^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 40 guests and no members online

ሰብኣዊ ክብሪ ዘይብሉ፡ ሓቀኛ ሃገራዊ ስምዒት ክውንን ኣይክእልን።

ሰብ ንሰብ ይፈቱ’ዩ። ሰብ ንሰብ ይኽብር’ዩ። ከምኡውን ዜጋታት ሃገሮም ይፈትው’ዮም። ሰብ ንሰብ ክፈቱ ወይ ከኽብር እንከሎ፡ ወላዲ፡ ውላድ፡ ሓው፡ ሓፍቲ ፡ እሙን ዓርኪ መሓዛ ስለዝኾነ/ዝኾነት ዝሓድረካ ፍቕርን ትህቦ ኣኽብሮትን ሓደ ነገር’ዩ። ብግዳማዊ ተኽለ-ሰብነት ብግዝያዊ ጾታዊ ስምዒት ተደፋፊእካ ምምራኽ’ውን የጋጥም’ዩ። ካብ ልሳኑ/ልሳና ብዝወጽእ ረዚን ሓሳብ/ርእይቶ ተበጊስካ ምፍታው፡ ምድናቕን ምኽባርን’ውን ኣሎ። እዚ ካብ ሃናጺ ሓሳብ ተበጊስካ ምፍታው፡ ምድናቕ፡ ምኽባር፡ ሚዛን ዘለዎን ኩሉ ሰብ ድማ ክኸተሎ ዝግባእን’ዩ። ካብ’ዚ ዝበለጸ ናይ ግድን ኣኽብሮት ክትህበሉን ክትረኽበሉን ዝግባእ ድማ ኣሎ። ማለት ካብ ቤተሰባዊ፡ ዜግነታዊ ቅርበት፡ ወይ ካብ ብዓይኒ ጾታዊ ኣጠማምታ ፍልይ ዝበለ፡ ሰብ ናይ ተፈጥሮ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ እትህቦ ክብርን ተርእዮ ሰብኣዊ ተደናጋጽነትን። እዚ ከኣ ካብ ኩሉ መስፈሪ ዝተፈልየን ዝረዘነን ንገዛእ ርእስኻ ሰብ ምዃንካ ብግቡእ ምፍላጥካ ዘረድእ ኣበር ዘይብሉ፡ ምልክት ቅኑዕ ዕልና’ዩ።

ዜጋታት ሓንቲ ሃገር፡ ብሃገሮም ከም ዝግደሱ፡ ንሃገሮም ከም ዝፈትውን ከም ዘፍቅሩን ይገልጹ’ዮም። ገንዘቦም፣ ፍልጠቶም፣ ጉልበቶም፣ ደሞም ካብኡ ዝኸበደ ድማ ህይወቶም ክህቡ ክውፈዩ ይረኣዩ’ዮም። ክግደሱ ክፈትው ከፍቅሩን ክውፈይኑ ድማ ይግባእ። ኣብ’ዚ ኤርትራውያን ስለ ሃገሮም ብተግባር ደኺሞም ደምዮም ህይወት ገቢሮም ስለዝኾኑ ኣብነት’ዮም። ሰባት ብዛዕባ ሃገር ክግደሱ፡ ክፈትውን ኩሉ-መዳያዊ መስዋእቲ ክኸፍሉ እንከለው ግን፡ ካብ ግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ዝነቅል ክኸውን የብሉን። እዝን እዝን ስኢነ ኣለኹ ተቓሊሰ እዝን እዝን ክምልስ’የ ዝብል ብንቕሓትን ብመትከልን ዝተወነነ ዕላማን መግለጽን ዘይብሉ፡ ስቕ ኢሉ ሃገር ወይ ኣነ ከም ሃገራዊ ብዝብል ላህመታዊ ኣረኣእያ ኣብ መልሓስ ዝተቛጸረ ፍቕርን ተገዳስነት ክኸውን ኣይግባእን። ሃገር ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ስለምንታይ ብሃገርካ ትግደስ? ስለምንታይ ትፈትዋን ተፍቅራን? ናትካ ምዃና ዓለም ስለዝፈለጠልካ፡ ጥዑም ኣየር ስለዘለዋ፡ ባሕርን ወደባትን ስለዘለዋ፡ ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬት ዝሓዘቶ ባህሪያዊ ጸጋታት ስለዘሎ? ወይስ ሰብኣዊ ክብርኻ ዝዕቅብ፡ ካብን ናብን ክትንቀሳቐስ፡ ሓሳብካ ብነጻነት ክትገልጽ፡ ደስ ዝበለካ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኮነ ሃይማኖታዊ መስመር ክትክተል ዘፍቅድ፡ መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ዘይውሕስ፡ ፖለቲካዊ ኣንፈትን ፖለቲካዊ ሕግን ስለዘለዋ? እዚ ቅድሚት ክመጽእ ብግቡእ ክምዘንን መልሲ ክረክብ ዘለዎን መሰረታዊ ጉዳይ’ዩ።

ኣብ መንጎ ሰብን ሃገርን ከመይ ዝበለ ምትእስሳር’ዩ ዘሎ? መን’ዩ ብቐዳምነት ክኽበር ዘለዎ? ናይ ተፈጥሮ ሰብ ወይስ ኣብ ክሊ ሰብ ዝፈጠሮ ግዝኣታዊ ካርታ ዝርከብ፡ እምንን ሓምድን፣ ሩባን ጎቦን፣ እንስሳን ኣግራብን፣ ባሕርን መሬትን …ወዘተ? እወ መሬት ድዩ ሰብ ፈጢሩ ወይስ ሰብ’ዩ መሬታዊ ፖለቲካዊ ግዝኣት ፈጢሩ? መሬታዊ ግዝኣት ድዩ ንሰብ ዘመሓድር ወይስ ሰብ’ዩ ንክሊ ግዝኣቱ ዘመሓድር ካብ ጸላእቲ ዝከላኸል? ገለ ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ዝተዛብዐ ኣረኣእያ ኣለዎም። ሃገር ልዕሊ ኩሉ ብዝብል ክገልጽዎ ድማ ይስምዑ። እዚ ኣገንዝቦ’ዚ በሃልቱ ከም ጉጅለ ህግደፍ ንግሩሃት ብምድንጋር ግዝያዊ ረብሓ ንምርካብ ዝብልዎ እንተሃልዮም ካልእ ነገር’ዩ፡ ቅኑዕ’ዩ ኢልካ ዝተታሕዘ እንተኾይኑ ግን፡ ንኽብሪ ሰብ ኣትሒቱ ንኽብሪ ግኡዝ መሬት ሓፍ ዘብል ስለዝኾነ ሚዛኑ ዝሰሓተን ዝተዛብዐን ኣረኣእያ’ዩ። ክእረም ድማ ይግባእ። ሃገር ማለት ሰብ’ዩ። ቀዳምነት ክኽበር ዘለዎ ከኣ ሰብ’ዩ። ብሰብኣዊ ፍጡር ዘይግደስ፡ ብዜጋታቱ ዘይግደስ፡ ሃገራዊ ተገዳስነት፡ ሓልዮትን ፍቕርን ኣለኒ እንተኢሉ “ቅድሚ ምራኽ መስከብ”ዩ ዝኸውን። ቅድሚ ምራኽ መስከብ እንተመጺኡ ከኣ ዘይንቡር’ዩ። ትንግርቲ ድማ’ዩ።

ከዳዕ ጉጅለ ህግደፍ ንቡር እናሃረመ ዘይንቡር’ዩ ዘተኣታቱ ዘሎ። ሰባት ከሳቒ ኣሳቕዩ ክቐትል ከም ፖለቲካዊ ሜላ ዝኽተልን ብተግባር ዝተላመደን ጉጅለ’ዩ። ፈራሕ ጨካን ብምዃኑ ምስ ህይወት ዘለዎም ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ሬሳ ክበኣስ ዝተራእየ ጉጅለ’ዩ። ኣብ’ቲ ብደም ዝሕተት ገበናዊ ታሪኹ ኣካል ኣምሳሉ ናይ ዝነበረ ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ከኣ ኣብነት’ዩ። ኣብ ላምፐዱሳ ዘሎ ዛጊት ንቡር ምፍናው ዛይተግብረሉ ኩምራ ስካሬን መሳኪን ኤርትራውያን መንእሰያት’ውን ብካልኣይ ዝስራዕ ኣብነት’ዩ። እዚ ከዳዕ ጽግዕተኛ ጉጅለ፡ ዜጋታት ብስመ ሃገርን ሃገራውነትን ኣብዘይ ፍትሓዊ ኲናት ኣእትዩ መቃነይ ስልጣኑ ንምግባሮም ክብገስ እንከሎ፡ (ዶብን ባድመን ናይ’ዚ ጭቡጥ ኣብነት’ዩ) ወይ ድማ፡ ገንዘብ እንተጎዲልዎ ካዝናኡ ንምምላእ ኢሉ ዝገብሮ መን ከማኻ ከማና ዝብል ኣስካሪ ጎስጓሳት እንተዘይኮይኑ፡ ቀዳምነት ናብ ሰብን ክብሪ ሰብን ዘነጻጸር መደብ ሒዙ ክጉስጉስ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ስለምንታይ ኣረኣእያኡ ካብ ንቡር ወጻእን ፍጮን ስለዝኾነ። ንኽብሪ ሰብ ዓፊኑ ጨፍሊቑ ብዝተፈላለዩ ናይ ስቓይ መሳርሒታት ተጠቒሙ ኢ-ሰብኣዊ ባርባራዊ ግፍዒታት እናፈጸመ፡ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ይሰብኽ። ዝተቖጻጸረን ማዕከናት ዜናኡ፡ ሞያዊ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ስነ-ጥበባውያ፣ ብዝተፈላለዩ ውዳቤታትን ስለያዊ መርበባትን ዘጣየሶም መሓራቱን ክሳብ ካብ ንቡር መስመር ሰብኣውነት ወጺኦም፡ በቲ ዘይንቡር ክሰርሑ ይገብር። በዚ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሓሉ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ድማ “ ሓሶት እንተተደጋጊሙ ሓቂ ይመስል” ከም ዝበሃል ኣብ ገለ ዜጋታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ብዕድመን ፍልጠትን ዘይበሰሉ ዜጋታት ኣብ መንጎ ክብሪ ሰብን ክብሪ መሬትን ናይ ኣረኣእያ ምዝባዕ ፈጢሩ ይርከብ፡፡ ኣብ ክብርን ህይወትን ወዲ-ሰብ ዝጭክን ኣብ እምንን ሓመድን ዝግደስ ኣረኣእያ ሳዕሪሩ ኣሎ። ከምዚ ዝበለ እምነት ከኣ ኣይኮነን ንካልእ ንነብሱ ዘይኸውን ምናምን ማለት’ዩ።

ካብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣትሒዙ ብብዙሓት ግዳማውያን ሓይልታት፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ስሩት ኣወንታዊ ባህሉ፡ ሃይማኖቱ፡ ሕድሕድ ዘለዎ ምትእስሳር ንምህሳስን ንምብታኽን ተፈቲኑ፡ እምቢ ንምፍልላይና ኢሉ ብኮንኲሪት ከም እተሰርሐ ህንጻ ኣረብሪቡ ሓድነቱ ዓቂቡ ብዓወት ንዝወጽአ ህዝቢ፡ ሎሚ እዚ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ብዝፈሓሶን ዘተኣታትዎ ዘሎን ድሑር ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ፈተና ኣትዩ ይርከብ ኣሎ። ከም ውድብ ካብ ውልደቱ ጀሚሩ ብቐጻሊ ክሰርሓሉ ብዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ድሕረት፡ ዝነበረ ኣወንታዊ ክብርታት ኣህሲሱ፡ ዘይነበረን ዘይንቡርን ህግደፋዊ ስድነት ዘሪኡ ንሱ ዝመረጾ ፍርያት ይሓፍሰሉ ኣሎ። ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ፖለቲካዊ ደርባዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያትን መሰረት ገይርካ ክካየድ ዝነበሮ እሩም ስልጡን ንቡር ፍሕፍሕ ክዛባዕ ስለዚ ከኣ ክዳኸም ኮይኑ። ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ሓደ ሃይማኖት ኮነ፡ ዝተፈላለዩ እምነታት ብቐሊል ዘይጻሒ ጋግ ክፍጠር ሰሪሑ፡ ስኽፍታ ፈጢሩ ኣሎ። በቲ ዘይወግዓዊ ግን ከኣ ዝውቱር ህግደፋዊ ፖሊሲ ምዃኑ ዝፍለጥ 03 ኣቢሉ ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ዘሎን ከባብያውነት ወይ ኣውራጃውነት ዝብል በካሊ ኣተሓሳስባ ታሕቲ ወሪዱ ዘይተርፍ ሓደ ካብ ዛዕባታት ወግዒ ቡን ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።

ካብ’ዚ ኩሉ ዝኸፍአ ግን፡ ንህይወት ሰብን ሰብኣዊ ክብረትን ሓልዮት ዘይብሉ፡ ሃገርያ ክብረት፡ ሃገር ቅድሚ ኩሉ ዝብል ዝምዕብል ዘሎ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ኣተሓሳስባ ናበይ ንኸይድ ኣለና ዘብልን ዘሻቕልን’ዩ። ኣብ ጥዕና ዘለዎ ኣተሓሳስባ ቀዳምነት ዝስራዕ ሰብን ሰብኣዊ ሓልዮትን’ዩ። ሰብኣዊ ሓልዮት ዘይብሉ ሰብ፡ ሃገራዊ ሓይሎትን ፍቕርን ኣለኒ እንተበለ ግን ማዕበያኡ ዝጸየቖ ካብ ምባል ሓሊፍካ ትብሎ ነገር ኣይህሉን። እዚ ፍርያት ህግደፍ’ዩ። ህግደፍ ከኣ ቅቡጽ ጉጅለ’ዩ። እቶም ደድሕሪኡ ዝኸዱ፡ ብናቱ ፖለቲካዊ ቋንቋ ዝጥቀሙ ወገናት ግን፡ ኩሎም ከም’ቲ ናቱ ብኣፍልጦ ዝብልዎን ዝገብርዎን’ዩ ንምባል ስለዘይከኣል፡ ዝተጋገኽሞ፡ ዝሃለልኩሞ፡ ዝበደልኩሞ ይኣክል ካብ ዘይንቡር ናብ ንቡር ኣተሓሳስባ ተመለሱ ዝብል ምኽሪ ምልጋስ ቅኑዕ’ዩ። ሓላፍነታዎ ድማ’ዩ።

ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብኩለንተንኡ ብመንኮርኮር ምዕባለ ንቕድሚት ኣብ ዝግስግሰሉ ዘሎ ስልጡን ዘመን፡ ንስለ ክብሪ፡ ዝናን ቀጻልነት ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ክበሃል፡ ወገናትካ ብፖሊሲ ተኲስካ ቅተል እናተቐዝፉ፣ ኣብ ዘይፈልጥዎ ኲናት ኣትዮም እናሃለቑ፣ ከም ጤለ በጊዕ እናተሸጡ፣ ናይ ኣድሕኑና ኣውያት እናስምዑ፣ ወጻእተኛታት ካብ ሰብኣዊ ሓልዮት ተበጊሶም ኣመቶም ኣብ ዝገብርሉን ዘለው እዋን፡ ተደናጋጽነት ዘየርኢ፡ እንታይ ይገብር ኣለኹ ኢሉ ነብሱ ዘይሓክኽ ኤርትራዊ፡ ክንዲ ዝኾነ ሃገር ሃገር ይደጋግም ሓቀኛ ሃገራዊ ሓልዮት ከምዘይብሉ ኣረኣእያኡን ጨካን ተግባሩን ምስክር’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 16-02-2018  

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox