^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 98 guests and no members online

ህግደፍ፡ ስርዓት ዘይብሉ ስርዓት’ዩ።

ህዝቢ ዝመርሑ መንግስታት ብባህሪኦም ደሞክራስያውያን ዲዮም ኣይኮኑን፡ ህዝባዊ ወገንነት ዝስመዖም ድዮም ዘይስመዖም ዝብል መፈላለዪ ረቛሒታት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንባህሪኦም ዘንጸባርቕ፡ መንግስቲ ዘብሎም፡ ብስርዓት ዘጸወዖም መርሆታት፣ ሕጋጋት፣ ፖሊሲታትን ናይ ተግባር መደባትን ግን ኣለዎም’ዩ። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ባህሪ ዘለዎም እንተኾይኖም፡ ዝምርሕሉ ቅዋም፣ ዝኽተልዎ ስትራተጂ፡ ፖሊሲን መደባትን ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ምዃኖም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ከም ዝኾኑ ርእሱ ዝኸኣለ ዘየካትዕ ጭቡጥ መረዳእታ’ዩ። ብጉልባብ ህዝባዊ ምርጫ ድዩ ወይስ ካልእ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝደየቡ፡ ናይ ምግባት፡ ዝና፣ ድሑር ወይ ጸቢብ ወግንነት ባህሪ ዘለዎም፡ መለኽትን ፋሽሽታውያንን እንተኾይኖም ድማ፡ ሕጊ ኢሎም ዝሰምይዎ ሃልይዎም ግን፡ ጸረ-ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ጸረ-ህዝባዊ ልምዓት፣ ጸረ-ህዝባዊ ፍትሒ ዝኾነ ንናይ ውሑዳት ረብሓን ልዕልነት ዝጣበቕ ዓፋኒ ሕግን ስርዓትን ምዃኑ ባዕሉ’ዩ ዝሕብርን ዝዛረብን።

ኣብ ዓለም ኣስታት 200 ዝኾና ሃገራት ኣለዋ። ዳርጋ ኩለን ከኣ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት’የን። ከም ኣባላት መጠን ድማ ንኣድማሳዊ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ይህባ።ንኸኽብራኦን ክትግብራኦን ከኣ ናይ ተሓታትነት ግዴታ ከም ዘለወን ብክታመን ኣረጋጊጸን’የን። ኣድማሳዊ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣስፊርዎ ዘሎ ዓንቀጻት ብኹሉ ሸነኻቱ ፍትሓዊ’ዩ። ደሞክራስያዊ’ዩ። ማዕርነታዊ’ዩ። ንናይ ዜጋታትን ህዝብታትን ነጻነትን መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላትን ዝጣበቕ’ዩ። ኣብ ምትግባሩ ወይ ኣፈጻጽማኡ ዝልቀት ስለዘለዎ ግን፡ ኩሎም ከተምቲ ሃገራት ወይ መንግስታት ብማዕረ የኽብርዎን ይትግብርዎን ማለት ኣይኮነን። እቶም ብሓቂ ብህዝቢ ዝተወከሉን ብሕጊ ዝመርሑን ዝምርሑን ደሞክራስያውያን ዝኾኑ መንግስታት ብግቡእ ይምእዘዝሉን ይጥቀምሉ’ዮም። ካብኡ ብጌጋ ሸተት እንተደኣ ኢሎም’ውን ተሓተቲ ይኾኑን ይእረሙን’ዮም። ገለ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስን ጸረ-ህዝባዊ ደሞክራስን ኒዮው ነጀው ዝብል ባህሪ ዘለዎም ከኣ፡ ብምሉእ ኣፍልጦ ሂቦም፡ ብከፊሉ ክምእዘዝሉን ካብ ተሓታት ከሃድሙ ከዕለብጡን ይረኣዩ። እዚኦም’ውን ምስ ኩሉ ክህልዎም ዝኽእል ጎደሎታት፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ተባሂሎም ክጽውዑ ዘኽእሎም መምዘኒታት ዘለዎም’ዮም።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ግን፡ በቲ ልክዕ ዝኾነ ስነ-ፍልጠታዊ መዕቀኒ ናይ መግስታት ወይ ስርዓታት፡ ኣፍካ መሊእካ መንግስቲ ወይ ስርዓት ኢልካ ክትጽወዖ ዘድፍር ረቛሒታት የብሉን። ኣብ’ቲ ዘለዎ ስልጣን ብሓይሊ ‘ምበር ብውክልና ህዝቢ ኣይደየበን። ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ዝመርሓሉን ዝምረሓሉን ሃገራዊ ቅዋም የብሉን። ኣብ ጽላላ ህዝቢ ዝሓቖፈት ንጹር ካርታን ዶባትን ዘለዋ፡ ብዓለም ደረጃ ፍልጥትን ቅብልትን ዝኾነት ልኡላዊት ሃገር ሒዙ ስለዘሎ እንተዘይኮይኑ፡ በዝን በዝን ከም ስርዓት ዘግልጹ መትከላትን ጭብጢታትን ኣለዎ ተባሂሉ ክቐርበሉ ዝኽእል ጭቡጥ መረዳእታ የለን። ብዝኾነ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝደየበ ጉጅለ፡ መንግስቲ’ዩ፡ ስርዓት’ዩ ዝብል ዕሙት መጎተ እንተዘይሃልዩ፡ በቲ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ከም መንግስቲ ወይ ስርዓት ቅቡል ዝገብር መዕቀኒታት ፈጺሙ ኣብ ሚዛን ዝድይብ ኣይኮነን።

ህግደፍ መንግስቲ ወይ ስርዓት ኢልካ ክትገልጾ ኣጸጋሚ ዝኸውን ግን፡ ብደርባዊ ባህሪኡ ጸረ-ህዝቢ ስለዝኾነ ጥራሕ ኣይኮነን። ሃገራዊ ቅዋም ስለ ዘይብሉ ጥራሕ ኣይኮነን። ውክልና ህዝቢ ስለዘይብሉ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ስሩዕ ውድባውን መንግስታውን ህይወት የብሉን። ብረት ዝዓጠቐ፡ ቁጠባዊ መትንታት ሃገር ዝተቖጻጸረ ብምዃኑ፡ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዘርዕድ ዘሳቒ ኣረኣእያ ኣለዎ። ብተግባር ድማ ንዜጋታት ይኣስር የቐትል፣ ንብረት ውልቀ ሰባትን ህዝብን ይዘምት’ዩ። እቲ ወሳኒ መሪሕነታዊ ጉጅለ ንዝጸልኦም ሰባት ከጥቅዕ፡ ንብረት ህዝቢ ክዘምት፡ ኲናት ክጽሕትር ክደሊ እንከሎ፡ ፖሊሲ ወይ መምርሒ ኢሉ ዝገልጾ ጽሑፍ ይጠቅስን የንብብን’ዩ። መን ዝበሃል ሕጋዊ ትካል ኣውጺእዎ ግን ንጹር ኣይኮነን። ንኣብነት፡ እንታይ ዘማለአ ፖለቲካዊ ስልጣን ይሕዝ፡ እንታይ ዘየማለአ ኣይሕዝን፣ ሓደ ዜጋ ከመይ ኣብ ደረጃ ሚኒስተርነት ወይ ኣማሓዳሪ ደይቡ ብወግዒ ከይተፈልጠ፡ ሚኒስተር ወይ ኣማሓዳሪ ክስቶ፡ ሳላ መንግስቲ ዝተኸተሎ ቅኑዕ ፖሊሲ ህዝቢ ኣብ ገነት ይነብር ኣሎ ክብል ገሊጹ ዝብል ብእግረ መንገዳዊ ዜና ይሕበር። እቲ ኣቐዲሙ ሚኒስተር ድዩ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ከኣ ወይ ቦታ ቀይሩ ወይ ኣእዳው ንድሕሪት ኣጣሚሩ ኣብ ጎደናታት ጎሰስ ክብል ይረአ። ምስ ጎረባብቲ መሰረት ዘይብሉ ኣብራሲ ኲናት ይውልዕ። ስለምንታይ ብናይ መን ሓላፍነት ርጡብ ሕጋዊ መልሲ የለን። ልኡላዊ መሬት መዕንደሪ ናይ ግዳም ሓይልታት ክኸውን የፍቅድ የካሪ። ምስ መንግስቲ እከለ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣብ ዘገድሱ ተዘራሪበን ተሰማሚዐን ክብል ጸንሑ፡ ከመይ ከም ዝተፋትሐ ከይተፈልጠ ነቲ ቀዳማይ ገዲፉ ካልእ ጎይታ ይውሸም ….ወዘተ። ነዚ ዓይኒ መርፍኡ ዝጠፍኦ ኣካይዳኡ ከኣ መንግስቲ’የ ስርዓት’የ ኢሉ ይገልጾ።

ንኣብነት ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ ህዝቢ ዓዲ ክስቶ ኣብ መዳይ ጥዕናን ትምህርትን መሰረት ገይሩ ተመያየጡ። ኣብ ማሕበራውን ምምሕዳራውን መዳያት ዘሎ ጸገማት፡ መንግስቲ ንዝሃቦ ዕድላት ብግቡእ’ዶ ንጥቀመሉ ኣለና የለናን ኣብ ዝብል ገማጋም ገይሩ። ህዝቢ ዓዲ ክስቶ ብጭኻሮን ባዴላን ገይሮም ጽርጊያ ሰሪሖም ዝነበሮም ሽግሮም ኣቃሊሎም። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዕውት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣካይዶም .. ዝብል ሰፊሕ ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ኣሎ። ህዝቢ እንታይ መወከሲ ገይሩ ከም ዝተመያየጠ፣ ከም ዝገምገመ ናብ ስራሕ ከም ዝወፈረን ዘረድእ ግን የለን። ኣብ’ቲ ዝኻየዱ ተገይሩ ዝበሃል ዘሎ ገምጋም፡ እቲ ጠንቂ ናይ’ዚ ሃገር ከደን ሕሰም ዝኾነ፡ መትንታት ሃገር ከም ቃሕታኡ ዝዝውር ዘብርስ ዘሎ ወሳኒ ጉጅለ ከም ዛዕባ ኣይለዓልን። ምኽንያቱ ብዛዕባኡ ክትዛረብ ክትነቅፍ ዋሕስ ዝህብ ሕግን ኣሰራርሓን የለን። ህዝቢ ተኣከብ ይበሃል ይእከብ፡ ኣመሓዳሪ ወይ ካድር ይመጽእ፡ ነቲ ወሳኒ ጉጅለ ዘመጉስ መደረ የስምዕ ተኣካባይ የጣቕዕ። ትእዛዝ የወርድ ናብ ተግባር ይወፍር። ኣብ ቅዋም ዝሰፈረ ዓንቀጻት መሰረት ገይርካ መሰለይ ምባልን ኣይፍለጥን። ስለምንታይ? ቅዋም የለን። ስለምንታይ ቅዋምን ንሱ ዘፍቅዶ ሕግታት ዘይንገብር ኢልካ ክትሓታት ዘተባብዕ ፖለቲካዊ ባይታ የለን። ንላዕሊ ገጽካ ኣጻብዕትኻ ምምልካት ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ። እቲ ዝገበር ኣኼባን ገምጋምን፡ ትእዛዝ ምስማዕን ምጥቓዕን ኩሉ ጸገማት ናብ ትሕተኻ ዘሎ ምርጋፍን’ዩ።

ኣብ ንቡራት መንግስታትን ስርዓታትን ኣብ ታሕቲ ህዝቢ ዝመሓደረሎም ሕግታትን መምርሒታትን ካብ ሃገራዊ ቅዋም ዝውለዱ ንኡሳት ሕግታት’ዮም። ህግደፍ ኣብ ዘመሓድራ ዘሎ ኤርትራ ግን፡ ካበይ ዝመንጨው ሕግታት ምዃኖም ከይተፈልጠ’ዩ ህዝቢ ተመያይጡ ገምጊሙ ኣጽዲቑ ዝበሃል። ብዛዕባ ሃገራዊ ቅዋም ኣይሕተትን። ብዛዕባ ካቢነ ሚኒስተራት ኣይሕተትን። ብዛዕባ ሓጋጊ ፈራድን ኣካላት ኣለው’ዶ የለውን እንተሃሊዮም ብኸመይ ይግለጹ ምሕታት ምግምጋም ኣይከኣልን። ደፋር ሓታቲ እንተተረኽበ’ውን ዘይምልከተካ ኣይትሕተት ዝተባሃልካዮ ግበር’ዩ እቲ መልሲ። ስለዚ ሕጋዊ መሰነይታ ዘይብሉ ልምዓት፣ ገምጋም፣ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ብዘይካ ኣብ እንዳ ህግደፍ ኣብ ካልእ ልሙድ ኣይኮነን። 26 ዓመት ስሩዕ ቅዋማዊ ሕጋዊ መንግስታዊ ቅርጻ ዘይኽተል፡ ግንባራዊ ጉባኤን ኣኼባን ዘየካይድ፡ ትካላዊ ኣመራርሓኡን ኣሰራርሓኡን ዘይፍለጥ በጋሚዶኣዊ ጉጅላዊ ምትእኽኻብ ህግደፍ፡ ብዘይካ ስርዓት ዘይብሉ ስርዓት ካልእ መግለጺ የብሉን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 22-12-2017   

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox