^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 58 guests and no members online

ኢሳያስ ውድብ ጥራሕ ኣይኮነን ሰሪሑ፡

ድሌቱ ዘተግብሩ መንነት ዘይብሎም ሰባት’ውን ሰሪሑ’ዩ።

ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኢልካ ህዝባዊ ሓይልታት ኢልካ ኢሳያስ፣ ሰልፊ ነጻነት ኢልካ ኢሳያስ፣ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኢልካ ኢሳያስ፣ ህግደፍ ኢልካ ኢሳያስ፣ ውዲት ኢልካ ኢሳያስ፣ ገበን ኢልካ ኢሳያስ፣ ጥልመት ምድንጋር፣ መን ከማይ መን ከምኡ ብግብሪ ዝረአ ዝውቱር ሓቂ’ዩ። እዚ ነውራም ባህሪያት’ዚ ከኣ፡ ምስ ንውሓት ግዜ ናብ ባህልን ኣምልኾን ዝተሰጋገረ ይመስል። ብኣረዳድኣ ናይ ገለ ገሊኦም ኢሳያስ ናይ ተፈጥሮ ሰብ ጥራሕ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ጥራሕ ኣይኮነን። ተጋዳላይ ጥራሕ ኣይኮነን። መራሒ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ፍሉይ ፍጡር’ዩ። ፖለቲካዊ ብቕሓት፣ ሓልዮት ህዝቢ፣ ተወፋይነት፣ ግልጽነት፣ ተሓታትነት፣ ብጻይነት ..ዝተላበሰ ሰብ ዘይኮነ፡ ካበይ መጺኡ ዘይፍለጥ ግን ዘይጋገ፣ ዘይፈርሕ፣ ዘይጸዓድ፣ ርህራሄ ዘይብሉ ካልእ ፍጥረት።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና’ሞ ንጉዕዞ ቃልሲ ኤርትራ እንታይ ይመስል ኔሩ ንመርምሮ? ንረኽቦ ሓቂ ኢሳያስ ኩሉ’ዩ። ኣብ ኩሉ’ዩ። ብፍላይ ኣብ’ዞም ህዝባዊ ሓይልታት፣ ሰልፊ ነጻነት፣ ህዝባዊ ግንባር፣ ህግደፍ፣ ካቢነ-ሚኒስተራት፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝበሃሉ ትካላት ፈጣሪኦም ንሱ’ዩ። መራሒኦም ንሱ’ዩ። ፈራዲ ንሱ’ዩ። ኢሳያስ ስልጣን ይህብ፡ ካብ ስልጣን የደስክል፡ ካብ ስልጣን የባርር። ስም የጸልም ክብሪ የዋርድ። ንብረት ይራሲ፣ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ብኢደ ወነኑ ይዕድል፡ የሕድግ፡ መሊሱ ኣብ ስልጣን የደይብ፡ በዓል ሃብቲ ክትከውን ይገብር፡ ዝነበረካ ኣስኢኑ የድኪ። እንተበልናኩምስኮ እከለ ተባዕ’ዩ፡ ውፉይ’ዩ ኢሉ ክብሪ ይምልስ። በረኣእያ ኣምለኽቱ፡ ካብ ትምህርቲ ምሁራት፣ ብተግባር ውፉያት፣ ካብ ዕድመ ጽጉባት፣ ካብ ጉልበት ክንዲ ሓራምዝ ዝኾኑ ክንሶም፡ ኣብ ትሕቲኡ ርዒሞም እሺ ኢሎም ክኸዱ ዝግብር ንስለ ህዝቢ ኤርትራ ክብል ዝመጸ ፍሉይ ፍጡር’ዩ።

ልዕሊ 40 ዓመት ውልቀ ድሌቱ፡ ናይ ርሑቕ ሽወሃቱ ብሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይኮነ ከም ቃሕታኡ ይውስን የተግብር። እቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ ገድሊ ዕድሜኦም ብክንዲ’ዚ ዓ-ም ተሰሊፈ፡ ክንዲ’ዚ ድማ ጌረ፡ ብክንድ’ዚ ማእከልነት ጋንታ፣ ሓይሊ፣ በጦሎኒ …ክ/ሰራዊት በጺሐ፡ ሕጂ ድማ ኮሌኔል ጀነራል ኮይነ፡ ኣመሓዳሪ ተሸይመ፣ ሚኒስተር ኮይነ፡ ኣምባሳደርነት ተመዲበ ንህዝበይን ንሃገረይ የገልግል ኣለኹ ኢሎም ብኹርዓት ዝዛረቡ ብዙሓት ድማ፡ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ኣብ ዝበሎም ይኸዱን ዝበሎም ይኾኑን። ኣብ ቅድሚ’ዚ ፍሉይ ፍጡር ኢሎም ዝተቐበልዎ ሰብ፡ ማለት ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ፡ ከም ሰባት ከም ዜጋታት፡ ከም ኣባላት ውድብ፡ ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ መንነት የብሎምን። ፖለቲካዊ መንነት ዘልብሶምን ዝቕንጥጦምን ንሱ’ዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ።

እዞም ዕድመ ግድምና ገድሊ እንናጸብጸቡ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ምስኪን ህዝቢ ፈሳሕሳሕ ዝብሉ ሚኒስተራት ጀነራላት ፖለቲካዊ መንነት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ናይ ጀነራልነት መዓርግ ኮነ፡ ናይ ሚኒስተርነት ኣምባሳደርነት ዝብልዎ ሽመት በየናይ ሕጋዊ መስርሕ ሓሊፎም ከም ዝረኸብዎ ኣይፈልጡን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ህዝቢ ከም ዝዕዘቦም ኣይርድኡን። ስለ ዘይርድኡ ድማ’ዮም ሕጋውያን ህዝባውያን መሲሎም ክቕርቡ ዘይሓፍሩ። እዞም ብሳንቡ ኢሳያስ ከስተንፍሱ ዝረዓሙ ፖለቲካዊ ሩሕ ዘይብሎም ሰብ መዓርግን ሽሞኛታትን ዘይሕጋውያን ክንሳቶም ሕጋውያን ወከልቲ ህዝቢ መሲሎም ክቐርቡ ጥራሕ ኣይኮኑን ዘይሓፍሩ፡ ኢሳያስ ከም’ታ ካብ ንእሽቶ ኖት ቡክ ወይ መዘከርታ ደብተሩ ገናጺሉ ብደረጃ ምእዙዝነቶም ብዘይ ኣፍልጠኦም ዝሃቦም ስልጣን፡ ብተመሳሳሊ ኖት ቡኩ ገንጺሉ ከይፈለጡ ካብ ሎሚ ንደሓር ደስኪልካ ኣለኻ፡ ተባሪርካ ኣለኻ ዝብል ብተለኣኣኽቱ ኣቢሉ ደው ምስ ኣበሎም’ውን ሕፍረት ኣይስመዖምን። ስለምንታይ ብኸመይ ኢሎም ፍኒሕኒሕ ኣይብሉን። ካብ ፍሉይ ፍጡር ዝተዋህበ ትእዛዝ ስለ ዝኾነ ከም ዘለዎ ተቐቢሎም ኣብ እንዳ ሻህን እንዳመስተን ቀንፈዘው ክብሉ’ዮም ዝዳለው። ኣንታ እከለ ዓዲ ኣይደሓንን ድዩ ድኣ ኣብ ሰዓታት ስራሕ ኣብ’ዚ ኮፍ ኣብ’ዚሕካ ዝብል መቕርብ ምስ ዝረኽቡ፡ በጃኻ እቲ ሰብኣይ ደስኪልካ ኣለኻ ኢሉኒ። ወይ ድማ ካብ ሎሚ ንደሓር ተባሪርካ ኣለኻ ኢሉኒ ዝብል ምውት መልሲ ይህቡ። ብምንታይ ምኽንያት ንዝብል ሕቶ ኣይፈልጥኩን ይምልሱ። ስለዚ ኢሳያስ ንውድብ ሰሪሑ መሪሑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ድሌቱ ዝፍጽሙ ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ህልዋት ዘይህልዋት መጋበርያታት’ውን ሰሪሑ’ዩ። ብተግባር ዕርዲ ስልጣን ኢሳያስ ከኣ ንሳቶም እዞም ኩኑ ዝበሎም ዝኾኑ ህልዋት ዘይህልዋት መጋበርያታት’ዮም። ኢሳያስ ነቲ ሰራዊት ወያነ ከይወጻአ ኣይዛረብ ኣይዛተ ክብሎ ዝጸንሐ፡ ብዘይዝኾነ መብርሂ ብእግረ መንገዳዊ ሓበሬታ ናይ ዘተ ሽማግለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንሰድድ ኢና ምስ በለ ስለምንታይ ከይበሉ ብታሕጓስ ሰኺረምሉ ዝቐነዩ ከኣ መረጋግጺ’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 25-06-2018

                                              

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox