^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 85 guests and no members online

ዝምልከቶ ኣካል ምርመራ ኣካይዱ ነጻ ምስ በለ ጥራሕ’ዩ ሃላሊ ጉጅለ፡ ካብ ተግባራት ግብረ ሽበራ ነጻ ምዃኑ ክዛረብ ዝኽእል

ኣቋውማ ወይ ኣመሰራርታ ኣህጉራዊ ትካል “ ሕቡራት ሃገራት” ተመክሮኣዊ’ዩ። እዚ ኣህጉራዊ ትካል ብወግዒ ቆይሙ ስራሑ ከሰላስል ካብ ዝጅመር 72 ዓመት ደኣ የቑጽር ‘ምበር፡ እዚ ትካል ንክምስረት ዝደፋፍኡ ተረኽቦታት ወይ ፍጻሜታት’ሲ ኣማኢት ዓመታት ንድሕሪት ዝመልሱና ምዃኖም ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ስለዚ ከኣየ ኣመሰራርታኡ ተመኩሮኣዊ’ዩ ዘበለኒ። ብውሕዱ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንጻር ገዛኢታ ዝነበረት ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ነቲ ግዝኣታት እስጳኛ ነበር ንምሕባር ዕላማ ገይሩ ብመሪሕነት ስሞኦን ቦሊቫር ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ሰውራ ፈረንሳ ብመሪሕነት ናፖሊዮን ቦናፓርት ዘካየዶ ቁጽሪ ዘይብሎ ወራራት፤ ኣብ ክ/ዓለ ኤውሮጳን ክኒዮ ኤውሮጳን ብቐንዱ ከኣ ኣዕነውቲ ተመክሮታት ቀዳማይን ካልኣይ ውግኣት ዓለም፡ እዚኦምን ካልኦት ዘይተጠቕሱን ንሰባት ብሕልፊ ከኣ ንጠበቓታትን ኣኽበርቲ ሕግን መለበሚ ኮይነሞም’ሲ፡ ኣገዳስነት ምልጋስ ኲናት ስለዚ ከኣ ምዕቃብ ሰላም ልዑል ኣትኩሮ ተዋሂብዎ ክስረሓሉ ስለ ዝኸኣለ እዚ ትካል ተመስሪቱ ክሰርሕ ተጌይሩ።

እዚ ኣህጉራዊ ትካል 193 ሃገራት ዝጥርንፍ ኮይኑ፡ ናይ ባዕሉ ዝምረሓሉ ቻርተርን ሕግታት ኣለዎ። ኩለን እተን ኣብ ትሕቲኡ ዝተጠርነፋ ሃገራት ከኣ በዚ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተማእዚዘን ክኸዳ ግዱዳት’የን። ሓንቲ ሃገር ልኡላዊት ስለ ዝተባህለት፡ ዝመርሓ ዘሎ መንግስቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ይኹን ጨቋኒ መላኺ ወይ ፋሽሽታዊ ኣብ ዝምድናታት ወጻኢኡ ቃሕ ከም ዝበሎ ክገብር መሰለ ወይ ፍቃድ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ብኣንጻር’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ሓያል ጥንቃቐ ዝሓትት’ዩ። ምኽንያቱ ዝምድናታት ወጻኢ ተሃዋሲ ስለ ዝኾነ። መንግስታት ድማ ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ፡ ይማእዘዝሉ ኣይማእዘዝሉ ኣብ ትሕቲ ማይክሮስኮፕ ናይ’ዚ ትካል ምዃኖም ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ገዛኢ ደርቢ ህግደፍ ኣይተረደኦን ይመስለኒ ‘ምበር፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዓይኒ ዝኣቱ ከይኣቱ’ዩ ኣንጊሁ ኣካይዳኡ ከስተኻኽል ነይርዎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣይኮነን ንድኹም መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ሕቖ ኣለና ዝብሉ ዓበይቲ መንግስታት’ውን ኣብ ትሕቲ ማይክሮስኮፕ እንተኣእትይዎም ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ንምዃኑ’ኳ ውድብ ህግደፍ ይበሃል ‘ምበር ኣበይ ዘሎ ህግደፍ። ብጉጉይ ግምታትን ስሱዕ ድሌታትን እንኮ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ዩ ዝስራሕን ዝምራሕን። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሌቱ ደኣምበር ዓቕሙ ብልክዕ ዝፈለጥ ሰብ ኣይኮነን። ንዝምድናታት ወጻኢ ብከምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርዒዱ ዝገዝኣሉ ዘሎ ፖሊሲ ገይሩ፡ ጸብለልታ ከርእየሉ ክጥቀመሉን’ዩ ዝደሊ። ከምኡ ምግባር ከኣ ድሌቱ ብዘየገድስ ብተግባር ኣይክእልን። ንህዝቢ ኤርትራ ብእምነት ክሕደት ስለ ዝነዓቐ፡ ንዜጋታት ኤርትራ ስለ ዝኣሰረ፡ ዝሰወረ፡ ዝቐተለ ነዚ ገይሩ ድማ ኣልቦ ሓታቲ ስለዝኸደ፡ ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ ብከምኡ ክሰርሕ’ሞ ነጻ ክኸይድ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ ብመሰረት ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይምኻድ ቀንጠብ ጠብ ምባል ቀይሕ መስመር ምሕላፍ ስለዝኾነ ዋጋ የኽፍል’ዩ።

እነሆ ድማ ብሰሪ ሃላሊ ዕንደራኡ ህዝቢ ለኪሙ ኣብ ዓይኒ ኣትዩ ኣብ ዕኒይኒይ ይነብር ኣሎ። ህዝቢ ክብሪ ኣለዎ። ህዝባዊ ሕጊ ድማ ገዛኢ ኣሳሪ ናይ ኩሉ ንኡስ ሕግታት ’ዩ። ኢሳያስ ግን ከም በዓል ስብሓት ኤፍሬም ዝበሉ ዓሰርተ ግዜ ፖለቲካዊ ቃል ኪዳን ዝኣስሩን ኢዶም ኣብ ገበን ኣእትዮም ዝፋትሑን መጋበርያታት ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስልጣን ኣቐሚጠ ድሌተይ ክገብር ዓጋቲ የብለይን ዝብል ግጉይ ግምት ሒዙ’ዩ ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ዘሎ። በዓል ስብሓትን ፊሊጶስ ወልደሃንስን ትእዛዝ ምቕባልን ህዝቢ ምቕጥቃጥን ‘ምበር ብዛዕባ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ኣተሓሕዛ ህዝቢ፣ ጥበብ ዝምድናታት ወጻኢ ዝፈልጥዎ የብሎምን። ምኽንያቱ ዘይጸረዩ ናይ ፖለቲካ ዝራባዓት’ዮም። ኣብ ክንዲ ኣብ ህዝብን ሕግን ኣብ’ዞም ናይ ፖለቲካ ዝራባዓት ዝተኣማመን ኢሳያስ ብዘይካ ጥፍኣት ሰላም ከምጽእ ከም ዘይክእል ኣንጊሁ ብሩህ’ዩ ነይሩ። እነሆ ከኣ ተጋሂዱ።

ነዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ እዚ ጉጅለ ንገዛእ ርእሱ መንግስታዊ ግብረ ሽበራዊ ሓይሊ ክንሱ፡ ሽበራ ይጽየፍ’የ ክብል ዘስመዖ ቃና’ዩ። ባይቶ ጸጥታ ምስ’ዚ ጉጅለ ኣብ ተራ ህልኽ ስለ ዝኣተወሞ ብዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ ካብ ርትዒ ወጻኢ ክድህኮ ካብ ዝብል ኩርናዕ ተበጊሱ ኣይኮነን ክልተ ግዜ ናይ ማዕቀብ ውሳነ ኣመሓላሊፍሉ። ብፖለቲካዊ ባህሪኡ ከም’ዚ ክገብር ይኽእል ካብ ዝብል ኩርናዕ ተበጊሱ’ውን ኣይኮነን። ዝግባእ ምክትታልን መጽናዕትን ገይሩ ህግደፍ ብተግባር መሓዛ፡ መዋልን መበጻጽሕን ግብረ ሽበራውያን ሓይልታት ምዃኑ ስለ ዝረጋገጸ’ዩ መተሓሳሰቢ ሂቡ፡ ተመሕጺኑ፡ ኣጠንቂቑ ነዚ ኩሉ ኣወንታዊ መልሲ ምስ ሰኣነ ብወግዒ ኣብ እገዳ ዝኣተወ።

ኢሳያስ ነቲ ባዕሉ ጸዊዑ ዘምጸኦ እገዳ፡ ዘይሕጋዊ ኣድላዊ ንዕግበት ናይ ገለ መንግስታት ክበሃል ግዳይ ዝገበረና እናበለ’ዩ ከደናግር ዝፍትን። መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ሽበራ ‘ምበር ደጋፊ ኣሽበርቲ ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል የኽብር ‘ምበር ኣይዳፋእን ብዝብል ብግልባጥ ናይ ባህሪኡን ተግባሩን ክማጎት ምስማዕ ልሙድ’ዩ። እዚ ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ናይ ከኣልናዮ ፍረ ዘይህብ ምጉት’ዩ። ሶማላውያን ትማሊ ስለዝገበሩልና ሎሚ ክንገብረሎም ግዴታና’ዩ። ሞሳ ክንምልስ ኣለና። ዞባዊ ሰላም ምርግጋእ’ውን ሓላፍነትና’ዩ። ንሕና ዘይከም ካልኦት ክንገብሮ ንደልዮ ተሓቢእና ዘይኮነ ብወግዒ ኢና ንዋስኣሉ። ንጉጅለታት ሶማል ምሕጋዝ ደኣምበር እከለ ኣሸበሪ እከለ ደሞክራስያዊ ዝብል ጉልቡብ ዕላማ ዘለዎ ምስሉይ ኣካይዳ ኣይንኽተልን። ደገፍና ንዳግመ ምሕራር ሶማል ወሰን የብሉን። ብዝከኣለና ኩሉ ንኹሎም ሶማላውያን ውድባት ክንድግፍ ኢና እናበለ ተደናጋጺ ምስክን ህዝቢ ሶማል መሲሉ ኣብ ምህዋኽ ዞባዊ ሰላም ተዋፊሩ ምንባሩ፡ ግዜ እንተበለዐስ ዝተረሰዐ መሲልዎ’ዩ።

ህግደፍ መሰል ዜጋታተይ ኣይዳፋእን የኽብር’የ። ንፈጠርቲ ራዕዲ ኣይሕግዝን ዝብል ርእሰ ምትእምማን እንተዝህልዎ፡ ብውድብ ሕቡራት ዝተመዙ መርመርቲ ጉጅለታት ናብ ኤርትራ ኣትዮም፡ ተልእኾኦም ክፍጽሙ ኣፍ ደገኡ ከርሑ ነይርዎ። ተግባሩ ብኣንጻሩ ስለዝኾነ ግን ሃገር ካብ ኩሉ ዕጽውቲ ክትከውን ገይርዋ ይርከብ። እቲ ዝገርም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓንሳብ ዘይረብሕ ዋጋ ዘይብሉ መጋበርያ ናይ ምምሕዳር ኣመሪካ ክብል ይዘልፎ። ቀጺሉ፡ ኣድላዊ ወይ ሻራዊ ንእሽቶ ሃገር ስለዝኾና ድሌቱ ስለዘይገበርናሉ የጥቀዐና ኣሎ ኢሉ ይበኪ። ተገልቢጡ እንደገና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዚ ከገብር ኣለዎ፡ ስልጣኑ’ዩ ኢሉ ይጠርዕ። ንሱ ዝብሎን ዝገብሮን መእሰሪ የብሉን። መርገጹ ንጹር ኣይኮነን። ኩነታተዊ’ዩ። ብሓጺሩ ኩሉ ኣካይዳኡ ፖለቲካዊ ምንዝራና’ዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ እነሆ ነዛ ሃገር ናብ ክትወጽኦ ዘይትኽእል መርጒ ኣእትይዋ። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ብመርተዖ ሽበራዊ መንግስቲ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ንዝተፈላለዩ ሽበራውያን ጉጅለታት ይድግፍ፡ ይምውል፡ የስልጥን፡ ዕጥቅን ስንቅን የቀባብል ምዃኑ ኣይጠራጥርን። ንሱ በቲ ዝተለምደ ክርህወካ ኲናት ጻሕትር ሰላም ዝረግ፡ ክጸበካ ምስኪን ኮይንካ ቅረብ ዝብል ፖለቲካዊ ምንዝርናኡ ኣነ ንጹህ’የ እንተበለ ብዝምልከቶ መርመሪ ኣካል እወ ሓቁ ዝብል መረጋገጽ ክሳብ ዘይተዋህበ እገዳ ከም ውሳነ ክቕጽል፡ ኣብ ተግባር ከኣ ክትርጎም ኣለዎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንገበነኛታት ኣይከናኸን። ኣይረሩ። ውሳነኡ ብምትግባር ሚዛኑ ይሓሉ እናበልኩ ክፍለየኩም።

ሳሙኤል ፍረ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትር፡ 29-11-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox