^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 71 guests and no members online

ዘተ መራሕቲ ሰለስተ ሃገራት፡ ተስፋ ሰላም ንዞባና፡ ፖለቲካዊ ጽፍዒት ንጉጅለ ህግደፍ፡

ዞባና ጸጥታዊ ርግኣት ዘይብሉ ኩሉ ግዜ ኲናትን ወረ ኲናትን ተፈልይዎ ዘይፈልጥ ተሃዋሲ ዞባ’ዩ። ዘለዎ ክሳዳዊ ኣቀማምጣን ስትራተጂካዊ ዓለማዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣገዳስነትን ዝስሕቦም ርእሰ ሓያላን መንግስታት፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ዝጻወትዎ ኣሉታዊ ተራ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ህዝቦም ዘይተኣማመኑ ሕሉፍ ስሰዐ ስልጣን ዘለዎም ገለ መራሕቲ ሃገራት እዚ ዞባ፡ ንስልጣኖም ክብሉ ኮነ ኢሎም ብዝፈጥርዎ ጽልእን ኲናት ወትሩ ምስተሓመሰ’ዩ። ዕረፍቲ ዘይብሉ ኲናት፡ ንሱ ዝወለዶ ከልበትበትን ድኽነትን ሓደ ካብ ኣሉታዊ ምስሊ ሃገራት እዚ ዞባ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ብፍላይ ኤርትራ ሃገርና ተደኲናትሉ ዘላ መሬታዊ ኣቀማምጣን ገማግም ማያት ቀይሕ ባሕርን ብዘለዎ ስትራተጂካዊ ተደላይነት፡ ዓለማውያን ርእሰ ሓያላን ጥራሕ ዘይኮኑ፡ ተቐዲሑ ብዘይውዳእ ፍርያት ነዳዲ ዝሓበጡ፡ መን ዞባዊ ልዕለ ሓያል ኮይኑ ይወጽእ፡ ብቐንዱ ሃይማኖታዊ ምስፍሕፋሕ ማእከሉ ዝገበረ ዘካይድዎ ናይ ዝጸገቡ ዝራብዓት ዝመስል ቅጥዒ ዘይብሉ ምፍኽኻርን ደማዊ ውግእን ብሓደ መዳይ፤ ብዓይኒ ዋንነት ኮነ ፍትሒ ተቐባልነት ዘይብሉ ዛራ ኣባይ ንዓይ ንበይነይ ዝብል ትምክሕታዊ ሰረት ዘለዎ ዓመጻዊ ኣተሓሳስባ ድማ በቲ ካልእ መዳይ፤ ንኤርትራ ንዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ መንነቱ ንገንዘባውን ዓይነታውን ውህብቶ ዝሸጠ ዕስቡን ጽግዕተኛን ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ኣቢሎም፡ ኣብ ልኡላዊ መሬትና ዝተኽልዎ ዘለው ወተሃደራዊ መደበራትን ዝተራቐቐ ኣጽዋር ኲናትን ነቲ ጉጅለ፡ ኣምለኽቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ቀጻልነት ጸረ-ህዝቢ ስልጣኖም ዘቃኒ ተስፋ፡ ንለባማት፡ ብዙሓትን ውጹዓትን ከኣ ሓላፍነታዊ ስኽፍታ ዝፈጠረ ኮይኑ ኣሎ።

ዕሱብ ጉጅለ ህግደፍን ዘይወግዓዊ ኣፈኛ ገለ መንግስታት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ፈጣሪኡን መራሒኡን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብፍላይ ካብ’ዚ ብኢድ ምትእትታው ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተደፋፊኡ ዝተጎሃሃረ ኲናት ሕድሕድ ኣሕዋት የመናውያን ዝጀመረሉ 2015 ንነጀው፡ ብፍጹም ሃገራዊ ክሕደት፡ ህዝባውን መሬታውን ልኡላውነትና፡ ንዞባውያን ዓሰብቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ብመንጽር ህልውን መጻእን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ቅሉዕ ታሪኻዊ ገበን ይፍጽም ከም ዘሎ ብሩህ’ዩ። እዚ ጉጅለን ናይ ጥፍኣት መራሒኡን ከም ካብ ህዝቦም ዝፈለሉ ዕሱባት ደፋራት ተለኣኣኽቲ መጠን፡ ብዝረኽብዎ ገንዘባውን ዓይነታውን ብልጫ እናተመርሑ፡ ሓደ ግዜ ምስቲ ሓደ ካልእ ግዜ ድማ ምስ’ቲ ካልእ እናተገላበጡ፡ ኤርትራ ማእከሉ ዝገበረ ዞባዊ ኲናት ንምውላዕ ካብን ናብን መልእኽቲ ከበጻጽሑ ጸኒሖም ኣለው። ብዙሓት ሃገራት ድማ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኤርትራ ነቲ ብመጀመርያ ኣብ መንጎ ክልተ ጸኒሑ ናብ ዞባዊ ኲናት ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ከም ዘለዎ ዘመላኽት ተኣፋፊ ኩነታት፡ ቅድመ ምድላዋት ንምግባር ዘገልግል መሰረት ከንጽፋ ጸኒሐን ኣለዋ። ድሮ በተን ነዚ ጉጅለ ብገንዘብ ዓሲበን ኣብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ሃኒጸን ዝነጥፋ ዘለዋ ሃገራት፡ ኤርትራውያን ብደብዳብ ነፈርቲ ኣካሎም ከም ዝጎደሉን ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ዜጋታት የመን ድማ፡ ካብ ሃገሮም ተሸፊኖም ብእሱር ናብ መሬት ኤርትራ መጺኦም ስቅያታዊ ህይወት የሕልፉ ከም ዘለው ዝተፈላለዩ እሙናት ምንጭታት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

መሪሕነታዊ ጉጅለ ህግደፍ ክብረት ህዝብን ልኡላዊ መሬትን ኤርትራ ኣየገድሶምን’ዩ። ኣብ’ዚ ውሽጢ ኣስታት 27 ዓመታት ብስመ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ባዕሎም ጽልእን ኲናት ፈጢሮም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ውጹዓት ኤርትራውያን ንከንቱ ክቕዘፍ፡ ክንድኡን ልዕሊኡን ኣካሎም ክጎድሉ፣ ኤርትራዊ ሃብቲ ክህሞኽ ገይሮም። ነቲ ስቓይ ኤርትራውያን ምስ ደቆምን መቕርቦምን ብመስኮት ቴሌቪዥን ክዕዘቡን ክዘናግዕሉ ‘ምበር፡ ከም ሰባት ክሓዝኑን ከም ፖለቲከኛታት ክሓፍሩን ኣይተራእዩን ኣይተሰምዑ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ድማ ከም’ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝገብርዎ ዝነበሩ ብቐጥታ ናብ ኲናት ዝዕድም ፕሮፖጋንዳን ግብራዊ ቀንጠብጠብን ከምዘየዋጽኦም ስለ ዝተረድኡ፡ ኲናት ብካልኦት ክጅመረሎም’ሞ ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ ኣብ’ቲ ዝተኣጉደ ኲናት ክህመኹ ብዕስቡነት ከሳስዩ ኣስመራ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣስመራ ግብጺ ቀልባዕባዕ ክብሉ ተራእዮም። መንግስቲ ግብጺ ብምኽንያት ዲጋ ኣባይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጥታዊ ኲናት ክኣቱ፡ ጎሬቤት ሃገር ኢትዮጵያን ብውሽጥን ብደገን ክትህረም፡ ጽቡቕ ገስጋስ ዘርኢ ዘሎ ቁጠባዊ ምዕባለኣን ደሞክራስያዊ ህንጸታን ክዕጸፍ፡ ስለዚ ከኣ መንግስቲ ኢህወደግ ተዳኺሙ ክሰዓር’ሞ እታ ሃገር ክትፈርስ፡ ኢሳያስ ምስ ጎይተቱ ብርሑቕ ኣብ ጽላል ኮይኖም ብመጉልሒ መነጽርን መጉልሒ ድምጽን ከመሓድርዎ፡ ሃንቀውታን መደብን ከም ዘለዎ ብ14 ጥሪ 2018 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣመት ሂቡ’ዩ።

ኢሳያስ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሱን ዓሰብቱን ብዝመሃዝዎ ናብ ዓውደ ኲናት ክቕየር ምዃኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዳግማይ ክትስኣሉ ዘይኽእል ውድቀት ከም ዝበጽሐ፡ መንግስቲ ሱዳን ኣንጻሩ ዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት ማለት ምዕጻው ዶብን ምቁጽጻር ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዝነበረ ሸቐጣትን ብሓይልና ክንፈትሖ ኢና ዓይነት ብዙሕ ክብደት ከምዘይህቦ፡ ሕጋዊ ኣፈኛ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ዝመስል፡ ቱርኪ እንታይ ክትገብር ናብ’ዚ ዞባ ትመጽእ ኣላ ክብል ሃለውለው ምባሉ፡ ዞባዊ ኲናት ክውላዕ፡ ህይወት ውጹዓት ኤርትራን ጸጋታት ኤርትራ ክህሞኽ፡ ስለዚ ከኣ እንግድዓ ዝደኸመ ህዝቢ ቀጻልነት ስልጣኑ ኣውሒሱ ኣስተርህዩ ክነብር ተስፋ ገይሩ ክሰርሕ ምጽንሑ ሓባሪ’ዩ። ኮይኑ ግን ኢሳያስን ጉጅለኡን ዕሱባት ተለኣእኽቲ ደኣምበር፡ ካበይ ናበይ ተንተንቲ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኩነታትን ሓንጸጽቲ ናይ ኲናት ፖሊስን ስለዘይኮኑ፡ እነሆ ኣየድምዑ ኣየስምዑ ኮይኖም ከውሊ ኣብዘይብሉ ሜዳ ወጊሕዎም። ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ክውላዕ ዝተጸበይዎ ኣብራሲ ኲናት፡ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት መራሕቲ፡ ኣብ’ቲ ካብ 15 ጥሪ 2018 ጀሚሩ ክካየድ ዝቐነየ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ብ28-29 ጥሪ 2018 ዝተቓነዐ መራሕትን ወከልትን 55 ሃገራት ዝሳተፍዎ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ እቲ ሕብረትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ብዘካየድዎ ሓላፍነታዊ ዘተ ተጸፊዑ።

ኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኲናት ክውልዕ’ሞ ኣባ ጎይላ ኮይኖም ከገልግሉ ቦታ ክህቦም ዝተጸበይዎ መንግስቲ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ፡ ምስ ሱዳን እንታይ መባህልቲ፡ ዘለና ናይ ዶብ ጸገም ብኲናት ዘይኮነ ብሰላማዊ ዘተ ክንፈትሖ ኢና። ንጽልኢ ዝዕድም ንጥፈታት ኩሉ ደው ከነብሎ ኢና። ብተመሳሳሊ ብምኽንያት ዲጋ ኣባይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዘእቱ ዕላማ የብልናን። ኢትዮጵያ ከም’ዚ ዝበለ ገዚፍን ታሪኻውን ዲጋ ምስራሕ ዝኾነ ቅሬታ ከምዘይብሉ፡ እቲ ብገለ ግብጻውያን ዝበሃል ኣሉታዊ ስምዒታት ንምእራምን ንምግራሕን ድማ ምስ ህዝቢ ግብጺ በብደረጃኡ ወግዓዊ መድረኻት ብምኽፋት ጸገም ከምዘይብሉ ንምልዛብን ንምርዳእን መደብ ከምዘለዎ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ሓቢሩ።

መስርሕ ህንጸት እቲ ዲጋ ከይተዓናቐፈ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ሚኒስተራት ማይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዘዝሓጸር ግዜ እናተራኸቡ ክግምግሙን ጸብጻብ ናብ መራሕቶም ከቕርቡን፡ እቶም መራሕቲ ሃገራት ከኣ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ እናተራኸቡ ኣብ ኩነታት እቲ ዲጋ፡ ካልኦት ሓባራዊ ረብሓታት ኣብ ዘረጋግጹ ከም ንግዲ፡ ወፍርን ጸጥታን ተጀሚሩ ንዘሎ ስምምዓት እናተኸታተሉ ዝምድናኦም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከበርኹ ተሰማሚዖም ኣለው። እዚ ሓላፍነታዊ ዘተን ዝተበጽሐ ስምምዓትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከንጸላሉ ንዝጸንሐ ናይ ኲናት ደመና ዘብንን’ዩ። ተስፋ ሰላም ንዞባና፡ ፖለቲካዊ ጽፍዒት ድማ ንዕሱብ ንጉጅለ ህግደፍ ኣፈኛ ጎይተቱ ኢሳያስ ኣፈወርቅን’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 02-02-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox