^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 81 guests and no members online

ዝተወደበ ወፍሪ ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገረ እስራኤል

ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝብታት ሕድሕዳዊ ሓልዮት፡ ስኒት፡ ሃገራዊ ፍቅሪ ከም ዘለዎም፡ ኣብ ሰላም ኣብ ራህዋ ኣብ ብላዕ ስተ መድረኻት ዘይኮነ፡ ገለ ካብ ዜጋታቶም ኣብ ጸገም ኣብ ዝውድቅሉ፡ ድሕነት ህይወትን ወገንን ኣብ ዝሓትሉ ፈታኒ መድረኽ ብዝህብዎ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ’ዩ ዝረጋገጽ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ዝበዝሑ ካብ ህዝብታት ኤርትራ ጭቡጥ ውሕስነት ዘይብሉ ህይወት የሕልፉ ከም ዘለው ርዱእ ነገር’ዩ። ብምንጽጻር ግን ኣብ ገለ ደሓን ኣብ ገለ ከኣ ዝገደደ ኢልካ ዝግለጽ ፍልልይ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ሲናይ ብነጋዶ ሰብ ተታሒዞም ዝተሓተትካዮ ገንዘብ ትኸፍል ወይ ካብ ውሽጣዊ ኣካላትካ ዝመረጽናዮ መዝሒቕና ንወስድ ኣብ ዝብል መጻወዲያ ዝኣተው፣ ኣብ ሊብያ ብጉጀለ ዳዕሽ ተታሒዞም ሃይማኖትኩም ትቕይሩ ወይ ትጉይሑ ኣማራጺ ዝተዋህቦም ወገናት ዘስምዕዎ ናይ ኣድሕኑና ኣውያት፡ ብተነጻጻሪ ኣብ ዝተፈላለየ ኣፍሪቃዊ መዓስከር ስደተኛታት ኮይኖም ሕቶ ዕለታዊ መግብን ማይን ካብ ዝጠልቡ ወገናት ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ። ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቚቦም ካብ ዘለው፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለው ዘቕርብዎ ጠለባት ቀዳምነት ክወሃብ ይግባእ። ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ሕቶ ፖለቲካዊ ዕቑባ ደንጒይዎም ካብ ዝሽገሩ ወገናት፡ ኣብ ሃገረ እስራኤል ናብ ሳልሳይ ሃገር ትጥረዙ ወይ ትእሰሩ ተባሂሎም ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዝርከቡ ወገናትና ቀዳማይ ቦታ ሂብካ ንድሕነቶም ብሓባር ምርብራብ የድሊ።

ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣጋጢምዎም ዘሎ ሓደጋ፡ ሕጊ ናይ’ታ ሃገር ጥሒሶም ወይ ብቑጠባ ጾር ናይ’ታ ሃገር ኮይኖም ስለዝተረኽቡ ኣይኮኑን። መበቆላዊ መንነት፡ ሃይማኖትን ሕብርን ዝመንቀሊኡ ጽለኣት’ዩ። ህጹጽነቱ ከኣ ካብ ክሳብ ዝብል ገደብ ግዜ ዝተገብረሉ’ዩ። መበገሲኡ ናይ’ቶም ግዳይ ዝኾኑ ዘለዎ ወገናትና ጥፍኣት ስለ ዘይኮነን፡ ነቲ ጉዳይ ዝቃወሙ እስራኤላውያንን ካልኦት ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ስለ ዘለውን፡ ዝተወደበ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘይኮነ፡ ዝተወደበ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ ጥራሕ ድማ ስለዝጠልብ፡ ብሰብኣውነትን ብኤርትራዊ ዜግነትን ይግደስየ ዝብል ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ኣለኹ ዝብል ድምጺ ከስምዕ ኣለዎ። ተቓውሞኡ ተሓቢኡ ወይ ብውሽጡ ዘይኮነ ብወግዒ ብዝተወደበ ኣገባብ ኣብ ዝነብረሉ ሃገራት ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል፡ ምስ መንግስቲ እስራኤል ብስውር ኤርትራውያን ስደተኛታት ክቕበላ ተሰማሚዐን ኣብ ዝበሃላ ሃገራት ሩዋንዳን ኡጋንዳን፣ ከምኡ’ውን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከይዶም ሕግን ስርዓትን ተኸቲሎም ዓገብ ክብሉ ኣለዎም። ኤርትራዊ ሓልዮትን ተደናጋጽነትን ብግብሪ ከመስክሩ ይግባእ።

ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወገናት ጭንቀትን ኣውያትን ከም ናትካ ጭንቀት ዘይምውሳድ፡ ንድሕነቶም ዓቕሚ ዘፍቅዶ ኩሉ ዘይምግባር፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ሰብኣዊ ተገዳስነት ምርሓቕ’ውን ስለ ዘመልክት ብኣንክሮ ክረአን ብግብሪ መልሲ ክረክብን ዘለዎ ዛዕባ’ዩ። እዚ ንኹሎም ካብ መሳርዕ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ወጻኢ ዝርከቡ ወገናት ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ግን ንስለ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሰልፍታትን ግንባራትን፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ብቐጥታ ምስ ህይወት ኣድሕን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ ዋኒን ድማ ከምዘይብሎም ተገንዚቦም፡ ብመደብ ሒዞም ብዝተወደበ ኣገባብ ክወፍርሉን ከዋፍርሉን ከም ዘለዎም ክርድኡ ይግባእ።

እዞም ግዳያት ሎሚ ተሪሩን ናይ መወዳእታ መልክዑ ሒዙን ‘ምበር፡ ብመንግስቲ ናታንያሁ ጸቕቲ ካብ ዝግበረሎም ነዊሕ ዓመታት ኣቚጺሩ’ዩ። ብኣሽሓት ካብ መዓልታዊ ስራሖም ተጎናዲቦም። ተኣሲሮም። በስገዳድ ተባሪሮም፡ ሓሰረ መከራ ረኺቦም’ዮም። ኣብ’ዚ መስርሕ’ዚ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብመንጽር ክብደት ናይ’ቲ ጉዳይ ትርጉም ዘለዎ ሓባራዊ ወፍሪ ዝገበራሉ የለን። ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ዜጋታት ኣውያቶም ዘስምዕሉ ዘለው ወሳኒ መድረኽ ኣይኮነን ተወዲቦም ሓቢሮም ክወፍርሉ፡ ነቲ ወጻእተኛታት ተገዳስነት ዘርእይሉ ዘለው ከም ዜና ይከታተልዎ ከም ዘለው ዘመልክት ንጥፈታት ዘይምህላው ዘተዓዛዝብ’ዩ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ናታንያሁ ዲፕሎማስያዊ ጸቕቲ ፈጢርካ ወይ ናይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ሕቶኦም ተቐባልነት ረኺቡ ብሕጊ ብሰላም ኣብ’ታ ሃገር ክነብሩ፡ እንተዘይኮነ ድማ፡ ግዜ ረኺቦም ኣብ ሰናይ ፍቓዶምን ብሕጋዊ ኣገባብን ብመንገዲ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ተሰጋጊሮም ክጣየሱ ጻዕሪ ዘይምግባር፡ ጽባሕ ናብ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ምስተረከቡ፡ ወይ ናብ’ተን ዝሕመያ ዘለዋ ሃገራት ተባሪሮም ሃለዋት ምስ ኣጥፍኡ እህህ ምባል ጥዑምን ቅቡልን ክኸውን ኣይክእልን። ግዱስ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ፡ ኤርትራዊ ሓልዮቶም ሎሚ ኣብ’ዚ ወሳኒ ኲነት’ዮም ብተግብር ከመስክሩ ዘለዎም።

ወገናትና ንሕና ባራዩ ኣይኮናን ኣይንሽየጥን ዝብል ታቤላ ሒዞም ብ22 ጥሪ 2018 ኣብ ቴላቪቭ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እዚ ቃል እዚ፡ እዚ መልእኽቲ’ዚ ኣዝዩ መሪር’ዩ። ብዓይኒ ሰብኣውነት ኮነ ኤርትራዊ ወገንነት። ባሮት ኣይኮናን ኣይንሽየጥን ክብሉ እንከለው ክሳብ ክንዳይ ጸቕቲ ይግበረሎምን ኣብ ከቢድ መዋጥር ከም ዘለውን ሓባሪ’ዩ። ብመንጽር ሰብኣዊ ኣገዳስነቱን ክብደቱን ድማ ብዙሓት ግዱሳት ማሕበራት፡ ትካላትን ውልቀ ሰባትን እስራኤላውያን ኣንጻር ግፍዒ መምርሒ መንግስቶም ደው ኢሎም፡ ምስ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ወጊኖም ብወግዒ ይቃምዎ ኣለው። ኣብረርቲ ነፈርቲ ከይተረፉ ንሕና ነዞም ግዳያት ጽዒና ናብ ሩዋንዳ ኣይንኸይድ ዝብል ተቓውሞ ኣቕሪቦም ኣለው። ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኮነ ኣህጉራዊ ጽልዋታት ዘለዎም ትካላት ዜና ብተመሳሳሊ እቲ ውሳነ ጌጋ ምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ’ዞም መሳኪን ግዳያት ከስዕቦ ዝኽእል ናይ ህይወት ሓደጋን ኣመልኪቶም ብሰፊሑ የቃልሕዎ ኣለው።

ብወገን ኤርትራውያን ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ እንተተመልኪትና ግን ኣይግድን። ኣበይ ኣለኹም ኣበይ ኣለና ኤርትራውያን ዝብል ሕቶ ከተልዕል ዝድርኽ’ዩ። ሕጂ’ውን ግን እቲ ጉዳይ ኣይተፈትሐን። እቲ ኣውያት ደው ኣይበለን’ሞ፡ “ዝሓለፈስ ሓለፈ ጸሓፍ ዝተረፈ” ከም ዝተባህለ ኣለና ዝብል ሓባራዊ ድምጺ ክስማዕ ኣለዎ። ብሓደ መግለጺ ዝፍታሕ ጉዳይ ስለዘይኮነ፡ ብኹሉን ቀጻልነት ብዘለዎን ወፍሪ ክካየድ ይግባእ። ንኤርትራዊ ኣውያት ኤርትራዊ ጸማም እዝኒ ክህቦ፡ ብኣንጻሩ ካልኦት ክግደስሉን ክጎይሉን ፖለቲካዊ ሕፍረት ኢሉ’ውን ሞት’ዩ። ስለዚ ክግበር ዝከኣል ኩሉ ሕጂ ይገበር። ጽባሕ መዓስ ከም’ዚ መሲሉና፡   ከም’ዚ ኮ ኢልና ኔርና ኢና ዝበሃል ነገር ቦታ ኣይህልዎን። ስለዚ ዝተወደበ ወፍሪ ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገረ እስራኤል።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 26-01-2018