^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 43 guests and no members online

ጽባሕ ክኾነልና እንምነዮ ፖለቲካዊ ስርዓት  መሰረቱ ናይ ሎሚ ኣረኣእያናን ተግባርናን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ

ዝግባእ ሞያዊ ብቕዓት፣ ጉልበት፣ ገንዘብ፣ መሳርሒ ተመዲብሉ ብመጽናዕቲ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ዘይተሰረተ ህንጻ፡ ክንዲ ዝኾነ ሕብሪታት ይቀባእ፡ በብዓይነቱ መጋየጽታት ተገይርሉ ንዓይኒ ተዓዘብቲ ብዝምስጥ ማሕ ማሕ ይበል፡ ውሕስነት ዘይብሉ ንግዝይኡ ተራእዩ ነበረ ዝኸውን መልክዕ ደኣምበር፡ ነዊሕ ዓመታት ከገልግል ከምዘይኽእል ርዱእ ነገር’ዩ። ኣብ ህንጻ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝኾነ መጽናዕቲ፡ ሞያዊ ብቕዓት፡ ጉልበት፡ ገንዘብን መሳለጥያን ዘድልዮ ዓውደ ስራሕ፡ ክኾነልካ ካብ ዘለካ ባህጊ ተበጊስካ ብስምዒት ተመሪሕካ ብትወስዶ ግብራዊ ተበግሶ ኣዕጋቢ ውጽኢት ከም ዘየምጽእ ኣቐዲሙ “እናጎየዩ ዝተዓጥቅዎ እናጎየዩ ይፍታሕ” ብዝብል ምስላ ዝተመለሰ’ዩ፡፡ ብተግባር ከኣ ዝነበረን ዘይተሓስበን ለኻኺሙ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝዓኑ’ዩ ዝኸውን። ስለዚ ሓደ ነገር ክትሰርሕ ክትሓስብ እንከለኻ ካብ ታህዋኽ፣ ብስምዒታዊ ረስኒ ዝግዛእ ድሌት፣ ክኸውን’ዩ ዝብል ውሕስነት ዘይብሉ የዋህነት ዝደሓነ ኣብ ምሉእ ኣፍልጦን ርእሰ ተኣማንነትን ክስረት ከም ዘለዎ ምርዳእ የድሊ።

ንኣድላይነት ጽኑዕ መሰረት ብዓይኒ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን እንተወሲድናዮ ካብ ኩሉ ዓውድታት ስራሕ ዝያዳ መጽንዓቲ፡ ርሑቕ ዝጠመተ ራእይ፡ ንቕሓት፡ ብቕዓት ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ሓላፍነት፡ ህዝባዊ ወገንነት፡ ትካላዊ ውሕስነት ከም ዘድሊዮ ንግንዘብ። ፖለቲካን ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ስለምንታይ ካብ ካልእ ዓውድታት ዝያዳ ኣብ ጽኑዕ መሰረት ክስረት ኣለዎ፡ ትካላዊ ውሕስነት ክህልዎ ኣለዎ ንብል ኣለና? ነቲ ካልእ ዓውድታት ኣትሒትና ስለንጥምት ድዩ? በፍጹም ኣይኮነናን። ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ህንጻ ሓደጋ ከምዘኸተል፡ ግቡእ ኣፍልጦ ዘይወነነ መራሒ መኪና ካልኦት ለኪሙ ከም ዝጠፍእ፡ ብሓላፍነት ዘይብሎም ሰባት ዝውነን ኒኩለሳዊ ቀመማዊ ጋዝ ንዓለም ሓደጋ ምዃኑ፡ ካብ ምኽሪ በዓል ሞያ ወጻኢ ዝውሰድ መድሓኒት ከቢድ ጉድኣት ከምዘኸትል …ወዘተ ብምዝንጋዕ’ውን ኣይኮነን። ዓውዲ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዝያዳ ካብ’ቲ ካልእ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ክስረት ኣለዎ ክንብል እንከለና ‘ምበኣር፡ ሓደ ብቐጥታ ምስ ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ህዝባዊ ፍትሒ፣ ህዝባዊ ልምዓት ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ’ዩ፡፡ ካልኣይ ንኹሉ ዓውድታት ስራሕ ፖሊሲ ዝቐርጽ፡ ብውጥን ኣንፈት ዘትሕዝ፡ ናይ ትግባረ መደባት ዝስእል፡ ዘተሓባብር፡ ዘመሓድር ዓውዲ ብምዃኑ’ዩ።

ንኣብነት ሓደ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስቲ፡ ሃገራዊ ሰላም፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሓባራዊ ተጠቃምነት፡ ኣብ ምሉእ ኣፍልጦን ድሌትን ህዝቢ ዝተመርኮሰ ውሽጣዊ ሓድነት ክሃንጽ እንተዘይክኢሉ፡ ኣቐዲሙ ተሰሪሑ ኣብ ፍረ ዝበጽሐ፡ ኣብ ቁጠባ ሃገር ኣወንታዊ ጽልዋ ክገብር ተስፋ ተነቢርሉ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝጸንሐን ኣብ ሓሳብ ዝነበረን ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ልምዓት ኩሉ’ዩ ኣብ ደውታ ዝኣቱን ዝዓኑን። ምኽንያቱ ብዘይ ውሑስ ሃገራዊ ሰላም ካብን ናብን ዝወናጨፍ ነጋዳይ፡ ተኣማሚኑ ገንዘቡ ዘፍስስ በዓል ሃብቲ፡ ቀሲኑ ዝመሃር ተመሃራይ፡ ናብ ሞያዊ ተልእኾኡ ጥራሕ ዘተኩር ተመራማሪ፡ ፍቅሪ ዘለዋ ስድራ ቤትን ሕብረተ-ሰብን ክህሉ ኣይኽእልን። ህዝባዊ ቅዋም ሃልዩ ብኡ መሰረት ተመሪሑ ዝኸይድ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ እንተዘይተፈጢሩ፡ ብዛዕባ ሓድነት ክንዲ ዝኾነ ይጨራሕ ሓቀኛ ህዝባዊ ሓድነት ክረጋገጽ ዘበት’ዩ። ህዝቢ ዘሳተፈን ተጠቓሚ ዝገብርን ግሉጽን ብሕጊ ዝምራሕን ቁጠባዊ ፖሊሲ እንተዘይሃልዩ፡ ውሑዳት ተጠቀምቲ ብዙሓት ከኣ ተጎዳእቲ ዝገብር ደኣምበር፡ ሓባራዊ ዕግበትን ርውየትን ፖለቲካዊ ሃዋህው ዘረጋግጽ ክኸውን ከቶ ኣይሕሰብን።

ስለዚ፡ ሕቶ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ኣብ ህይወት ሓንቲ ሃገር ዘለዎ ብጽሒት ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ብምዃኑ ዝያዳ ጠመተ የድልዮ። ጥንቁቕ ኣተሓሕዛ ይጠልብ። ኣብ ንጹር ራእይን ህዝባዊ መሰረትን ክንጸፍ ይግባእ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተራእዩ መለኽቲ ስርዓታትን ከመይነት ኣወጋግዳኦምን ዝምልከት ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ኮረሻ ሃገራዊ ስልጣን ዝደየቡ መለኽቲ ውክልናኦም ንውሑዳት ናይ ረብሓ መሻርኽቶም’ዩ። ዝሓዝዎ ስልጣን ብሰላም ብህዝባዊ ምርጫ ይለቁ ማለት ከኣ ዘበት’ዩ። ብባህሪኦም ህዝባዊ ወገንነት ስለ ዘይብሎም ብዛዕባ ህዝባዊ ሕሰም፡ ህዝባዊ ሕቶ ኣይግደሱን’ዮም። ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምረሓሉ ኣምር ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣይኮነን ብተግባር ክምርሕሉ ክሰርሕሉ ከም ፖለቲካዊ ቋንቋ’ውን ህዝባዊ ዛዕባ ከይከውን’ዮም ዝሰርሑ። ህላወ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ኣየደልዩን። ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ሕጊ እንተሎ ከኣ ኣይምእዘዝሉን።

ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ መሪር ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ጭቆና ከም ንርከብ ኣሉ ዝበሃሎ ኣይኮነን። በዓል ቤት ናይ’ቲ መሰክሕ ፖለቲካዊ ጭቆና ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ጉጅለ ህግደፍ ሓደ ብደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡ ጸረ-ህዝቢ ብምዃኑ፡ ካልኣይ ህዝባዊ ውክልናን መወከሲ ዝኾኖ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ሳልሳይ ተግባሩ ፋሽሽታዊ ብምዃኑ፡ ኣብ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣበይ’ዩ ዝምደብ? ኣብ ደምበ ፈታዊ ወይስ ኣብ ደምበ ጸላኢ? እቶም ኣቐዲሞም ብስነ-ፍልጠታዊ መልክዑ መርገጾም ዘነጸሩ ብኡ ይቐጽሉ። እቶም ን27 ዓመታት ሓመድ ድፋጫኦም ኣስቲይዎም ክንሱ፡ ንደርጊ ደምሲሱ ነጻነት ዘምጸአ ‘ኳዩ፡ ሃገራዊ እኳ’ዩ፣ ኣሕዋትና እኳ’ዮም፣ ናይ ምሕደራ ልምዲ ስለዘይብሎም እኳ’ዮም፡ ጸላእትን ተጻባእትን ስለዝበዝሕዎም እኳ’ዮም፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝወሰነልና ባድመ ስለይተረከበ እኳ’ዩ ….ወዘተ ዝብሉን ካልኦትን ኣዝዮም ሚዛን ዘይብሎም ናይ የወሃት ላህመታዊ ፖለቲካዊ ሚዛናት ግን፡ ብዋጋ ህይወቶምን መጻኢ ዕድሎምን ንቀጻልነት እቲ መላኺ ጉጅለ ውሕስነት ዝህቡ ኣረኣእያታት ብምዃኖም፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ክእረሙ ኣለዎም። መን’ዩ እዚ ንህዝብታት ኤርትራ ዝሕምስ ዘሎ ሓይሊ ፈታዊ ወይስ ጸላኢ ኣገንዝበኦም ከስተኻኽሉ ይግባእ። ሎሚ ህግደፍ ዘቤታዊ ጸላኢ ምዃኑ ዘይኣምን ዜጋ፡ ማሕበራዊ ሓይሊ፡ ፖለቲካዊ ጉጅለ ወይ ውድብ ንጽባሕ ካብ ናይ ሎሚ ዝሓሸ ተስፋ ዘይብሉ’ዩ።

ኣብ ህግደፍ ዘሎ ፖለቲካዊ ሚዛን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘሎ ኣሰላልፋ’ውን፡ ብመንጽር ደርባዊ ባህሪኦም፡ ከዐውትዎ ዝሓዝዎ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ግብራዊ ንጥፈታቶምን መን ንመን ይውክል፡ ጽባሕ ናብ መን ክውግን’ዩ ወይ እንታይ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል ዝተነጸረ ሚዛን ክቕመጠሉ ኣለዎን ይግባእን፡፡ ምኽንያቱ’ሲ ሎሚ ኣብዘይ ጸረየ ዝተደዋወሰ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢና ዘለና። እዚ ኣይንቅድሚት ኣይንድሕሪት ሓሊኹ ሒዙና ዘሎ ዝተደዋወሰ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ገለ ምምዕርራይ ከይተገብረሉ ከም ዘለዎ ካብ ፍጹም ምልኪ ናይ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ብዝላ ክንሰጋገር ዝሓልሙ ወገናት ኣለው። እዚ ግን ክእረም ዘለዎ መሰረታዊ ጌጋ’ዩ። ይሕመቕ ይጸብቕ ሎሚ ሒዝናዮ ዘለና ኣተሓሳስባ ንጽባሕ ታሪኽ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ መሰረት’ዩ። ምዕቡል ይኹን ድሑር ናይ ሎሚ ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ጥበብ ምሕደራናን ተግባርናን ንጽባሕ መወከሲ’ዩ። ብሓጺሩ ሎሚ መሰረት ዘየንጸፍናሉ ንፖለቲካዊ ጻምእና ዘርዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ንሱር ዝሰደደ ከርፋሕ ማሕበራዊ ህይወትና ዝቕይር ህዝባዊ ዝኾነ ቁጠባዊ ፖሊሲ ተሰሪሑ ከም ዘይጸንሐና ግቡእ ኣገንዝቦ ክንሕዝ ይግባእ። ከመይ’ሲ ጽባሕ ሎሚ ዝዘራእናዮ ኢና ንዓጽድ።

ስለዚ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብተራ ድሌት እናተመራሕና፡ ጸላኢ ዝደኸመ መሲሉ ኣብ ዝተራእየና ስምዒታዊ ረስንና ሓፍ ክብል፡ ብኣንጻሩ ኣብ ዝኾነሉ ከኣ ተስፋና ደብዚዙ ለጠቕ ክብል ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ከም’ዚ ኮይናዮ ዘለና ክንከውን ክኢልና፡ ኣብ ከም’ዚ ክንወድቕ ዝገበረና መን’ዩ? ኣብ’ዚ ፖለቲካዊ ውድቀት’ዚ ናትና ብጽሒት ኣለዎ’ዶ የብሉን? ህዝባዊ፡ ደሞክራስያዊ፡ ፍትሓዊ ብዝኾነ መምዘኒታት ክንፍትሾ፡ ግጉይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓ እንተኔሩና ብግልጽን ብትብዓትን ክንእርም ዘብቀዓና ፖለቲካዊ ንቕሓት ክንውንን ኣለና። ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ካብ ብስምዒት ምግላብ ከይተፋተሐ፡ ንትምክሕቲ፡ ጽበትን በለጽን ድሑራት ዝንባሌታት ብሓይሊ ሓሳብ ፊት ንፊት ምውጋእ ከይጀመረ፡ ኮታ ፈታውን ጸላእን፣ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ግርጭታት ፈላልዩ ኣብዘይርአሉ ፖለቲካዊ ጎዱፍ እናሃለወ፡ መታን ንህግደፍ ክንስዕር ኩሉ ነገር ገዲፍና ሓደ ንኹን ዝብል ጭርሖ ናብ’ቲ እንደልዮ ውሑስ ሰላምን ደሞክራስን ከብጸሐና ከምዘይኽእል ምርዳእ ልቦና’ዩ። ኣብ መንጎ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ጉጅለ ህግደፍን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ጸላእን ፈታውን ጋግ ንሕና ስለዝመረጽናዮ ኣይኮነን። ሒዝናዮ ዘለና ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፈጺሙ ዘይቃዶ ስለዝኾነ’ዩ ከምኡ ኮይኑ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ፍልልያት ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ንኽንከውንን ከይንኸውንን ናይ ተራ ሕርያ ጉዳይ ዘይኮነ፡ ናይ ዝንባሌን ንዝንባሌኻ ከተዐውተሉ ትኽእል ትኽተሎ ጥበብን መግለጺ’ዩ።

ስለዝኾነ ሎሚ ህዝባዊ ልዑላውነትና ተደፊሩ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰልና ተገፊፉ፡ ናይ ስራሕን ሰሪሕካ ብረሃጽካ ምጥቃምን መሰል ርሒቑና፡ ኣብ ቤትና ብሓባር ምንባር ከም ገበን ተቖጺሩ ንህደን ንፈናቐል ንስደድ ስለዘለና፡ ካብ’ቲ ስነ-ፍልጠታውን መንገዲ ዓወትን ዝኾነ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ስትራተጂን ስልትን መትከላት ወጻኢ፡ ነቲ ዝተፈላለየ ናይ መሰል ሕቶታት ጎሲና ወይ ኣፍልጦ ነፊግና፡ ንህግደፍ መታን ሆ ኢልና ክንጸርጎ’ሞ ናትና ብሕርያና ተማእዚዙ ዝኸይድ ስርዓተ መንግስቲ ክህልወና፡ ናይ ግድን ኣብ ሓደ ክንመጽእ ኣለና ዝብል መጎት፡ ምስ ክውንነትና ኣይቃዶን ኣብ ዓወት ድማ ኣየብጽሕን። እቲ ተወጺዐ ተገፊዐ ኢሉ መሰል እናሓተተ፡ ተገልቢጡ ካልኦት ንዘዕልዎ ሕቶ ሰብኣውን ደሞክራስያውን፣ ሕቶ መንነት፣ ሕቶ ሃይማኖት፣ ሕቶ ማዕርነት፡ ንገሊኡ በታኒ ሓድነት ትሕቲ ሃገርነት፣ ንገሊኡ ናይ ግዳም ተልእኾ፣ ንገሊኡ ተፈቲኑ ዝወደቐ ፍልስፍና፣ ንገሊኡ ኣውራጃዊ፣ ንገሊኡ እስላማዊ ሃይማኖታዊ ዝብል ፈጠራዊ ኣስማት ብምጥማቕ ዝጽየንን ጸለሎ ዝቐብእን ኣተሓሳስባ፡ ካብ ሎሚ እንተዘይተገሪሑን ተኣሪሙን “ካብ ንግሆኡ ዝነቀወ ዝብእስ ነየሕደሪ” ከም ዝበሃል ምስላ፡ ንገዛእ ርእሱ ናይ ንጽባሕ ድጉል ሓደጋ ምዃኑ ክስመረሉ ኣለዎ።

ኣብ ልዕሊ መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተቓሊስና ክንዕወት፡ ሰናይ ባህግና ብቕኑዕ ኣገባብ ክምለስን ሕጋዊ ውሕስነት ክረክብን፣ ብዙሓት ምዃና፡ ብዙሕ ርእይቶ ከም ዘለና ብንቕሓት ብሓላፍነታዊ ስምዒት ንናበብ ንቀባበል፡ ንተሓባበር ንከባበር። ቅድሚ ሃገራዊ ክብሪ ንሰብኣዊ ክብሪ ንስራዕ። ዝተፈላለየ ርእይቶታት ምህላው ጸጋ ደኣምበር ሓጥያት ከምዘይኮነ ብምርዳእ፡ ንዘለው ፍልልያት ሓደ ክኾኑ ዝኽእሉ እንተኾይኖም መስርሖም ሓሊዮም ሓደ ክኾኑ ምትብባዕ፡ ኣብ ሓደ ንዘይመጽኡ ከኣ ብስልጡን ኣገባብ ተመሓዲሮም ኣብ ዘራኽቡና ብሓባር ንምስራሕ ድልዊ ምዃን የድሊ። ካብ’ዚ ወጻኢ ሎሚ ብህግደፍ ጸልሚቱና ስለዘሎ ዝተፈልየ ሓሳብ ኣይነቕርብ፡ ኤርትራ ጥራሕ ንበል፡ ብኤርትራዊ ዜግነት ጥራሕ ንተኣኻኸብ ዝብል ኣገንዝቦ ግን፡ ናይ ትምክሕትን ዓፈናን ስርዓት፡ ብካልእ ትምክሕታውን ዓፋንን ስርዓት ክትክእ ምሕላን ደኣምበር መሰረታዊ ለውጢ ከምዘየምጽእ ክስቆረና ኣለዎ። ካብ ሎሚ ንዘለና ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ጉድለታት ንምእራም ድልዋት እንተዘይኮይና፡ ጽባሕ ካልእ ባህሪ ፈጢርና ብጹኣት ክንከውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ክኾነልና እንደልዮ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ መሰረቱ ናይ ሎሚ ኣረኣእያናን ተግባርናን ምዃኑ ብስምዒት ዘይኮነ፡ ርሑቕ እናጠመትና ብስነ-ሓሳብ፡ ብስትራተጂን ስልትን እናተመራሕና ክንቃለስ ይግባእ።

             ካብ ወግዓዊት ልሳን ደግሓኤ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ሕታም 20 ሰነ 2018 ዝተወስደ።

                 ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 29-06-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox