^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 61 guests and no members online

ናይ ጥፋኣት ፖሊስን ፋሽሽታዊ ተግባርን ጉጅለ ህግደፍ ብምጥራር ዶብ ዝሕከም ኣይኮነን።

27 ዓመት ምሉእ ብዘይዕረፍቲ፡ ሃገራዊ ሰላም ተዘሪጉ። ሕግን ሕጋውነት ጠፊኡ። ወለዶ ዝቕይር መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ሞይቱ። ዕድላት ስራሕ፡ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ሽታ ማይ ኮይኑ። ስድራ ቤታት ተበታቲነን፡ ኣብ ክንዲ ዳስ ሓጎስ፡ ዳስ ሓዘን በዚሑ። ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ኣንቆልቚሉ፡ ዘይነበረ ድሑር ከባብያዊ ስምዒታት ሳዕሪሩ። ሃገር ከደን ጽልምትምት ሰፊኑ፡ ብዘይመጽናዕቲ ብጭንቀት ካብ ቤትካን ሃገርካ ነፊጽካ፡ ስደትን ናይ ስደትን ኣተሓሳስባን ገዛኢ ዝኾነሉን ኤርትራዊ ሰብኣዊ ክብረት ብዓለም ደረጃ ዝተዋረደሉን መሰረታዊ ጠንቂ እንታይ’ዩ? ብሓላፍነት ዝሓተተሉ’ኸ መን’ዩ? መሰረታዊ መፍትሒኡ’ኸ ? ብርግኣት ገምጊምካ ዝተበታተነ ሓሳባትን ናይ ቃልሲ መሳለጥያታትን ኣኪብካን ወዲብካን ንምፍዋሱ ኣብ ክንዲ ምብጋስ፡ ሰብኣዊ ሕልናኻ ቀቲልካ ደድሕሪ መደረ ሓደ ሰብን ሓደ ሰባዊ መንግስትን ዘብዘብ ምባል ብዝኾነ ፖለቲካዊ መምዘኒ ምልክት ጥዑይ ስነ-ኣእምሮ ኣይኮነን።

ኣብ’ዚ ቅኒያት’ዚ ሓደ ብትሕዝቶኡ ዘይ ሓድሽ፡ ግን ከኣ ሓድሽ ዝመስል መዛረቢ ዛዕባ ተኸፊቱ ኣሎ። እቲ ኣብ ግንቦት 1998 ተጀሚሩ፡ ኣብ ሰነ 2000 ደው ዝበለ ዘይምኽንያታዊ ግን ከኣ ኣብራሲ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን። እቲ ብሰላምን ሕግን ከምዘይፍታሕ፡ ካብ ህዝብን ቀረባ መሳርሕቱን ተኸዊሉ፡ ብፍጹም ዕንደራ ብሃንደበት ዝተወለዐ ኲናት፡ ዝበልዖ ህይወት ሰብን ነዋትን ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን በኺኻ ዘይምለስ፡ ታሪኽ ድማ ይቕረ ዘይብሎ ክሳራ ቀሊል ኣይኮነን። ድሕሪ ቀጥታዊ ኲናት ምግትኡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተጀመረ መስርሕ ሕጊ ነዊሕ ተጓዒዙ፡ መሊሱ ኣብ ሰንፈላል ካብ ዝኣተወሉ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ ክልቲኣቶም ሃገራት ብሓፈሻ፡ ኣብ ህይወት ህዝብታት ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ፈጢርዎ ዘሎ ኣሰካፊ ቅልውላው፡ ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ንዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ኣብ ህዝቢ ከም ህዝቢ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ውድቀትን ድቀትን ዝፈጠረን ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ካብ ናይ ቀረባ ጎረባብትን ፈተውትን፣ ኣብ ርሑቕ ካብ ዝርከብ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዝነጸለን ኣዕናዊ መደብ ብምዃኑ፡ ግቡእ ትኹረት ክግበረሉን ንምፍትሑ ብቕንዕና ክስራሕን ኣብ ቦትኡ’ዩ።

እዚ ካብ መፈለምትኡ ክብገስ ዘይነበሮ፡ ስለምንታይ ተበጊሱ ንዝብል ሕቶ’ውን ካብ ድላያይ እንተበልኩን እንተ ገበርኩን መን ሓታቲ ኣለኒ፡ ብህይወት ሰብ ዘላግጽ ብኣጉል ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ዝተባዕጠ ንዕቀት ህዝቢ ወጻኢ፡ ብወገን ወራሪ መሪሕነታዊ ኣካል ህግደፍ ምኽንያታዊ ዝኾነ ጭቡጥ መልሲ ዘይተረኽበሉ፡ ግን ከኣ ብዶብን ባድመን ዝተጎልበበ ጎደና ጥፍኣት፡ ብዘይካ ሕጋዊ መስርሕ፡ ሕጋዊ ውሳነን ትግባረ ናይ’ቲ ውሳኔን መሰረታዊ መፍትሒ ስለዘይብሉን ኩሉ ግዱስ፡ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ተፈጢሩ ዘሎ ብወተሃደርን ፈንጅን ዝተረገጠ ማዕጾ ክራሖ ጸቕጢ ክገብር፡ ክኸውን ዘለዎ ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ስለዚ ከኣ፡ ኩነታት ናብ ባህሪያዊ ቦትኡ ተመሊሱ፡ ሰላማዊ ጉርብትና ውሕስነት ብዘለዎ ኣገባብ ክቕጽል ንትግባረኡ ኣብ ባይታ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ቅኑዕ’ዩ። ካብ ዝጀመረሉ 1998 ክሳብ ሎሚ 2018 20 ዓመት መን’ዩ ኣበጊስዎ? ስለምንታይ? ብኸመይ? ጠንቁ ከይፈለጥካ፡ ኣብ ላህመታዊ ሓበሬታ ተመርኲስካ፡ ንጠንቂ ሳዕቤን ንሳዕቤን ጠንቂ ገላቢጥካ ምንባብ ግን፡ ምስ’ቲ ህዝብታት ኤርትራ ዝሓለፈዎ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ኣዛሚዱ ንዝርኢ ዘሕፍር’ዩ።

ህግደፍ ብባህሪኡ ወራሪ’ዩ። ንውልቃውን ጉጅላውን ረብሓኡ ደኣምበር፡ ንህዝብታት ኤርትራ ክርብሑ፡ ክኽበሩ ኢሉ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ዝወስዶ ስጉምቲ ከምዘየለ ከኣ ተመክሮ ምስክር’ዩ። ምኽንያቱ ልኡላውነት ህዝቢ ዘየኽብር መንግስቲ ልኡላውነት መሬት ከኽብር ፍጹም ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለምንታይ’ሲ ካብ መሬት ሰብ ይዓቢ። ህይወት ሰብ ይኸብር። ክብሪ ሰብ ኣዋሪዱ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰል ጨፍሊቑ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኢ-ሰብኣዊ ስቅያታዊ መግረፍቲ እናፈጸመን ንብረት እናራሰየን እንከሎ፡ ልኡላዊ ግዝኣት ንምኽባር ተገዲደ ኣብ ኲናት ኣትየ እንተበለ፡ ናይ ከኣልናዮ ላግጺ ‘ምበር ዝእመን ፍረ የብሉን። ብተግባር ብሸነኽ ባድመ ነዚ ትርጉም ዘይብሉ ኣብራሲ ኲናት ዝወለዐ ከኣ ንሱ’ዩ። እዚ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ጠቐነ ኣይኮነን። ብክለሰ-ሓሳባዊ ገምጋም ዝተበጽሐ ባዕላዊ መደምደምታ’ውን ኣይኮነን። ክልቲኣቶም መንግስታት ኣብ ኣልጀርስ ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ብኮሚሽን ዶብን ኮሚሽን ካሕሳን ዝፍለጡ ክልተ ትካላት ምምስራቶም ዝፍለጥ’ዩ።

ኮሚሽን ዶብ ንባድመ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ንክልቲኣተን ሃገራት ዘራኽብ መስመር ብመሰረት ኣብ መንጎ ገዛኢት ኤርትራ ዝነበረት ጣልያንን መራሒ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃጸይ ምኒልክን ኣብ 1900፡ 1902፡ 1908 ዝተበጽሐ ውዑል ብኣየርን ብመሬትን ኣየናይ መሬት ንመን ኣነጺሩ ኣብ ባይታ ቀዋሚ ምልክት ገይሩ፡ ብንጹር ኣብ ካርታ ኣስፊሩ ዘረክብ’ዩ። ኮሚሽን ካሕሳ ድማ ኲናት መን ጀሚሩ ከመይ ጀሚሩ ኣጻርዩ ጭብጢታት ኣኪቡ እከለ ኢሉ መደምደምታ ዝህብ፡ ኲናት ምስተጀመረ ኣብ ህይወትን ንብረትን ህዝቢ ዝበጽሐ ጉድኣት ብዓይነትን ብዝሕን ፈላልዩ፡ ብዋጋ ተሚኑ እከለ ክንድዚ ትኽሕስ እከለ ድማ ክንድዚ ዝብል ውሳነ ዝህብ ሕጋዊ ኣካል’ዩ። ስለዚ ከኣ ኮሚሽን ካሕሳ ባድመ ቅድሚ ግንቦት 1998 ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ከም ዝነበረት፡ ኣብ 1998 መንግስቲ ህግደፍ ብባድመ ቀዲሙ ኲናት ከምዝጀመረ ብጭብጢ ኣረጋጊጹን ብወግዒ ውሳነ ዝሃበሉን’ዩ። ጉጅለ ህግደፍ’ውን ዕረ እናጠዓሞ ዝተቐበሎ ውሳነ’ዩ።

ኣብ’ዚ ኩልና ከም ኤርትራውያን ኤርትራ ወራሪት ምዃና ምስተረጋገጸ ክንሕበን ዘይኮነ ክንሓፍር ይግባእ፡፡ ተደናጊርና እንተኔርና’ውን ሕጋዊ ውሳነ ምስተዋህበን መንግስቲ ህግደፍ ድማ ምስተቐበለን ደው ኢልና ክንሓስብ፡ ካብ ጌጋና ቀልጢፍና ክንእረም፡ መንገዲ ሓቅን ሕግን ክንድግፍ ይግባእ ነይሩ። ብተግባር ዝኾነ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ገለ ብየዋህነት ገለ ብነገራዊ ረብሓ፡ ገለ ኸኣ ኣብ መላኺ ጉጅለ ካብ ዘለዎም ሕሉፍ ኣምልኾ ተበጊሶም፡ ተዓሚቶም ኣብ ጎኒ ወራሪ ተሰሊፎም፡ ቀዳማይ፡ ካልኣይ ሳልሳይ ወራር እናበሉ ኣብ ጌጋ ክሕብሱ’ዮም ተራእዮም። ከምኡ ድማ ፍጹም ክኸውን ኣይነበሮን። ንወራሪ መንግስቲ ህግደፍ ኣሕሊፎም ከይህቡ ክብሉ ሰብኣዊ ክብሮም ኣዋሪዶም፡ ሓድነት ጥሙር ህዝቢ ዘሪጎም፡ መቖሚያታቱ ኣፍሪሶም፡ ቀጻልነቱ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ከቶ ኣይምተገበአን።

“ከብዲ ኣደ ጉራሙራ” ከም ዝበሃል ግን፡ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ካብ’ቲ ብዙሕ ህዝቢ፡ ብቑጽሮም ውሑዳት ዝኾኑ ኤርትራውያን ፍርዲ ሓቂ ረጊጾም፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ሰለሎ ዘእተወ ጉጅለ ተሰሊፎም። “ ከም ደጋሚት ዑፍ” ንሱ ዘዝበሎም ከይመመዩ እናጎሰሙ፡ ፖለቲካዊ ነብሰ ቕትለት ይፍጽሙ ኣለው። በቲ ናይ ስርዓቶም ቋንቋ ስርዓት ወያነ ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ተጸሚድና እናሃለና ወሪሩና፡ ግን ተዋጊእና ስዒርና፡ ተማጒትና ድማ ረቲዕና፡ እንተኾነ ስርዓት ወያነ ብዘራያት ተደጊፉ ኮሚሽን ዶብ ካብ ዝወሰነልና መሬት ኣይውጽእን ኢሉ ሓንጊዱ። ብወያነ ዝተጎብጠ ልኡላዊ መሬትና ከይምለስና ከኣ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ፣ ሕጋዊ ይኹን ልምዓታዊ መደባት ኣይነካይድን። ዝተኸፍለ ይከፈል ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ክብረት ልኡላዊ መሬት። ሰራዊት ወያነ ካብ መሬትና ጠቕሊሉ ከይወጽአ ዝርርብ’ዶ ዘተ’ዶ ዝበሃል ዘበት ክብሉ ጸኒሖም። መንግስትና ሓቀኛ’ዩ። ሕጋዊ’ዩ። ርሑቕ ዝጥምት ፈታዊ ህዝቡን ሃገሩን’ዩ። ንዓለም ክመርሕ ዝኽእል’ዩ። ንሕና ኸኣ ኣብ ጎኑ እናበሉ፡ ብዕሙት ኣምልኾ ክህውትቱ ጸኒሖምን ኣለውን።

                                         ካልኣይ ክፋሉ ክቕጽል’ዩ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 25-06-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox