መራሒ ህግደፍ’ዶ ዘወግዓዊ ኣፈኛ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ?

ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ገማግም ማያት ቀይሕ ባሕርን ብዘለዎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዓይኒ ናይ ዓለም ርእሰ ሓያላን ምስ ሰሓበ’ዩ። ወትሩ ርጉእ ጸጥታዊ ኩነታት ዘይብሉ ቅድም ክብል ኤውሮጳውያን ኣስፋሕፋሕቲ፡ ደሓር ኣብ’ቲ ብመድረኽ ዝሑል ኲናት ዝፍለጥ፡ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ደምበ ሃይጸይነትን ብሶቬት ሕብረት ዝምራሕ ደምበ ደሴትን መን ክሳዳዊ ስትራተጂካዊ ቦታ ሒዙ ዓብላልነቱ ኣረጋገጸ ክወዳደርሉ፡ ክሳብ ዘይቀጥታዊ ውግኣት ከካይድሉ ዝጸንሑ ተሃዋሲ ከባቢ’ዩ። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት ብሓፈሻ ጉዳይ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ከመይ ይኹን፡ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዝጥዕሞም ዝቕልሱን ዝውስኑን ኣብ ዝነበሩ ርእሰ ሓያላን መዛረቢ ዛዕባ ክኸውን ካብ ዝገበሩ ሓደን ቀንድን ምኽንያት’ውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ስትራተጂካዊ ኣገዳስነቱ ምዃኑ ርዱእ ነገር’ዩ። ኣብ ኤርትራ ናይ ዝተኻየደ ዝተናወሐ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ፡ ዝበጽሐ ሰብኣዊ ህልቂትን ነዋታዊ ዕንወትን ከም ሳዕቤኑ ዝተራእየ ማሕበራዊ ምንጋዕን ሕሱም ድኽነትን ጠንቂ ንሱ ምዃኑ ከኣ ብሰብ ጸጋ ዕድመ፣ ብጽሑፍን ድምጽን ሰነዳት ዝተረጋገጸ ‘ዩ።

ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ገማግም ማያት ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዓለማዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ዘለዎ ኣገዳስነት ግን ትማሊ ጥራሕ ዘይኮነ ሎሚ’ውን ህያው’ዩ። ፍትሓዊ ሕቶ ህዝብታት ኤርትራ ብቃልስን መስዋእትን ኤርትራውያን ብሓይልን ብሕግን መልሲ ረኺቡ ልኡላውነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ነጥበ መቐይሮ ምስ ገበረ’ውን መልክዑ ቀይሩ ደኣምበር እዚ ዞባ ዓይኒ ኣስፋሕፋሕቲ ካብ ምዕዳምስ ኣየቋረጸን። ኤርትራ ብመንጽር ነጻነት ንምምጻእ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ውሽጣዊ ሰላም ኣረጋጊጻ፡ ናይ ህዝብታታ ደሞክራስያዊ መሰል፡ ቁጠባዊ ረብሓን ዘውሕስ ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ተተኺሉ፡ ጸጥታዊ ኩነታት እዚ ዞባ ኣብ ምርግጋእ ኣወንታዊ ግደኣ ክትጻወት ዝግበኣ ክንሳ፡ ብሰንኪ ተሓንጋሪ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ ኣሉታዊ ተራ ትጻወት ምህላዋ ኣሉ ዘይበሃል ጭቡጥ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ጉጅለ ደርባዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ዝዓደሎ ዝኽተሎ ፖሊሲ፡ ኩነታታዊ ደኣምበር መትከላዊ ኣይኮነን። ኣብ ስነ-መጎት ሓይሊ ደኣምበር ኣብ ሓይሊ ሓሳብ ተመርኲሱ ውሽጡ ኣይመሓድርን። ኣብ ናይ ግዳም ሓይልታት ደኣምበር ኣብ ህዝቡ ኣይተኣማመንን። ቀጻልነት ፖለቲካዊ ስልጣኑ ካብ ህዝብን ካብ ሕግን ዘይኮነ፡ ብግዳማውያን ዓንገልቱን ፋሽሽታዊ ተግባሩን ከረጋግጾ ስለ ዝደሊ ናይ ጽግዕተኛታት ጽግዕተኛ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ሃገር ናብ ናይ ዞባውያን ሓይልታት መነሃርያ ኲናት ክቕይራ ወደኽደኽ ይብል ኣሎ። እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝጋላበጥ ፖለቲካዊ ዕደራ ድማ ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ’ዩ። ይኹን ግን እቶም ሰብ ቤት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራ፡ ተሰማሚዑ ምስ ወደአን ናይ ትግባረ መደባት ኣውጺኡ ኣብ ዘይፈልጥዎን ዘየርበሖምን ጽልእን ኲናትን ከዋፍሮም እንከሎ ‘ምበር፡ ኣቐዲሞም እንታይ ይበሃል ይግበር ኣሎ ዝረኽብዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ኩሉ ናይ ጥፍኣት መደቡ ምስ ወደአ ኤርትራዊ ኒሕ ዘለዎን ብዱልን ክመስል፡ እከለ ከም’ዚ ይሓስበልካ ኣሎ፡ እከለ ክጎብጠካ ይመጽእካ ኣሎ ተለዓል ተዳሎ ዝብል ፍረ ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳት የካይድ።

ንኣብነት ኣብ 1994 ካብ ካልኦት ተልእኾ ተዋሂብዎ ኣንጻር ሱዳን ኣብ ግርጭት ክኣቱ እንከሎ፣ ብጉልባብ ደሴታት ሓኒሽ ዝቑር ኣብ የመን ውግእ ክኸፍት እንከሎ፣ ብስም ዶብን ባድመን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ክፍጽም እንከሎ፣ ንጅቡቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ክሃርማ እንከሎ፣ ብመጋበርያነት ኣብ ትሕቲ ኢራን ክዕሰብ እንከሎ፣ ካብ ኢራን ተባቲኹ ኣብ ስዑዲያ ክዕሰብ እንከሎ፣ ካብ ቀጠር ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከሻሩ እንከሎ፣ ኣብ ኢድ ስርዓት ግብጺ ክኣቱ እንከሎ…ወዘተ ንህዝቢ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ14 ጥሪ 2018 ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ዘስመዖ መደረ ግን ካብ’ቲ ካልእ ዝተፈልየን መጋበርያ ምዃኑ ብብሩህ ነብሱ ዘቃልዓሉ ነይሩ። ኢሳያስ ምስ መንግስቲ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና ከም መርኣያ ናይ’ዚ ብቐጥታዊ ትእዛዝ ፕረሲደንት ዑመራል በሽር ተዓጽዩ ዘሎ ዶብ፣ ህላወ ወተሃደራት ግብጺ ኣብ ምድሪ ኤርትራን ኣመልኪቱ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራውያን ከኣ ብፍላይ ዝበላላዕ ዘሎ ጉዳይ፡ ክዓባብጥ ከም ልሙድ ወያነን መሰል ወያነን ዘዋደድዎ፡ ዝፈብረኽዎ፡ ዝነዝሕዎ፣ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ሱዳን ናቶም ረብሓ ከረጋግጹ ዝደልዩ ዝተወሰኑ ውሑዳት ምስ በዓል እከለ ተሻሪኾም ዝገብርዎ ዘለው እናበለ ካብ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣዝዩ ዝሃደመ ናይ ሓሶት ስብከት ኣካይዱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተራእየ ፖለቲካዊ ተቓውሞ፡ ሓደ ናይ ህይወት ዘለዎ ደሞክራስያዊ ስርዓት ተርእዮ ምዃኑ ዘንጊዑ፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ንማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነት ዝኸውን ባይታ ዘንጸፈ ኣረኣእያ፣ ካብ’ዚ ነቒሉ ዝተቐርጸ ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም)፣ ኣብ ባይታ ዝዕንብብ ዘሎ ደሞክራስያዊ ትካላት፣ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ኩሉ-ሸነኻዊ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ እቲ መንግስቲ ነቲ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ተቓውሞ መጀመርያ ገዛኡ ብምፍታሽ፡ ናቱ ጉድለት ድማ ብምውሳድ፡ ንምፍታሑ ዝኸፍቶ ዘሎ ናይ ገምጋም ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን ደሞክራስያዊ መድረኻትን ግምት ከይሃበ፡ ኣይበልናን’ዶ ሃገር ብድሌትን ፖሊሲን ወያነ ትፈርስ ኣላ። መሰል ብሄራት ክሳብ ትካላዊ መልክዕ ኣትሒዝካ ክትሰርሓሉ ጌጋ’ዩ። ጌጋ ምዃኑ ኣቐዲምና ነጊርናዮም ኢና ክብል፡ ንሱ ያኢ ርሑቕ ኣማቲ ለባም መስተውዓሊ ኮይኑ፡ ሓሳብ ልቡ ከም ዝሰመረሉ ክዋራዘ ፈቲኑ። እቲ መልእኽቲ ካብኡ ናብ ኣምለኽቱ ጥራሕ ከም ዝኸውን ግን ንምግማቱ ኣየጸግምን። ስለምንታይ’ሲ ዝበዝሕ ኤርትራዊ ንፖለቲካዊ ምንዝርና ኢሳያስ ሕርሕራይ ገይሩ ስለዝፈልጥ።

ኢሳያስ ኣብ’ዚ ናይ 14 ጥሪ 2018 ቃለ-መጠይቑ ዝያዳ መን ምዃኑ ዝተቓልዓሉ ግን፡ ንቱርኪ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ፖለቲካዊ ተንታን ዝመስል ፍሉይ ተልእኾ ዘለዎ መልእኽቲ’ዩ። ኢሳያስ መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ዶባቱ ብወግዒ ምስ ዓጸወ ኣይደንጎየን ናብ ግብጺ በሪሩ። ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ገይሩ ተመሊሱ። ምስ መራሒ እታ ሃገር ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ተራኺቡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ተመያይጦም ተባሂሉ ድማ ተገሊጹ። ኣይደንጎየን ንዘቤታዊ ጉዳያት ጎስዩ ኣብ ዞባዊ ምዕባሌታት ኢሉ ዝገለጾ ሓጺር ቃለ-መጠይቕ ገይሩ። ቱርኪ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እግሪ ትተክል ኣላ። ቅድም ክብል ኣብ ሶማል ወተሃደራዊ መደበር ከፊታ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ስዋኪን ሱዳን ክትከፍት ተሰማሚዓ ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ምስ ሶማል ብዶብ ኣይትራኸብን እንታይ ክትገብር ናብ ሶማል ትኣቱ ኣላ? ምስ ሱዳን ብዶብ ኣይትራኸብን እንታይ ክትገብረሉ’ያ ናብ ስዋኪን ትኣቱ ዘላ? እንታይ’ዩ እቲ ዕላማ? ዝብል ተደጋጋሚ ግን ከኣ ናይ ትሕዝቶ ፍልል ዘይብሉ ሕቶታት ደርዲሩ፡ ዝገርም’ዩ ኢሉ። ቀጺሉ፡ ቱርካውያን ክሕተቱ ኣለዎም። ንሕና’ውን ምሓተትናዮም። ሓቂ ድዩ እዚ ሰራዊት ከስፍሩ’ዮም ዝበሃል ዘሎ? ንምንታይ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ምበልናዮም ክብል መዲሩ።

ቱርኪ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትገብሮ ዘላ ንጥፈታት ብቐጥታ ንኤርትራ ዝጸሉ ኣይኮነን። ብተዘዋዋሪ’ውን ንኤርትራ ዕላማ ዝገበረ ኣይኮነን። ንንእሽቶ ሃገርን ውሑድ ህዝቢ ኤርትራ ምምሕደር ስኢኑ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዘሎ ኢሳያስ ግን ዶብ ሰጊሩ ኣብ ዘይምልክቶ ቀልባዕባዕ ክብል ተሰሚዑ። ስለምንታይ ቱርኪ ዶብ ሰጊራ ናብ’ዚ ከባቢ መጺኣ ብጭንቀት ካልኦት ክንጭነቕ ኣምስዩ። መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ዘይኮነስ፡ ብልሳኑ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ብዛዕባ ቱርኪ ዝዛረብ ዝነበረ መሲሉ ኣምስዩ። ኣብ’ዚ ድማ’ዩ መጋበርያ ምዃኑ ዝያዳ ዝተቓለዐን ኢሳያስ መራሒ ህግደፍ’ዶ ወይስ ዘይወዓዊ ኣፈኛ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ዝብል ሕቶ ከተልዕ ዝገብር።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 19-01-2018