^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 76 guests and no members online

ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብኸመይ’ዩ ዝምደብ?

ኣነ ናይ ፖለቲካዊ ሳይንስ ምሁር ኣይኮንኩን። ዕሙቕ ዝበለ ፖለቲካውን ኣፍልጦ ’ውን የብለይን። ፖለቲካዊ ተገዳስነት ዘርኣኹሉ ግዜ ንገዛእ ርእሱ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርኩሉ ብዛይካ ኤርትራ ሃገረይ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ መግዛቲ ጸኒሓ ብህዝባዊ ግንባር ነጻ ምውጻኣን ልኡላዊት ሃገር ምዃናን ካልእ ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ኤርትራዊ ምዃነይ ኩርዓት ይስመዓኒ። ንህግደፍ ከም መንግስተይ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ከም መራሒየይ እወስድን ኣኽብርን ነይረ። ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ኤርትራ ብስደት ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ምስ ኣተኹን ቅድመይ ምስ ዝነበሩ ደቂ ሃገረይ ሌላ ምስ ጀመርኩን ግን፡ ኣብ ኤርትራ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ፖለቲካዊ ቃላት ክሰምዕ ጀሚረ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብኣቶ ኢሳያስ ዝመራሕ መንግስቲ ዝቃወማ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌስ ማሕበራትን ምህላወን ክፈልጥ ክኢለ።

ቀስ እናበልኩ ምስ ዘመን ኣምጸኦ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ዊብ-ሳይታት ተላሚደ። ኣብኡ ብዘንበብክዎን ዝሰማዕክዎን ከኣ ዝያዳ ተገሪመ። እቲ ዘንብቦን ዝሰምዖን ሕልናይ ዝቕበሎን ዘይቅበሎን ኮይኑ፡ ኩሉ ግን ንዓይ ሓድሽ’ዩ። ናይ ምስማዕን ምንባብን ድሌተይ ድማ እናወሰኸ መጺኡ። ኣብ መዓስከራት ኣሳሪ ስራሕ ምስ ዘይምህላው ተደማሚሩ ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ ካብ 4-6 ግዜ መርበብ ሓበሬታት ምፍታሽ ከም ስሩዕ ተታሓሒዘዮ። ብውልቀ፡ ብበርጌስ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ዝውነና ረድዮን ቴሌቭዥን ከምኡ’ውን መጽሒታት ከም ዘሎ ፈሊጠን ስሩዕ ኣይኹን ምበር ክከታተል ጀሚረ። ተኣኪብና ፖለቲካዊ ኣርእስታት እናልዓል ምክታዕ’ውን ዳርጋ ባህሊ ገይርናዮ። እዚ ኩሉ ቅድም ክብል ኣብ መዳይ ፖለቲካ ንመበገሲ ዝኸውን መባእታዊ ኣፍልጦ ስለዘይጸንሓኒ ዝያዳ ፍልጠት ንምውሳኽ ክስስዕ ደሪኹኒ።

ምስ መሓዙተይ ብዛዕባ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ውድባትን ኤርትራ ክንካታዕ እንከለና፡ ሕብረ ብሄራውያን ውድባት ኣለዋ። ብሄራውያን ውድባት ኣለዋ። ሃይማኖታዊ ውድባት ኣለዋ። ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ዘይብለን ግን ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፋ በርጌስ ማሕበራት’ውን ኣለዋ። በዓል እንከለ ናይ የማን ፖለቲካዊ ዝንባሌ ኣለወን። ብዓለ እከለ ናይ ጸጋም ፖለቲካዊ ዝንባሌ ኣለወን ዝብሉ ሓሳባት ይቐርቡ’ሞ መሊሱ ግር ይብለኒ። ሓደ መዓልቲ ከም’ቲ ልሙድ ድሕሪ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ጸሓይ ምስ ዓረብትን መሬት ክዝሕል ምስ ጀመረን ኣብ ጎደናታት ናይ’ቲ መዓስከር እናተዛወርና፡ ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ዕላል ንጅምር’ሞ፡ ሓደ ደሓን ፖለቲካዊ መሰረት ዘለዎ መሓዛና፡ መልክዕ ውደባ ሜላ ‘ምበር ዕላማ ኣይኮነን። ኣብ’ዞም ኣንጻር ህግደፍ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ውድባት ድማ ሰለስተ ዓይነት መልክዕ ውደባ ኣሎ። ትፈልጡ ዲኹም? ክብል ይሓተና።

መልስና ስቕ ምስ ኮነ፡ በሉ ክነግረኩም። ሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ፣ ብሄራዊ መልክዕ ውደባ፣ ሕብረ-ብሄራዊ መልክዕ ውደባ ተባሂሎም ይግለጹ። ብሃይማኖታዊ መልክዕ ዝተወደቡ ሃማኖታዊ ነጻነት የብልናን ሃይማኖታዊ ወጽዓን ኣድልዎን ኣለና በሃልቲ’ዮም። ብብሄር መልክዕ ዝተወደቡ፡ ብብሄርና ብቋንቋና ብመንነትና ተጓኒና ኣድልዎ በጺሑና ተወጺዕና በሃልቲ’ዮም። ብሕብረ ብሄር መልክዕ ዝተወደቡ ንኹሉ ውጹዕ ኤርትራ ተቐቢሎም ዘቃልሱን ኣብ ኤርትራ ደርባውን ብሄራውን ወጽዓ ኣሎ ዝብል እምነት ዘለዎም’ዮም።

ዘረባኡ ብምቕጻል፡ ኣብ ዓለም ክልተ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዝንባሌታት ኣሎ። ንሱ ከኣ ናይ የማንን ጸጋምን ተባሂሉ ይግለጽ። ዓለም ኣብ’ቲ እዋን ዝሑል ኲናት ተባሂሉ ዝግለጽ መድረኽ፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ምዕራባዊ ሃጸይነት፡ ብሕብረት ሶቬት ዝምራሕ ናይ ምብራቕ ማሕበርነት ብዝብል ኣብ ክልተ ደምበ ተኸፋፊላ ነይራ። ካብ መወዳእታ 1989 ንደሓር ግን ማሕበርነታዊ ደምበ፡ ብሃጸያዊ ደምበ ተሳዒሩ። ብዘይካ ኣብ ቻይና፡ ኩባ፡ ሰሜን ኮርያን ቬኒውዞላን ብወግዒ ነቲ ስነ-ሓሳብ ንኽተል ኢና ዝብሉን ትካላዊ ህላወኡ ዘይፈረሰን፡ ከም ደምበ ምስ ምፍራስ ሕብረት ሶቬት ኣኽቲሙ’ዩ። እንተኾነ ብስርዓት ደረጃ ዝግለጽ ክልተ ደምበ ኣይሃሉ ‘ምበር፡ ክልተ ዝንባሌታት ምህላው ግን ክንዝንግዕ ኣይግባእን። የማናዊ ዝንባሌ ኣሎ። ጸጋማዊ ዝንባሌ’ውን ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ብሃገር ደረጃ ንህግደፍ ሓዊስካ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣለው። መልክዕ ውደባኦም ይፈላለ፡ ደምበ ጸላእን ፈታውን ተባሂሎም’ውን ይመደቡ፡ ካብ’ቲ ንዓለም ዝገዝእ ዘሎ የማናውን ጸገማውን ዝብል ፖለቲካዊ ዝንባሌ ወጻኢ ግን ኣይኮኑን። ስለዝኾነ፡ የማናዊ ኣረኣእያ ነየናይ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ ይውክል፡ ጸገማዊ ኣረኣእያ’ኸ ዝብል ኣኹል ኣፍልጦ ምስ ጨበጥና፡ መጀመርያ ስርዓት ኤርትራ እንታይ ዓይነት ስነ-ሓሳባዊ ዝንባሌ’ዩ ዘለዎ? ናይ መን ወገን’ዩ? ናይ ኣብዘሓ ህዝቢ ኤርትራ ወይስ ናይ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ፡ ተኻፍልቲ ረብሓ ዝኾኑ ውሑዳት ነጋዶን ምሁራትን? ስለምንታይ’ከ ደምበ ጸላኢ ተባሂሉ? ካብ ስምዒታዊ ፍርዲ ኣብ ኣፍልጦ ዝተመስረተ ልክዕ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሚዛን ብምውሳድ፡ ምኽንያቱን ቦትኡን ከንፈልጥ ክንክእልን ኣለና። ኩሉ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝተሰለፈ ተቓዋሚ ደሞክራስያውን ወገን ኣብዝሓ ህዝብን ከምዘይኮነን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ድማ፡ እዘን ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራሲ ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት ካብ ዝኸተላኦ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ባህሪአንን ተግባረንን ተበጊስና፡ እከለ የማናዊ ዝንባሌ ኣለዎ። እከለ ጸገማዊ ዝንባሌ ኣለዎ ኢልና ክንምድበንን ምስ ዝንባሌና ኣብ ዝሰማምዕ ፖለቲካዊ ውድብ ኣቲና ሃገራዊ ግቡእና ከነበርክት ኣለናን ክብል ሰፊሕ መብርሂ ሂቡና። ከም ነዓይ እቲ ዝተዋህበ መብርሂ ኣብ ኣቀራርባኡ መሳጢ፡ ኣብ ትሕዝቶኡ ድማ ትምህርታዊ ነይሩ።

ካብኡ ተበጊሰ ድማ’የ፡ብደረጃ ዝንባሌኦም፡ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ’ዩ ዝንባሌኡ ኣበይ’ዩ ዝምደብ፣ እተን ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ሕብረ-ብሄራዊ መልክዕ ውደባ ዝኽተላ ተቓወምቲ ውድባት’ከ ኩለን ደሞክራሲ ኢለን ስለ ዝምድራ ብሓቂ ደሞክራስያዊ ባህሪ ኣለውን ድዩ? ኩለን ብዛዕባ ወጽዓ ናይ ህዝቢ ስለ ዝገልጻ ህዝባዊ ወገንነት ኣለዎን ማለት ድዩ? ካባታተን መነ መን’የን ጸገማዊ ርእይቶ ዘለወን? መነ መን’ከ የማናዊ ርእይቶ ኣለወን ናብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ብትምህርቲ ኮነ ብተመክሮ ኣፍልጦ ዘለዎም ግዱሳት ዕሙቕ ዝበለ ጽሑፋዊ መረዳእታ ብዌብሳይታት ከቕርቡልና እላቦ። ምኽንያቱ ካብ’ቲ ትውልዲ ዘብርስ ዘሎ ስርዓት ኤርትራ ጀሚርካ፡ ኩሉ ተቓላሳይ፣ ኩሉ ፖለቲከኛ፣ ኩሉ ደሞክራስያዊ፣ ኩሉ ህዝባዊ፣ ኩሉ ሓቀኛ ኮይኑ ስለዝቐርብ፡ እቶም ኣብ ደምበ ፈታዊ ዝስርዑ ውድባት ድማ፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ዝንባሌኦም ክካትዑን ዕሙቕ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ክህቡ ስለዘይረኣዩ፡ ጉዳይና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከም ዘይፍታሕ ኮይኑ’ዩ ይጠናነግ ኣሎ። ስለዚ ሞያን ዓቕምን ዘለኩም ኤርትራውያን ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከመይ’ዩ ዝግለጽን ዝምደብን ዘለኩም ፍልጠት ከተካፍሉና ደጊመ እላበወኩም።

                                   ሰመረ ሊላይ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 23-05-2018  

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox