^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 97 guests and no members online

ውሽጣዊ ጭንቀት ዝደፍኦ ሕሱር መግለጺ፡-

ኣብ ስልጣን ዝመጽኣሉ፡ ብሕጋዊ ድዩ ብዘይሕጋዊ፡ ባህሪኡ ህዝባዊ ድዩ ጸረ-ህዝቢ ዝብል ፖለቲካዊ መምዘኒ ንጎኒ ገዲፍካ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጡ ካብ ቅድሚኡ ዝነበሮም ኣካይዳ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ’ዮም ዝኸተሉ። እንታይ ክብሉን ክገብሩን ከምዘለዎም ብመጠኑ’ውን ይኹን ስኽፍታ የንጸባርቑ ይሓስቡ’ዮም። መንግስቲ ኮይነ፡ ብስም ህዝብን ሃገርን ከም’ዚ እንተኢለ እንታይ ትርጉም ይወሃቦ ይኸውን ካብ ዝብል ኣብ ኣቀራርባኦም ይውርዝው’ዮም። ስለምንታይ’ሲ ንስለቲ ህዝብን ሃገርን ኢሎም ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ነቲ ዘይተኣደነ ሃብቲ ዝግሕጥሉ፡ ዝተኽብርሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ቃሕ ዝበሎም ስጉምቲ ዝወስድሉ መግስታዊ ስልጣን ክብሪ ክዕቅቡ ክብሉ ሚዛን ክሕልው ይፍትኑ’ዮም።

ስማዊ መሪሕነት ህግደፍን ግን ውክልና ህዝቢ ዘይብሉ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ በጋሚዶኣዊ’ዩ ባህሪ’ዩ ዘለዎ። ናይ መንግስቲ ክብሪ ሚዛን ዝሕሉ ኣይኮነን። መንግስታዊ ስልጣን ልዕሊኡ ህዝብን ሃገርን ስለ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት’ዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ መንግስቲ ብስም ህዝብን ሃገርን ዝብሎን ዝገብሮን ብኡ መጠን፡ ብመጽናዕቲ፣ ብጭብጢ፣ ብጥንቃቐ፣ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ፣ ብኽብደት ተራእዩ ዝውሰድ ስጉምቲ ክኸውን ይግባእ። መንግስታዊ ሓላፍነት ሒዝካ፡ ብዓይኒ ሕጊ ጭብጢ ዘይብሉ፡ ኣብ ኣቀራርባኡ ዘይውርዙይ ፈጠራዊ መግለጺ ምሃብ ብዘይካ ኣብ እንዳ ህግደፍ ኣብ ካልእ ልሙድ ኣይኮነን። እዚ ስማዊ ጉጅለ እቲ “መግለጺ” ዝብል መልእኽቲ ንገዛእ ርእሱ ክሳብ ክንደይ ክብደት ከም ዘለዎ ኣይስቖሮን። ብዙሕ ግዜ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፤ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ መግለጺ ሚንስትሪ ዜና ብዝብል ዘመሓላልፎ ብዝተመርጸ ቃላት ዝወቐበ መልእኽቲ፡ ትሕዝቶኡ ፈኲስ፡ መበገሲኡ ጭንቀት፡ ዕላማኡ በለጽ፡ ኣቀራርባኡ ናይ ይበተኹን በጋሚዶኣዊ ባህሪያት ዝተላበሰን’ዩ።

እዚ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ብ15 ግንቦት 2018 ኣብ ናይ ሰዓት ትሸዓተ ሚሸት ፈነወ ዜና ቲቪ ኤረ “መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና” ክብል ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ድማ ንሓላፍነት ዘይብሉ በጋሚዶኣዊ ባህሪያቱ ብልክዕ ዘንጸባርቕ’ዩ። እቲ ንፍኹሰት ህግደፍ ባዕሉ ዝምስክር፡ ብዓቐኑ ሓደ ፓራግራፍ ዝኾነ ጽሑፋዊ መግለጺ፡ ከይተወሰኾ ከይተቐነሶ ከም ዘለዎ እነሆ። መግለጺ ሚኒስተሪ ዜና ሰሉስ 15 ግንቦት 2018፡ “ኣብ ዝሓላፈ ክልተ ሰሙን፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ንካርቱም ኣብ ዝገብሮ ኣጋጣሚ ዑደት፡ ክልቲኣቶም መንግስታት ንዕጡቓት ተቓወምቲ ኤርትራ ዝብልዎም፡ ብዝግባእ ተርኦም መታን ከሰላስሉ፡ ኣብ ደዶባቶም ምሉእ ደገፍ ክወሃቦምን ኣብ ዶባቶም ካብን ናብን ብሓርነት ኪንቀሳቐሱ መሳለጥያታት ከዋድድሎም ተሰማሚዖም። ምውህሃድ ናይ’ቲ ስርሒታት ዘድምዕ መታን ክኸውን ከኣ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ካርቱም ኤምባሲ ከም ቆንስልን ኣወሃሃዲ ቐጠር ትምውሎም ጅሃዳዊ ውድባት ዝሰርሕ ቡርሃን ዝተባህለ፡ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ከኣ፡ ልዋእ (ጀነራል) ሓምዲ ኣል ሙስጦፋ ከም ኣወሃሃድቲ ስርሒታት ተመዚዞም” ተባሂሉ” ይብል እሞ ቀጺሉ እዚ ዛንታ ሓድሽን ዘገርምን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዓጀብ ዘብል’ዩ። ሚኒስተሪ ዜና 15 ግንቦት 2018 ኢሉ ደምዲሙ።

ነዚ ትኹረት ክንገብረሉ ዝድርኸና ‘ምበኣር ብስም ህዝብን ሃገርን ዝወጸ ብምዃኑ’ዩ። ቁም-ነገራዊ ትሕዝቶኡ ዘይኮነ ከኣ ፍኹሰቱ’ዩ። ልቢ በሉ፡ እቲ መግለጺ ንውሓቱ ሓደ ፓራግራፍ’ዩ። ዝኽሰሱ ዘለው ሰለስተ መንግስታት ማለት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ቐጠርን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራን’ዮም። ክልቲኣቶም መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ምዃኖም’ዩ ንፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብዝግባእ ተራኦም ከሰላስሉን ኣብ ዶባት ብሓርነት ክንቀሳቐሱ ዘኽእሎም መሳለጥያታት ከዋድድሎም ተሰማሚዖም። እቲ ስርሒት ዘድምዕ መታን ክኸውን ከኣ ብወገን ኢትዮጵያ ቀጠር ምስ ትምውሎም ጀሃዳዊ ውድባት ዝሰርሕ ብርሃን ዝተባህለ፡ ብወገን ሱዳን ከኣ ልዋእ ሓምዲ ኣል ሙስጦፋ ዝተባህለ ጀነራል ከም ኣወሃሃዲቲ ተመዚዞም ኣለው ተባሂሉ ይብል። እዚ ኣይ ወግዓዊ ክሲ ኣይ ሓበሬታ ሓላፍነት ናይ ዘይብሉ ወዲኒ ኣበሃህላ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ርግጸኛ ኮይኑ ተሰማሚዖም ዘይኮነ “ተባሂሉ” ምባሉ ድማ ፈጠራዊ ምድንጋር ምዃኑ ኣማቲ’ዩ። ኣብ መፋርቕ 90ታት ስርዓት ሱዳን ንፕረሲደንት ኢሳያስ ንምቕታል ዝለኣኾ ሰላይ ብሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተታሒዙ፣ ኣብ 1998 ኢትዮጵያ ብዓዲ ምሩግ ኣጥቂዓትና ብባድመ ወሪራትና፣ ኣብ ከባቢ 2006 መወዳእታ ብስርዓት ወያነ ዝተላእኩ ደቂ ኩናማ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ኣቃጺሎም ሰላማዊ ሰብ ቀቲሎም … ብዝብል ተደጋጊሙ ዝቐርብ ዝነበረ ፈጠራዊ ድራማዊ ክስን ጎስጓስን ድማ የዘኻኽረናን ፖለቲካዊ ቅጥፈት ህግደፋውያን ዝያዳ ይበርሃልናን።

ነዚ ፈኲስ ፈጠራዊ ክሲ ክስንዕ ዘገደዶ እንታይ ክኸውን ይኽእል ምፍታሽ ግን ጽቡቕ’ዩ። ስርዓት ወያነ ዝብል ምቁንጻብ ዝለመደት ልሳን ህግደፍ፡ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ክትብል ምሉእን ሕጋውን ስም መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠቒሳ፡ እዚ’ውን ዋላ’ኳ ረዚንን ሓላፍነታውን ትሕዝቶ ዘይብሉ ይኹን ‘ምበር፡ በዚ ኣቢሉ ከሕልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ምፍላጥ ሕማቕ ኣይኮነን። ናብ’ቲ ቀንዲ መእሰሪ ናይ’ቲ ዘረባ ተመሊስና ስለምንታይ ከም’ዚ ዝበለ መግለጺ ከውጽእ ተገዲዱ፡ እንታይ’ዩ መበገሲኡ? ሸቶኡ’ኸ? ክንፍትሽ እንከለና ድማ፡

ሀ. ምስ ኣመሪካ ካብ ሕንቁቕ ጠባዩ ዝብገስ ደስኪሉ ዝነበረ ናይ ተለኣኣኽነት ልቸንሳኡ ኣሓዲሱ ከም ዘሎ፤ ለ. ነቲ ከም መናውሒ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጥቀመሉ ዘሎ ጉዳይ ዶብ ምስምሳት ፈጢሩ ከም ዘለዎ ክቕጽል ደኣምበር ብሰላም መዕለቢ ክረክብ ድሌት ከም ዘይብሉ፤ ሐ. ሃብታም ዓረባዊት እስላማዊት ሃገረ ቐጠር ብገንዘብን መሳለጥያን ትምውሎ፡ መንግስታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ድማ ብቐረባ ዘወሃህድዎ፡ እስላማውያን ጀሃድ ዘለውዎም ብደገ ዝዝወሩ ኤርትራውያን ይመጽኡኻ ኣለው ብዝብል ድሑር ጎስጓስ ንገለ የወሃት ኤርትራውያን ንምድንጋር፤ መ. በዚ ኣሳቢቡ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ’ዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክዝረግ’ሞ ናይ ተለኣኣኽነት ስራሕ ክረክብ ርኹስ ሕልሚ ከም ዘለዎ ኣብ ጸብጻብ ከነእቱ ይግባእ። ብመሰረቱ ግን እቲ መግለጺ ንግደፋዊ በጋሚዶነት ካብ ምቅላዕ ዝሓልፍ ቁም-ነገራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣይኮነን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18-05-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox