^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 38 guests and no members online

ናይ ጥፍኣት ፖሊሲን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ፡ ብምጥራር ዶብ ኣይሕከምን

                                             ሻድሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ኣብ ዝሓለፉ ተኸታተልቲ ጽሑፋት ከም ዝሓበርናዮ፡ ኣብ ውሽጢ 27 ዓመት ድማ ብተግባር ከም ዝረኣናዮን እዚ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ኣካል፡ በቲ ንቡር ፖለቲካዊ ኣሰራርዓ፡ ኣተሃላልዋኡን ኣቃውማኡን ከም’ዚ ኢልካ ንምግላጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ውድብ’የ ይብል ንውድብ ውድብ ዘብሎ መንገዲ ኣይኽተልን። መንግስቲ’የ ይብል ሓደ መንግስቲ ከማልኦ ዘለዎ ረቛሒታት ኣየማልእን። ብሕጊ ኣይቆመን። ብሕጊ ኣይሰርሕን። ግን ከኣ ተዓሚቱ ብቋንቋ ሕጊ ክዛረብ ይስማዕ። ብመደብ ህዝቢ ይጭፍጭፍ ግዱስን ተሓላቕን ህዝብን ሃገርን ኮይኑ ከኣ ክዋሳእ ይደናደን። ኣብ ህልውን መጻእን ዕድል ሚሊዮናት ብድሌት ሓደ ሰብ ክውሰን ይረአ።

ፖለቲካዊ ምሕደራ ሃገር ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ውድብ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕረት ሓደ ሰብ ከም ዝወደቐ፡ ካብ’ቲ ግቡእ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ ኣብ 1993 ዝተኻየደ’ሞ ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ ዝበርዓነ ስንኩፍ ናይ ሰራዊት ተቓውሞ ሓደ ኢልካ ንምቑጻር ይከኣል። ኣብ ልዕሊ ኣብ ማይ ሓባር ዝነብሩ ዝነበሩ ውጉኣት ሓርነት ዝተወሰደ ኢ-ሰብኣዊ ጨፍጫፍን ብግልባጡ ብትዕቢት ዝተዋህቦ መልስን ካልኣይ ኢልካ ንምቑጻር ይከኣል። ምስ ሱዳን፣ ምስ የመን፣ ምስ ጅቡቲ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ጽልእን ዝሰዓበ ዕንወትን ብናይ መን ጠንቂ ስለምንታይ ርዱእ ስለ ዝኾነ ከም ሳልሳይ ኣብነት ዝውሰድ’ዩ።

ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ጽልእን ዝተኻየደ ኲናትን ቅድምን ድሕርን ናይ’ቲ ኣብራሲ ኲናት፡ ብሰላማዊ ልዝብን ሕጋዊ መስርሕን ጥራሕ ነባሪ ፍታሕ ከም ዝረክብ ርዱእ ክንሱ፡ ድሕሪ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ብዝቐረበ ቴኒካዊ ሜላዊ ርእይቶ ከም ዓቢ ዘይስገር ዕንቅፋት ተወሲዱ፡ መትንታት ሃገር ከም ዘይሰርሕ ጌሩ ዘልመሰ፡ ብ20 ሰነ ናይ 2018 ብሃደበት ሕራይ ክንዛተ ኢና ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ዘተ ሽማግለና ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሰድድ ኣለና እግረ መንገዳዊ መደረ፡ ውድብ፣ መንግስቲ ዝበሃል ትካላዊ ኣሰራርሓ ከምዘየለ፡ ገባርን ሓዳግን ሓደ ሰብ ምዃኑ፡ ብተግባር ህዝብታት ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮኑ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም’ውን ዝተኸታተሎ ዘሎ ድሙቕ ሓቂ ስለዝኾነ ከም ራብዓይ ጭብጢ ክውሰድ ይከኣል።

መሰረት ከይሓዝካ ርትዓዊ ፍርዲ ንምሃብ ኣይከኣልን’ዩ። ፖለቲካዊ ምስሊ ኤርትራ ነቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ብዙሓት ደሞክራስያውያን ባእታትን ጉጅለታትን ንሕና ደሓናን ክብሉ ብውዲት ጉጅለ ኢሳያስ ህይወቶም ዝኸፈልሉ፡ ጎደሎ ነጻነት ንምቕባል ብስውር ምስ ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ዘተን ከይዘንጋዕና፡ ካብ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ውድብ ናብ ዘቤታዊ ጸላኢ ካብ ዝተሰጋገረሉ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ክሕደት ብፈኲስ ኣጠማምታ ዝስገር ኣይኮነን። ንዕኡ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ነቲ ተሓሲምዎ ዝነበረ ዘተ ቅድመ ትግባረ ምስ ኢትዮጵያ፡ ዋላ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ይኹን ምቕባሉ ኣወንታዊ’ዩ። ብመንጽር ሰላምን ንህዝብታት ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህቦ ዝተወሰነ ረብሓን ከም ጽቡቕ ንውሰዶ።እንተኾነ ካብ’ቲ ዝጸንሖ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ዝመስል ደረቕ ርእይቶ፡ ናብ’ዚ ሕጂ ዝወሰዶ ካብ ሰማይ ናብ መሬት ምውዳቕ ዓይነት መርገጽ ክቕይር ዝበገበሮ እንታይ’ዩ? ወይ መን’ዩ ክንፈልጥ የድሊየና። ስለምንታይ ናበይ ይወስደና ኣሎ ተረዲእና ከም ህዝቢ ከም ሃገር ክንገብሮ ዘለና ክንገብር መታን ከኽእለና።

ኲናት 1998 ብዘይኣፍልጦ ህዝብን ስማዊ ባይቶን ተጀሚሩ። ተወሪርና ብዝብል ኣብ ሓቅን ፍትሕን ዘይኮነ ኣብ ዝኸሓነ ጽልኢ ዝተሰረተ ሰፊሕን ኣስካርን ፕሮፖጋንዳ ቀልቢ ብዙሓት ስሒቡ። ከም ቅኑዕ ምክልኻል ሃገር ተወሲዱ ሓደ ዜጋ ንሃገሩ ካብ ወራሪ ንምክልኻ ከበርክቶ ዘለዎ ኩሉ ተገይሩ። ኣብ’ቲ ብድሌትን ውሳነን ሓደ ሰብ ተወሊዑ፡ ኣብ ረብሓ ሓደ ሰብን ጉጅለኡን ዝወዓለ ናይ ጥፍኣት ውጥን፡ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ፍቕሪ ሃገር ከቢድ ሃሰያ ፈጢሩ። እዚ ሕጂ ንርከበሉ ዘለና ኤርትራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ባህላዊ ኮነ ማሕበራዊ ህይወት ድማ ምስክር’ዩ።

ስለዚ ሓይሊ ኣብ ኢድና ክንሱ፡ ብሰንኪ ርግእ ኢልና ብሓላፍነት ነገራት ክንመዝን ዘይምኽኣልና፡ ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ እናደመርና ኣብ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብ ወዲቕና። ነዚ ከም ተመክሮ ወሲድና ክንልብመሉ ክንመሃረሉ ይግበኣና። ከም ህዝቢ ኣብ ዘይንፈልጦ ናይ ስቓይን ሞትን ጥጅእ ተዓዲምና ወይ ተደፊእና ትርጉም ዘይብሉ ሞት ክንመውት ‘ምበር፡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይና ተዋሳእቲ ዘይምዃና ከተሓሳስበና ኣለዎ፡፡ ብዝሓለፈ ተጣዒስና ንቕድሚት ኣካይዳና ከነስተኻኽል ኣለና። ጉዳይ ሃገር ጉዳይ ህዝቢ ምበር ጉዳይ ሓደ-ሰብ ኣይኮነን። ኣሽሓት ደቂ ህዝቢ ህይወቶም ዝገበርሉ፡ ኣካሎም ዝጎደልሉ፡ ዕድመ ንእስነቶም ዘብለይሉ ብዘይካ ብሓርነት ብልኡላውነት ህዝቢ ብካልእ ዘይትመን ረዚን ዛዕባ ንሓደ ሰብ ከም ድላዩ ክገናዘየሉ ምግዳፍ ብደውካ ሞት’ዩ።

ኣብ 1998 ኣብ ኲናት ዝተኣትወሉ ምኽንያት፡ መሬት ንምምላስ ወይ ልኡላውነት ንምኽባር ኣይነበረን። ሰራዊት ወያነ ከይወጽአ ብዝብል ጉልባብ ን16 ዓመታት ኣይኲናት ኣይሰላም ኣብ ሰንፈላል ዝተነብረሉ’ውን ንክብረት ግዝኣተ ሕጊን ክብረት ልኡላውነትን በፍጹም ኣይኮነን። ሕጂ ንዘተ ቅርቡነቱ ዝገለጸሉ፡ ብዝገርም ቅልጣፈ ልኡኻት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝሰደደሉን ምኽንያት ካብ ዝሓለፈ ጌጋኡ ስለ ዝተማህረ ኣይኮነን። ሰላም ካብ ምድላይን ብህዝባዊ ስቓይ ካብ ምሽቓልን ዝተበገሰ ኣይኮነን። ሃንደስቱ ካልኦት’ዮም። ኢሳያስ ተግባሪ’ዩ። መሰረታዊ ዕላማኡ ከኣ ናይ ሃንደስቲ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ገማግም ማያት ቀይሕ ባሕርን ኣረጋጊጹ፡ ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕ’ዩ። ብሓጺሩ ሃገርናን ዞባናን ኣብ ትሕቲ ስውር መግዛእቲ ይኣቱ ከም ዘሎ ክስቆረና ይግባእ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ዝበለየ ስውር መግዛእቲ ዝኣቱ ዘሎ መሳሰዪ ኤርትራዊ መንግስታዊ ጉጅለ፡ መነሃርያኡ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘቐንዙ’ዩ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ዝፍጠር ጎንጺ ብፍላይ ከኣ ከም’ዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበለ ብዙሕ ደም ዘፋሰሰን ዝተሓላለኸ ድሕረ ባይታን ስምዒታትን ዘለዎ ዛዕባ፡ ካብ ግሉጽነት፣ ምሉእት ኣፍልጦ ህዝቢ፣ ምሉእ ተሳትፎ ናብ’ቲ ጉዳይ ቅርበት ናይ ዘለዎ ዓውዲ ሞያተኛታት፣ ሓላፍነት ዝመልኦ ኣተሓሕዛን ወጻኢ፡ ክኸይድ ስቕ ኢልካ ምዕዛብ ካብኡ ሓሊፍካ ከኣ መን ከማኻ እናበልካ ንጽግዕተኛ ጉጅለ ምትብባዕ፡ ውጽኢቱ ጽቡቕ ስለ ዘይኮነ፡ ነገር ናበይ የምርሕ ኣሎ ብኣንክሮ ምክትታል ይጽነሓለይ ዘይበሃሎ ውዕውዕ መድረኻዊ ዛዕባ ናይ ነፍስ ወከፍ ብሃገሩ ዝግደስ ዜጋ ክኸውን ይግባእ። ኣብ’ቲ ብባዶ ትምክሕቲ ዝሰኸረ ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ጎዱፍ ነብሶም ዝረስዑ ብገርሆም ዝኣተው ልኩማት ስለ ዘይሰኣኑ፡ ክልብሙ ሃገራዊ ዛዕባ ይምልከተናዩ፡ ናበይን ብኸመይን ይኸይድ ኣሎ ኢሎም ክሓቱ፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ክዋስኡን ምምካር’ውን ሕማቕ ኣይመስለናን። ስለምታይ’ሲ ጉዳይ ሃገር ንኹሉ ዝምልከት ዛዕባ ስለዝኾነ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 06-07-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox