^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 65 guests and no members online

ብዕንደራ ተጀሚሩ ብክሳራ ዝቐጸለ ጉዳይ ሕጂ ኸ ናበይ?

ብዓመጽ ፍትሒ ተጓዲሉካ ወይ ጠቕሊሉ ተነፊጉካ ጸኒሑ፡ ብሓይሊ ድዩ ብሕጊ ነቲ ዓማጺ ስዒርካ ፍትሒ ኣብ ዝረኸብካሉ፣ ተማሂርካ ተመራሚርካ ኣወንታዊ ውጽኢት ኣብ ዘምጻእካሉ፣ ደሃይ ኣጥፊኡ ዝጸንሐ ኣባል ስድራ ቤትካ፡ ቀረባ ቤተ-ሰብካ ወይ ትፈትዎ ዓርክኻ ምስ ምሉእ ጥዕናኡ ብሂወት ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ብባህሪያዊ ኣየር ምዝባዕ ተኸሲቱ ዝጸንሐ ደርቂ፡ ተፈጥሮ ገጻ መሊሳ ተወን ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጥሚታት ….ወዘተ ክትሕጎስ እንቋዕ ሓጎሰና ክትበሃሃል ንቡር’ዩ።

ባዕልኻ ኣጉዶኻ ኣቃጺልካ መጽለሊ ስኢንካ ግዳም ሓደር ኣብ ዝኾንካሉ፡ ክብረትካ ኣብ ዝተዋረደሉ፡ እንቋዕ ሓጎሰኩም ሓጎሰና ክትበሃህል ግን ንቡር ኣይኮነን። ሓድሽ ባህሊ ንምትእትታው ተሓሲቡ እንተኾይኑ’ውን ጥዑይ ሰብ ክቕበሎ ዝደፍእ ምኽንያት የብሉን። ካብ ስነ-ፍልጠት ወጻኢ’ዩ። ነቲ ወዲ ሰብ ካብ እንስሳ ዝፍለለዩ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎን ሰብኣዊ ሓልዮትን ኣዛቢዑ ኣብ ምልክት እቶ ዘእቱ’ዩ።

ለንቅነ ኣምለኽቲ ኢሳያስን ህግደፍን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘስምዕዎ ዘለው ወኻዕካዕ ከኣ፡ ሓደ መግለጺ ናይ ዝተዛብዐ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ጌርካ ክውሰድ ይከኣል። ኣምለኽትቲ ኢሳያስን ህግደፍን እንታይ ረኺቦም’ዮም ተዓዊትና እንቋዕ ሓጎሰና ዝብሉ ዘለው ኢልካ ምእ እትሓትት ትረኽቦ መልሲ፡ ዘሕዝን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ከም ህዝብን ሃገርን ዘሕፍር፡ ቅንዕ ከይትብል ርእስኻ ዘድንን’ዩ። ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ብዋጋ ህይወት ዜጋታት ዕምሪ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከናውሕ፡ ዘእምን ምኽንያት ብዘይብሉ ብፍጹም ሓላፍነት ዝጎደሎ ዕንደራ፡ ንገለ ምእዙዛት ስማውያን ጀነራላት ልኢኹ ምስ ኢትዮጵያ ብሽነኽ ባድመ ኣብራሲ ኲናት ወሊዑ።

እዚ ክገብር እንከሎ ኣይኮነን ህዝቢ፡ እቶም ነቲ መንግስታዊ ጉጅለ ኣማዕሪገሞ ዝነበሩን ገለ ድማ ዛጊት ክሳብ ሕጂ ምስኡ ዘለው ሚኒስተራትን ጀነራላትን ከይሓበረን ከየማኸረን ዝገበሮ ምዃኑ ገለ ካብ’ቶም ሚኒስተራትን ጀነራልን ነበር ብቃሎም ዘረጋግጽ’ዩ። ብዝኾነ እቲ ዘይምኽንያታዊ፡ ካብ ኣፍልጦ ህዝቢ፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ተኸዊልካ ብዶብ ኣመኽኒኻ ዝተወለዐ ኣብራሲ ኲናት፡ ብምሉእ ስዕረት ጉጅለ ህግደፍ፡ ብከቢድ ክሳራ ህዝብታት ኤርትራ ብግንቦት 1998 ጀሚሩ ኣብ ሰነ 2000 ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ኣብራሲ ኲናት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሃሊቖም። ልዕሊኦም ኣካሎም ጎዲሎም። ብዙሕ ነገራዊ ሃብትን ጥሪት ጠፊኡ። ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ዜጋታት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም። ብሰንኩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተባሪሮም። ማሕበራዊ ህይወቶም ተናጊዑ። ንብረቶም መጻወቲ ኮይኑ ተሪፉ። ኤርትራ ብፖለቲካን ብቑጠባን ኣወንታዊ ምስላ ተዓይኑ ረማዕ ኢላ።

ጉጅለ ህግደፍ ብትዕቢት ሓቢጡ ተሓሲምዎ ንዝጸንሐ መስርሕ ሕጊ፡ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ዓውደ ኲናት ተሳዒሩ ተደቢሩ ጫማ ጸላእቱ ክሳብ ዝስዕም ምስተቐጥቀጠ ብመንገዲ ኣማለድቲ ክቕበል ተገዲዱ። ነቲ ናይ ይግበኣኒ ሕቶ ዘልዕል ዘከራኽር መሬት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ፈጺሙ ዘይከራኽር ልኡላዊ መሬት ኤርትራ፡ ንሱ ካብ’ቲ ከባቢ ርሒቑ ሓይልታት ባዕዲ ክቆጻጸርዎን ከመሓድርዎን ብምስልን ድምጽን ብዝተቐርጸን ተዓዘብቲ ኣብ ዘለውዎን ኣብ ኣልጀርስ ብክታሙ ኣረጋጊጹ። ንጉጅለ ህግደፍ ስዒሩ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ተቖጻጺሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ንሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረኪቡ፡ ናይ ሰዓራይ ሞራላዊ መንፈስ ለቢሱ ኳዕነን እናበለ ወጺኡ። ነቲ ኲናት ጀማሪኡ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ነዚ ኮሚሽን ካሕሳ ወራሪት ኤርትራ’ያ ክብል ብወግዒ ዘረጋገጾን ህግደፍ’ውን ወራሪ ምዃኑ ተቐቢልዎ ዝሓደረን ሓቂ’ዩ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ተሰጋጊሩን ሕጋዊ ብይን ምስ ረኸበን’ውን ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣይበጽሐን። ኲናት ዝጀመረላ ባድመ ናብ ኤርትራ ስለ ዝተባህለ ዘይኢዱ ዝረኸበ ብዱልን ሰዓርን መሲሉ ግዝያዊ ጉጅላዊ ፖለቲካዊ መኸሰብ ንምርካብ፡ ብዘይዝኾነ ክልተኣዊ ርክብን ዘረባን ሰራዊትኹም ተውጽኡ ብዝብል ደረቕ መጎት እነሆ ንኣስታት 20 ዓመት ቀጺሉ። ኲናት ብዕንደራ ካብ ዝተጀመረሉ 1998 ክሳብ ሎሚ ብኹሉ መዕቀኒታት ኣውራ ዝተጎድኣ፡ ዝተዋረደ፡ ናይ ብርሰት ሓደጋ ዘንጸላልዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። እዚ ድማ የሕዝንን የሕፍርን ‘ምበር ኣየሐብንን። መን ከማና ከም መንግስትና ኢልካ ክትፍክር ዝዕድም ዘተባብዕ ኣይኮነን። ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድ ዝተዋህበ ብይን ባድመ ንኤርትራ ኢሉ ስለ ዝወሰነ ነቲ ጠንቂ ኣይኽውሎን’ዩ። ካብ ግዝኣት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ብዙሕ ህዝቢ ዝነብረሉ ሰፊሕን ስቡሕን መሬት ከም ዘሎ’ውን ክዝንጋዕ ኣይግባእን። እንተኾነ ነዞም ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ተዋጊእና ስዒርና፡ ተማጒትና ረቲዕና ዝዝምሩ ኣመለኽቲ ግን እንታዮም ኣይኮነን። ብዛዕባ’ቶም ኣብ’ቲ ትርጉም ዘይብሉ ኣብራሲ ኲናት ዝሃለቑ፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ዝበጽሖም፡ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ፡ ዝተሰዱ፡ ከም ሃገር ዝወረደ ሞራላውን ነገራውን ዕንወት፡ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ምዝባዕ ኣይስቆሮምን።

ስምምዕና ይግባይ ዘይብሉ ውሳነ ቤት ፍርዲ ምቕባል ስለዝኾነ፡ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ባድመ ተወጽእ፡ እንተዘየለ ኮፍ ኣይንብልን ኣይንዘራረብን ዝብል ፖለቲካዊ ቅጥፈት፡ ከም ጽንዓት ኣብ መርገጽ፡ ምእዙዝ ንሕግን ግዱስ ብልኡላውነትን ተወሲዱ፡ ፈጻሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ደሞክራስያዊ ግንባር ብ5 ሰነ 2018 ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኲነት ብመሰረት ስምምዕ ውዕል ኣልጀርስ ንውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክንፍጽም ድልዋት ኢና ክብል ንዘሕለፎ ውሳነ፡ ሓድሽን ብዘይክሳራን ሃገራዊ ዓወት ከም ዝተሓፍሰ፡ ምስናይ ሚዛን ዘይብሉ ሕሱር ዕዋላዊ ጠባያት ዘንጸባርቕ ኣቀራርባኡ፡ ዘስምዖ ዘለው ጫውጫውታ እምበር’ዶ ከም ሰባት ነገራት የመዛዝኑ’ዮም ዘይብል ኣይኮነን።

እቲ ዘምልኽዎ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኣጽኒዑ ብምሓዝ፡ ምስቲ መኸራኽርቱ ዝኾነ ኣካል ኮፍ ኢሉ ተዘራሪቡ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክረክብ ቀዲሙ ተበግሶ ዘይምውሳዱ ኣብ ክንዲ ዝነቕፍዎን ዝኹንንዎን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ኮሚሽን ዝሃበኒ ባድመ ክሳብ ዘየውጸአ ምስኡ ኮፍ ኣይብልን ዝብል ቅድመ ኩነት ብምቕራብ፡ ጎሮሮ ሃገር ኣብ ቁሸት ባድመ ዓጽዩ፡ ን20 ዓመት ፖለቲካ’ውን ቁጠባውን መትንታት ህዝቢ፡ ከይሰርሕ ክለምስ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ከይሓተቱን ከየገደሶምን ተዓዊትና ዕንቋዕ ሓጎሰና ኢሎም በቲ ካብ ፖለቲካዊ ቋንቋ ዝረሓቐ ኣብ ጽልኢ ዝተመስረተ ልሳኖም ተንሓንበለ ክብሉ ምስማዕ ከም ኤርትራዊ የሕፍር’ዩ።

ኣብ ሕጊ ተበጺሑ ውሳነ ካብ ተዋህበ፡ ነቲ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ውሳነ ግደፍ ኣይበሃልን። ኣይተበሃለን ድማ። ነቲ ውሳነ ኣኽቢርና፡ ንትግባሬኡ ኮፍ ኢልና ንዘራረብ’ዩ ተባሂሉ። እዚ ብቕኑዕ ሕልናን ሓላፍነታዊ ኣጠማምታን ቅኑዕ ‘ምበር ጌጋ ኣይኮነን። በይናዊ ምጉት ዝበሃል የለን። ምጉት ኣብ መንጎ ክልተን ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ወይ ውድባትን መንግስታትን’ዩ ዝካየድ። ናይ ዳኛ ውሳነ ንመን ጠቒሙ ንመን ገዲኡ ብዘየገድስ፡ ነቲ ዝተዋህበ ብይን ከይሸራረፍካ ብሓባር ኮፍ ኢልካ ውሕስነት ዘለዎ ፈጽሚ ንምርግጋጽ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ መዛዘሚ ክትገብረሉ ሓጋዚ ‘ምበር ጎዳኢ ጎኒ የብሉን። ብመሰረት’ቲ ውሳነ ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ ተራኺቦም ከይተዘራረቡ ሰራዊት ይስሓብ ማለት ከም’ቲ ኣጀማምራ ናይ’ቲ ኲናት ቅጥፈት’ዩ። በቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ዘይምግዳስ’ዩ።

ስለዚ ብሓደ ወገን ነቲ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኲነት ክፍጽምየ ዝብል ውሳነ ዋላ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝተበጽሐ መደምደምታ ይኹን ክብሪ ክወሃቦ ይግባእ። በቲ ካልእ ከኣ፡ ካብ ተራ ህልኽ ርሒቕካ ብዛዕባ ኣብ’ቲ ዘዘራርብ ከባቢ ዝነብር ዘሎ ህዝብን ከመይነት ቀጻልነቱን ብሓላፍነት ደው ኢልካ ምሕሳብን ተቐራሪብካ ምዝርራብን የድሊ። ምኽንያቱ እቲ ሰራዊት ጎቦ ኣይኮነን ዝሕሉ ነይሩ። ኣብ’ቲ ከባቢ ሰሪቱ ዝነብር ህዝቢ ኣሎ። እቲ ህዝቢ ገሊኡ ኤርትራዊ’ዩ ገሊኡ ከኣ ኢትዮጵያዊ’ዩ። ብመሰረት ብህግደፋውያን ዝቐርብ ዘሎ ምጉት እቲ ሰራዊት ሓላፍነት ዝወስደሉ ኣካል ኣብዘይተረጋገጸሉ፡ ካብ’ቲ ሒዝዎ ዝነበረ ከባቢታት ምስ ወጸ፡ ብውሕዱ ነቲ ህዝቢ ዝህቦ ዝነበረ ናይ ጸጥታን ምርግጋእን ተልእኾ ባዶ ክተርፍ’ዩ። ያዕ ዝብለሉ ዘይብሉ ህዝቢ ከኣ ኣደደ ሸፋቱን ተበለጽትን ክኸውን’ዩ። ንኣምለኽቲ ህግደፍ ግን ከም’ዚ ዝበለ ረዚን መልእኽቲ ዝርደኦም ኣይኮነን። ድሕነት ህዝብን ውሑስ ከባብያዊ ሰላምን ዘይኮነ ድሕነት ኢሳያስን ህግደፍን ቀዳምነት ስለዘገድሶም፡ ብሕጋውን ወግዓውን ዘይኮነ፡ ብዘይሕጋውን ዘይወግዓውን ኣገባብ ንዝመሓላለፈሎም ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳት ከም “ደጋሚት ዑፍ” ክደጋግሙ ዝኾነ ሕንከት ኣይስመዖምን። እዚ ንመናዊሕ ስልጣን ብዕንደራ ተጀሚሩ ብኽሳራ ዝቐጸለ ጉዳይ ‘ምበኣር ሕጂ’ውን ኣገዳዲ ሓይሊ እንተዘይረኺቡ ብወገን ጉጅለ ህግደፍ ንምዕንቃፉ ምስምስ ምምጻኡ ኣይተርፍን። ስለዚ ህዝቢ ካብ ሕሉፍ ተመክሮኡ ተማሂሩ ነገራት ካበይ ናበይ ብኸመይ ብኣንክሮ ክከታተልን ንቀጻሊ ህይወቱ ውሕስነት ዝህቦ መንገዲ ክመርጽ ኣለዎን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 11-06-2018  

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox