^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ
እዚ መላኺ ጉጅለ፡ ነቲ ዕጡቕ ክፍልታት ከም መልሕቑ ተጠቒሙ’ዩ ኣለኹ ዝብል ዘሎ።
ግደ ዕጡቕ ሓይሊ ወይ ሰራዊት ኣብ ሓንቲ ሃገር ብከመይ ክቐውም ከም ዘለዎ፡ እንታይ ክመስል ከም ዝግባእ፡ ደረጃ ፖለቲካዊ
መንግስታዊ ስልጣን ምስ ህዝቢ እትኣትዎ ማሕበራዊ ኩንትራት’ዩ
መንግስታዊ ስልጣን ብደረጃ ኣብ ደቂ-ሰባት ዘለዎ ተራ ህይወት ከም ዘለዎ ፍጡር ጌርካ ክረአ ዘለዎ’ዩ። ምኽንያቱ መንግስታዊ ስልጣን ብስም ህዝብን ሃገርን ብክኢላታት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ጠበቓታትን ዝንደፍ፡ ዝቐውምን ዝዓይን ኮይኑ ግዜኡ በሊዑ ኣገልግሎቱ ዘብቅዕ ስነ-ፍልጠታዊ ተርእዮ’ዩ። ሕጋዊ መስርሑ ሓልዩ ከኣ፡ ብካልእ መንግስታዊ ስልጣን ይትካእ።
መሰል እናሓተትካ መሰል ክትነፍግ ምድንዳን ቅቡል ኣይኮነን።
መሰል ዝንፈገሉ መልከዓት ብዙሕ፡ ደረጃኡ ድማ ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣየካትዕን። ነፈግቲ መሰል ዝግለጽሎም መልከዓትን ደረጃን’ውን ከምኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ውህቡ ነገር’ዩ። መሰል ምንፋግ ብደረጃ ውልቀ ሰባት ይፈጸም ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድብ
ሕቶ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ብምልኣት ዝምለስ ተባራዒ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ።
ንሕና ደቂ ሰባት ሳላ ተፈጥሮኣዊ ትዕድልትና እንታይ ከም ዝሕሸና፡ እንታይ ከምዘዋጸኣና ንግንዘብ ኢና። ኣገንዝቦና ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክሰፍሕን ክጸብብን ይኽእል። ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና ማለት፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስቪካዊ …ወዘተ
ዝምልከቶ ኣካል ምርመራ ኣካይዱ ነጻ ምስ በለ ጥራሕ’ዩ ሃላሊ ጉጅለ፡ ካብ ተግባራት ግብረ ሽበራ ነጻ ምዃኑ ክዛረብ ዝኽእል
ኣቋውማ ወይ ኣመሰራርታ ኣህጉራዊ ትካል “ ሕቡራት ሃገራት” ተመክሮኣዊ’ዩ። እዚ ኣህጉራዊ ትካል ብወግዒ ቆይሙ ስራሑ ከሰላስል ካብ ዝጅመር 72 ዓመት ደኣ የቑጽር ‘ምበር፡ እዚ ትካል ንክምስረት ዝደፋፍኡ ተረኽቦታት ወይ ፍጻሜታት’ሲ ኣማኢት
ፖለቲካዊ ባርነት ዝወለዶ ጉልበታዊ ባርነት
ባርነት ጥንቲ ዝነበረ፡ ግን ከኣ ዝተሰግረን ታሪኽ ዝኾነን ይመስል ነይሩ። ከም ሓቂ ግን ብኣተሓሳስባን ተግባርን ዛጊት ካብኡ ዘይወጽኡ ሰባት ኣለው። ሰባት ክንሶም ብተዘዋዋሪ ንከምኦም ዝበሉ ሰባት ዝበልዑ ሰባት ኣለው። ጥንቲ ኮነ ሎሚ ድማ ምንጪ
ስርዓት ህግደፍ ንርእሱ ከሲሩ ህዝብን ሃገርን ኣኽሲሩ።
ጉጅለ ህግደፍ ነዛ ስልጣን እትብል ቃል፡ ሓንሳብ ብርእሳ ካልእ ግዜ ከኣ ብእግራ ኣንጠልጢሉ፡ ካብ’ቲ ብዙሕ ንዕኡ ዝጥዕሞ ሓደ ትርጉም እናሃበ ይሰርሓላ ኣሎ። ንስልጣን ዝህቦ ትርጉም ካብ’ቲ ጸረ-ህዝቢ ዝኾነ በይናዊ በሓቲ ኣረኣእያኡ ነቒሉ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ
ፖለቲካዊ ብስለት ኣብ ጽጉም ኩነታት’ዩ ዝምዘን፡-
ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ፖለቲካዊ ብስለት፡ ህዝባዊ ኣረኣእያ፡ ፖለቲካዊ ግርጭትን ኣፈታትሓኡን ክትዛረበሉ ክትምህረሉ ክትጽሕፈሉ ኣዝዩ ቀሊል’ዩ። ኣብ ተግባር ክትርጉሞ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድን’ዩ። ነብስኻ ምምራሕ፣ ስድራ ቤት ምእላይ፡ ህዝቢ
ሕጅውን ብቐዳምነት ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኩሉ ዓቕምታትና ብሓደ ኣስሚርና ብጽንዓት ንረባረብ፣
ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) “ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኩሉ ዓቕምታት ተቓላሳይ ህዝብና ንምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ይቕናዕ!፡ ኣብ ኣረኣእያን ተግባርን ዝተሰረተ ዘላቒ ሓድነት ንምርግጋጽ ንቃለስ! ሓደ ዝሰመረ
ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ
ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ
ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን
ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን
ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ