^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 49 guests and no members online

ትራምፕ ስለምንታይ ጸሪፉና ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ዜጋታት ኣፍሪቃ ሃገሮምን ኣህጉሮምን ይገድፉ ኣለው ዝብል ሕቶ መልሲ ክረክብ ኣለዎ።

ኣህጉራና ኣፍሪቃ ብባህሪያዊ ጸጋታት ሃብታም’ያ። ብዝሒ ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ መንእሰይ፡ ንህይወታውያን ፍጡራት ዝሰማምዕ ክሌማ ወይ ኣየር፣ ገና ዘይተተንከፈ ድንግል መሬት ዝተዓደለት ክፍለ ዓለም እውን’ያ። ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ መጺእካ ግን ድኻ’ያ፡፡ ሓንቲ ሃገር ካብ’ታ ካልእ ሃገር መጠናዊ ፍልልይ’ኳ እንተሃለወ፡ ብወሳኒ መልክዑ ክምዘን እንከሎ ግን ኣፍሪቃ፡ ብሰሪ ስእነት ብሱላት ሓላፍነታውያን ፖለቲከኛታት፡ ንመሰሉ ብትብዓት ብዝተወደበ ኣገባብ ዝከራኸር ንቑሕ ህዝብን ትሕመስ ዘላ ኣህጉር’ያ። ገለ መንግስታት ኣብ ሓደ መድረኽ ጥዑም ይዛረቡ፡ ጽቡቕ ንጥፈታት የርእዩ.ሞ ርሑቕ ከይተጓዙ ይርኹመሹ። “ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ” ከም ዝበሃል ኣብ ክንዲ በቲ ዝተበገስሉ ኣወንታዊ ኣንፈት ዝስጉሙ፡ ኣብ’ቲ ናይ ድሕረትን ምልክን ጭካ ይእለኹ።

መንግስቲ እከለ፡ ኣብነታዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል’ዩ። ኩርዓት ኣፍሪቃ ክኸውን’ዩ። ዝተደወነ ምስሊ ሃገሩን ኣህጉርና ኣፍሪቃን ኣብ ምልዋጥ ልሉይ ተራ ክጻወት’ዩ ኢልካ እናተጸበኻዮ፡ ካብ ጎደና ንፉዓት የልግስ። ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ ምልኪ መን ቀደመ ክወዳደር ትዕዘብ። ደሞክራስያዊ ትካላት ቀሪጹ ክንሱ ኣብ ባይታ ኣብ ምትርጓም፡ ኣብ ክንዲ ብእምነት ብንቕሓት፡ ብሓይሊ ከተግብሮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በትሩ የወጣውጥ። እቲ ዘውጸኦ መመሓደሪ ሕጊ ንዕኡ ዘይምልከት፡ ካልኦት ዝሕተትሉ ዝዳነይሉ ዝፍረድሉ ክሳብ ዝመስል፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሕጊ ይከበር ዝብል ጸቕጢ ይገብር፡ ንገዛእ ርእሱ ግን ልዕሊ ሕጊ ይኸውን። ውሑዳት ዘይኮኑ መንግስታት ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ስልጠን ዓመታት፡ ገለ ከኣ ንዝተወሰነ ርሕቀት በቲ ቅኑዕ ኣገባብ ተጓዒዞም ኣብ መወዳእታ ግን ብዘይፍረ በርዒኖም ተሪፎም’ዮም።

እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዝፍጸም ጥልመት፡ ዝውሰድ ጨካን ጸረ-ህዝቢ ስጉምቲ፡ ህዝብታት ኣፍሪቃ ተጠቀምቲ ባህርያዊ ጸጋታቶም ከይኾኑ ገይርዎም ኣሎ። ኣብ ነብሶም፡ ታሪኾም፡ ባህሎም፡ ሃገሮም፡ ኣህጉሮም ከይተኣማመኑ ብኣንጻሩ ተስፋ ክቖርጹ ክጠራጠሩ፡ ናቶም ገዲፎም ናብ ካልኦት ተጸጊዖም ተመሳሲሎም ዝነብርሉ ዕድላት ከማዕድው ከገድዶም ጸኒሑን ኣሎን። ስለዚ ከኣ ከም’ቲ “ካብ ሰብ ዝደሊ ካብ ሳእኒ ይበሊ” ዝበሃል ምስላ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ተምሳሌት ኲናት፡ ድሕረትን ድኽነትን፣ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ፡ ከም ጎደሎ ኣእምሮ ዘለዎም ዘይምዕብሉ ድሑራት፡ ተመጽወትን ረስሓትን ክግለጹ ጸኒሖምን ኣለውን። ኣብ ዝኸድወን ሃገራት እናተጸርፉ ተሸቑሪሮም ክነብሩ ተፈሪዶም ኣለው። ብሰሪ ስእነት ስኒት፡ ድሑር ጸረ-ደሞክራስያዊ ኣጠማምታን ፋሽሽታዊ ተግባራት መራሕትን፤ ባህርያዊ ጸጋታት ኣህጉርና ካልኦት ይጥቀምሉ፡ ህዝብታት ኣፍሪቃ ከኣ ዕድል እንተገይሮም ብሓውሲ ባርነት ኣብ’ተን ትካላት ተቖጺሮም ይሽቅሉ፡ እንተዘይኮነ ግን ብጎቦ ዓይኖም እናጠመቱ ይጽረፍሉ ይዋረድሉ።

እዚ ንልቦና ዘለዎ ሰብ ዘቕስን ኣይኮነን። ኣእምሮ ዘናውጽ ውጽኢት ኢ-ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዩ። ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሓለፍቲ ኢሜግሬሽን ኣኪቡ፡ ስለምንታይ ካብ’ዛ ረሳሕ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ስደተኛታት ንቕበል፡ ንዕኦም ኣባሪርና ካብ ኖርወይ ዝመጽኡ ስደተኛታት ዘይንቕበል ምባሉ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ከዛርብ ጸኒሑን ኣሎን። ናይ ትራምፕ ጽዩፍ መግለጺ፡ ሕሉፍ ደፋር ዘርኣዊ ኣረኣእያኡ ዘንጸባርቕ’ዩ፡፡ ብመሰረቱ ግን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ስለምንታይ ትራምፕ ከምኡ ኢሉ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ኣብ ከም’ዚ ወዲቕና?፡ ኣነ ንህዝበይ ከመይ ይመርሖ ኣለኹ? ፖለቲካዊ ምስሊ ኣህጉርና ኣብ ምቕያር እንታይ ኣበርኪተ ወይ ኣበርኪትና? ኢሎም ውሽጦም ክፍትሹን ግብራዊ ለውጢ ከምጽኡ ኣለዎምን። ትራምፕ ብድፍረት ከምኡ ዝብል ድሑር መልእኽቲ ምምሕልላፉ ውርደት ንዓላማዊት ርእሰ ሓያል ኣሜሪካ፡ መለበሚ ድማ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ’ዩ። ስለዚ ስለምንታይ ከምኡ ኢልካ መብርሂ ሃብ፡ ይቕረታ ድማ ክትሓታት ኣለካ ምባሉ ልዙብ ዲፕሎማስያዊ ቋንቋ’ዩ። ይኹም ደኣምበር፡ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ውርደት ቅድም ዝነበሩን ሕጂ ዘለውን መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መዳይ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ካብ ዝኽተልዎ ግጉይን ገባትን ፖሊሲ ስለ ዝነቅል፡ ናብኣቶም ዘነጻጸረ ተሪር ነቐፌታ ክቐርብ ኣለዎ። ድንግል ምድሪ ኣፍሪቃ ገዲፍካ ኣሜሪካ ዘናፍቕን ብኣሜሪካ ድማ ዘሕብንን ምኽንያት፡ ዘይቅኑዕን ዘይብቑዕን ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ ክብረት፣ ኣድልዎ፣ ዘይተመጣጠነ ኣጠቓቕማ ሃገራዊ ሃብትን ዝወለዶ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ።

ዘይንታዮም ምስ ጨነቖም ባዕሎም ዝኸድዎ ትራምፕ ረሰሓትን ድኻታትን እንተበለ፡ ምስ’ቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንካልእ ዘይኮነ ንዜጋታቱ ብወግዒ ዘይረሃጽሉ ዶላር ክሓፍሱ፡ ኣብ ገነት ክነብሩ፡ ብፕሮፖጋንዳ ወጻእተኛን ዝተሰልቡ፡ ሓተላ ግለት’ዮም። ሓተላ ግለት ካብ ጥቓኻ እንተረሓቐልካ ድማ ጽቡቕ ‘ምበር ሕማቕ ኣይኮነን ዝበሎ ክወዳደር እንከሎ ፈኲስ’ዩ። ኢሳያስን ጉጅለኡን’ኮ ምስ ነጋዶ ሰብ ተሓባቢሮም ኣብ መሸጣ ዜጋታቶም ዝነጥፉ’ዮም። ኢሳያስን ጉጅለኡን’ኮ ንቡር ስርዓተ ቀብሪ ዘይረኸበ ኩምራ ስካሬን ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱሳ ምህላው ከይገደሶም፡ ንብዓት ስድራ ቤት ግዳያት ከይነቐጸ ኣብ ቦለኛ ከይዶም ብሙዚቃዊ ድራማ ተሓንበለ ዝብሉ’ዮም። ኢሳያስን ጉጅለኡን’ኮ ኤርትራዊ ኣብ ወጻኢ ሃገር መይቱ ሬሳኡ ኣብ ሃገሩ ከይቕበር ዝኸልከሉ’ዮም።

ስለዚ ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ። ኢሳያስን ጉጅለኡን ከኣ ነዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝመርሑ፡ ብኽብረትን ህይወትን ዜጋታቶም ዝጣልዑ ዘለው ኣፍሪቃውያን’ዮም። ኣበሃህላ ትራምፕ፡ ሕሱር ድሑር ዓሌታዊ’ዩ። ኢሳያስን መሰልቱ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዝመርሕዎ ህዝቢ፡ ምስ ዝብልዎን ዝገብርዎን ኣዛሚድካ ክረአ እንከሎ ግን፡ ጸሪፉና ኣዋሪዱና ኢልካ ቅድሚት ሰሪዕካ ስኒ ትሕርቅመሉ ኣይኮነን። ትራምፕ ካብ እዋን ምረጹኒ ጎስጓስ ክገብር እንከሎ ኣትሒዙ፡ ነናትና ንሓዝ፡ በብናትና ንኹራዕ፡ ኣሜሪካ ትቕደም ኢሉ ኣውጁ’ዩ። ናቱ ገዲፉ ናብ ዘይናቱ ዝኸደ ክብረት ከምዘይረክብ ድማ ቀደሙ’ውን ፍሉጥ’ዩ። ስለዚ ኣእምሮና ቀዳምነት ናብ ውሽጥና፡ ኣጻብዕትና ቀንዲ ናብ መራሕትና ከመልክት ኣለዎ። ናብ ኣሜሪካ ኮነ ኤውሮጳ ዘየማዕዱ፡ ሃገሩን ኣህጉሩን ዝፈቱ፡ ጉልበቱን ፍልጠቱን ኣብ ዕቤት ሃገሩን ኣህጉሩን ከውዕል ድልዊ ዝኾነ ዜጋ ንምፍራይ ዘኽእል ፖለቲካዊ ምሕደራ ክህልወና ክንረባረብ ይግባእ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 22-01-2018  

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox