^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 56 guests and no members online

ነጻ ኤርትራ ናይ መንኦም ህያብ ናይ ስውኣት’ዶ ናይ’ዞም ሸፋቱ?

ኣብ ናይ ኤርትራ ማሕበረ ፖለቲካዊ ዲስኩርስ ወይ ምብህሃል፡ ገና ዘይተነጸሩ ማለት በቦታኦም ዘይሓዙ ክልተ ኣዕኑድ ዘለው ኮይኑ ይስመዓኒ። እቲ ቀዳማይ ነጻነት ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ሓርነት ዝብል’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብተራ ቃላት ምልውዋጥ ኣቢሉ ዝዝረበሉን ዝምዘን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ወይ መሳርሒታት ኣቢሉ’ውን ዝግለጽ’ዩ። እቲ ናይ ነጻነት ሕቶ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ ኣእምሮ ናይ’ቶም ነቲ ቃልሲ ዘበገሱ ሓርበኛታት ተቐሪጹ ዝነበረ ቀንዲ ቁም ነገር፡ ካብ መግዛእትን ንሱ ዘተኣታተዎ ድሑርን ኣዕናውን ኣተሓሳስባታት ነጻ ዝኾነት፡ ህዝባ ብሓርነት ዝነብረላ ሃገረ ኤርትራ ክውን ምግባር ዝብል’ዩ ነይሩ። ነዚ ብናይ ግዳም ሓይልታት ተደጊፉ ጎቢጡ ሒዝዋ ዘሎ ቋንቋ ሰላም ዘይሰምዕ መግዛእቲ ብሓይሊ ገጢምካ ንነጻነት መሬትን ሓርነት ህዝብን ክኽፈል ዘለዎ መስዋእቲ ከፊልካ ንወለዶታት ዝቕጽል ከከም ኩነታቱ ዘይገላበጥ ብልዕልና ግዝኣተ ሕግን ድሌት ህዝብን ዝምራሕ ርጉእ ፖለቲካዊ ባይታ ገዲፍካ ንምሕላፍ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ ኢለ ኣበርቲዐ ይኣምን።

ሎሚ ሎሚ በዞም ሸፋቱን ሰዓብቶምን ዝሰምዖ ዘለኹ ዲስኩርስ ወይ ምብህሃል ግን፡ ታሪኽ ምዝባዕ፡ ዜጋታት ዝኸፈልዎ ክቡር ዋጋ ምህሳስ ምቁንጻብ፡ ናይ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ኣበጋሲ፡ ኣንፈት ቀላሲ፡ ናይ ቅዲ ኲናት ሓንጻጺ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ነጻነት መጽዋእቲ ኮይንካ ክትቀርብ ምድላይ’ዩ። እቲ ናይ ሓርበኛታት ታሪኽ ደምሲስካ ኩሉ ኣነ ዝበልክዎ ዝገበርክዎ እናበልካ፡ ኣብ ጽሑፋትን ኤሌክሮኒካዊ መሳርሒታትን ቀሪጽካ ሓድሽ ወለዶ ዝተዛበዐ ታሪኽ ሰትዩ ኣብ ዝተዛብዕ ህይወት ክነብር ንምግባር ብመደብ ዝስረሓሉ ዘሎ ኮይኑ ይረኣየኒ።

ልቢ ኢልና’ሞ ንተዓዘብ፡ ዘመናዊ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ’ኮ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ፡ ብቱርካውያን፣ ግብጻውያን፣ ኢጣልያውያን ብሓይሊ ተዓፊኑ ዝነበረ ተፈጥሮኣዊ ኮነ ፖለቲካዊ መሰላት ብግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ’ዩ ክዘልቕን ዜጋታት ኤርትራ መሰለይ ክብረተይ ኢሎም ፍኒሕኒሕ ክብሉ ጀሚሮም። ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ታሪኻዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ትኹረት ዝገበረ ስነ-ጽሑፋትን ስነ-ጥበባዊ መግለጺታት ክቀላቐል ስለ ዝጀመረ ድማ፡ እዚ ነጻነት፣ ሓርነት፣ ደሞክራሲ፣ ምርጫ፣ መሰል፣ ባይቶ፣ ቅዋም፣ዝብል ፖለቲካዊ ቃላትን ሓሳባትን ደረጃ ብደረጃ ህዝቢ እናፈለጦን እናተለማመዶን ዝመጸ ጉዳይ ምዃኑ’ዩ ታሪኽ ዘዘንቱ። ነዚ ጽሑፋት ታሪኽ ጥራሕ ዘዘንትውዎ ኣይኮኑን። ኣብ መድረኹ ዝዋስኡ ዝነበሩ ሕጂ ብህይወት ዘለው ወለዲ’ውን ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።

እቶም ድሒሮም ዝመጽኡን ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ናይ ኤርትራ ቦታ ረኺቦም ዘለውን ምንቅስቓስ ሓረካ ወይ ማሕበር ሸውዓተ፡ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ባሕቲ መስከረም 1961 ድማ ካብ’ቲ ኣብ ኣርበዓታት ዝተቐልቀለ ፖለቲካዊ መንቋሕቋሕታ ዘለዎ ሓሳባት ዝተወልደ ደኣምበር፡ ዘይነበረ ሽዑ ባዕሉ ዝተፈጥረ ስምዒታትን ውዳቤታትን ኣይኮነን። ስለዚ ኩሉ መድረኻት ዋናታት ስለዘለውዎን እቲ ዳሕረዋይ ካብ’ቲ ቀዳማይ ክወስዶ ዝኽእል ተመክሮ ወሲዱ ናቱ ድማ እናወሰኸን ተኣሳሲሩ ኣብ 1991 በጺሑ ክንሱ፡ እዞም ሸፋቱ ነቲ ናይ ካልኦት መስተንክራዊ ውዕሎ ናቶም ኣምሲሎም ነጻነት ብመልክዕ ህያብ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዝሃብዎ ዝነፍሕዎ ዘለው ፕሮፖጋንዳ ያዕ ምባል ዘድሊዮ ይመስለኒ። ብርግጽ እዞም ሎሚ ኩሉ ኣወንታዊ ታሪኽና ኣብ ምድምሳስ ተጸሚዶም ዜጋታት ዝሸጡን መሬት ንባዕዳውያን ዘካርዩ ዘለው ብሳንቡእ ሓደ ሰብ ዘስተንፍሱ ውሑዳት ሸፋቱ፡ ኣብ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ንነጻት ተሳትፎ ነይርዎም’ዩ። ተሳትፎኦም ግን ግልጽነት ኣይነበሮን። ደሞክራስያዊ ኣይነበረን። ንዓይ ይጥዓመንን ብደም ንጹሃት እናተሓጽበ ዝመጽአ ተሳትፎ’ዩ ነይሩ እንተበልኩ ንሓቂ ኣይተዳፈርኩን። ኣገኒነ’ውን ዘይተግባሮም ኣይሃብክዎምን። ኣብ ክንዲ ኣብ ከመይነት ምሕደራ ህዝብን ምምስራት ስርዓተ ደሞክራስን ምምርማር፡ ናይ ካልኦት ኣወንታዊ ተመክሮ ምንባብ፡ ስትራተጂን ስልትን ምሕንጻጽ ንእከለ ከመይ ነጥፈኦ ንህዝቢ ከመይ ነደናግሮን ናብ ቀዋሚ ኣገልጋሊና ንቕይሮን ኣዕናዊ ውዲት ክኣልሙ ዝጸንሑን’ዮም። ስለምንታይ’ሲ ነቲ ሕሉፍ ተግባሮም ከይጸብጸብና እዚ ሕጂ ዝፍጽምዎ ዘለው ገበናዊ ተግባር ካበይ ኣምጺአሞ ኢልና እንተተመራሚርና’ኳ ናይ ትማሊ ልምዲ ንምዃኑ ንምግማት ኣየጸግምን።

ብዝኾነ ኣነ ሕጂ በዛ ንእሽቶ ደብዳቤ ኣቢለ መልሲ ክህብ ዘግደደኒ እዞም ሸፋቱ ነጻነትና ናብ ባርነት ቀይረሞ ከይኣኽሎም፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባይታ ሰላም፣ ሓርነት፣ ልዕልና ሕግን ልምዓትን ይነብር ከም ዘሎ፡ ብሳላና ብሳላ ብቕዓት ኣመራርሓና ፍረ ነጻነት ተስተማቕር ኣለኻ ቀሲንካ ልዋም ለይቲ ትሓድር ኣለኻ ክብልዎ ክሰምዕ እንከለኹ ማራ የጉህየኒ። ካብ’ዚ ተበጊሰ ድማ ዋእ እዛ ተረኺባ ዘላ ልኡላውነት ሃገር ህያብ ናይ’ቶም ብኽብሪ ብንጹህ ሕልና ንስለ ህዝቢ ዝወደቑ ጀጋኑና’ዶ ወይስ ህያብ ናይ’ዞም መንግስታዊ ሚዛን ዘይብሎም ሸፋቱ ክብል ዝኸኣልኩ። እዞም ሸፋቱ ኣይኮነን ነጻነት ከምጽኡልናን ከም ህያብ ክሽልሙናን፡ ነታ ብመስዋእቲ ጀጋኑና ዝመጽአት’ውን ብሰላም ክነብረላ ኣይፈቐዱልናን። ብደም ዝመጸ ሃገራዊ ነጻነት ናብ ባርነት ምቕያር’ኮ ናይ ክሕደት ክሕደት’ዩ።

ሎሚ ኣብ ከመይ ኩነታት ዲና ንነብር ዘለና? ናይ ነጻነት ሓይሊ ደኣ ከምዚ’ዶ ይገብር’ዩ? ካብ ግዜ ህግደፍ ግዜ ደርግ ይሓይሽ ዝበሃል ዘሎ’ኮ ስቕ ኢሉ ኣይኮነን። ብሓቂ ካብ ኣገዛዝኣ ህግደፍ ኣገዛዝኣ ናይ’ቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ደርጊ ዝሕሸሉ ነጥብታት ስለ ዘሎ’ዩ። ኣብነት ከምጽእ፡ ስርዓት ደርግ ስልጣን ዝጫረቶን፡ ምስ’ቶም ኣብ እዋኑ ወንበዴ ኢሉ ዝጽወዖም ዝነበረ ምትእስሳር ኣለዎ ኢሉ ንዝጠርጠሮን እንተዘይኮይኑ፡ ንኹሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብኸብዱ ይቐጽዖ ኣይነበረን። ይሕለፍ ኣውጺእካ ኣይኮነን ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክትከይድ’ውን ከም’ዚ ሎሚ ንሪኦ ዘለና ዝተለኮተ ኣይነበረን። ሰብ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተኣስረ ይፍለጥ ነይሩ። ኣበይ ከም ዝተኣስረ ይፍለጥ ነይሩ። ቤተ ሰብ ይበጽሖ ነይሩ። ወለዲ ወንበዴ ደቂ ወንበዴ ዝብል ተነጽሎ ኣይነበረን። ብሰንኪ ስድራ ቤታዊ ምትእስሳር ዝንፈግ ቁጠባዊ ረብሓታት ኣይነበረን።

ሎሚ’ኸ እዞም ሸፋቱ እንታይ ይገብሩ ኣለው? ሕብስቲ ንምግዛእ ፖለቲካዊ መንነት ይሓቱን ፖለቲካዊ ውሳነ ይህቡ ኣለውን። ካብ ድኳናቶም ማለት ድኳን ጠለምቲ ሕድሪ ኣስቤዛ ክትገዝ ደጋፊ ህግደፍ ዲኻ ኣይኮነንካን ይሓቱ ኣለው። መሬት ጤሳ ንምርካብ ግቡኡ ዝገበረን ዘይገበረን ዝብል መምዘኒ ይጥቀሙ ኣለው። ዜጋታት ከይህብትሙ ብመደብ ክደኽዩ ይገብሩ ኣለው። ምስ ሬሳ ይበኣሱ ኣለው …ወዘተ። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ብገበን ዝሕተት ምሕደራኦም፡ ወርቃዊ ታሪኽ ናይ ጀጋኑና ደምሲሶም፡ ህያብ ነጻነት ከም ዝሃቡናን ኣብ ሓርነት የንብሩና ከም ዘለው ብኣና ክሽቅጡ እንከለውን ኣብ ክንዲ ሰሚዕና ልቢ ኣዕቢና ትም ንብል፡ ኣብ ዘዘለናዮ ኣብ ከባቢና ንዝርከቡ ናይ ጥፍኣት መሓውራቶም ከከም ኣመጻጽኣኦም ቀጥታዊ ግብረ መልሲ ክንህቦም ኣለና። ምኽንያቱ ቋንቋ ሰላምን ንዝርደኦ ብሰላም ኢኻ ትቐርቦ። ብጽፍዒት ንዝርዳእ ከኣ ብጽፍዒት ክትምልሰሉ ቅኑዕ ኣገባብ’ዩ ኢለ ይኣምን።

                                                       ለይላ ኢብራሂም

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን 21-02-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox