^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 67 guests and no members online

ራእይ ህግደፍ ኣብ ግራት ዘይዝራእ፡ ኣብ ንፋስ ተበቲኑ ዝበንን ባዶ ቃላት፡-

መሬት ኤርትራ ካብ ሰራዊት ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ዝኾነሉ ዕለት 24 ግንቦት 1991፡ ሎሚ’ውን ከም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ በበይኑ ከባብን በበይኑ ስሚዒታትን ክዝከር ክጽንበል ቀኒዩ። ኣብ በበይኑ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኩልና ኤርትራዊ ዕለተ ነጻነት ነኽብር ክንስና፡ ሓደ ናብ’ቲ ካልእ ዘይኸደሉ ኣብ በበይኑ ኣዳራሽ፣ በበይኑ ፖለቲካዊ ስምዒት ሕራነን ጭርሖን ጸምቢናያ። ከም ሓቅን ክኸውን ዝነበሮን ዝኽሪ 24 ግንቦት 1991 መዛዘሚ ምዕራፍ ናይ’ቲ ን30 ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብምዃኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ኣብ ውሑስ ሃገራዊ ሰላም፣ ኣብ ጽላል ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ኮይና፡ ብምርጫ ብዝደየበ ህዝባዊ መንግስቲ እናተመራሕና፡ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ፡ ሓደ ስምዒት፡ ሓደ ተስፋን ጭርሖን መግለጺ ሓጎስናን ሓድነትናን ሰትን ዕመበባን እናነስነስና ተሓቛቚፍና ከነኽብርና ይግባእ ነይሩ። ሓደ ጉጀለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክሕደት ስለ ዝፈጸመ ግን ክኸውን ዝነበሮ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ንሓንቲ ዕለተ ነጻነት ንምዝካር፡ ኣብ በበይኑ ከባቢ፡ በበይኑ ኣዳራሽ፣ በበይኑ ስምዒት፣ በበይኑ ሰንደቕ ዕላማ፣ በበይኑ ጭርሖ ንሕናን ንሳቶምን እናተበሃልና ክንዝክር ግድን ኮይኑ። ጠንቂ ናይ’ዚ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ብታሪኽ ብሕግን ዝሓተተሉ ከኣ ንሱ’ዩ።

እምነትን ክሕደትን ፈጺሞም ዘይራኸቡ ተጻረርቲ ኣምራት’ዮም። እምነትን ሕልምን ህዝብታት ኤርትራን ናይ ጥልመት ራእዩ ጉጅለ ህግደፍን ከብድን ሕቖን ስለ ዝኾኑ ከኣዩ መበገሲ ናይ’ቲ በበይንኻ ምጽንባል። እዚ ጠላም ጉጅለ፡ ሰብኣዊ መንነቶም ዝሸጡ ኣምለኽቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ንዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ኣመልኪቶም ክእከቡ፡ ክጉይሉ፡ ክጭርሖ፡ ክምድሩ እንከለው ከምስሉ ከደናግሩ’ዮም። ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትን ውጉኣት ሓርነትን ብተግባር ይትርጉሙ ከም ዘለው፣ ልዕላውነት ህዝብን መሬትን ኣኽቢሮም ብሕግን ብምርጫ ህዝብን ስልጣን ጨቢጦም፡ ሃገራዊ ሰላም ኣንጊሶም ብደሞክራስያዊ ኣገባብ የመሓድሩ ከም ዘለው ንግሩሃት ንምድንጋርን ገበናቶም ንምሕባእን’ዮም ክጥቀምሉ ዝፍትኑ ዘለው።

ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ንመዓልቲ ነጻነት 24 ግንቦት 1991 ንምበል 27 ዓመት ክዝክሩን ክጽምብሉን እንከለው ግን፡ ንቃልዓል ንይምሰል ዘይኮነ፡ እዛ ዕለት ሰራዊት መግዛእቲ ሓንሳእን ንሓዋሩን ካብ ምድሪ ኤርትራ ዝተወገደላ፡ ህወትን ኣካልን ዝተኸፍላ ክብርቲ ዕለት ምዃና ብልቢ ኣሚኖም’ዮም ዝጽንብልዋ። ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ብልቢ ከብዕልዋ እንከለው ከኣ፡ ክልተ ዕላማ ሒዞም’ዮም። በቲ ሓደ ሕሉፍ እናዘከሩ፡ በቲ ካልእ ከኣ ጭቡጥ ዘለውዎ ኩነታትን ከመይነት ኣፈታትሓኡን እናእመቱን እናተዛተዩን’ዮም ዝጽንብልዋ።

ብምኽንያት እዛ ክብርቲ ዕለት ዝእከብሉ ኣደራሽ፡ ሕልፉን መጻእን ወዲኑ ናይ ዝርኢ ዓውደ ዘተን ትምህርትን ‘ምበር ናይ ጎይላን ዳንኬራን መድረኽ ኣይኮነን። ካብ ናይ ህግደፍን ህግደፋዊ መድረኻትን ብኹለንትንኡ ዝተፈልየ’ዩ። ኣረኣእያኦም በይኑ፡ ጭርሖኦም በይኑ፡ ላዛ ኣቀራርባኦም በይኑ’ዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ደቂ-ሓንቲ ሃገር፡ ንሓደ ሃገራዊ በዓል በበይኖም ከብዕሉ ዝገርም ዘይኮነ ባህሪያዊ’ዩ። እቲ ሓደ ስምዒት ህዝቢ ኣረሳሲኑ ንጥፍኣት፡ እቲ ካልእ ከኣ ህዝቢ ኣረዲኡ ኣንቂሑ ወዲቡ ንትንሳአ ሃገር ዓሊሙ ዝሰርሕ ብምዃኑ ዘራኽብ ሰንሰለት የብሎምን።

ልኡላውነት ህዝቢ ደፊርካ፣ ብስም ስውኣት፡ ውጉኣት ሓርነትን ስድራ-ቤቶምን ጉጅላዊ ረብሓ እናኻዕበትካ፣ ህዝቢ ከም ህዝቢ እናበተንካ፣ ልኡላዊ መሬት ንዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ሃገራት ኣሕሊፍካ እናሃብካ፣ ደቂ- ስውኣት ሓድጊ ከይገደፉ ኣብ ትርጉም ዘይብሉን ዘይፍትሓውን ኲናት ክሞቱን ስድራ ቤታት ዘርኢ ዘይብለን ክጸንታን እናገበርካ፡ መበል ክንድዚ ዓመት ጽምብል ሃገራዊ ነጻነት የኽብር ኣለኹ፡ ቅሰኑ ሰማእታትና፡ ተሓበኑ ስድራ ሰማእታትና ምባል፡ ድንግርግር ዘየብል ኣሽካዕላል’ዩ። ጉጀለ ህግደፍ፡ ኣመለኽቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ክሕስው ክጀሃሩ እንከለው ዝኾነ ናይ ሕንከት ምልክት ኣየርእዩን። ስለምንታይ? ነቲ ሓሶት ምጅሃር ምድንጋር ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣማራጺ ናትና ኢሎም ስለ ዝሓዝዎ።

እዚ ጉጅለ ከም ፖለቲካዊ ብቕዓት ዝንየተሉ፡ ፍሬኡ ኣብ ባይታ ዝረአ፡ ህዝቢ ዝምስክረሉን ዝጥቀመሉን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ካብኡ ዝምንጩ ፖሊስን ስትራተጂን ዘይኮነ፡ ልቢ ወለዳዊ ድርሰት’ዩ። ናይ ቃላት መረጻ’ዩ። ፖለቲካዊ ድራማ’ዩ። ኣብ ምምሕያሽ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ሓንቲ ከይሰርሑ፡ ኣብ ዘካየድዎ ስማዊ በዓላት በረኣእያን ተግባርን ምስኦም ዘይኸይድ፡ ዘይውክልዎ ዝተመረጸ ቃላት ሒዞም ይቐርቡ። ጭርሖ መበል 27 ዓመት ነጻነት 24 ግንቦት 2018 ንኣብነት፡ “ራእይ ብዕዮ” ዝብል ሒዞም ቀሪቦም። ንዕኡ ዘሰኒ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተግባርን ከም ዘይብሎም፡ ህዝቢ ንምድንጋር ይብልዎ ከም ዘለው ግን ናይ ዝሓለፉ በዓላትን ኣብኡ ዝተስምዑ ጭርሖታትን ብምዝካርን ብምምስኻርን ክረጋግጽ ይከኣል’ዩ። ራእይ ብዕዮ ጥዑም ፖለቲካዊ ቃል’ዩ። ራእይ ህግደፍ ግን ኣብ ንፋስ ምበር ኣብ ግራት ስለዘይዝራእ ዓየዪ የብሉ ፍረ የብሉ ባዶ ናይ ቃላት ጸወታ’ዩ። ህግደፍ በረኣእያኡ ኮነ ተግባሩ ኣሪጉ’ዩ። ቅቡጽ’ዩ። ድሕሪ ደጊም ካብ ቃላት ጸወታን ብህዝቢ ምሽክዕላልን ሓሊፉ ሓድሽ ሓሳብ ከምጽእ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ግን፡ ዝተረኽበ መድረኻት ህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብ ክጥቀምሉ፡ ፍልልያቶም ከጽብብሉን ከመሓድርሉን ኣለዎምን ይግባእን። ምኽንያቱ፡ ንሃናጺ ሓሳባት ብጸጋ ከተኣናግዱ፡ ሃናጺ ንዘይኮነ ከኣ ብግልጺ ክእርሙ ክገርሑ ኣለዎም። ብሰንኪ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ህግደፍ ንዘጋጠመ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ውድቀት ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ሰማእታትን ፍርቂ ኣካሎም ከፊሎም ኣብ ክንዲ ዝኽብሩ ሓሲሮም ተጸበይቲ ኮይኖም ዘለው ውጉኣት ሓርነት፡ ብገለ ወገናት ዝቐርብ ሓላፍነት ዝጎደሎ ርእይቶታት ብስቕታ ክሕለፍ የብሉን። ብዝኾነ መዕቀኒ ንመዓልቲ ነጻነት 24 ግንቦትን ታሪኻዊነታን ዝሸራርፍ ርእይቶ’ውን ከምኡ። ናይ ኩሉ ተሓታቲ ጉጅለ ህግደፍ ስለዝኾነ፡ እቶም ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ ጀጋኑን ዕለተ 24 ግንቦት ሓዊስካ ምጽያን ምኹናን ብዝኾነ መዕቀኒ ኣፍራሲ ደኣምበር ሓጋዚ ብዘይምዃኑ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ግቡእ ጠመተ ሂቦም ክሰርሕሉ ይግባእ። ብዝተመርጸ ቃላት ተኸሽኑ ዝቐርብ ራእይ ህግደፍ ዝምልከት ግን፡ ኣብ ግራት ዘይዝራእ፡ ኣብ ንፋስ ተበቲኑ ዝበንን ባዶ ቃላት ምዃኑ ምርዳእ ጽቡቕ’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 28-05-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox