^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 44 guests and no members online

ህልዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዞባና ኣይንረብሓናን ንጉድኣትና

ትጎዪ ብርክን ንደላሎ ዝኽፈል ገንዘባዊ ዓቕምን ዝረኸበ ኤርትራዊ ካብ ኤርትራ ይወጽእ ኣሎ። ዶብ ዘስግር ዳንጋን መሰጋገሪ ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍን ዘይብሉ ከኣ፡ ብኣካል ኣብ ኤርትራ: ብሕልና ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ይነብር ኣሎ። እዚ ዝተጋነነ ገምጋም ኣይኮነን። ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ዝምስክሮ’ዩ። ዓቕሚ ረኺቦም ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ኮነ ዘይወጽኡ ኤርትራውያን ክብረት ኣብ ሃገርካ ምዃኑ ስለዘይፈልጡ ኣይኮኑን ግን ዝስደዱን ናብ ስደት ገጾም ዘምባህቑ ዘለውን። ኣብ ማይ ቤቶም፡ ኣብ መሬቶም፡ ኣብ ሃገሮም ሰላም ስለ ዘየረኸቡ፡ ሰብኣዊ መሰሎም ብጉጅለ ውሑዳን ስለዝተደፍረ፡ ከም ናይ ውልቀ ንብረት ተቖጺሮም ብባርነት ከገልግሉ ስለዝተፈርዱ’ዮም፡ ኣብ ኤርትራ ምቕማጥ ተሳቒኻ ሞት፡ ካብ ኤርትራ ምውጻእ ግን ካልእ ዕድል ኣሎ ዝብል ጸቢብ ተስፋ ሰኒቖም ዝነፍጹ ዘለው።

ምኽንያት ስደት ምልላይን ጠንቂ ስደት ምውጋድን ደኣምበር፡ ስደት ዝተባባዕ ኣማራጺ ኣይኮነን። ስደት ታሪኻዊ ሓድግታት ንምዕዛብ ኮነ ብንግዲ ወይ ትምህርቲ በጺሕካ ትምለሰሉ ናይ ሓጺር ግዜ ዑደት ዘይኮነ፡ ተገዲድካ ትኣትዎ፡ ሰብኣዊ ክብርኻ ዘዋርድ፣ ምስ ዓቕምኻ እናሃለኻ ዓቕሚ ዘስእን፣ ኣወንታዊ ታሪኽካን ባህላዊ ክብርታትካን በሪዙ ዘርምዘርሞ ዘትርፍ ብምዃኑ፡ ካብ ግዝያዊ መሰጋገሪ ህይወት ሓሊፉ ቀዳማይ ቦታ ሂብካ ትመርጾ ኣይኮነን። ግን ካብ ግዳማዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኣብ ምድሪ ኤርትራ ስለ ዝነገሰ እቲ ዘይምረጽ ከም ኣማራጺ ክውሰድ ይረአ ኣሎ።

ኣብ ዓለምና ብዙሓት ርእሰ ነጻነት ዘይብሎም ብስም ህዝቦምን ሃገሮምን እናመሓሉ ኣብ ትሕቲ ካልኦት መንግስታት ተጸጊዖም ዝኸዱ መንግስታት ተራእዮም’ዮም። ገለ’ውን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ጨካን ተግባራት ክፍጽሙ፡ ልኡላዊ መሬቶም ንጉጅላዊ ረብሓኦም ክብሉ ኣብ ዋጋ ዕደጋ ዘእትውሉ ኣጋጣሚታት ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ የዘንትው’ዮም። እዚ ግን ዘመን ዝሰገሮ ታሪኽ’ዩ። ዘለናዮ መድረኽ ድማ ብኩለንተናኡ ትማሊ ኣይኮነን። መንነትካ ዓቂብካ፡ ብግልጺ ተሓባቢርካን ተኸባቢርካን ደኣምበር፡ ናይ ህዝብኻ ልዑላዊ ሓርነታዊ መሰላትን መሬታዊ ነጻነትን ኣሕሊፍካ ብምሃብ፡ ዘይህልው ህልዊ ኮይንካ ተዓሲብካ ትነብረሉ መድረኽ ኣይኮነን።

ነዚ ሓቂ’ዚ መሰረት ብምግባር፡ እንኮ ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ ብባህሪኡ ኮነ ብተግባሩ ልዑላውነት ህዝቢ ኮነ መሬት ክሕሉ ኣይክእልን። ብኣንጻሩ ንካልእ ኣሕሊፉ ብምሃብ ዘዋርድ’ዩ። ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝተደኽመሉ፣ ብዙሓት ዕድመ ንእስነቶም፡ ገንዘቦምን ጥሪቶምን ዝወፈይሉ፣ ክቡር ኣካሎምን ህይወቶምን ንስለ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ክበሃል ብመን ሕራይ ዝኸፈልሉ ቃልሲ ንድሕሪት ዓጺፉ፡ ናብ ባርነት ዝቕይር’ዩ። ስለዚ ከይሳዕረረ ያዕ ክበሃል ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ክወሃብ ጸኒሑ። ነዚ ቅኑዕ ወድዓውን ታሪኻውን ርእይቶ’ዚ ብሰንጠቕ ዝጻረር፡ መን ከም መንግስትና፣ ሳላ መንግስትና ተሓፊርናን ተኸቢርናን ንነብር ኣለና ዝብል ርእይቶ’ውን ክቐርብ ጸኒሑን ኣሎን’ዩ። ኣየኒኡ ርእይቶ ቅኑዕ ዝምስክር ድማ ኣብዘሓ ህዝቢ ዝነብረሉ ዘሎ ማሕበራዊ ህይወትን ብተግባር ኣብ ባይታ ዝረአ ንጥፈታትን’ዩ። ልዕል ኢሉ ከም ዝተገልጸ ኣብ ኤርትራ ስደት ንኣእምሮ ብዙሓት ዝተቖጻጸረሉ ኲነት ተፈጢሩ ኣሎ። ሓርነታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝብታት ኤርትራ ተዳሂኹ ኣሎ። ጠንቅን ተሓታትን ናይ’ዚ ከኣ እንኮ ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ’ዩ።

ሓንሳብ ንህዝቢ ኤርትራ ተማእዚዝካን ድሌታቱ ኣማሊእካን ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ኣኽቢርካ ካብ ምኻድ፡ ብቕልጽምካን ኣብ ካልኦት ወጻእተኛታት ተሓንጊርካን ምኻድ ከም ምርጫ ዝወሰደ ጽግዕተኛ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ዝሓለፈ ገበናዊ ተግባራቱ ኣብ ክንዲ ዝመሃር “ካብ ዓበቕካስ ተቖናደፍ” ከም ዝበሃል ምስላ ታሪኹ ብገበን ክኽምብቶ ዝወሰነ ክሳብ ዝመስል እነሆ መመሊሱ ናብ ዝኸፍአ ጫፍ የምርሕ ኣሎ። መሬት ኤርትራ ማእከሉ ዝገበረ ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ምዕባሌታት ብኣንክሮ ብምክትታል፡ ህግደፍ ንህዝብታት ኤርትራን ግዝኣት ኤርትራን ናበይ የእትዎም ኣሎ ብቐሊሉ ንምርዳእ ኣየጸግምን። ሎሚ ባህርን ተግባርን ህግደፍ ዝጠንቁ ኤርትራ ምስ ኩለን መዳውብቲ ሃገራት ሰላም የብላን። መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ ድማ ንህዝብታት ኤርትራ ብጀሆ ሒዙ፡ ግዝኣታዊ መሬትና ንካልኦት ነናቶም ረብሓታት ከረጋግጹ ዝደልዩ ሓይልታት ኣሕሊፉ ብምሃብ ድግድጊት ተዓጢቑ ብዕሱብነት የሳሲ ኣሎ። ገንዘባውን ዓይነታውን ሓገዛት ከግብርሉ፡ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ክቕርቅርሉ’ሞ እፎይ ኢሉ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝሰግደሎም ዘሎ ከኣ፡ ንገዛእ ርእሶም ጽግዕተኛታት ዝኾኑ፡ ምስ ኤርትራ ብዶብ ዘይራኸቡ መንግስታት’ዮም።

ስዑዲ ዓረቢያ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣እስራኤል ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ከም ዘለወን ንህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ኣይተሓበሮ’ምበር፡ ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ሓቂ’ዩ። ሕጂ ድማ ግብጺ ትኣቱ ኣላ ዘይኮነ ከም ዝኣተወት ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚኦም እንታይ ዕላማ ሒዞም’ዮም ኣብ መሬትና ወተሃደራዊ መደበር ሰሪቶም? ስዑዲያን ኢማራትን ብምርጫአንን መጠን ገንዘበንን ኣብ ኣገዳሲ ገማግም ማያዊ ባሕርና፡ ኣንጻር ኢራንን ብኢራን ይድገፍ ዝበሃል የመናዊ ምንቅስቓስ ሑቲን ወተሃደራዊ መደበር ኣጣይሰን፣ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒጸን፣ ኣሎ ዝበሃል ዘመናዊ ኣጽዋር ኲናት ተኺለን ኣለዋ። ግብረ-መልሲ ኢራንን ምንቅስቓስ የመናውያን ተቓወምትን ኣብ ልዕሊ ብስዑዲያ ዝምራሕ ኪዳንን እንታይ ከምዝኸውን ግዜ ዝምልሶ’ዩ።

በቶም ካብ መሬት ኤርትራ ብዝብገስ ሓይሊ ዝህረሙ ዘለው ወገናት ኣብ ኤርትራ ዝሓድር ታሪኻዊ ጽለኣት ንምግማት ግን ኣየጸግምን። እስራኤል ስለምንታይ ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ክህልዎም መሪጾም፡ ውሽጠ ርዱእ’ዩ። ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ ብመሬት ናይ ቀረባ ጎረቤት፡ ትውልዳዊ፣ ሃይማኖታዊ፡ ባህላዊ ናይ ህዝብታት ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት’የን። ኤርትራ ድማ ምስ ሰለስቲአን ሃገራት ዶባታ ተዓጽዩ ኣሎ። ዝተዓጽወሉ ምኽንያት ብቐንዱ ካብ ኲናት ወረ ኲናት ወጻኢ ክነብር ዘይኽእል ከሓዲ ጉጅለ ህግደፍ ዝመረጾን ዝዓደሞን ባእሲ’ዩ። ግብጺ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘይብላ ብተዘዋዋሪ ተጻባኢ ንጥፈታት ተርኢ ከም ዘላን ዝግለጸሉ ዘሎ ወቕቲ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ተርእዮ ዘላ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከኣ ሓደ ጭብጢ’ዩ። ቀጠር ብዝተፈላለየ ጉልባብ ኣብ ሱዳን ኣትያ ኣላ። ዓባይ ኤውሮጳዊት እስላማዊት ሃገር ቱርኪ ኣብ ሱዳን ብስውር ዘይኮነ ብወግዒ ከም ዝኣተወት ተሓቢሩ ኣሎ።

ስለዚ ህልዊ ኩነታት ዞባና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ሃገርና ናበይ የምርሕ ኣሎ? ምስ ናይ ቀረባ ጎረባብትና ተባቲኽና መሬትና ጎረባብትና ዝህረምሉ መራገፍን መበገስን ኣጽዋር ውግእ ክኸውን ቅኑዕ ድዩ? ስዒቡ ብርሑቕን ቀረባን ዝኽፈል ዕዳ ሒዙ ከም ዝመጽእ’ከ ይርደአና ዲዩ? ነዚ ጉጅለ ውሑዳት ሓቢርና ከይንጸርግ ገለ ብምድጋፍ ገለ ብስቕታ ክንሓልፎ እንተፈቲና፡ እቶም ካብ መሬትና ብዝብገስ ተወንጫፊ ሰብኣውን ነዋታውን ሞትን ዕንወትን ዘጋጥሞም ዘሎ ወገናት፡ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝተባህለ ቂም ኣይቛጽሩልናን’ዶ? ስዒቡ ዝመጽእ ዕዳ’ኸ ክንከፍሎ ንኽእል ዲና? ስሩት ኣወንታዊ ባህላዊ ክብርታትና’ኸ ኣይብረዝን’ዶ? ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተዘዋዋሪ ኲናት ዘካይዱለን ዘለው ሃገራት፡ ዒራቕ፣ ሶርያ፣ የመን እንታይ ኢና ንዕዘብ ዘለና? ኣብ ዞባና ብሓፈሻ፡ ኣብ ሃገርና ከኣ ብፍላይ ብኣሳሳይነት ህግደፍ ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ምዕባሌታት ንጉድኣትና ደኣምበር ኣይንረብሓናን። ነዚ ዕሱብን ኣዕናውን ኣካይዳ ናይ ህግደፍ ብወግዒ ተቓዊምካ ተወዲብካ ተቓሊስካ ዘይምቕያር፡ መሬት ኤርትራ ናብ ከምኡ ክቕየር፡ ህዝብታት ኤርትራ ከም ህዝብታት ዒራቕ፡ ሶርያ፡ የመን ክሃልቁ ምፍቃድ’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 12-01-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox