^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 60 guests and no members online

ነገራት እናጠናነግካ ቃልሲ ምኽርዛዝ፡ ብቐሊል ዘይሓዊ ናይ ታሪኽ በሰላ’ዩ።

ብሕብረ- ብሄር፣ ሕብረ ሃይማኖት፣ ሕብረ ባህላዊ ብዙሕነት ኣብ ዝቖመት ሃገር፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብረት ናይ ዜጋታት ብመደብ ዝረግጽ፡ ዝጭፍልቕ፡ ሃብትን ጥሪትን ዝዘምት፡ ስሩት ኣወንታዊ ክብርታት ዘራኽስ፡ ፍጹም መላኺ ጉጅለ ልዕልነት ኣብ ዝሓዘሉ ፈታኒ መድረኽ፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ስለዝኾንካ፡ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ትቃለስ ስለዘለኻ፡ ናይ ግድን ከም ማይን ጸባን ተወሃሂድካ ሓደ ክትከውን ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ’ቲ ብቓልሲ ክለግስ’ሞ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ቤት ፍርድን ቀሪቡ ምስ ዝፈጸሞ ገበን ዝመጣጠን ውሳነ ክረክብ ዝድለ ዘሎ ዓመጸኛ ጉጅለ፡ ዝግበር ፖለቲካዊ ገምጋም፣ ዝተሓዝ መርገጽ፣ ንምልጋሱ ትኽተሎ ሜላ ፍልልይ ክህሉ ባህሪያዊ’ዩ።

እቲ ጥበብ ናይ ውደባ ብደረጃ ሕብረ ብሄር፡ ብሄር ድዩ ሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ዜጋታትን ውድባትን በዚ ኣገባብ እንተኸይድና ህዝብና ይቕበለና፡ ውሑድ መስዋእቲ ከፊልና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንዕወት ኢሎም ዝሪእዎ ምርጫ ክወስዱ’ውን ሓደ ካብ ክግበር ዘለው ትጽቢት’ዩ። ኣብ ደርባዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ክህሉ፣መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጢ’ዶ ወይስ ጽገናዊ ለውጢ ዝብል ከዛርብ፤ ህግደፍ ጸላኢ ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ ድዩ ፈታዊ? ከመይ’ከ ክውገድ ኣለዎ? ብኹለ መዳያዊ ቃልሲ’ዶ ወይስ ህግደፍ ስልጣን ግደፍ እናበልካ ብሓውሲ ልመና ሰላማዊ ቃልሲ … ወዘተ እዚ ኩሉ መሰረታዊ ይኹን ዘይመሰረታዊ ኣብ መንጎ ውልቀ ዜጋታት ይኹን ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከዛርብ ናይ ግድን’ዩ።

ኤርትራና ናይ ሓደ ህዝቢ ሃገር ስለዘይኮነት፡ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር ስለዝኾነት፣ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ባህላዊ ብዙሕነት ሓቊፋ ስለ እትርከብ፡ ሕብረ ውድባዊ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝዋስኡላ ሃገር ብምዃና፡ ኤርትራ ሓንቲ’ያ፡ ህዝባውን ሓደ’ዩ እናበልካ፡ ነዚ ብዙሕነታት’ዚ ክሒድካን ጨፍሊቕካን ከም’ቲ ህግደፋውያን ዝብልዎ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዓይነት ባዶ ጭርሖ ምድጋም ልክዕ ኣይኮነን። ስለምንታይ፡ ሓደ ኣንጻር ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ዝንባሌታትን መልክዕ ውደባታትን’ዩ። ካልኣይ ንናይ ተፈጥሮ ሕግታትን መሰላትን ዝጻረር ብምዃኑ፡ ከምኡ ምሕላም ኣይከኣልን’ዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብግብሪ ክትርጉሞ ግን ዝከኣል ኣይኮነን።

ስለዚ ከኣ ነዚ ኤርትራዊ ብዙሕነታትን መልክዕ ውደባን ኣፍልጦ ሂብካ፡ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ትሰርሓሉ ባይታ ደኣዩ ክናደን ክምድመድን ዘለዎ ‘ምበር፡ ኣንጻር ዘቤታዊ መልኪ ክንቃለስ፡ ተቓሊስና ክንስዕር እንተደኣ ኮይና ናይ ግድን ኣብ ሓደ ክንመጽእ ኣለና ዝብል’ሲ ብዝፈኾሰ ፖለቲካዊ መምዘኒ ለባም ምርጫ ኣይኮነን። እዚ ዝተፈላለየ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ክንርእን ክንሰምዕን የብልናን ኣብ ሓደ ቁራዕ ክንኣቱን ሓደ ክንከውን ኣለናን ዝብል ርእይቶ፡ ካብ ንጹህ ሕልና ዝነቅል ድዩ ወይስ ካብ ተንኮል ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ብድሌቱ ዝምራሕ ‘ምበር ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት ብግቡእ ዘንብብን ንዕኡ ኣብ ጸብጻብ ኣእትዩ ንለውጢ ዝሓልምን ዝሓልም ከምዘይኮነ’ዩ ዘመልክት።

ንኣብነት፡ ሕቶ ብሄርን ብሄራዊ መልክዕ ውደባን ንህላውነቱ ተቐቢልካ፡ ቋንቋኡ፡ ባህሉን ታሪኹን ኣኽቢርካ፡ ከም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር መጠን ሓቢርካን ተኸባቢርካን ካብ ባህሪያዊ ጸጋታታ ብፍትሓዊ ኣገባብ ትመቐራሓሉ፡ ብሰላምን ብደሞክራስያዊ ምሕደራን ትነብረሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምፍጣር ደኣዩ ኣመት ክግበርን ቃልሲ ክካየድ ዘለዎን’ምበር፡ ኤርትራ ሓንቲ ስለዝኾነት ብሄራዊ መልክዕ ውደባ ኣይቅበልን ማለት ገዛእ ርእስኻ ምስ ሓቂ ተላቲምካ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ካብ ምዃን ወጻኢ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ስለምንታይ ኣመጻጽኣ ብሄር ብሄረ-ሰባት ተፈጥሮኣዊ ደኣምበር ሰብ ዝሰነዖ ስለዘይኮነ። ሃይማኖታዊ ነጻነት ሓደ ካብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት’ዩ። ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ብተመሳሳሊ ካብ’ቶም ወዲ-ሰብ፡ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ክረኽቦም ዘለዎ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት’ዩ።

ነዚ ዝኸውን መዋጽኦ መንገዲ፡ ከይዱ ከይዱ ንኹልኻ ዘይጠቅም ኣፍልጦን ክብርን ምንፍፋግ፡ ጸለመን ቅንጸላን ዘይኮነ፡ ምክብባር’ዩ። ተቐራሪብካ እዚ ንኹልና ዝጠቅም’ዩ ሓቢርና ንስረሓሉን ንድፈኣሉን፡ እዚ ብገለ ሸነኹ ንዝምድናና ብኣሉታ ዝጸሉ መልክዕ ስለዘለዎ፡ ብኸምዚ ነመሓድሮ ኢልካ ምልዛብ’ዩ እቲ እንኮ መዋጽኦ ክኸውን ዝኽእል። ነቲ ዝተፈልየ ርእይቶ ወይ መልክዕ ውደባ ዝኽተል ሰብ፡ ብምቁንጻብ፡ ብምንጻል፡ ብምቕታል ዘይኮነ፡ ብምርድዳእ ብምንባብ ብሓይሊ ሓሳብ ክለዘብ፡ ብሓላፍነት ንሓባራዊ ረብሓ ብዝጠቅም ኣገባብ ምቕላስን’ዩ ዕለተ ዓወት ዘቀላጥፍ፡ ንሃገራዊ ስኒት ዘተኣማመን ፖለቲካዊ ባይታ ዘንጽፍ ብቑዕ ፖለቲካዊ ኣተኣላልያ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ፍጹም መላኺ’ዩ። እዚ ዝበዝሓ ፖለቲካዊ ውድባት ዝሰማምዓሉ’ዩ። ብዝመስለካ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን መልክዕ ውደባን ክትቃለስ ከኣ መሰል’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ ከም ኣገባብ’ውን ቅኑዕ’ዩ። እንተኾነ ንስለ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልክን ዲፕሎማስያዊ መኽሰባትን ዘይኮነ ብሓቂ፡ ኣብ ኤርትራ ንቡር ጠፊኡ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ነጊሱ እናሃለወ፤ በዚ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝተማረረ ጥሙር ህዝቢ እናተበተነ እናበረሰ እንከሎ፤ ካብ ምሕደራ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ቀልጢፉ ዘድሕኖ ወገን እናጠለበ እንከሎ፤ ብመንጽር ጭቡጥ ኣተሃላልዋና ብተናጸል ውድባት ጎይና ብቕልጡ ከነድሕኖ ከምዘይንኽእል ርዱእ ኮይኑ እናሃለወ፤ እንኮ መድሓኒ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሰፋሕቲ ግንባራት ኣብ ዙርያ ዝተነጸሩ ናይ ሓባር ስምምዓት ዝኾኑ መትከላት ዓሲልካን ተኸባቢርካን፡ ብዘይተጎለባነት ዓቕሚኻ ጸኒቂቕካ ምቅላስ ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ብቀሚሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ዓይነት ዘይመሰረታዊ ፍልልያት፡ መሰረታዊ ኣምሲልካ ንሕኑን ቃልሲ ኣኸርዚዝካ ኣብ ደውታ ክኣቱ ምግባር ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣተሓሳስባ’ዩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ ሓደ ካብ’ቶም ብሓባር ዘቃልሱ ሰፋሕቲ ግንባራት’ዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ንዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን የተኣናግድ’ዩ። ዝተፈላለዩ ብሄራዊ፣ ሕብረ ብሄራዊ ድዩ ሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ዘለዎም ወገናት የተኣናግድ’ዩ። ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝተወደቡ በርገስ ማሕበራት የተኣናግድ’ዩ።ንደቂ-ኣንስትዮ፣ መንእሰያት፣ ምሁራት፣ ሓርበኛታት ኣብ ጸብጻብ ኣእትዩ፡ ብሓቂ ኤርትራዊ ምስሊ ወኪሉ ዝተመሰረተ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር’ዩ። ኤርትራ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም’ቶም ብተናጸል ውድባት ተታሒዞም ዘለው ነዊሕ ዝጠመቱ ስትራተጂካዊ ውጥናት ክሕዝ ተልእኾኡ ኣይኮነን። ተልእኾ ናይ’ዚ ሰፊሕ ግንባር’ዚ ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት፡ ዝተፈላለዩ ዝንባሌታት ጠርኒፉ ንህግደፍ ምውጋድን ንሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝኸውን ባይታ ኣንጺፉ ታሪኽ ምዃንን’ዩ።

እቲ ሓቂ ከም’ዚ ምዃኑ ኩሎም ነዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር’ዚ ዘቑሙ ወገናት ሕርሕራይ ገይሮም ይፈልጥዎ’ዮም። ምኽንያቱ፡ ብዘይ ዝኾነ ኣስገዳድ ባዕሎም ፈትዮም ዝኣተውዎን ዘጣይስዎን ግንባር’ዩ። ሕጂ ግን ብኣፎም ኣለና ምሳኻ እናበሉ ብተግባር ኣደስኪለሞ ይርከቡ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝተመሰረተሉ 2011 ጀሚሩ ዝጎድልዎ ነገራት እናመላእካ ስሩዕ ህይወት ከየሕልፍ ዝዓግቶ መሰረታዊ ጎደሎታት ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ዝቖመሉ ፖለቲካዊ ቻርተር፣ እቲ ዝቖመሉ ውሽጣዊ ሕጊ፣ እቲ ዝቖመሉ ሓባሪ መድረኽ ( ሮድ ማፕ) ነቶም ዘቖምዎ ፖለቲካዊ ሓይልታትን መሻርኽቲ ኣካላትን ምስ ዘለዎም ናይ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ፍልልያት ብሓባር ከስረሖም ከቃልሶም ይኽእል’ዩ። ብተግባር ግን እቲ ሓይልታት ብሓባር ክሰርሕ ኣይተራእየን። ብሓባር ንዘይምስራሕ ዝቐርብ ምኽንያት ድማ ብመንጽር “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ” ዝብል መድረኻዊ ጭርሖ ክምዘን እንከሎ፡ ኣዝዩ ንኡስን መደባት ግንባር ከይተጎናደበ ደረጃ ብደረጃ እናተፈትሐ ክኸይድ ዝኽእል፡ ብወሳኒ መልክዑ ምስ ሕቶ ስልጣን ውልቀ-ሰባት ዝተኣሳሰርን’ዩ። ብመንጽር ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚት ዘይስራዕ፡ በዚ ንኡስ ናይ ኣገባብ ፍልልያት ብውልቀ ሰባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ደውታ ምእታው ከኣ ዘሕፍር’ዩ። እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ገለ ኣይሰማማዓሎምን ትብሎም ዘይመሰረታዊ ነጥብታት እናጠናነግካ፡ ክኽርዝዝ ምግባር፡ ብቐሊል ዘይሓዊ ታሪኻዊ በሰላ’ዩ።

ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 25-12-2017  

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox