^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 63 guests and no members online

ነብስ ወከፍ ዜጋ ምስ ምጽንባል ሃገራዊ ነጻነት፡ ኣብ ገዛእ ነብሱ ናይ ሓሳብ ሓርነት ክእውጅ ይግባእ፡

እንርከበሉ ሰሙን ቅኒያት ዕለተ ነጻነት’ዩ። መግዛእታዊ ሰራዊት ካብ ምድሪ ኤርትራ ዝተነቕለላ፡ ዓመጸኛ ብዝርደኦ ቋንቃ ስነ-መጎት ሓይሊ መልሲ ዝረኸበላን ጉዕዞ 30 ዓመት ቃልስን መስዋእትን ብድሙቕ ዓወት ጀጋኑ ኤርትራውያን መኸተምታ ዝተግብረላ መበል 27 ዓመት ነጻነት 24 ግንቦት እንጽንብለሉ ዓቢ ሃገራዊ በዓል’ዩ። ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት እንክንዝክር፡ ቀዳሞት ወለድና ካብ ኣርበዓታት ዝጀመርዎ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መንነትን ሰብኣዊ ሓርነትን ዝጠለብ ሰላማዊ ቃልሲ፡ ኣብ መድረኹ ዝገጠሞም ባዕላዊ ሕጽረታትን ወድዓዊ ዕንቅፋትን፡ ንክልቲኡ ባዕላዊ ወድዓውን ብደሆ ኣብ ምስጋር ዝኸፈልዎ መስዋእትን ዘርኣይዎ ጽንዓትን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ክኸውን ይግባእ። ስለምንታይ፡ ብሓደ መዳይ እቲ ናይ ሃገራዊ መንነትን ህዝባዊ ሓርነትን ሕቶ ሱር መሰረቱ ካብኡ ስለዝጅምር፡ በቲ ካልእ ከኣ፡ ካብኡ ክንወስዶ ዝግባእ ኣወንታዊ ታሪኻዊ ትምህርቲ ስለ ዘሎ። ንኣብነት ብሃይማኖት ምኽንያት ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ጸላእቲ ዝኣትውሉ ቀዳድ ከይርከብ ስጋ ሓቢሮም ዝበልዕሉን ከይፈላለዩ ዝተመሓሓልሉን ወርቃዊ ሓሳብ።

ሰላማዊ ሕቶ ብዝተዋደደን ዝተወሃሃደን ውዲት ጸላእቲ በርዒኑ፡ ናብ’ቲ ኣቐዲሙ ዘይተመርጸ ግን ከኣ፡ ካልእ መተካእታ ዘይነበሮ ምጅማር ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ምስተኣትወን ኣብ ባሕቲ መስከር 1961 ብመሪሕነት ሓምድ ኢድሪስ ዓወተ ምስተኣወጀን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠሮ ተስፋ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእትን ኣጆኹም በሃልትን ዘሕደሮ ስግኣት፣ ዓንጺ ዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝበሃል ኣብ ስቪል ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ድማ ብፍላይ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ግፍዒ፣ ኣብ ሱሳታት ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ናይ ኣረኣእያ ዘይንጹርነትን ዘይብቕዓት ምሕደራን ዝፈጠሮ ጸገማት፡ ውልደት ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምፍላይ ዘቕረቦ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ሰረት ዘይብሉ ድሑር ምኽንያት፣ ብተግባር ዝጠቕመሉ ኣገባብ፡ ኣብ ሕቶ ሓድነት ዘእተዎ ንፋስን ክንዝክርን ክንመሃረሉ ይግባእ።

ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ንሃገራዊ መንነትን መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝብን ክንሱ፡ ኣብ ሕቶ ሓድነትን ፖለቲካዊ ደሞክራስን ዝነበረ ግጉይ ኣገንዝቦን ካብኡ ዝነቐለ ጸረ-ደሞክራስያዊ ደማዊ ኣፈታትሓ ግርጭት፡ በዚ ግጉይ ኣፈታት ግርጭት ምኽንያት ዝጠፍአ ህይወት፡ ዝተፈጥረ ናይ ዘይሓድነት መንፈሳትን ዝሕታለ ሃገራዊ ስምዒትን፣ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሜዳ ኤርትራ ምስ በሓተ፡ ኣብ ውሽጢ ውድቡን ህዝብን ዘተኣታተዎ ዝተዛበዐ ፖለቲካን ኣረኣእያን ራዕድን ምዝካር የድሊ። ስለምንታይ’ሲ ሕጂ ንሓልፎ ዘለና ሕሱም ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ተነጽሎ፣ መብዛሕቲኡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መትከላዊ ንጹርነት ዝጎደሎ ዝተደዋወሰ ናይ ዘይሓድነት ተጠራጣሪ መንፈሳት፡ ናቱ ሰረት ምዃኑ ፈሊጥና ክንመሃረሉን ብደሞክራስያዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ንምዕጻው መታን ከኽኣለናን። ምኽንያቱ ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ሰራዊት መግዛእቲ ዝተነቕለላ ሓደ ካብ ሕቶና ዝተመለሰላን ዕለት ደኣምበር፡ ነቲ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረን ብደማዊ ኲናት ሕድሕድ ክዕጾ ዝተፈተነን ሕቶ ሓድነትን ፖለቲካዊ ደሞክራስን ዝመለሰት ዕለት ብዘይምዃና፡ ዝተሓፍሰ ድሙቕ ወተሃደራዊ ዓወትን ዘይተመለሰ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዕማማትን እናነጻጸርናን መፍትሒ ሓሳባት እናኣመትናን ክንጽብላ ኣለና።

ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ብቃልስን መስዋእትን ዝተረኽበት ሃገራዊት በዓል ትኹን ‘ምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 27 ዓመት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታት ኤርትራን ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራን ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ክሕደት፡ ፈጢርዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀትን ምብትታንን ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ ከይፈተሽካን ጠንቁ ከየነጸርካን ኣብ ከመይነት ምፍዋሱ ገለ ከይበልካን፡ 30 ዓመት ኣንጻር መግዛእቲ ዘካየድናዮ ቃልስን ዝሓፈስናዮ ዓወትን ብዝብል ጥራሕ ክሕለፍ ቅኑዕ ኣይከውንን። እዛ ዕለት ብመንጽር ኣጋጢሙና ዘሎ ዘቤታዊ ጭቆና ማንታ ተልእኾ’ዩ ዘለዋ። በቲ ሓደ መግዘታዊ ስርዓትን ዓንገልቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ዝፈጸምዎ በደል፡ ከምኡ’ውን ተባዓት ተጋደልቲ ኤርትራ ካብ ህዝቦም ብዝረኽብዎ ዝነበሩ ኩሉ ሸነኻዊ ደገፋት ተሓጊዞም ኣብ ዓውደ ውግኣት ብዘርኣይዎ ጽንዓትን ሓርበኝነትን ሰራዊት መግዛእቲ ሓንሳብ ንሓዋሩን ካብ መሬት ኤርትራ ዝተባረረላ፡ ህዝቢታት ኤርትራ ብቋንቃኦም ክመሓደራኡ ዝጀመሩላን ዕለት ብምዃና፡ በቲ ካልእ ከኣ ካብ ኣርበዓታት ዝጀመረ ሕቶ ሓድነትን ፖለቲካዊ ደሞክራስን መልሲ ዘይተረኽበሉ፡ ሃገራዊ ዛዕባና ድሕሪት ተመሊሱ “መለሳ ቆሎ ጥጥቖ” ከም ዝበሃል፡ ብዘይዕረፍቲ ካብ ግዳማዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝተሰጋገርናሉን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ንርከበሉ ዘለናን ወቕቲ ብምዃኑ፡ ንክልቲኡ ኣብ ጸብጻብ ብዘእተወ ኣገባብ ክንጽብላ ይህልወና።

እቲ ኩሉ ቃልስ ተኻይዱን መስዋእቲ ተኸፊሉን ኣብ ከምዚ ዝበለ ንህላወን ቀጻልነትን ዘሰክፍ ዝሩግ ፖለቲካዊ ኩነታት ክንወድቕ ዝገበረ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ኣተሓሳስባና ዘሎ ጸገም ምዃኑ ብርግኣት እንመዝነሉ፡ ኣብ ነገራት ካብ ዘለና ግባራዊ ኣናብባ፡ ባዕላውን ወድዓውን ጸገማት እናመዛዘና ክንሪአሉ ናብ እንኽእል ብሱል ኣተሓሳስባ ንሰግረሉ ባይታ ንፈጥረሉ ክኸውን ኣለዎ። ብመሰረቱ ካብ’ዚ ኣቲናዮ ንርከብ ፖለቲካዊ ሰለሎ ክንወጽእ እንተደኣ ኮይና ካብ ዝተደዋወሰ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ክንድሕን ኣለና። ህዝባዊ ዝኾነ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ክንውንን ንምዕዋቱ ድማ ብዘይተጎላባነት ብጽንዓት ክንረባረበሉ ድልዋት ክንከውን ኣለና። ካብ ዝተዘባረቐ ኣረኣእያ ከይወጻእናን ኣብ ገዛእ ነብስና ውሽጣዊ ሓርነት ከይኣወጅናን ከም ዜጋታት ከም ህዝቢ ምሉእ መስተርሆት ንረክብ ማለት ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ነፍስ ወከፍ ካብ መስርዕ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ምስ ምጽንባል ሃገራዊ ነጻነት 24 ግንቦት፡ ኣብ ገዛእ ነብሱ ናይ ሓርነት ኣዋጅ ከመሓላልፈላ ዘለዎ ዕለት ኮይና ክትጽንበል ይግበኣ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 21-05-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox