^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 52 guests and no members online

ህዝባዊ ቃልስና ብቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማን፡ ብቑዕ ደሞክራስያዊ ኣመራርሓን’ዩ ዝዕወት፣

ህዝብታት ኤርትራ ብናይ ግዳማውያን ተበራረይቲ ገዛእቲ ስርዓታት ፖለቲካዊ ስልጣንን ቁጠባዊ ረብሓታትን ንምርግጋጽ ክብሉ፣ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሽጣዊ ዕቤትን፡ ብቕዓትን ተኽእሎን ድሌትን ወጻኢ ብዝኾነ ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ከም ጥርኑፍ ህዝብን ሃገርን ካብ ዝቖምሉ ታሪኽ ጀሚሮም፡ ደረጅኡን ንጥፈቱን ዝፈላለ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ምቅላስን መስዋእቲ ምኽፋልን፡ ሓሳረ መከረኦም ምርኣይን ዘቛረጽሉ ግዜ ኣይነበረን።

ብፍላይ ካኣ ካብ ጽባሕ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሃገርና ኤርትራ ብስም ፌደረሽን ዝብል ተንኮል /ሽርሒ/ ናይ ሰብ ጠቕምን ሓይልን ዝኾና ገለ መንግስታት ኤውሮጳን ኣሜሪካን፡ ናብ ትሕቲ ምእዙዝዞም ዝነበረ መስፍነ-ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምውሓጣን ምህሳሳን ካብ ዝተፈርደትሉ ግዜ ጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ሰላማዊ ቃልስን፡ ስዒቡ ካኣ ኣብቲ ካብ 1961-1991 ዝተኻየደ30 ዓመታት ዝወሰደ መስርሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካኣ ብፍላይ፡ብሃገራውያን ሓርበኛታት ውድባት እናተመርሑ ህዝብታትና ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ንናጽነት ዘካየድዎ መሪር ቃልስን ዝኸፈልዎ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእትን፡ ኣብ ታሪኾምን ታሪኽ ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ዓለምን ብኽብሪ ዝተሰነደ ኣንጸባራቒ ምዕራፍ ናይ ተሪኽ እዩ።

ህዝባዊ ቃልስና ነዚ ኣንጻባራቒ ታሪኽ’ዚ ብቃልሱ ክስንድ እንከሎ ግን፡ እቲ ኩሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ግድን ክኽፈል፡ እቲ ዝወሰዶ ግዜ’ውን ክንድቲ ዝወሰዶ ክነውሕ ስለ ዝነበሮን ግን ኣይኮነን ተኸፊሉ። እንታይዳኣ፡ ህዝባዊ ቃልስና /ሰውራና/ ንውድዓውን ብዙሕነታውን ክውንነት ናይ ህዝብታትና ብግቡእ ዝገምገመ፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላማታት ኣነጺሩን ኣወሃሂዱንዝቐረጸን፡ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ስርዓት ክምስረት ከም ዘለዎ ዘቐመጠ ፖለቲካዊ እስትራተጂ ብሕንጻጽ፡ ህዝባዊ ቃልስና ዝመርሕን ዘቃልስን ብቑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ክውነንን ቃልስና ክጥቀመሉን ብዘይምኽኣሉ ዝባኸነ ግዜን ዝተከፍለ ዘይተደላዪ መስዋእትን ስለ ዝነበረ እዩ።

ምኽንያቱ ህዝባዊ ቃልስና ብዓይኒ ታሪኽ ክረኤ ከሎ፡ ዓወቱ ክድንጒ ይኹን ብዙሕ ክሳራን መስዋእትን ክኸፍል ካብ ዝገበሮ ሓደን ዓብን ምኽንያት፡ ናይ ሃገራዊ ቃልስና ፖለቲካዊ ቅኒት፡ሃገራዊ ነጻነት ንምምጻእ ጥራሕ ኣብ ዝተኮረ ኩሉ-መዳይዊ ንጥፈታት ካብ ምክያድን ብኡምቑራንን ሓሊፉ፡እቲ ወድዓዊ ክውንነት ናይ ህዝብታትና ዝወለዶም ፖለቲካዊ መሪሕነት ውድባትና፡ ካብ ትምክሕታውን ጸቢብን ግንዛበታትን ስነ-ምግባራትን እናተበገሱ፡ ንነብሶም ከም ብሕታውያን ወከልትን መራሕትን ህዝብን ሃገርን ገቢሮም ብምውሳድ፡ ነቶም ናይ ህዝብታትና ወድዓዊ ክውንነት ዝፈጥሮምን ዝሓቚፎምን ፖለቲካዊ ዝምባለታትን እምነታትን ብምኽሓድ፡ ኣብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ካብ ሓደ እምነትን ውድብን ምንቅስቓስን ንላዕሊ ክህሉ ከም ዘይብሉን ከም ዘይግባእን ይኣምኑ ስለዝነበሩ እዮም።

ካብዚ ዘይቅኑዕ ፖለቲካዊ እምነት’ዚ ምሓዝ ሓሊፎም፡ኣብ ዓውደ-ተግባር፡ “ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን እዩ” ዝብል ግጉይ፡ ዘይወድዓውን ዘይስነ-ፍልጠታውን ፖለቲካዊ ውሳነን መደብን ብምሓዝ፡ ንካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ብዘተን ሰላማዊ ኣገባብን መፍትሒ ክረኽቡ ምግባር፡ ብኣንጻሩ መፍትሒኦም ጐነጽን ዓመጽን ምዃኑ ብምእማን ንነፍስ-ወከፍ ፍሉይ ፖለቲካዊ እምነት ዝሓዘ ኣካል (መሰረታዊ ይኹን ዘይመሰረታዊ) ብዘየገድስ፡ ኣብ ዓውደ-ተግባር ብዓመጽን ወተሃደራዊ ረጽምን ንምፍትሑ ውግእ ሕድ-ሕድን ምቅንጻልን ይካየድ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲዓመታት ዝወሰደ ክባኽን ዘይግበኦ ግዜን ክኽፈል ዘይግበኦ ዝነበረተወሳኺ መስዋእትን ህዝባዊ ቃልስና ከም ዝኸፈለ ምፍላጥን ምቕባልን፡ ህልውን መጻእን ወለዶና መታን ሕሉፍ ጉድለታት ናይ ቃልስና ከይደግም ክመሃረሉ ብዓይኒ ታሪኽን መጻእንምጥቓሱን ምዝካሩን ኣድላዪ እዩ ዝኸውን።

ኣብቲ ሕሉፍ መስርሕ ህዝባዊ ቃልስና ክጥቀስ ዘለዎ ነገር እንተሃለወ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተራ ሃገራውያን ውድባትን መሪሕነታትን ጥራሕ ዲዮም ነይሮም?፡ ደሞክራስያዊ ዓላማ ዝሓዙ ደሞክራስያውያን ባእታታት፡ ጉጅለታትን ውድባትን ኣይነበሩን ዲዮም? ዝብል ሕቶ ክለዓል ይካኣል እዩ። መልሱ ብሓጺሩደሞክራስያዊ ዕላማ ዝውነኑ ደሞክራስያውያን ኣካላትን ምንቅስቓሳትን ውድባትን ነይሮም እዮም። እንተኾነ ግን፡እቶም ደሞክራስያውያን ኣካላት እቲኣቶም፡ ኣብቲ ግዜ’ቲኣብ ንኡስ ዓቕምን ደረጃ ዕቤትን ስለ ዝነበሩ፡ ብሰላምን ነጻን ናይ ምቅላስ ዕድልን ተኽእሎን ስለዘይነበሮም፡ ብሓይሊ ክዳኸሙን ክድምሰሱን ይግበር ስለ ዝነበረን፡ ጽልወኦም ኣብቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣዝዩ ንኡስ ስለዝነበረ እዩ።

ብሓጺሩ ናይቲ ግዜ’ቲ መስርሕ ህዝባዊ ቃልስና ፖለቲካዊ ሃዋህው በቶም ሃገራውያን ሓርበኛታት ግን ካኣ ትምሕተኛታት ዘይደሞክራስያውያን መሪሕነታት ውድባት ዝተዓብለለ ስለ ዝነበረ፡ ናይ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ተራን ጽልዋን ኣዝዩ ክንእስን ትርጉም ዘለዎን ኣድማዕን ንከይከውንን ገይሩዎ እዩ።እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክስገር ዘይብሉ ነጥቢ እንተሃለወ፡ እቶም ደሞክራስያውያን ሓይልታት ከቢድ መስዋእቲ ከም ዝኸፈሉ ምስትውዓል እዩ። ከምኡ’ውን ኣብቲ ጸቢብን ሕሱምን ግዜ’ቲ ዘበገስዎ /ዝሓዝዎ/ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማን መስመርን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ከድመዓሉ ዝኽእል ደረጃ ዘይበጽሐን ጽልውኡ ዘይሰፍሐን እንተነበረ፡ ብመጠኑ’ውን ይኹን ኣብ ሕሉፍ መስርሕ ህዝባዊ ቃልስና ናይ ገዛእ ርእሱ ውሱን ፖለቲካዊ ጽልዋ ነይሩዎን ኣንቢሩን እዩ።

ስለ ዝነበሮ እዩ ድማ፡ ኣብቲ ካብ ጽባሕ ተራ ሃገራዊ ነጻነትና ኣትሒዙ ብዝተነጸረ መልክዕ እናተኻየደ ዝመጸን ዝቕጽል ዘሎን ህዝባዊ ቃልስና፡ ከም ሓባርን መበገስን ናይ ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ብምዃን ዘገልገለን ዘገልግል ዘሎን። ደሞክራስያውያን ሓይልታትና ዘካየድዎ ቃልስን ዝኸፈሉዎ መስዋእትን ዘሕለፉዎ ሓሳረ-መከራን፡ ኣካል-ኣምሳል ናይቲ ህዝብታትና እናኸፈልዎ ዝመጹ መጠን-ኣልቦ መስዋእትን ዝሰነድዎ ወርቃዊ ታሪኽን ስለ ዝኾነ ብዓይኒ ቃልስን ታሪኽን ክዝከር፡ ክኽበርን ክዕቀብን ዝግበኦ ታሪኻዊ ናይ ቃልሲ ኣስተዋጽኦ እዩ ኢልካ ክቕመጥ ዝካኣል እዩ።

መስርሕ ዕጥቃዊ ቃልስና፡ ዝተማለኤ ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታትን ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ /ሓይልን/ ምቹእ ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ሃዋህውን ዝበዂሮ ስለዝነበረ እዩ ድማ፡ ውጽኢት ዕጥቃዊ ቃልስና ንኩሉ ናይ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ድሌታትን ባህግን ናይ ህዝብታትና ዘምክን፡ ናይ ሃገርና ልኡላውነት ዘርክስ ፖለቲካዊ ኩነታትን ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ዝኾነ ዓመጸኛ መንግስትን ክኽሰት ግድን ዝገበረ።

ሳዕቤን ናይዚ ውድዓውን ታሪኻውን ክስተት’ዚ እዩ ድማ፡ ህዝብታትና ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝኣክል፡ ሰላምን ምርግጋእን፡ ደሞክራስን፡ ፍትሕን ርትዕን፡ ልምዓትን ምዕባለን ተሓሪሙዎም እናተሳቐዩ፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኾም ኣጋጢሙዎም ዘይፈልጥ ጭቆናን ምዝመዛን ኩሉ-መዳይዊ ኣድልዎን እናወረዶም፡ ካብ ናይ ቀረባን ርሑቕን ፈተውትን መሓዙትን ህዝብታትን ሃገራትን ተገሊሎም ኣብ ናይ ተነጽሎ ቤት-ማእሰርቲ ደሴት ዝኾነት ሃገር ተሓይሮም፡ ኣፍረይትን ወረስቲ ታሪኽን ዝኾኑ ደቆም መዓልቲ መዓልቲ ናብ ስደት ብብዝሒ እናወሓዙ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ብናይ ወድቀትን ምብትታንን ሓደጋታት እናተናወጹ፡ ኣብ መንጎ ሞትን ሂወትን ብምዃን ኣብ ምስቓይ ዝርከቡ ዘለዉ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ተወሳኺ ድኽመትን ጸገምን ዝኸውን ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ድማ፡ ጸገማትን ስቓያትን ናይ ህዝብታትናን ሃገርናን ህልዊ ብምዃኑ ጥራሕ ኣይኮነን፣ እንታይዳኣ ነዚ ህዝባውን ሃገራውን ጸገማትን ሓደጋን’ዚ ንምፍታሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ቃልሲ፡ ናይ ተቓወምቲ ኣካላትና ብሓፈሻ ዘይብቕዓትን ናይ ቀረባን ርሑቕን ሃገራዊ ዕላማታትን ዕማማትን ኣነጺርካ ብምቕማጥ፡ ሓደን ዝተወሃሃደን ድልዱል ሃገራዊ ግንባር ብምውናን፡ተግባራዊንምግባሮም ኣብ ምቅላስ ዘይምብቃዕ ዝፈጥሮ ዘሎ ኣዝዩ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ብደሆ እዩ።

እዚ ድኽመታት’ዚ ብሓፈሽኡ ንኩሉ ተቓዋሚ ኣካላትና ዝምልከትን በብደረጅኡ ዝብጸሖምን እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ግን እቶም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ዝጨበጡ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ዝግበኦምን ትጽቢት ዝግበረሎምንደሞክራስያውያን ውድባት፡ ካብናይ ትምክሕትን ጽበትን ድሑራት ኣራኣእያታትን ንሳቶም ዝፈጥርዎም ዓንቀፍቲ ተግባራትን ምሉእ ብምሉእ ተላቒቖም፡ ብብቕዓት ክቃለሱ ይኽእሉ ብዘይምህላዎም ዝንጸባረቕ ዘሎ ተርእዮ እዩ።

እዚ ማለት ካኣ እቶም ሓደ ዕላማን ተመሳሳሊ መልክዕ ውደባን ዘለዎም ሕብረ-ብሄራውያን ደሞክራስያውያን ውድባት፡ ብመዋሃሃድን መተኣማመንን መስርሕ ቃልሲ ኣቢሎም፡ ናብ ሓደን ዝሰመረን ዝተኣማመን ሓይሊ ብምስግጋር ክቃለሱ ዘይምብቃዕ ብሓደ ገጽ፣በቲ ካልእ ገጽ ድማ ሓደን ተአሳሳልን ዕላማ ዘለዎም ግን ካኣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ውደባ ተወዲቦም ዝቃለሱ፡ ኣብ ዝሰማምዕሉ መሰረታዊ ስትራተጂካዊ ዕላማታት ኣትኪሎም ከይተሓናፈጹ ስሙር ስትራተጂካዊ ግንባር ብምምስራት ብብቕዓት ክቃለሱን ከቃልሱን ዘይምብቀዖምን፡ ብኡ መጠን ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ቃልሲ ኣስተዋጸአኦም ይንእስ ብምህላዉን እዩ።

ናይዚ ዓንቃፊ ድኽመታት’ዚ መበገሲ ዝኸውን ዘሎ ፖለቲካዊ ጠንቂ ድማ፡ እዞም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማን መስመርን ብእምነት ዝሓዙ ሓይልታት እዚኣቶም፡ ካብ ደርባዊ ባህሪኦም ዝብገስ ብቀንዱን፡ ካለኦት ዘይመሰረታውያን ውሱንነታት ናይ ዓቕምን ተሞክሮን ዝተደሞሩዎ ዝብገስ፡ ሓሳብን ተግባርን ኣብ ዓውደ-ተግባር ኣወሃሂድካ ኣብ ምቅላስ ዝፍጠር ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገምን እዩ። ናይ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ድኽመታት ህልዊ ስለዝኾነ እዩ ድማ፡ ስሙር ደሞክራስያዊ /ስትራተጂያዊ/ ግንባር ብምምስራት ንገዛእ ርእሱ በቒዑ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርና ሰፊሕ ተቓላሳይ ዓቕሚ ከሰልፍ ክበቅዕ ይኹን፡ ካብ ዘጋጥምዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ጸገማትን ድኽመታትን ተናጊፉ ክቃለስ ንክበቅዕ ናይ ምግባር ኣበርክተኦም እናነኣሰ፡ ንገዛእ ርእሶም’ውን እንተኾነ ውሱንን ዘይማዕባልን ዓቕሚ ብምሓዝ ኣካል ኣምሳል ናይቲ ድኽመታትን ጸገማትን ብምዃን ክዋስኡ ዝረኣዩ ዘለዉ።

ኣብዚ ኣስተብህሎ ክወሃቦ ዘለዎ ነጥቢ እንተሃለወ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ዝወነኑ ደሞክራስያውያን ውድባት፡ እዚ ዝጥቀስ ዘሎን ካለኦትን ጉድለታት የንጸባርቑ ኣለዉ ማለት፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ይኹን ንመጻኢ ኣበርክቶ የብሎምን፡ ካብ ድኽመታቶም ክማሓየሹ ኣይክእሉን እዮም..ወዘተ ብምባል ዝንጸጉን ተስፋ ናይ ቃልሲ ዝንፎጎምን ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ንዘለዎም ድኽመታትን ጸገማትን እናገምገሙ፡ ነብሶምን ተሞክሮኦምን እናነቐፉን ካብኡ እናተማህሩን ካብ ዘለዎም ድኽመታት ናይ ምልቓቕ ተኽእሎኦምን ዕድሎምን ዝዓበየን ህልውን ስለ ዝኾነ። እዚ ማለት ግን ንዘለዎም ዝተፈላለየ ድኽመታት ንምውጋድ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብቐጻሊ ከካይዱ ምስ ዝበቕዑ ጥራሕ እዩ።

ብተወሳኺ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽ ዝኣምኑ ዝተወደቡ ይኹኑ ዘይተወደቡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተ-ሰብናን፡ ሓፋሽ ህዝብታትና ድማ ብቐንዱ፡ ኣብቲ ፖለቲካዊ ድኽመታትን ጸገማትን ናይ ተቓወምቲ ውድባትና ንምፍታሕ /ንምውጋድ/ ክካየድ ዘለዎ ቃልሲ ብሓፈሻ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ብምጭባጥ ናይ ዝቃለሱ ዘለዉ ውድባት ካኣ ብፍላይ፡ ዘየቋርጽ ፖለቲካዊ ቃልስን ነቐፌታዊ ደገፍንእናገበሩ፡ ኣብቲ ቃልሲ ብዝለዓለ ደረጃ ክሳተፉን ክቃለሱን ከም ዘድሊ ክርሳዕ ዘይብሉ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።

ቃልስና ብቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማን ብቑዕ ደሞክራስያዊ ኣመራርሓን እዩ ዝዕወት፡ ማለት እንታይ ማለት እዩ? ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ ይኹን ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘድልይሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ? ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ምርኣይ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ዘለኒ ውሱን ዓቕምን ፖለቲካዊ ኣፍልጦን ብምብጋስ ኣሕጽር ኣቢለ ርእይቶይ ክጠቅስ፡-

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ፡ ካብ ባሕርን ወድዕነትን ናይ ህዝቢ ዝምንጩ ፖለቲካዊ እምነት፡ ኣገልግሎቱ ንህዝቢ ዝኾነ፡ ተግባራዊ ፍጻሚኡ ድማ ብህዝቢ ንህዝቢ ውራይ ህዝቢ ዝኾነ፡ ናይ ህዝቢ ወይ ህዝብታት ወድዓዊ ክውንነትን ኩሉ-መዳያዊ ብዙሕነትን ድሌትን ተሳትፎን ወሳንነትን ዝቕበል ፖለቲካዊ ምምሕዳራዊ ፍልስፍና እዩ። ስለዝኾነ ካብዚ ዝተጠቕሰ ባህረን ዕላማን’ዚ ብምብጋስ ንነጻነት ህዝብን ሃገርን፡ ኩሉ መዳያዊ መሰልን ላዕላውነትን ናይ ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ፡ ምዕቃብን ቀጻልነትን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ምዕባለን ካኣ የገልግል።

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማን እምነትን ኣብ ተግባር ክውዕልን ክስራሓሉን እንከሎ ድማ፡ ነዞም ልዕል ክብሉ ብመጠኑ ዝተጠቕሱ ፖለቲካዊ ህዝባዊ ዕትን ረብሓታትን ዘገልግል፡ ቅኑዕን ፍትሓውን፡ ንዘላቕን ውሑስን፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ዘገልግል ስለዝኾነ እዩ ድማ ከም ቅኑዕን ዘዋጽእን ፖለቲካዊ ምምሕዳራዊ መማረጺ ጥበብ ተገይሩ ዝውሰድ። እዚ ቅኑዕን ፍትሓውን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ’ዚ ግን ካብ ፖለቲካዊ መስርሕ ምዃን ሓሊፉ፡ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ኣብ ጠቕሚ ዝውዕልን ደቂ-ሰባት ዝግልገሉልን ባእታ /ነገር/ ኣይኮነን። እንታይ ዳኣ ነዚ ጽቡቕ ባህረን ዕላማን’ዚ፡ ብባህረን እምነትን ዝተቐበለ ኣብ ተግባር ንምውዓሉ ዝቖረጸ /ዝተበገሰ/ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ዝወነነ ናይ ቀረባን ርሑቕን ስልትን ስትራተጅን ብምሕንጻጽ ተቓሊሱ ዘቃልስ ዝተወደበ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክህሉ ግድንን ኣድላይን እዩ ዝኸውን።

እቲ “ቃልስና ብቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማን ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ጥራሕ እዩ ዝዕወት” ዝብል እምነት መበገሲኡ’ምበኣር ቃልስና ብዘይ ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማን ብቑዕ ደሞክራስያዊ መሪሕነትን ብምልኣት ክዕወትን ውሑስ ኮይኑ ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ክውዕል ስለ ዘይክእል እዩ። ሕሉፍ ዕጥቃዊ ቃልስና ዝተማለአ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማን ብቑዕ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ከይወነነ ዘካየዶ ደንበርበርን ሽግርን ዝበዝሖ ቃልሲ እምበኣር ናይዚ ፍቱን ኣብነት እዩ። ስለዝኾነ ብቑዕ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ዝረኸበ ህዝባዊ ደሞክራስዊ ዕላማና ብምዕዋቱ እንታይ ረብሓታት እዩ ንህዝብታትናን ሃገርናን ዘምጻኣሎም ኢልና ክንርኢ እንከለና ካብ ብዙሕ ብከፊል ብከምዚ ዝስዕብ ብጽሟቕ ምጥቃስ ዝካኣል እዩ።

መጀመርያ፡ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ መስርሕ መሪር ቃልሲ ፈተውቶምን ጸላእቶምን ብምልኣት ፈሊጦምን ኣለልዮምን ክቃለሱ ካብ ምብቃዕን ተቓሊሶም ምዕዋትን ሓሊፎም፡ ኣብ መጻኢ ክኽተኽዎ ንዝደልዩ ስርዓት ንምምስራት ዝሕግዝ ፖለቲካዊ ቅድመ-ምድላዋት /ባይታ/ ክምድምዱን ከዳልዉን የኽእሎም። ኣረሜናዊ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብቃልሶም መሊኦም ምስ ኣወገዱ ድማ፡ ኣብቲ ስዒቡ ዝመጽእ መሰጋገሪ መድረኽ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምዕንይናይን ደንበርበር ምባልን ድሒኖም፡ ዝተነጸረ ዕላማን ዕማምን ብምሓዝ ናብ ህንጸት ደሞክራስያዊ ስርዓትን ልምዓትን ብዘተኣማምን ኩነታት ክሰግሩ ይበቕዑ። ስዒቦም ንኩሉ ወድዓዊ ክውንነቶምን ብዙሕነቶምን ድሌታቶምን ፍቶታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነቶምን ዘገልግል ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋምን ህዝባዊ ደሞክራስያ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምውናን፡ ሓድሽን ትስፉውን ፖለቲካዊ ሂወት ክመርሑ ብርጉጽነት ይኽእሉ።

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፌደራላዊ መንግስቲ ምስ ወነኑ ድማ ሰብኣውን ደሞራስያውን መሰላት ዝረጋገጸሉን ዝሕለወሉን ኩነታት ብምፍጣር፡ ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን /ህዝብታት/ ኤርትራ መሰልን ማዕርነትን፡ መሰል ርእሰ-ውሳነን ዘረጋግጽ፡ ዝተማለኤ ፖለቲካዊ ስልጣን ክጭብጡ የኽእሎም። ስለ ዝኾነ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ዝህሉ ናይ ስልጣን ጽፍሕታት ክሳተፉን ናይ ምውሳን መሰሎም ከረጋግጹን ካብ ዝኾነ ይኹን ዕብለላን ኣድልዎን ሓራ ብምዃን ዝተማለአ ፖለቲካዊ ሂወት ክውንኑን ክጥቀሙን ይበቕዑ። ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ድማ፡ በቲ ዝቕረጽ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፍትሓዊ ቁጠባዊ ፖሊሲ ብዝእዝዞን ዘውሕሶን መሰረት ኣብ ኩሉ መዳይ ሃገራዊ ቁጠባዊ ሃብቲ /ጸጋ/ ተሳተፍትንተረባሕትን ይኾኑ።

ካብቲ ናይ ህዝብታትና ወድዓዊ ኩነታትን ብዙሕነትን ኣሰፋፍራን ድሌትን መሰረት ዝገበረ ሓድሽን ፍትሓውን ምምሕዳራዊ ቅርጻ ሃገር ክቕረጽ ብምግባር፡ ህዝብታትና /ብሄራትና/ ብቋንቋኦምን ባህሎምን ክጥቀሙን ከማዕብሉን ክዕቅቡን፣ታሪኾም ክፈልጡን ብታሪኾም ክሕበኑን ክስንዱን፣ ነብሶም ባዕሎም ንባዕሎም ክመርሑን ከመሓድሩን፡ ናይ መጻኢ ዕድሎም ብነጻ ክውስኑን የኽእሎም። ኣብ ሃገርና ብዝፍጠር ሰላምን ምርግጋእን፡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን፡ ልምዓትን ዕቤትን ድማ ተረባሕቲ ይኾኑ። ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን ህዝብታትን ሃገራትን፡ ካብ ጽልእን ቅርሕንትንሕድሕድ ኢድ-ምትእትታውን ዝደሓነ፣ ኣብ ማዕርነትን ምድግጋፍን ምክብባርን ዝተሰረተ ኩሉ-መዳያዊ ዝምድናታት ብምምስራት፣ ብሰላምን ምትእምማንን ናይ ምንባር ኩነታት ብምፍጣር፡ ዕምቆትን ዕቤትን ደሞክራስያዊ ስርዓቶም እናራጋገጹ ኣብ ጐደና ባሕረ-ሰላምን ምርግጋእን ደሞክራስን ልምዓትን ተጠቃምነትን ብምዃ፡ ናይ ምንባርን ቀጻልነትን ኩነታት ወዘተ ጨቢጦም ኩሉ-መዳያዊ ሂወቶም ክመርሑን ከውሕሱን የኽእሎም።

እዞም ብመጠኑ ዝተጠቕሱን ዘይተጠቕሱን ንህዝቢ ዝጠቕሙኩሉ መዳያዊ ረብሓታት እዚእቶም፡ ቅኑዕን ዝተማለአን ህዝባዊ ዕላማን ብቑዕ ኣመራርሓን ጨቢጥካ ብምቅላስ ጥራሕ እዮም ክዕወቱን ኣብ ራብሓ ህዝብታትና ክውዕሉን ዝኽእሉ፡ ክበሃል ከሎ ግን፣ እቶም ሃገራዊ ዕላማ ማእከል ብምግባር /ዝተማለኤ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማን መስመርን ከይጨበጡ/ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ንምትእትታው ሓፈሻዊ /ዘይመሰረታዊ/ ለውጥን ዝቓለሱ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ሓይልታትን ዕላማታቶምን ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዋላ ብዝነኣሰ ደረጃ ‘ውን ይኹን ንህዝቢ ዝጠቅም ተራን ቦታን የብሉን ማለት ኣይኮነን።

ምኽንያቱ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድን ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ዝግበር ቃልስን፡ ኣብ ጽባሕ ነጻነት ናብ ጽግዕተኛ ሓይሊ ካሳብ ዘይተቐሩ ኣብ ምርግጋእን፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ዘይምእኩል ስርዓት ክህሉ ኣብ ዝግበር ቃስን ናይ ገዛእ ርእሶም ተራን ኣስተዋጽኦን ስለ ዘለዎም ግቡእ ክብሪ ዝዋሃቦ እዩ። እቲ ከም ቀዳማይን ቀጻልን ውሑስ ጠቕምን ዘምጽእ ተገይሩ ዘየምርጾ ዘሎ ምኽንያት ግን፣ ተራ ሃገራዊ ዕላማ ብምሓዝ ዝግበር ቃልሲ፡ ድሕሪ ውድቀት ጸላኢ ኣብ ዘሎ መድረኽ፡ ተራ ሃገራውን ህዝባውን ልዕላውነት ካብ ምርግጋጽ ንላዕሊ ኣብ ሂወት ህዝብታትናን ሃገርናን መሰረታዊ ኩሉ-መዳያዊ ልውጥን ረብሓን ልምዓትን ዕቤትን ስለ ዘየምጽኡን ዘየረጋግጹን እዩ ዕላመኦም ከም ቀዳማይ ተመረጺ ተገይሩ ክውሰድ ስለ ዘይካኣል እዩ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ተራ ሃገራዊ ዕላማ ብምሓዝ ዝቃለሱ ሓይልታትገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብቃልሲ ህዝብታትና ምስ ተወገደ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካብቲ ንመሰረታዊ ህዝባዊ ደምክራስያዊ ዕላማን ለውጥን ዘይቅበል ጸጋኒ ባህሪኦምን ዕላመኦምን ተበጊሶም፡ ናብ ጽጋዕተኛ ጨቋኒ መንግስቲ ናይ ምልዋጥ ተኽእለኦም ሰፊሕን ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉን ስለ ዝኾነ፡ ንመጻኢ ዕድል ናይ ህዝብታትናን ሃገርናን ዝጠቅም ኣይኮነን። ናይዚ ፖለቲካዊ ዕላማን ባህርን’ዚ ከመይ ክለዋወጥ ከምዝኽእል ጭቡጥ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል፡ ኣብ ሕሉፍ ሃገራዊ ቃልስና ንሃገራዊ ነጻነት ጥራሕ ከረጋግጽ ዝኽእል ባህረን ዕላማን ወኒኑ ክቃለስ ዝጸንሐ ውድብ ህግሓኤ /ህግደፍ/ ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነትና ከመይ ከም ዝተለወጠን ናብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን እንታይ ዓይነት ውጽዓታትን ህልቂትን ዕንወትን እናውረደ መጺኡን ይቕጽል ኣሎን ብጽሞና ምግምጋም እኹል ትምህርቲ ዝህበና ታሪኻዊ ሓቂ እዩ።

ስለዚ ከምቲ “እተጽግበካ ቅጫስ ኣብ ሞቕሎኣ እንከላ ትፍለጥ” ዝባሃል ምስላኣቦው፡ ናይ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ባህርን ዕላማንፍትሓውነትን ነዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ይኹን ድሕሪ ዓወትናን ንህዝብታትናን ሃገርናንጠቓምነቱ መዋዳደርትን መተካእታን ስለ ዘይብሉ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ ብምጭባጥ፡ መሪሕ ውድብን ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ክንውንን እናተቓለስና፡ ናይ ህዝብታትና ብሩህ መጻኢ ዕድልን ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ኣብ ሃገርና ንክዕምብብ፡ ህዝባዊ ሓርበኛዊ ተራና ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ድልውነትናን ተሳትፎናን ብምርግጋጽ ንቃለስ።

ተወልደ ኣብራሃም፡ ሱዳን ካርቱም፣

13-12-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox