^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 82 guests and no members online

መንገዲ ዓወት ገዲፍካ ብመንገዲ ስዕረት ለምም ይወገድ፡

ከም ድሌት ኩሉ ወዲ-ሰብ፡ ማሕበር፡ ፖለቲካዊ ውድብ ይኹን መንግስቲ፡ ክኾነሉ ዝምነዮ ሃንቀውታ ከም ዘለዎ ውሁብ ነገር’ዩ። እቲ ሃንቀውታ ብተናጸል ድዩ ሓባራዊ፣ ፍትሓዊ ድዩ ጸረ-ፍትሒ፣ ምኽንያታዊ ድዩ ኢ-ምኽንያታዊ፣ ገለ ብትሕዝቶኡ ገለ ከኣ ብኣቀራርባኡ ክፈላለ ይኽእል። ድሌትካ ወይ ሕልምኻ ፍትሓውን ምኽንያታውን እንተደኣ ኮይኑን፡ ክውን ዝኾነሎ ውጥን ኣውጺእካ ብተግባር ትሰርሓሉ እንተደኣ ኮይንካን ግዜ ክነውሕ መድረኽ ድማ ክመርር ይኽእል ‘ምበር ምዕዋቱ ኣይተርፎን። ይብጻሕ’ዩ። እቲ ሃንቀውታ ኢ-ፍትሓዊ እንተደኣ ኮይኑ ግን፡ ክንዲ ዝኾነ ብስስዐ ሃርር በሎ እናሓደረ ዝርሕቕ፡ ካብ ንጥፈታትካ ኣማሲኑ ኣዕነንዩ ዝቕትል’ዩ ዝኸውን።

ስለዚ “ሳእንና ማዕረ እግርና” ከም ዝተባህለ እቲ ድሌት ምስ ጭቡጥ ክውንነትካ ተዛሚዱ ዝኸይድ ክኸውን ይግባእ። ብተግባር ሰሪሕካ ካብ ሕልሚ ናብ ጋህዲ ክትቅይሮ ትኽእል ክኸውን ኣለዎ። ድሌት ብዘይ ውጥንን ግብራዊ ስራሕን ኣይዕወትን’ዩ። ስለዚ ዝኾነ ድሌታት ብመጽናዕትን ኣፍልጦን ዝተደገፈ ካብ ኣፍ ሰጊሩ ብተግባር ክውፈረሉ ይግባእ። ኣቐዲምካ እቲ ትሓልሞ ክትበጽሖ ትኽእል’ዶ ኣይትኽእልን? እንታይ ዋጋ የኽፍለካ ኣዳቒቕካ ምፍላጥ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ’ቲ እንትደልዮ ሸቶ ክትበጽሕ ዝሕግዙ ካብ ቁጽጻርካ ወጻኢ ዝኾኑ ወድዓውያን ደረኽቲ ምዕባሌታት ወይ ዕድላት ክመጽኡ ይኽእሉ’ዮም። ነዚ ብግቡእ ኣንቢብካን ተዓጻጺፍካን ከየምለጠካ ኣብ እዋኑ ክትጥቀመሉ ምኽኣል’ውን ብቕዓት’ዩ። ኮታ ኣብ ትደልዮ ክትበጽሕ ልክዕካ ምፍላጥ። ድሌትካ ምስ ጭቡጥ ክውንነትካ ተጠዓዒሙ ክኸይድ ምግባር ጽቡቕ’ዩ።

ሎሚ ኣተሃላልዋ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከብ ምስክር ዘድልዮ ኣይኮነን። ድሌታት ህዝብታት ኤርትራ ከም ህዝብታት፡ መጀመርያ ሃገራዊ ሰላም፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ደሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን እንጀራን’ዩ። እዚ ተራ ድሌት ወይ ባህጊ ኣይኮነን። ብቐጥታ ንምህላውን ዘይምህላውን ዝውስን ረቛሒታት’ዩ። ስለዚ ከኣ እዚ ረቛሒታት’ዚ መልሲ ክረክብ ኣለዎ። መልሲ ክረክብ ድማ፡ ነዚ ዝዓንቀጸ ኣካል ምፍላጥ የድሊ። ድሕሪ ምፍላጥ ብመጽናዕቲ ብሕብረት፣ ብብቕዓትን ጽንዓትን ገጢምካ ምእላይ የድሊ።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ከቢድ ሓላፍነት ዝሓትት ዕማም፡ ዋላ ድሌት ህዝቢ ይኹን ብዘይተወደበ ሓፋሽ ክፍጸም ዝከኣል ኣይኮነን። ነዚ ብሓላፍነት ዝሰከም እቲ ተወዲቡ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ኣትዩ ዝዋሳእ ዘሎ ሓይልታት’ዩ። ህዝቢ ብመላኺ ጉጅለ ዝተሓረሞ መሰላት ክረክብ፡ ጽምኣት ድልየቱ ከርዊ፡ ብፖለቲካ ኣንቂሑ፣ ወዲቡ፣ ንጹር ኣንፈት ኣትሒዙ፣ ተቓሊሱ ዘቃልስ ውድብ ክረክብ ኣለዎ። ብዘይ ውድብ፡ ስጡም ውደባን መሪሕ ባእታትን ዝዕወት ህዝባዊ ቃልሲ ስለዘየለ፡ መሪሕነት ፖለቲካዊ ውድባት ገዛእ ዓቕሞም፡ ናይ ምትግባር ባህሎምን ተወፋይነቶምን ክፍትሹ፡ ክእረም ዘለዎ ኣሪሞም ቅድሚት ተሰሊፎም ኣብነት ኮይኖም ክርከቡ ይግባእ።

እዚ ዝተሓልፈ 27 ዓመታት   ብሃገር ደረጃ ናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ለውጢ ንምምጻእ ክግበር ዝጸንሐን ዘሎ ቃልሲ፡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ዘጋጠመ ብደሆታትን ቀሊል ነይሩ’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ግን ከኣ ብኡ መጠን ብስንፍና ፖለቲካዊ ውድባትን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘምለጠ ናይ ለውጢ ዕድላት ውሑድ ከምዘይነበረ ከይተጠቕሰ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ኣብቲ ምቹእነት ንለውጢ ዝኸውን ባይታ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚታት፡ ከምዚ ገይርና እንተንነብር ኢልካ ብጣዕሳ ዝዝከር ግን ከኣ ዳግማይ ዘይርከብ ዕድላት መኺኑ’ዩ። ካብ ተቓሊስና ኣቃሊስና ዝበጻሕናዮ ርሕቀት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብወድዓዊ ምዕባሌታት ዘጋጣሙና ናይ ለውጢ ዕድላት ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም።

ዝሓለፈስ ሓለፈ ጸሓፍ ዝተረፈ ከም ዝተባህለ፡ እቲ ዝሓለፈ ናይ ለውጢ ዕድላት ሓንሳእ ከምዘይምለስ ኮይኑ ኣምሊጡ’ዩ። ሕጂ ኣብኡ ካብ ዝሰራሕናዮ ጉድለት ወይ ዝነበረና ስንፍና ክንመሃር እንተዘይኮይኑ እሱ ኣይምለስን። ግን ከኣ ንሕና ብመንገድና ሰሪሕና ተቓሊስና ኣቃሊስና ድሌትና ክውን ክንገብር ከም እንኽእል፡ ነብሰ ምትእምማን ኣሕዲርና፡ ካብ መንገዲ ዓወት ዘጎናድቡና ዘይመሰረታውያን ነገራት ኣሊና፡ ሓቢርናን ናይ ብሓቂ ናይ ተቓላሳይ መንፈስ ወኒንና፡ ካብ መንገዲ ስዕረትን ዘግመታዊ ሞትን ክንወጽእ ኣለናን ይግባኣናን።

መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ልቢ ህዝቢ እናወጽአን እናተነጸለን መጺኡ ሕጂ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ናይ ደገ ዓሰብቱ’ዩ ተንጠልጢሉ ዝርከብ ዘሎ።እዚ ሓደ ምስ ህዝብና ተቐራሪብና ክንሰርሕ ናብ መንገዲ ዓወት ክንበጽሕን ከም እንኽእልን ዝሕብር’ዩ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ተሓቢእሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብን ባድመ ብወገን ኢትዮጵያ ብዝተወስደ ኣወንታዊ ውሳነ’ውን ዕርቃኑ ይወጽእ ኣሎ። እዚ ክልቲኡ ኣብ ረብሓና ረብሓ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክውዕ ‘ምበኣር፡ ብተግባር ኣብ ባይታ ክንሰርሓሉ ይህልወና። መንገዲ ዓወት ገዲፍና ብመንገዲ ስዕረት ኣለና እናበልና ለመም ግን ኣየዋጽእን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18-06-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox