነታዊ ገበን፡ ኣብ’ተን ባሮት ዘመንጭዋ ዘለዋ ሃገራት ዘለው ፖለቲካዊ ስርዓታት’ዮም። ከም’ቲ “እንተዘይትነንወኒ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል ምስላ፡ ሰባት ኣብ ሃገሮም ሰብኣዊ ክብረት ምስ ሰኣኑ፡ ብህይወት ንምንባር ምስተጸገሙ፡ ኣማራጺ ምስ ሰኣኑ’ዮም ብዝዕድለይ ዝስደዱ። ብውዲ ድዩ ብግዲ ናቱ ገዲፉ ናብ ዘይናቱ ዝኸደ፡ መን ኢኻ? ኣበይ ኣለኻ? እንታይ ኣጋጢሙካ ዝብል ወገን ወይ መንግስቲ ዘይብሉ ሰብ ድማ፡ ሕልናኡ ቀቲሉ ተመሳሲሉ ክነብር፣ ብዝተሓተ ወይ ስማዊ ክፍሊት ከገልግል፣ ብደው ንባርነት ሰባት ክዋገይሉ፣ ዝተመርጸ ክፍሊ ኣካላቱ ተመዝሒቑ ንመናውሒ ዕድመ ሰብ ገንዘብ ክሽየጥ፣ ኮታ ከም ተዛራቢ ኣቕሓ ተቖጺሩ ንነብሱ ዘይኮነ፡ ንካልኦት ክነብር ይግደድ። መዛግብቲ ታሪኽ ከምኡ’ዮም ዝምህሩ። ኣብ መድረኽና ኣብ ሲና፡ ኣብ ሊብያ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ነቲ ዘስካሕክሕ ሕሉፍ ተግባር ዝደግም’ዩ። ነቲ ክፉእ ታሪኽ ዘሕድስ’ዩ። ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ደግሲ ባርነት ምምጻእ ማለት ንደረጃ ኣተሓሳስባ ናይ ደቂ-ሰባት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ዘሕፍር ክስተት’ዩ።

ምንጪ ናይ’ዚ ብሞራል ዘሕፍር፣ ብገበን ዘሕትት ኢ-ሰብኣዊ ተግባር መዘውር ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ውድባት ወይ መንግስታት’ዮም። እቶም ብሻምብቆ ብረት ኣገዲዶም ዝጨውዩ፡ ንባርነት ዝሸጡ ዘሰጋገሩ ዘለው ውልቀ ሰባት ድዮም ጉጅለታት ድማ፡ ንገዛእ ርእሶም ብናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ዝተጠቕዑ’ዮም። እቶም ኢዶም ንድሕሪት ተኣሲሮም ኣብ መቑሕ ባርነት ዝኣትው ዘለው መሳኪን ግዳያት’ውን፡ ካብ’ቲ ባርነታዊ ኣተሓሳስባ ናቶም ብጽሒት ዝወስዱ’ዮም። ምኽንያቱ ከም ዝሓስብ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት መጠን ንህይወት ውሕስነት ብዘይብሉ መንገዲ ክኸዱ ስለዘይነበሮም። ኣብ ሲናይ ብደዎም ዝተሸጡ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላር ተኸፊልሎም ዝወጽኡ፡ ገለ ኣካላቶም ዝገበሩ፡ ክቡር ህይወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ’ዮም። ዝበዝሑ ከኣ ኤርትራውያን’ዮም።

ኣብ በረኻታት ሰሃራ ዝሃለቑ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተቀዝፉ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሊብያ ንባርነት ብ200-300 ዶላር ዝሸየጡ፡ ኣካሎም ካብ ዝጎድሉ ዘለው ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ቁጽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ብዙሕ’ዩ። ኤርትራውያን ድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ስለምታይ ኣብ ከምዚ ዝበለ መቕዘፍትን ባርነት ኣትዮም? ምርጫኦም ስለዝኾነ ድዩ? ከም’ቲ ህግደፍ ዝብሎ ብካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ተደፊኦም ወይ ተታሊሎም ድዮም? ኣይፋሉን ስለ ዝመረጽዎ ኣይኮነን። ዝብላዕ ዘይብሎም ድኻታት ሓገዝ ሓቲቶም ድዩ ተለቂሖም ዘይተኣደነ ገንዘብ ንሸፋቱ ክግብሩ ክመርጽዎ ኣይክእሉን። ኣካላቶም ቆሪጾም ክህቡ ምርጫኦም ክኸውን ኣይክእልን። ንገዛእ ርእሶም ሓሊፉሎም ጸገም ስድራ ቤቶም ከቃልሉ ደኣምበር፡ ብባርነት ከገልግሉ ብኡ ንብኡ ክጠፍኡ፡ ህይወቶም ክስእኑ ተመራጺ ስለዘይኮነ ኣይመርጽዎን። ብካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ስለዝተደፍኡ ወይ ዝተታለሉ’ውን ኣይኮኑን። ኣብ ሃገሮም ብሰላም ምንባር ስለዘከኣሉ’ዮም። ብዝተሓተ ሰብኣዊ መሰል ስለ ዝተሓረሞም ዝበልኩዃ ግበር ዝብል ዓማጺ በዓል ብረት ስለዘጋጠሞም ብሞት ወይ ሕየት ዝወሰድዎ ግዱድ ምርጫ’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መሬታዊ ነጻነት ተሓቢኡ፡ ኣብ ሃገር ስርዓተ ባርነት ስለ ዘንገሰን ንዕኡ የመሓድር ስለዘሎን’ዮም ኤርትራውያን ብኣንጸርጽሮት ሃዲሞም ህይወቶም ከድሕኑ ክብሉ ግዳይ ኩሉ ዓይነት ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ዝኾኑ ዘለው። ስለዚ ነቲ ናይ ጥንቲ ኮነ ኣብ በረኻታት ሲና ዝተፈጸመ ከም ዘለዎ ወንዚፍና፡ ነዚ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ መሳኪን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዘሕልፍዎ ዘለው መሪር ህይወትን መሸጣ ንባርነትን ብታሪኽን ብሕግን ተሓታቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ። ብገዛእ ርእሱ ጠጠው ዘይበለ፡ ግን ከኣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስቲ ሊብያ፡ ኣብ ዘዞባኦም መንግስትነት ዝኣወጁ ጉጅለታት፡ ተቖጻጻሪ ዘይብሎም ዕጡቓት ሸፋቱ ካብ ምኽሳስን ምርጋምን ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ዝወጽእሉ፡ ናብ ሊብያ ዝኸድሉ ምኽንያት ብግቡእ ምርዳእ የድሊ። ከም’ቲ ኣብ ሓደ እዋን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ “መዓርን ጸባን ኣብ ገዛኡ ዘለዎ ሰብ፡ መዓርን ጸባን ከናዲ ኣይስደድን” ክብሉ ዝገለጽዎ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ልምዓት እንተዝህሉ ነይሩ፡ ኤርትራውያን ናብ ሊብያ ዘኽይድ ምኽንያት ኣይምነበሮምን። ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኣንጊስዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ባርነት’ዩ ናብ ሊብያ ክኸዱን ግዳይ ኣካላዊ ባርነት ክኸውኑን ዝገብሮም ዘሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውያን ፍጡራት ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ስቅያትን ባርነታዊ ንግድን ካብ መሰረቱ ዝፍታሕ፡ ኣብ ሊብያ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራን ካልኦት ምንጪ ባርነት ናይ ዝኾና ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ ምስ ዝቕየር’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባርነታዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ብካልኦት ካብ ዝተፈጸመንን ዝፍጸም ዘሎ ናይ ጥንትን ናይ ሎሚን ኣካላዊ ወይ ጉልበታዊ ባርነት እቲ ዝጨከነ’ዩ። ጭካነ ህግደፍ ኣብ ህይወት ዘለዎ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ሬሳ’ዩ ዘንጸባርቕ። ይመርሖም ኣለኹ ዝብሎም ዜጋታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሓደጋ እንከጋጥሞም፡ ክቡር ህይወቶም ክስእኑ እንከለው ኣብ ክንዲ ዝስንብድ፡ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ፡ ህይወት ንምድሓንን ዝመቱ ብግቡእ ስርዓተ ቀብሪ ምፍናውን እንቋዕ ኮኑ ዝብል ስርዓተ በጋሚዶ’ዩ። ሬሳ ካብ ወጻኢ ናብ ምድሪ ኤርትራ ኣትዩ ብሓመድ ዓዱ ከይድበ ዝኽልክል፡ ኩምራ ሬሳ ግዳያት ኣብ ዘለዎ ከይዱ ተሓንበለ ዝብል፡ ኣዴታት ደቀን ስለዝሞትወን ተሓጒሰን ዕልል ኢለን። ወደይ ወይ ጓለይ እንቋዕ ተሰወአ/ት ኢለን ኢሉ ኣብ ባይታ ዘየለ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ወጻኢ ዝኾነ ሕሱር ፕሮፖጋንዳዊ ስብከት ዘካየድ’ዩ። እዚ ካብ’ቲ ባርነታዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኡ ዝነቅል’ዩ።

ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ዕደጋ ንግዲ ደቂ-ሰባት ንባርነት ውዕዉዑ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ ኣሎ። ሓላፍነት ዝስመዖም መንግስታት ህይወት ዜጋታቶም ንምድሓን ብወግዒ ሃገራዊ ባይቶኦም ጸዊዖም እንታይ ንግበር ክብሉ እንከለው፡ ገለ ከኣ፡ ሰራዊቶም ናብ’ቲ ናይ ባርነት ዕደጋ ዓሚርሉ ዘሎ ሃገረ ሊብያ ልኢኾምን ይልእኩ ኣለውን። ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ዓለም ለኻውን ውድባት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኲነኔ ኣብ ዘስምዕሉን ግዳያት ንምድሓን ጎስጓሳት ኣብ ዘካይድሉን ዘለው ወቕቲ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነን ግብራዊ ንጥፈታት ከርኢ፡ ካብ’ቶም ግዳያት ዜጋታቱ ምዃኖም ዝሕብር ትርጉም ዘለዎ ዜናዊ መቓልሕ ናብ ህዝቢ ከመሓላልፍ ኣይተሰምዐን። ስለዚ ከም ኤርትራውያን ኣንጻር ባርነታዊ ንግዲ ደው ክንብል፡ ብዜጋታትና ክንግደስ ኣወንታውን ሓላፍነታውን ተግባር’ዩ። ንምሊሻታት ሊብያ ቅድሚ ምርጋምናን ምዂናን ናብ ዘቤታዊ ጉዳይና ክጥምት ግን ፖለቲካዊ ብስለት’ዩ። ምኽንያቱ ነገራት ክትፈትሕ፡ ካብ ፍርቂ መንገዲ ዘይኮነ ካብ ምንጩ ክፍታሽ ክፍለጥ ስለዘለዎ። ስለምንታይ’ሲ ጠንቂ ናይ’ዞም ኣብ ሊብያ ዝሳቐዩ ዘለው ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ባርነት ዝወለዶ ጉልበታዊ ባርነት ስለዝኾነ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 27-11-2017  

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox