^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 45 guests and no members online

ሕሱር ግን ከኣ ማንታ ተልእኾ ዘለዎ ጽንብል መበል 181 ዓመት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ፡

ታሪኽ ህዝብታት ኤርትራ ታሪኽ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ፡ እምቢ ኣይግዛእን ሕረና መስዋእትን ዓወትን’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ከባቢ 100 ዓመት ቃልስን ዓወትን መስርሕ ብቑጽሮም ብዙሓት፡ ብመስተክራዊ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ውዕለኦም ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ኣወዳዲርካ ብልጫ ንምሃብ ዘጸግሙ፡ ሓድሽ ወለዶ ኣብነታዊ ተመክሮ ዝወስደሉ ዝመሃረሉ፡ ዘሕብን ሃገራዊ ጀግንነት ፈጽሚሞ’ዮም። ኤርትራውያን ዝተዓወትሉ ዓውድታት ግን ኣብ ወተሃደራዊ ግንባራት ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ ስለያን ፈዳይንን ታሪኽ ሰርሖም’ዮም። ምስጢር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕቃብ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህይወት ከፊሎም’ዮም። ኣብ ኣካዳሚያውን ምርምራውን ትምህርቲ ተሳቲፎም ዘሕብን ውጽኢት ዘምጽኡ ነይሮም ኣለውን’ዮም። ካብ ዘመናዊ ሕጊ ዝሃብተመ ያታዊ ሕጊ ወይ “ሕጊ እንዳባ” ዝነደፉ ሰፊሕ ልቦና ዝነበሮም ኤርትራውያን ነይሮም’ዮም፡፡ ከም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኮይኖም ህዝቦም ብስኒት ብምምሕዳሮም ብኣብነት ዝጥቀሱ ነይሮም’ዮም። ሃገሮም ዘጸውዑ ስፖርተኛታት ኣለው’ዮም ...ወዘተ።

ናይ’ዚኣቶም ታሪኽን ውዕሎን ብዘይዝኾነ ኢንታ ወይ ኣበር ብዓይኒ ሃገራውነት ጠሚትካ፡ ብግቡእ ክስነድ፡ ናብ ወለዶታት ክመሓላለፍ ግቡእ ትኹረት ተዋሂብዎ ክስራሓሉ ይግባእ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ተዋፊሮም ዕውታት ናይ ዝኾኑ ጀጋኑ ሃገራውያን ካብ ዝግለጸሉ ሓደ ድማ፡ ስሞምን ኣበርክቶኦምን ዝሕብር ህዝቢ ብጻዕቂ ኣብ ዝርከበሉ ወይ ኣብ’ቲ ታሪኽ ዝሰርሕሉ ቦታ ሓወልቲ ምስራሕ’ዩ።

እዚ ዕማም’ዚ ብቐንዱ ሃገር ንዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ወይ መንግስቲ ዝምልከት’ዩ። ነዚ ዝፍጽም መንግስቲ ድማ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ዝስመዖ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብሕጊ ኣብ ስልጣን ዝደየበን ብህዝቢ ዝሕተት ምዃኑ ዝፈልጥ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ። ፖለቲካዊ ስልጣን ብቕልጽሙ ሒዙ ንህዝቡ ዝንዕቕ መንግስቲ ግን ከም’ዚ ዝበለ ረዚን ዕማም ክስከም ኣይኽእልን። ከምኡ ክገብር ድማ ትጽቢት ኣይግበርን። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ህዝብን ብሕግን ዝርከብ ምዃኑ እናፈለጠ፡ ብዝዓጠቖ ብረት ኣፈራሪሑ እንተወሲድዎ፡ ኣብ ክንዲ ንህዝቡ ዝምእዘዝ ዘኽብር ተገልቢጡ ዝንዕቕ ብባርነት ዘስርሕ እንተደኣ ኮይኑ፡ በቲ ህዝቢ ዝተፈጸመ ኣወንታዊ ታሪኽ ይብልል ይድምስስ ’ምበር ኣይዕቅብን። ታሪኽ ፍሩያት ጀጋኑ ይሓብእን የማራስሕን ‘ምበር ጎሊሁ ኣብ መድረኽ ክወጽእ ዜጋታት ክመሃርሉን ክወርስዎን ባይታ ክፈጥር ኣይሕሰብን።

ስለዚ ሎሚ ኣብ ምድሪ ኤርትራ ህዝቢ ዝኾርዓሉ ቀጻልነት ድማ ክህልዎ ዝግባእ ኣወንታዊ ክብርታት ተሓምሽሹ፡ ታሪኽ ካብ መንገዲ ቆሪጹ ዝወስድ፡ ንሓቀኛታት ሰብ ታሪኽ ዝንዕቕ ዘቆናጽብ፡ ብህይወት ዜጋታቱ ዝጣላዕ፣ ልኡላዊ መሬት ከም ቃሕታኡ ንወጻእተኛታት ዝዕድል ስነ-መጎት ሓይሊ ነጊሱ ኣብ ዘለወሉ ኩነታት፡ ጽንብል መበል 181 ዓመት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገርና ምክያዱ ሰሚዕና ክንድነቕ ወይ ክንግረም ኣይግባእን። ስለምታይ’ሲ ካብ ቀታሊኻ ሕማቕ ‘ምበር ጽቡቕ ኣይትጽበን። ህግደፍ’ኮ ምስ ሬሳ ዝበኣስ፡ ከምኡ ምግባሩ ድማ ኣብ ክንዲ ዝሓፍር ብኩርዓት ዝምድር ፍጮ ሕብረተ-ሰብ’ዩ።

ሓወልቲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ ክስራሕ ክፈቅድ እንከሎ፡ ዓመት መጽአ ብድምቀት ክጽንብል እንከሎ ንምንታይ ዕላማ ዝብል ሕቶ ክለዓልን መልሲ ክረክብን ይግባእ። ንኽብሪ ኤርትራውያንን ምስሊ ሃገረ ኤርትራን ብደይ መደይ ዝድምስስ ዘሎ ጉጅለ ንህዝብታት ኤርትራ ክጠቅም ኢሉ ከምኡ ከምዘይገብር መጀመርያ ብድሙቕ ክስመረሉ ኣለዎ። እሞ ተልእኾኡ ደኣ እንታይ ይኹን ንዝብል ድማ፡ ሓደ ከም ኣብ ህዝቡን ገዛእ ነብሱ እምነት ዘይብሉ፡ ዝሓየለን ዝበዝሐ ገንዘብ ዝኸፈለን ዝውሸሞ ጽግዕተኛ መንግስታዊ ጉጅለ መጠን፡ በዚ ሓወልቲ ምኽንያት ገይሩ ናይ ራሻ ጽቡቕ ገጽ ክረክብ’ሞ ናይ ተለኣኣኽነት ሜዳኡ ከስፍሕ ካብ ዘለዎ ተመጽዋቲ ሕልሚ ዝነቐለ’ዩ። ብካልኣይ፡ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ኢትዮጵያዊ ትውልዲ ኣለዎ ተባሂሉ ኣቐዲሙ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ሓውልቲ ተሰሪሕሉ ስለዘሎ፡ ንኢትዮጵያ ባህ ከይብላ ብዓይኒ ህልኽ ዝገብሮ ዘሎ ቆልዓዊ ጸወታ’ዩ። ስለዚ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ዝተጸንበለ መበል 181 ዓመት ዝኽሪ ፑሽኪን ሕሱር ግን ከኣ፡ ምስ ኤርትራ ክብርን ረብሓን ብሰንጠቕ ዝጻረር ሕቡእ ማንታ ተልእኾ ዘለዎ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝዳሎ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 16-02-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox