^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 63 guests and no members online

ኣብ ውሽጢ 26 ዓመታት ክልተ ሜጋ ዋት ሓይሊ ጸዓት ኣፍሪዮም ኣብ ክንዲ ዝሓፍሩ ይጀሃሩ።

ብዙሓት መንግስታት ብተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ምጥቃም ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ኣቑጺሮም ኣለው። ተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ካብ ብከላ ነጻ ዝኾነ፡ ካብ ንፋስ፣ ጸሓይ፡ ሃፋ ዝርከብ ኣዝዩ ምሩጽ ፍርያት’ዩ። ተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ንምጥቃም ሞያዊ ኣፍልጦ፡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፣ገንዘብ ይሓትት’ዩ። ብቐንዱ ግን ባህርያዊ ውህብቶ’ዩ። ኤርትራ ተደኲናትሉ ዘላ ድማ ናይ’ዚ ባህሪያዊ ውህብቶ’ዚ ሃብታም’ዩ። ኣብ ሓደ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ኤርትራ ካብ ንፋስን ጸሓይን ምምንጫው ይከኣል’ዩ። ናይ ሃፋ ጸዓት ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብቐሊል ምምንጫው ይከኣል’ዩ።

ብሃበ ተረኽበ ዝስራሕ ተራ ነገር ግን ኣይኮነን። ከምኡ ክትገብር መጀመርያ ሃገራዊ ሰላም ምህላው የድሊ። ቀጺሉ ከመይ ተፈርዮ፡ ከመይ’ከ ትጥቀመሉ፣ ክንደይ ባጀትን ክኢላ ሓይሊ ሰብን ትምድበሉ ዝሕብር ንጹር ኣዋጅ የድልዮ። ነዚ ኣብ ግብሪ ዝትርጉም ሕጋዊ ሓላፍነታዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምህላው’ውን ሓደ ካብ’ቶም ዘይስገሩ ረቛሒታት’ዩ። ኤርትራ ካብ መግዛእታዊ ሰራዊት ሓራ ካብ ትኸውን 26 ዓመት ገይራ ኣላ። 26 ዓመት ልዕሊ ርብዒ ዘመን’ዩ። ኣዝዩ ነዊሕ’ዩ። ከም ሃገር ብሓይሊ ናፍጣ ካብ ዝሰርሕ ካብ ባንክ ልምዓት ኲዌት ብዝተረኽበ ልቓሕ ኣብ ሕርጊጎ ካብ ዝምንጩ 120 ሜጋ ዋት’ያ ትጥቀም ጸኒሓ። ንሱ’ውን ተበላሽዩ ካብ 120 ሜጋ ዋት ናብ 70-80 ሜጋ ዋት ደረጃ ከም ዝወረደ፡ ኣይኮነን ፋብሪካታት ከንቀሳቕስ ንናይ መደቀሲ ኣምፑል ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ሰራሕን መራሕን ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓንሳብ ዘይኮነ ደጋጊሙ ገሊጽዎ’ዩ።

እተን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝተደኮና ድሩት ዓቕሚ ዘለዎን ፋብሪካታት ብሕጽረት ጸዓት ደው ካብ ዝብላ ነዊሕ ዓመታት ኣቚጽረን ኣለዋ። ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ መግቢ ዘብስለሉ፡ ማይ ዘውዕየሉ ጸዓት ስኢኑ ኣብ ከቢድ ሽግር ወዲቑ ከም ዝርከብ’ውን ዝሕባእ ኣይኮነን። ከተማታት ወትሩ ብጸልማት ምስተዋሕጣ’የን። ሓይሊ ጸዓት ብፍላይ እዚ ካብ ብከላ ነጻ ዝኾነ ተሓዳሲ ኣዝዩ ተመራጺ’ዩ። ስልጡናት ዝበሃሉ ሃገራት ዝጥቀምሉ ዘለው ኣብ ልምዓትን ጥዕናን ደቂ-ሰብ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ተክኖሎጂ’ዩ። እዚ ህዝብታት ኤርትራ ከይጥቀምሉ እንታይ ዝኽልክሎም ነገር ነይሩ። ናይ ገንዘብ ሕጽረት ከም ምኽንያት ክመጽእ ኣይክእልን። ናይ ተክኖሎጂ’ውን ብገንዘብ ተሸሚቱ ስለ ዝመጽእ ከም ዕንቅፋት ክውሰድ ኣይከኣልን። ነዚ ዘተግብር ዝሰልጠን ሓይሊ ሰብ’ውን ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ ቀዳምነት ዝስራዕ ጸግም ግን ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ ፍልጠት’ውን ኣብ ኢድካ እንተዘየሎ ብገንዘብ ይግዛእ’ዩ። እሞ እቲ ጸገም ደኣ እንታይ’ዩ? ነዚ ክሳብ ሎሚ ትኹረት ከይተዋህቦ ክጸንሕ ዝገበረ? ኣድኪኻ ግዛእ ፖሊሲ ዝኽተል ጉጅለ ህግደፍ’ዩ።

ሎሚ ድሕሪ 26 ዓመት ክልተ ሜጋ ዋት ኣመንጭየ ኢሉ ረኣዩለይ ስምዑለይ ምባሉ ድማ ዝተለምደ ቅጥፈቱን ንህዝቢ ዘለዎ ንዕቀትን’ዩ ዘመልክት። ንግዝያዊ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሕታት ዘገልግል ደኣምበር መሰረታዊ ጸገም ህዝቢ ንምፍታሕ ዝተታሕዘ መደብ ከምዘይኮነ ካብ ዝግበረሉ ዘሎ ዝተዋደደ ምውዕዋዕ ንምርዳእ ኣየጸግምን። ብመሰረቱ ኣብ ጸላም ንዝነብር ዘሎ ህዝቢ ድሕሪ 26 ዓመት፡ ብደረጃ መንግስቲ ሎሚ ክልተ ሜጋ ዋት ዘመንጩ ተክኖሎጂ ተኽልና ኣለና። ድሕሪ ዝተወሰነ ድማ ክልተ ክንውስኽ ኢና። ቀስ እናበልና ናብ 16 ሜጋ ዋት ከነብጸሖ ኢና ምባል ዘተዓዛዝብ ዘሕፍር ምበር ዘጀሃር ኣይኮነን። ብተግባር በዚ ክልተ ሜጋ ዋት እንታይ ፍታሕ’ዩ ክመጽእ? ስለምንታይ ከ ክንድዚ ዝኸውን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሽፋን ተዋሂብዎ? ቅድሚ ገለ ዓመታት ደው ኢላ ዝነበረት ፋብሪካ ሲሚንቶ ስራሕ ጀሚራ ዋጋ ሲሚንቶ ካብ ዝነበሮ ትሕቲ ፍርቂ ጎዲሉ፡ ስራሕቲ ህንጻ ተነቓቒሑ ዝብል ንሰሙናት ዝቐጸለ ምውዕዋይ ተገይሩ። እቲ ፋብሪካ ግን ሓደ ወርሒ’ውን ኣይሓከመን። ኩሉ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ተሰናይ መንግስቲ ብዝመደቦ ገዚፍ ባጀት፡ መስመር ኤሌትሪክ ተዘርጊሑ፡ ነበርቲ መብራህቲ ብምርካቦም ንመንግስቶምን ንፈጣሪኦምን ኣመስጊኖም። ዝተፈላለየ ትካላት ስራሓን ብግቡእ ከሰላስላ ጀሚረን ተባሂሉ። ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ድማ ልዕሊ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ምስክር ክኸውን ዝኽእል የለን። ኣብ’ዚ ስልጡን ዘመን ዝተፈላለዩ ማሽነሪታት ተማሂዙ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝወዓለሉ፡ ዝረብሕ መሳርሒ ዘይብሎም ቆልዓ ሰበይቲ ኣዋፊሩ፡ ኣብ ዓዲ ክስቶ ዲጋ ተሰሪሓ፡ ህዝቢ ዓዲ መንዶ መንዶ ብጉልበቱን ብሓገዝ መንግስትን ካብ ናብ ዝወስድ ጽርጊያ ሰሪሑ፡ ከም ፍርያት ነጻነት ታሕጓሱ ገሊጹ ዝብል ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሕታት ምስማዕ’ውን ሓድሽ ኣይኮነን።

ስለዚ ህግደፍ ድሕሪ 26 ዓመት ናይ መንግስትነት ስልጣኑ ካብ’ቲ ኤርትራ ዝተዓደለቶ ባህሪያዊ ጸጋታት ክልተ ሜጋ ዋት ሓይሊ ጸዓት ብምፍራዩ ኣብ ክንዲ ዝሓፍር ክጀሃር ምምራጹ ላግጺ’ዩ። ምርጫ ህዝቢ ውሑስ ሃገራዊ ሰላም’ዩ። ህዝባዊ ደሞክራሲ’ዩ። ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተኸተለ ቀጻልነት ዘለዎ ብተግባር ዝሰርሕ መደባት ልምዓት ምርኣይን ምጥቃምን’ዩ። ብመብጸዓ ኢሳያስ ስለዝተሰላቸወ ንኢሳያስ ጎይታ መብጸዓ ክብል ሰይምዎ። ብባዶሽ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ዕረ ስለ ዝጠዓሞ ከኣ ህግደፍ ዝብሎን ጤል ዘይትጠጥሞን የለን ኣብ ምባል በጺሑ’ዩ። ስለዚ ህግደፋውያን ድሕሪ 26 ዓመት ክልተ ሜጋ ዋት ኣፍሪና ኢሎም ኣብ መድረኽ ወጺኦም ካብ ዝጀሃሩ፡ እንተዝሓፍሩ መምሓረሎም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 15-12-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox