^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 62 guests and no members online

ኤርትራ ምድረ ገነት’ዶ ምድረ ሲኦል?

እዚ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ንኽንድ’ዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ይጽናሕ ደኣምበር፡ ነቲ ነዊሕ ዕድመ ስልጣኑስ ንጉጅላዊ ረብሓኡ እንተዘይኮይኑ፡ ንህዝቢ ዝጠቅም እዚ ዝበሃል ቁም-ነገር ኣይሰርሓሉን። ንረብሓ ህዝቢ ዘይሰርሓሉ ምኽንያት ከኣ ናይ ኣጋጣሚ፡ ካብ ዘይምፍላጥ ወይ ዓቕሚ ምስኣን ዘይኮነ፡ ምስ ቀጻልነት ስልጣን ተኣሳሲሩ ብመጽናዕቲ ዝተወሰነን ዝተታሕዘን መደብ’ዩ። ንዓይ ከም ዝርደኣኒ፡ ናይ ኣጋጣሚ ‘ዩ ከይንብል 26 ዓመት ዝኣክል ኣጋጣሚ ዝበሃል ምኽኒት የለን። ካብ ዘይምፍላጥ ከይበሃል፡ ዘይምፍላጥ ብገበን ዘይሕትት መድሓኒቱ ከኣ ምፍላጥ ብምዃኑ፡ ክፈልጥ ንህዝቢ ኣየማኸረን። ካብ ካልኦት ተመክሮ ክወስድ ፋሕተርተር ክብል ኣይተራእየን። ዓቕሚ ብምስኣን’ዩ ከይበሃል ልዕሊ ዓቕሙ ኣይተሓተተን። ብዓቕሙ ክገብሮ ዝኽእል ድማ ኣይገበረን። ወይ ድማ ናይ ህዝቢ ጸገማት ክፈትሕ ድሌት ኣርእዩ ዓቕሚ ከምዝሓጸሮ ንህዝቢ ኣይሓበረን።

ስለዚ ንዓይ ዘይድሌት’ዩ። ስሰዐ ስልጣንን ብኡ ኣቢልካ ዝርከብ ሃብተ ገነትን ንምግባት ቅድሚ ስለዝተሰርዐ’ዩ። ኣጥቢቑ ዝሓትት፡ መልሲ እንተስኢኑ ድማ ካብ ስልጣን ዝግልፍ ህዝቢ ከምዘየለ ስለዝፈለጠ’ዩ። ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ህዝብን ሕግን ገይሩ ስለዝርኢ’ዩ ህዝቢ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ብተጸመም ክሳብ ዝጸምም ክጸንሕ ዝገበረ። ኣንቱም ሰባት እዚ ህግደፍ ዝበሃል ጉጅለ’ኮ ዝኾነ ናይ ህዝባውነት፣ ሕጋውነት፣ ክብረት፣ ሓላፍነት ዝበሃል ስምዒት የብሉን። ኣብ ንፋስ ዘሪኡ ካብኡ ኣፍሪዩ ህዝቢ ከድርር ተጸበ እናበለ ክነብር ዝወሰነ ጉጅለ’ኮ እዩ።

ጭቡጥ ዓቕሙ እቲ ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ ሓቂ ክንሱ፡ ብባህሪኡ መን ከማይ በሃሊ ጸረ-ህዝቢ ጸረ-ሰላም ከም ምዃኑ መጠን፡ ካብ ካልኦት ተማሂሩ ናይ ኣመራርሓ ምሕደራ ፍልጠት ክሰንቕ ቅሩብነት የብሉን። ብመን ከማይ ዝደኽደኸ ጉጅለ’ዩ። ጥዕና ዘለዎ ማዕባሊ ፖለቲካዊ ውድብ ባዕሉ ዓቕሚ ከጥሪ’ሞ ጠለባት ህዝቢ ክምልስ’ዩ ፋሕተርተር ዝብል። ባዕሉ ሓድሽን ዘዐወትን መንገዲ ከመንጩን ክትልምን እንተዘይክኢሉ ከኣ፡ ካብ ካልኦት ተመክሮ ይወስድ። ከምኡ ምግባር ሓድሽ ኣይኮነን። ብገለ ትወስድ ብገለ ትህብ ዝነበረን ዘሎን ዝቕጽልን ኣሰራርሓ’ዩ። እዚ ጉጅለ ግን ኩሉ ባህሪኡ ኣሰራራሓኡ ስጊንጢር ስለዝኾነ፡ ልክዑ ከይፈለጠን ገዛኡ ከየጽረይን ንካልኦት መራሕቲ ሃገራት፡ ዞባታት፡ ኣህጉራትን ዓለማዊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከቆናጽብ’ዩ ዝስማዕ። ነዚ ናይ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ስልጣኑ ተመክሮ ካልኦት ኣይወሰደ፡ ተመክሮኡ ናብ ካልኦት ኣየሰጋገረ፡ ነብሱ እናወደሰ ውሽጣዊ ሕመቑ ናብ ካልኦት እናላገበ፡ ንደሞክራስያዊ መርሆታት እናቆናጸበ፡ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ካብ ዝበረኸ ናብ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ብርኪ እናንቆልቆለ መጺኡ፡ እነሆ ሕጂ ኣብ ናይ ስልጣን ዓራርቦ በጺሑ።

እዚ ጉጅለ ዝተጓዕዘሉ ልቢ ኢሉ ንዝተኸታተለ፡ ትንፋስ ዝረኸበ እንክመስሎ ከም ዝጸገበ ኣርሓ ባእሲ ኣውርድ መሬት እናጻሕተረ ክፍክር፣ ፖለቲካዊ ትንፋስ እንክሓጽሮ ሕጋዊ ክመስል ሕጊ ይከበር ይዝምር፣ ካዝናኡ እንክጎድል እንታይ ክለኣኽ ኢሉ መዓጹ ሰብ ገንዘብ ይኹሕኩሕ፣ በቲ ፖለቲካዊ ልመናን ናይ ዕሱብነት ተልእኾን ኣብ ክንዲ ዝሓፍር ክፍክር፣ ጎይቶት ክመርጽ ላዕሊ ታሕቲ ክብል ቀኒዩ ክምለስ እንከሎ፡ ምስ እከለ ኣብ ክልተኣዊ ዘገድሱ ጉዳያት ተዘራሪብና ተሰማሚዕና ኢሉ ክሕሱ ኮታ ኮይኑ ዘይኮነስ መሲሉ ክነብር ዝመሰዮ ጉጅለ’ዩ። ሎሚ ዕድመ ንዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝሕባእ ስለዘየለ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ እከለ ዝነበሮ ርክብ በቲኹ፡ ምስ እከለ ሓድሽ ኪዳን ኣሲሩ። ምኽንያት ኣብ ርሑቕ ዘለው መንግስታትን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ሰብ ገንዘብን ልክዕ ብጨረታ ከም ዝሽየጥ ንብረት ኣነ ክንዲ’ዚ ክበካ ኣይፋል ኣነ ዝያዳ ክበካ ይዋገይሉ ስለዘለውን ናብ ዝበዝሐ ገንዘብ ዝኸፍል ክዕሰብ ጎይቶት የማርጽ ስለዘሎን’ዩ ዝብል ሓበሬታ ይመሉቕ’ሞ ይቃላዕ።

ብከምዚ ዓይነት እናኸደ እንከሎ ድማ ንኤርትራ ምድረ ገነት ክብል ይገልጻ። ካብ’ታ ኣብ ጎርቤት ኤርትራ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ንፖለቲካ ኤውሮጳ ትዝውር ዘላ ሃገረ ጀርመን፣ ዓለማዊ ኩነታት ክረስንን ክዝሕልን ትገብር ዘላ ሃገረ ኣመሪካን ካልኦት ደሞክራስያውያን ሃገራትን ዝበለጸ ምሕደራ ከም ዝኽተል ከይሓፈረ ይገልጽ። መን ከማና ከም ናትና ይብል። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘለዋ ሃገራት ዜጋታተን ብዂናትን ጥሜት ይቕዘፉ ከም ዘለው፡ ኣብ ኤርትራ ግን ሳለ ፖለቲካዊ ብቕዓተይ ህዝባዊ ተገዳስነተይ ኲናት የለን ጥሜት የለን፡ ኢሉ ይዝምር። እዚ ብርግጽ ናይ ፖለቲካ ሕማም ‘ምበር ናይ ጥዕና ምልክ ክኸውን ኣይክእልን። ንምዃኑ ምድረ ገነት ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ከም መሬት ኩሉ ባህሪያዊ ጸጋታት ዝተዓደለ፡ ህዝብታት ምዩቕ ዘይብሉላ ከብዶም ጸጊቡ፣ ዝባኖም ተኸዲኑ ከም ባህታኦም ኣጋይጾም ዝነብሩላ፡ ብሰላም ወፊሮም ብሰላም ዝኣትውላ፡ ለዋም ለይቲ ዝድቅሱላ ሃገር ምህላው ደይኮነን?

እሞ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ከመይ ከምዘለው እስከ ምስ’ዚ ኣበሃሃላ ናይ’ዚ ጉጅለ እናናጻጸርኩም ርትዓዊ ሚዛንኩም ኣንብሩ። ተስፋ እገብር እቲ ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ሰፊሩ ዘሎ ምድረ ገነት፡ ምድረ ሲኦል ዝብል ዘኪርኩም ኤርትራ ሎሚ ኣበይ ትምደብ፡ ኣብ ገነት ወይስ ኣብ ሲኦል ከይተደናገርኩም ክትምልሱ። ብዓይኒ ሃይማኖት፡ ምድረ ገነት ድዩ መንግስተ ሰማያት ብሓቂ ብጽድቂ ኣቢልካዩ ዝርከብ። ፖለቲካዊ ምድረ ገነት ድማ፡ ብፍትሒ፡ ብተኣማንነት፡ ብግልጽነት፡ ብልዕልና ህዝብን ሕግን ኣቢልካ ዝረጋገጽ’ዩ። እቲ ናይ ጽድቕን መንግስተ ሰማያትን ይጽነሓልና’ሞ ሎሚ ኣበይ ኣለና? ኤርትራ ምድረ ገነት ክብል እንከሎ እዚ ጉጅለ ንዓና ነቶም ውጹዓትን ብዙሓት ክልተ ግዜ ማህረምቲ’ዩ።

ብበትርን ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን’ዩ ዝሃርመና ዘሎ። ንምዃኑ ህግደፍ ዝመርሓ ዘመሓድራ ዘሎ ኤርትራ ምድረ ገነት እንተኾይና ደኣ ምድረ ሲኦል መን ክትከውን’ያ? ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ብዘቤታዊ መግዛእቲ ዝግረፉ ህዝብታት ኣለው ድዮም? ብፍላይ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ። ብግልባጥ ናይ’ቲ ትሓልፎ ዘላ ምድረ ሲኦል፡ ምድረ ገነት ክትበሃል ንዓና ክልተ ሞት’ዩ። ሃራምን መስካርን ንሱ፡ ተሃረምትን ተደናገርትን ድማ ንሕና ክንከውን ካብ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስቓይ ሓሊፉ ብዓይኒ ሰማዕትን ተዓዘብትን ዘሕፍር’ዩ። ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እልቢ ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደር ኲናትን ወረ ኲናትን ኣግራብ በሪሱ ነበረ ዝኾነሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። እንስሳን ውጽኢት እንስሳን ፍሉያት ሰባት ዝረኽብዎ ካብ’ቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣዝዩ ዝረሓቐ ትማሊ ከም’ዚ ነበረ ዝበሃለሉ ግዜ ‘ኳ ኢና ዘለና። ክብረት ሰብኣውነት ዝሃጕጎሉ፡ ስድራ ቤት ፋሕ ብትን ዝበለሉ፡ ስቓይን ሞትን ደቂ-ሰባት ብሰሪ ምድግጋሙ ከም ተራ ነገር ዝተለምደሉ፡ ስቓይ መከራና መዛረቢ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝኾነሉ፡ ክብርና ወሪዱ ከም’ቶም ብባህሪያውን ሰብ ዝሰርሖን ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት ዘለዎም ሰባት፡ ሰብኣዊ ተደናጋጽነት ኣብ ንደልየሉ ዘለና ሕሱም መድኽ እኳ ኢና ንርከብ ዘለና።

ኣብ ከም’ዚ ዝነብር ህዝቢ ደኣ’ሞ ከመይ ገይሩ ኣብ ምቾት ይነብር ኣሎ ይበሃል። እወ ከመይ ገይሩ ሃገርና ምድረ ገነት’ያ ትበሃል? ህግደፋውያን ብሓቂ ናይ ተፈጥሮ ሰባት’ዮም። እንተኾነ ካልእ ይትረፍ በቲ ባዕሎ ዘምጽእዎ ንዓለም ገረሞ ኮይኑ ዘሎ ዋሕዚ ስደትን ሳዕቤናት ስደትን ኤርትራውያን ክሓፍሩ ምተገበአ። ብተግባር ግን ብግልባጡ ከምኡ ብምግባሮም ጀግንነት ተሰሚዕዎም ክጀሃርሉ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እንታይ ክገብሩ ንፖለቲካዊ ምንዝርና ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ናትና ኢሎም ሒዘሞ። ነቲ ህይወት ዜጋተቶም ኣብ ምድሓን ዝረባረብ ዘሎ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኤርትራ ምድረ ገነት’ያ ኢሎም ከእምንዎ ፋሕተርተር ይብሉ ኣለው። ብሕብረተሰብ ነውሪ ዝኾነ ነገር ንዓኦም ሓድሽ ክእለትን ብቕዓትን’ዩ። ሕብረተሰብ ዝሓፍረሉ ዘውግዞን ዝጸየፎን ነገር ፈጺሙ ዘየሰክፎን ዘየሕፍሮም ፍጮ’ዮም።

ካብ እስማዒል ነብሮ፡

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 20-12-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox