^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 74 guests and no members online

ንግዝያዊ ረብሓን ዝናን ክበሃል ሓሶት ምዝራብ፡ ወትሩ ዘየቕስን ዘይተኸፍለ ዕዳ’ዩ።

ንገዛእ ርእሶም ውሽጣዊ ነጻነት ኮነ፡ ናትና ዝብልዎ ዋሕስ ዝኾኖም ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይብሎም፡ ብኩለንተናኦም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝወደቑ፡ ግበሩ ፈጽሙ ዝተባህልዎ ብዘይ ዝኾነ ሕቶን ርእይቶን ዝፍጽሙ፡ ኣብ ትሕቲ ህይወት ዘይብሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብጉልባብ ዲፕሎማሲ ኣብ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ተሰዲዶም ዝነብሩለን ሃገራት ተጸፍዮም፡ ንኤርትራውያን ኣብ ምስላይን ምስቓይን ካብ ዝርከቡ ኣባላት ህግደፍ ኣስታት 200 ዝኾኑ፡ ካብ 21 ክሳብ 29 ታሕሳስ 2017 ብመንግስቲ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ክዕዘቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታ በጺሖም ዝብል ብጸብጸብቲ ሓሶትን ነገርቲ መርድእን ማዕከናት ዜና እቲ ጉጅለ ሰሚዕና።

ኣብ ኤርትራ ብህዝቢ ኮነ ብመንግስቲ ዝካየድ ትርጉም ዘለዎ ልምዓት ከምዘየለ ምስክር ዘድሊዮ ኣይኮነን። እቲ ጠንቂ ናይ ኩሉ ሃገራዊ ሕሰምን ድኽነትን ዝኾነ ከም ፋጣሪኦም ዘምልኽዎ ኢሳያስ ዓምን ቅድሚ ዓምን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ምስተሰርሐ (ቅድሚ 100 ዓመት ምዃኑ’ዩ) ፈጺሙ ጽገና ተገይርሉ ዘይፈልጥ መካይን ንክጎዓዛሉ ኣሸጋሪ ዝኾነ ጽርጊያ ከም ዘሎ፣ ሓይሊ ጸዓት ኣይኮነን ፋብሪካታት ዘንቀሳቕስ ንናይ መደቀሲ ኣምፑል ዝኸውን ዘተኣማምን ሓይሊ ከምዘየለ፣ ካብ’ቶም ኣብ ህይወት ሰብ ብቐዳምነት ዝስርዑን ብቐረባ ክርከቡ ዝግባእን ሓደ ዝስተ ማይ ተሳኢኑ ከቢድ ፈተነ ኮይኑ ምህላው፣ መዓርፎ ነፈርቲ ኮነ ወደባት ንልምዓት ድልዊ ክኸውን ብዘኽእሎ ወፍሪ ከምዘይተገብረሉ፣ ኮታ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝኾነ መደባት ልምዓት ኣይተሳለጠን፡ ንቕድሚት ክትግበሩ ዝተታሕዙ ገጀፍቲ ውጡናት ግን ኣለው። ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣሎ። ገና መጽናዕቲ ዘድልዮ ኣሎ። መዓስ’ዩ ናብ ተግባር ዝእቶ ግን ፍሉጥ ኣይኮነን እና በለ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ባዶነት ልምዓት፡ ባዶነት ደሞክራሲ፡ ባዶነት ፍትሒ ብዘየደናግር ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ’ዩ።

ጉልበቱ ኣፍሲሱ ብረሃጹ ዕለታዊ ህይወቱ ከይመርሕ ብድኽነት ዛንዛን ክብል ዝተፈርዶ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ክሳብ 200 ዝኾኑ ዕስለ ብገንዘብ ህዝቢ፡ ኣንጻር ህልዊ ሓቂ፡ ኣንጻር ህዝቢ፡ ኣንጻር ልምዓት፡ ኣንጻር ሰላም፡ ንምልኪ ዘቆናጁ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ክገብሩ ስንቂ ኮይኑ ዘገልግሎም ዝተዋህቦም መደብ ተቐቢሎም ዑደት ምግባሮም ከይኣክል፡ ብሃገር ደረጃ ኣብ’ዚ ኣበርክቶ ኣለዎ ዝበሃል ዘይብሉ እቲ ጉጅለ ናብ ዘዳለወሎም ንስእሊ ኣብ ዝጥዕም ቦታታት ከይዶም፡ ምርኣይ ምእማን’ዩ። ኣብ ርሑቕ ኮይና ንሰምዖ ካብ ዝነበርና ንላዕሊ ኮይኑ ረኺብናዮ። መንግስቲ ብሓቂ ይሰርሕ ኣሎ። ህዝቢ’ውን ብሓቂ ይልወጥ ኣሎ። እዚ ዝተዓዘብናዮ መደባት ልምዓት ብዓቕሚ ኤርትራ ከመይ ክስራሕ ክኢሉ ዝገርም’ዩ። ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓለም ዘይርካ ተወዳድሪ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ይሕሰሞ ሓሲሙኒ ጠምዩኒ ዘይወጽኦ፣ ናይ ምጽማም ተኽሎ ዘማዕበለ ኣብ ሃገሩን መንግስቱን ዘለዎ እምነት ፍሉይ’ዩ …ዝብል ንጎይታኦም ከመጉሱን ብህዝቢ ከሽካዕልሉን ቀኒዮም።

ብመሰረት’ቲ ጉጅለ ዘቃለሖ ዜና፡ ካብ’ቶም 200 ዝኾኑ ካብ መደባት ስለያዊ ስራሓት ኣብ ወጻኢ፡ ብመንግስቲ ክኒዮ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ዝጠመተ መነባብሮ ዜጋታት ንምልዋጥ ወይ ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ መደባት ልምዓትን ታሪኻዊ ቦታታትን ክዕዘቡ ዝተጸውዑ እቶም 95% መንእሰያት’ዮም። እዚኦም ግን ኤርትራውያን መንእሰያት ዘይኮኑ፡ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ’ዮም። ብካልእ ኣዘራርባ ብህዝቢ ኤርትራ ዝግደሱ ዘይኮኑ ንእንኮ ሰባዊ ስርዓት ዝከናኸኑ ናይ ገዛእ ርእሶም ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ልኡኻትን ዕሱባትን ህግደፍ ምዃኖም’ዩ። እዚኦም ንምስሊ ኢሳያስ ‘ምበር ንምስሊ ህዝብታት ኤርትራ ኣይፈልጡን። ክፈልጡ’ውን ኣይደልዩን። ስለምንታይ ብዛዕባ ህዝቢ ክሓስቡ ክግደሱ ብዘኽእሎም ኣይተሃንጹን። ሃገር ማለት ህዝቢ ማለት ምዃኑ ኣይርደኦምን። ሃገር ማለት ኢሳያስ ህግደፍ ማለት ምዃኑ’ዩ ዝርደኦም። ኣገንዝቦኦም ከምኡ ምዃኑ ዘረደአና፡ ዑደት ክትገብሩ ናብ ኤርትራ ክትኣትው ኢኹም ክበሃሎም እንከሎ፡ ኣበይ ዘሎ፡ መን ዘልመዖ፡ መን ዝጥቀመሉ ልምዓት ዝብል ሕቶ ከየልዓሉ ነቲ መምርሒ ብታሕጓስ ምቕባሎም’ዩ። ኣብ ዝተዳለወሎም ቦታታ ምስ በጽሑ ዝህብዎ ዝነበሩ ምስክርነት ድማ ፈጺሙ ዘየለ ባዶ ወደሳ’ዩ።

ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ እቲ ዝበጽሕዎን ዘወደስዎን ቦታታት ብመንጽር ምምሕያሽ መነባብሮን ህዝቢ እቲ ኣዝዩ ዝተሃስየ ቆላሕታ ዝተነፍገ ከባቢ’ዩ። ምስለነታትን ኣባላት ስለያን ኢሳያስ ግን፡ ብመንግስቶም ብኽብሪ ምዕዳሞም፣ ብገንዘብ ህዝቢ ወይ ብስም ህዝቢ ዑደት ምግባሮም፣ ኣብ ቅድሚ ካሜራን መጉልሒ ድምጽን ቀሪቦም ዝተላዕልዎ ስእልን ዝተሰመዖም ፍሳሃን ‘ምበር፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንምርግጋጽ ዘወር ኢሎም ነቲ ዘይምሱል መሲሉ ዘሎ ህዝቢ ከመይ ኣለኻ ኢሎም ክሓትዎ ኣይተ ሰምዑን ኣይተራእዩን። በቲ ልሙድ ናይ በለጽ ቃላት፡ መን ከማኻ፡ ብሳላኻ ኢሎም ከሽካልሉ’ዮም ተሰሚዖም። ህዝቢ ከይሓተቱ ብኣባላት ጸጥታን ሞያዊ ነጻነት ዘይብሎም ናብ ካድራት ዝተቐይሩ ጋዜጠኛታትን ተመሪሖም፡ ዝተዳለወሎም ዝተመርጸ መግብን መስተን እናበልዑን እናሰተዩን’ዮም ነቲ ዑደት ኣካይደሞ። “ ኣብ ከብዲ ጽጉብ የለን ጥሙይ” ኮይኑ ንሶም ብገንዘብ ድኻ ህዝቢ እንተጋየጹን እንተጸገቡን እቲ ካልእ ከምኡ ዓይነት ህይወት የሕልፍ ከም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ኣሎ ኢሎም ከይተሰከፉ ቃለ ምስክርነት ምሃቦም ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ነብሶም ዘይከኣሉ ዕሱባት ምዃኖም ዘረጋግጽ’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 05-01-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox