^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 91 guests and no members online

መንግስታዊ ስልጣን ምስ ህዝቢ እትኣትዎ ማሕበራዊ ኩንትራት’ዩ

መንግስታዊ ስልጣን ብደረጃ ኣብ ደቂ-ሰባት ዘለዎ ተራ ህይወት ከም ዘለዎ ፍጡር ጌርካ ክረአ ዘለዎ’ዩ። ምኽንያቱ መንግስታዊ ስልጣን ብስም ህዝብን ሃገርን ብክኢላታት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ጠበቓታትን ዝንደፍ፡ ዝቐውምን ዝዓይን ኮይኑ ግዜኡ በሊዑ ኣገልግሎቱ ዘብቅዕ ስነ-ፍልጠታዊ ተርእዮ’ዩ። ሕጋዊ መስርሑ ሓልዩ ከኣ፡ ብካልእ መንግስታዊ ስልጣን ይትካእ። ጥዑይ መንግስታዊ ስልጣን ብጥዑይ ሕገ-መንግስቲ’ዩ ዝምራሕ። ንሕጊ ማእከል ገይሩ ይሰርሕ፡ ብሕጊ ድማ ተሓታቲ ይኸውን። ብፍላይ ብሓቂ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን እንተኾይኑ፡ ዕለታዊ ተግባሩ፡ ስልቱ ኮነ ስትራተጂካዊ ውጥኑ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ማእከል ዝገበረ’ዩ። ስለዚ መንግስታዊ ስልጣን፡ ምንጩ ካብ ህዝቢ ኣገልግሎት ድማ ንህዝቢ’ዩ። ድሌት ህዝቢ ንምፍጻም ሕጊ ብዝፈቕዶ ብመልክዕ ኮትራት ዝወሃብ ከቢድ ሓላፍነት’ዩ። ዓይነተ መንግስቱን ስርዓተ ቅርጻኡን ዝተነጸረ፡ ናይ ግዜ ገደቡ ፍሉጥ ኮይኑ ካብ ክሳብ ሰሪሑ ዘኸትም ስልጣን’ዩ።

ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ሓገግቲ ፈረድቲ ዝበሃሉ ትካላት ኣለው። ሓደ ካብ ኣገዳሲ ሓላፍነት ናይ’ዞም ትካላት ድማ፡ መንግስታዊ ስልጣን ዝዓተረ ሓይሊ ሓደራ ህዝቢ ጠሊሙ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ጥሒሱ ከም ቃሕታኡ ከይሃልል ዝቆጻጸሩ’ዮም። መንግስቲ ካብ ሕግን ድሌት ህዝብን ወጻኢ ከይዱ እንተተረኺቡ ከኣ ብመሰረት ኣብ’ቲ ቅዋም ዝሰፈረ ስልጣንን ሓላፍነትን ሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ዝቐጽዑ’ዮም። ብሓጺሩ ሓገግትን ፈረድትን ተቖጻጸርቲ ፖለቲካዊ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር’ዮም። እዚ ከም’ዚ ዝበለ መንግስታዊ ኣካይዳ ድማ’ዩ ንስልጣን መንግስቲ ኩንትራት’ዩ ዘብሎ።

ብመሰረት ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዝእዝዞ ወይ ዘፍቅዶ፡ ህዝቢ ወኪሉ ብወግዒ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓክር ውድብ ድዩ ሰልፊ፡ ብሰናይ ፍቓዱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብሕጊ ሓላፍነታዊ ልጓምን ልቦናን ከርኢ ኣለዎ። ቃሕታ ዘይኮነ ናይ ሕጊ ግዴታ። ንጠለባትን ጥርዓናትን ህዝቢ ብተገደስነት ሰሚዑ፡ ግዜ ከይበልዐን ነገራት ከይዛነፈን እቲ ዝኸውን ይኸውን እቲ ዘይኸውን ኣይኸውንን ዝብል ወግዓዊ ግብራዊ መልሲ ዝህብ ክኸውን ኣለው። መንግስታዊ ስልጣን ዘይከም በዓል ህግደፍ ዝጻወትሉ ዘለው ዘይኮነ፡ ዓቢ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት’ዩ። መንግስታዊ ስልጣን ብመንጽር ከም ሓገግትን ፈረድትን ዝበሉ ትካላት ፍትሒ ክረአ እንከሎ፡ ዝተባህሎ ክሰምዕን ኣብ ግብሪ ከውዕልን ዘለዎ ደኣምበር፡ ኣብ ልዕሊኦም ወጺኡ ቸቸ ክብል ኣይግባእን። ስለምታይ ቦትኡ ስልጣኑ ስለዘይኮነ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ’ዩ መንግስታዊ ስልጣን ወይ ኣመራርሓ ተራ ድሌታዊ ወይ ግምታዊ ኣሰራርሓ ዘይኮነ ስነ-ፍልጠታዊ’ዩ ዝበሃል።

መንግስታዊ ስልጣን ንሓላፍነት ዘይስመዖም ሰባት ፈኲስ’ዩ። ንሓላፍነት ዝስመዖ ግን ከቢድ’ዩ። ክኢልካዮ ህዝብኻ ሒዝካ ናብ ጎደና ምዕባለ ትምርሽ፡ ኣይከኣልካዮን፡ ብኣንጻሩ ምስ ህዝብኻ ድሕሪት ትምለስ ምዕባለኻ የንቆልቁል። እዚ ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ስነ-ፍልጠታዊ ዓውዲ’ዚ “እንክውዕየካን ብማንካ እንክዝሕለካን’ከ ብኢድካ ዓይነት ኣተሓሕዛ ዘይኮነ፡ ርጡብ ንጹር ፍትሓዊ ተሪር ኣተሓሕዛ ዝጠልብ’ዩ። እንክጥዕመካ ፕሮፖጋንዳ ትድስቐሉ፡ ኣብ ዝተጸገም ካሉ ከኣ፡ ኣይጨወይ ኣይበርበረይ ኢልካ ራሕሪሕካዮ ናይ ምኻድ ባህሪ እንተለካ ፖለቲካዊ ሚዛን የብልካን። ኣብ ፖለቲካዊ ኮንትሮባንድ ዝተዋፈርካ ተበላጺ ደኣምበር፡ ብስመ ህዝብን ሃገርን ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝደየብካ ሕጋውን ሓላፍነታውን ኣካል ምዃንካ ኣየመልክትን።

ኣብ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት እንታይ ተገይሩ፡ መንግስቲ ብከመይ ኣብ ስልጣን ደይብሉ፡ ንህዝቢ እንታይ ክገብር ነይርዎ ብተግባር’ከ እንታይ ገይሩ ብዝሰኸነ ኣገባብ ምፍታሹ ምግምጋሙ ኣገዳስ’ዩ። ህግደፍ ሒዝዎ ዘሎ ስልጣን ማሕበራዊ ኩንትራት ከምዘይኮነ፣ ህይወት ዘለዎ ስልጣን ጌርካ ክውሰድ ከምዘይከኣል ንምርዳእ ኣየጸግምን። ህግደፍ ሒዝዎ ዘሎ መንግስታዊ ስልጣን ሓደ ሰብ ንሓላሉ ዝሓዞ ውልቀ ንብረቱ’ዩ ዝመስል። ብሕጊ ስለዘይተረከበ ብሕጊ ስልጣን ከረክብ ከኣ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካብ ህግደፍ ስልጣን ብቃልስን ብሓይልን መንዚዕካ’ዩ ዝርከብ። ዝቃለስ ኮነ፡ ዝርከብ ድማ ንሱ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

                                                             ካብ ኣንጦንዮስ ገብራይ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 06-12-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox