^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 64 guests and no members online

ተጋ/ስብሓት ነጋ ምስ ጋዜጣ ወይን ካብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ዝተወስደ

ቀዳማይ ክፋል

ዝኽበርኩም ሰማዕቲ/ኣንበብቲ፡ ነዚ ቃለ-መጠይቕ ብመጽር ረዚን ፖለቲካዊ ትሕዝቶኡን መልእኽቱን ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ ኣብ ምስፋሕ ሓጋዚ’ዩ ካብ ዝብል ተበጊስና፡ ንገለ ክፋሉ ነቃልሕ ከም ዘለና ኣቐዲምና ንሕብር።

ወይን፡- ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ጽሑፍና ቤት ጽሕፈት ምስንዳእ ጋዜጠ ወይን፡ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት፡ ምስ ተጋ/ስብሓት ነጋ ኣብ ዘካየድናዮ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ትርጉምን ረብሓን ምዝካር ሰማእታት፣ ኣብ ውሽጢ’ቶም ዝሓለፉ 26 ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓወታት፣ ክትግበሩ ዝግበኦም ግን ድማ ዘይተተግበሩ ዝብሎም ጉድለታት፣ ውድብ ህወሓት/ኢህወደግ ጸገማት ክፍጠሩ እንከለው ዝፈትሓሉ ኣገባብ፣ ሕጂ ምስ ሕሉፍ ባህልን ልምድን’ቲ ውድብ ብምንጽጻር፡ ዝርከበሉ ሓያል ጎኒ መሰረት ገይሩ ዘቐመጦ ገምጋም፣ ሓይልታት ትምክሕትን ጽበትን ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን የነጻጽሩ ከም ዘለው፣ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ መደብ፡ ንህልዋት ሃገራዊ ጸገማት ካብ መሰረቶም ኣብ ምፍታሕ ክሳብ ሕጂ ብተግባር ዝተዓመሙ ስራሓት ኣመልኪቱ ዝሃበና ርእይቶ፣ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ህወሓት/ኢህወደግ ዘለዎ ትጽቢትን ክሳብ ሽዑ ክሳለጡ ዝግበኦም ስራሓትን መሰረት ብምግባር፡ ክልተ ክፋላት ኣቕሪብ ናልኩም ነይርና።

ሕጂ ድማ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር፡ እዚ ኣዋጅ ዝፈጠሮም ረብሓታት፡ ክሳብ መዓስ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ዝሃቦ ሓሳብ፣ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ዘለው ብድሆታትን መበገሲኦምን፣ ሓይልታት ትምክሕቲ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ዘለዎም መርገጽ፣ ንሕገ-መንግስቲ ዝርእይሉ መነጽር፣ ኣብ ኩነታት መንግስቲ ሻዕቢያን ኣብ ሻዕቢያ ዝተኸተልናዮ ወጻኢ ጉዳይ ፖሊስን ብምግምጋም ዝሃቦ ርእይቶ፣ ክሳብ’ቲ ዝመጽእ ጉባኤ ክስራሕ ኣለዎ ዝብሎ ዝሃበና ዝርዝር መብርህን ካልኦት ስፍሓትን ዕምቆትን ዘለዎም ሓሳባትን ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሰናይ ንባብ፡-

ወይን፡- ሃገርና ኣብ ትሕቲ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኮይና ትመሓደር ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ምህላዋ ከኣ ስኽፍታታት ኣሎ። ብወገንካ እዚ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣድላዪ ነይር’ዶ ትብል? ክሳብ መዓስከ ክጸንሕ ይኽእል?

ተጋ/ስብሓት፡- ብመሰረቱ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብሓለዋ ሰላም እትፍለጥ ሃገር’ያ። ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ ሰላም ብምሕላው ቀዳመይቲ’ያ። ከም’ዚ ዝበለ ስም ስለ ዘለዋ ድማ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ክዝረግ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ደገ ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ጸገም ዘይተገመተ፡ ክምጽእ ድማ ዘይነበሮ’ዩ ተፈጢሩ። እቲ ጸገም ከኣ ንልዕሊ 10 ኣዋሕ’ዩ ጸኒሑ። ኣብ’ዚ ህይወት ሰብን ንብረትን ጠፊኡ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኩነታት ጸላእቲ ክፍጠር ይኽእል’ዩ ኢሎም’ኳ እንተዘይገመቱ፡ ግን ከኣ ክኸውን ዝጽበይዎ ዝነበሩ’ዩ። ለይትን ቀትርን ድማ እናሰርሕሉ ጸኒሖም’ዮም። ክልተ ዝተፈላለየ ግን ከኣ ዝመሳሰል ባህጊ ዘለዎም ኣካላት ነዚ ስራሕ ክሰርሑ ጸኒሖም። እቶም ሓደ ወገን ሕጋዊ መንግስቲ ክወድቕ ( State Failure) ክፍጠር ዝደልዩ’ዮም። እዞም ከም’ዚ ዝደልዩ ንኹሎም ስሞም ከይጸራሕኩ፡ መንግስቲ ኤርትራን ናቱ ጎይቶትን ኮራኹርን ዝሓወሰ’ዩ። መንግስቲ እንተወዲቑ ህይወት ሰብ ክጠፍእ’ዩ፡ ንብረት ክዓኑ’ዩ፡ ቀልጢፉ ዝስተኻኸል ነገር ድማ ኣይኮነን። ከም’ዚ እንተተፈጢሩ ድማ ንዓና ኣዐርዩ ከቢድ ታሪኻዊ ክሳራ’ዩ። ምኽንያቱ ነዛ ሃገር ብዝኾነ መንገዲ ክትዕረየሉ ናብ ዘይትኽእል ኣንፈት’ዩ ዝወስዳ። ከም’ዚ ክኸውን እቶም ዝገለጽክዎ ኣካላት፡ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ብሕመቕ ዝተሰየሙ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓባር እናሰርሑ ጸኒሖም’ዮም። እቲ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ ከኣ፡ እዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ’ዮም በጺሖም ነይሮም። ምንም ኣይተጠራጠሩን ነይሮም። ኢትዮጵያ ኣኺልዋ’ዩ ኢሎም ነይሮም። እዚኦም ኲናት ሕድሕድ ተጀሚሩ’ዩ መምለሲ የብሉን ዝብል እምነት ዘሕደሩ ፍጹማት ጸላእቲ’ዮም።

ካልኣይ ፈተውትና ዝመስሉ ሕጂ’ውን ኣስማቶም ከይጸዋዕኩ፡ ገለ ዓበይቲ ሃገራት ኣብ’ዚ ኩነታት ተረባሪቦም’ዮም። ናይ’ዚኦም ድሌት ምእንቲ ልኡላዊት ኢትዮጵያ ከይትህሉ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ልኡላዊት ኢትዮጵያ ተራእያ ስለዘይትፈልጥ፡ ሉኡላዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ተሕድሮ ጽልዋ’ውን ስለ ዝፈልጡ፡ በዚ ምኽንያት ይመሮም ስለዘሎ፡ ሉኡላዊት ኢትዮጵያ ንምጥፋእ ተረባሪቦም’ዮም። ንሳቶም መጋበርያታት እንድዮም ዝደልዩ፡ እዚ ዘስገኦም ፈተውትና ስመስሉ ዓበይቲ ሃገራት፡ መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ንምፍጣር ዘይኮነስ፡ ናይ ኢህወደግ ኣመራርሓ ንምድስካል (dilute) ንምግባር ማለት ልኡላውነቱ ዘይሕሉ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክፍጠር እናሰርሑ መጺኦም’ዮም። ሕጂ’ውን ይሰርሑ ኣለው። እዚኦም ብቐንዱ ነቶም ውድቀት መንግስቲ ዝጽበዩ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ምስ ኢህወደግ ስልጣን ከማቕልዎም’ዮም ዝደልዩ። ኢህወደግ ምስ እዚኣቶም ብምሕዋስ ድኹምን ልኡላውነቱን ዘይሕሉን መንግስቲ ፈጢሮም፡ ናቶም ተለኣኣኺ ክኸውን ይደልዩ። ከምኡ ምእንቲ ክኸውን ከኣ፡ እዚኦም’ውን ምስ’ቶም ጸላእትና ኮይኖም ይሰርሑ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ከም’ዚ ዝበለ ኩነታት፡ ኮይነ ክሪኦ እንከለኹ፡ እቲ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ዘንጊዑ እንተዘይኮይኑ፡ ምእዋጁ ትኽክል’ዩ እብል ብወገነይ። ከም’ዚ ክብል እንከለኹ ግን፡ ቁጽሪ ሓደ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ከምጽእ ዝገብር ኩነታት ክንፈጥር ኣይነበረናን። በቲ ዝጀመርናዮ ናይ ምዕባለ ጎደና ቀጥ ኢልና ዲሞክራታይዝ እናኾና ክንከይድ ይግበአና ነይሩ። ስለዝሓመቕና ግን፡ ጸላእትና ነቲ ሕመቕና መዝሚዘሞ። ናብ’ቲ ዝረኣናዮ ኩነታት ስለዘእተውና ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክእወጅ ብዘይጥርጥር ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ።

ከም’ዚ ብምዃኑ እቶም ዝህንደዱ ዝነበሩን ነናይ ባዕሎም ዕላማ ዝነበሮምን ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ምስተኣወጀ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሓረቑ ይፈልጡ’ዮም። ንሕና’ውን ንፈልጦ ኢና። እዛ ሃገር ከይትድሕን ካብ’ቲ ገጢምዋ ዝነበረ ዕግርግር መታን ከይትወጽእ፡ ናብ ዘዝመስልዎም ሰባት ክንደይ ስልኪ ከም ዝደወሉ ንፈልጥ ኢና። ምኽንያቱ ወዲቖም’ዮም ኣብ ዝብል መደምደምታ’ዮም በጺሖም ነይሮም። ስለዚ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ ነይሩ። ሕጂ’ኸ ንዝብል፡ ክለዓልን ንኸይለዓልን ዝውስኖ እቲ ኩነታት’ዩ። ነቲ ኩነታት ዝግንዘቦ ከኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ይደልዮ’ዶ? ንሰላሙ ብዘለዎ ትርጉም ይደልዮ’ዩ። ጸላእቲ ግን ኣይኮነን ክሳብ ሎሚ ክጸንሕን ክቕጽልን እቲ ናይ መጀመርያ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከመይ ከም ዝመረሮም ርኢናዮም ኢና። ንሳቶም ቀልጢፉ ክለዓለሎም’ዮም ዝደልዩ። እቶም ጸላእቲ ሕጂ’ውን ስራሖም ይሰርሑ የለውን ኣይንብልን። ብመሰረት’ቲ ኣቐዲሞም ዝተለምዎ፡ ዝወደቐት ኢትዮጵያ ንምርኣይ ለይትን ቀትርን ካብ ምስራሕ ዓዲ ኣይውዕሉን። ብድምር ግን እዚኦም ደረጃኦም’ዩ ዝፈላለ’ምበር ክልቲኦም ሓደ’ዮም። ምስ’ቶም ኢትዮጵያ ክትወድቕ ዝደልዩ እንተተሓናፊጽና ወዲቕና ማለት’ዩ። ስለዚ እዚኦም እቲ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክለዓል ይደልዩ። ስለምንታይ? መታን ድሌቶም ክገብሩ። ይኹን ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ ክኸውን ዝደሊ ኣይመስለንን። ንስኻ’ኸ እንታይ ርእይቶ ኣለካ እንተደኣ ኢልኩምኒ ግን፡ ሕጂ ለይትን ቀትርን ጽዑቕ ፖለቲካዊ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። ከምኡ እናገበርና ክሳብ ጉባኤ እንተንጸንሕ ጽቡቕ ምኾነ እብል። ከም’ዚ ክብል እንከለኹ ግን ወሳኒኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ዩ። ብወገነይ ግን ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝገለጽክዎ ክሳብ ጉባኤ ዝካየድ እንተዝጸንሕ ደስ ምበለኒ።

ወይን፡- ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ብፍላይ ከኣ ስርዓት ፌደራሊዝም ጸዲቑ ኣብ ተግባር ካብ ዝውዕል ንልዕሊ 20 ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ። ኮይኑ ግን እዚ ሕገ-መንግስቲ’ዚ ክጸድቕ እንከሎ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት፡ ሎሚ’ውን ብዝተፈላለየ መልከዓት ይለዓሉ ኣለው። ብፍላይ እቲ እዚ ስርዓት ነዛ ሃገር ክበታትና’ዩ ዝብል ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ክንዲ እናቐነሰ ዝኸይድ እናሓየለ ክኸይድ ንዕዘብ ኣለና። በዚ መሰረት ኢህወደግ ልዕልነት ወያናይ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ንምርግጋጽ ዝገብሮ ንጥፈታት ከመይ ክንገልጾ ንኽእል?

ተጋ/ስብሓት ሓያልታት ትምክሕቲ ንፌደራላዊ ስርዓት ካብ ቀደሙ ኣይደልይዎን ነይሮም። ብኣንጻሩ ውድባት ብሄር ብሄረ-ሰባት እዚ ስርዓት ክመጽኣሎም ሃንቀውታ ነይርዎም። ናይ ትምክሕቲ ሓይልታት ግን ኣቐዲሞም’ውን ተለሚኖም ኣብዮም’ዮም። ህወሓት/ኢህወደግ ኣብ 1981 ዓ/ም ( ብኣቆጻጽራ ግእዝ’ዩ) ኣብ ኣቬራ ኣብ ዝገብርናዮ ጉባኤ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ውድባት ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ይኹኑ የማናዊ ኣተሓሳስባ፡ ማለት ከም በዓል ኢህኣፓ፣ ኢህኣሰ፣ ኢድዩ፣ መኢሶን …ወዘተ ሰራዊትና ጸጸግዑ ኣቐሚጥና ፖሊስ ቆጺርና ብናይ ደገ ሓይሊ እናተሓለና መሰጋገሪ መንግስቲ ንመስርት ክብል እንከሎ፡ ቁጽሪ ሓደ ዝሓጨጨ ውድብ ኢህኣፓ’ዩ። ሽዑ ኢህኣፓ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም። ኣብ ኣኼባኦም ንዓና ኣግሊሎም ንኢድዩ’ዮም ዓዲመሞም። ንሕና ድማ ምስ ስርዓት ደርግ ክንሸማገል ንሮማ ከይድና ነይርና። ደርግ ንሕና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብምዝራብና ኣዕርዩ ገሪምዎ። ንስኹም ደኣ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ትዛረቡ ዲኹም ኢሉና። ከምኡ ምስ በለና ንሕና’ውን ገሪሙና። ብዝኾነ ምዝርራብና ዘይተርፍ ስለ ዝነበረ መስርሕ ሽምግልና ቅድሚ ምጅማሩ፡ መረዳድኢ ቋንቋና እንታይ ይኹን ተባሂሉ። ደርግ መረዳድኢ ቋንቋና እንግሊዝኛ ይኹን ኢሉ። ንሕና ድማ ኢትዮጵያውያን ኮይና፡ ብዛዕባ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብእንግሊዘኛ ኣይንዛረብን። በኣምሓርኛ ኢና ክንዛረብ ዘለና ኢልና። ሓቂ ንምዝራብ ብቋንቋ እንግሊዝ ንምዝራብ ልኡኻት ደርግ ካብ ልኡኻትና ንላዕሊ ናይ ምዝራብ ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ኮይኑ ግን በዚ ከም’ዚ ዝበለ ምኽንያት ተፈላሊና። መስርሕ ሽምግልና ከይተኻየደ ተሪፉ።

እዚ ከምኡ ኮይኑ ንሕና ግን ተስፋ ኣይቆረጽናን። ኣብ 1983 ዓ/ም እንደገና ኩላትና መሰጋገሪ መንግስቲ ንመስርት ድማ ኢልና። ሰራዊትና ሓላዊ ኮይኑ ይመደብ ኢልና። ኣብ’ቲ እዋን ኢትዮጵያ መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ተገይራ’ያ ትሕሰብ ነይራ። ከም “Failed State” ‘ያ ትቑጸር ነይራ። ስለዚ ከኣ ሓይልታት ምዕራብ ኣእዳዎም ዘወጣውጥሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ኢህወደግ መንግስቲ መስሪቱ ሃገር ከመርሕ’ዩ ዝብል እምነት ኣይነበሮምን። ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ድሕሪ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣትበሃል ሃገር የላን። ስለዚ ቤት ጽሕፈት ሓድነት ኣፍሪቃ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከነውጸኦ ኢና ኢሎም ዝመናጠልሉ ዝነበሩ ወቕቲ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ወጥሪ ኩነታት፡ ኢሰፓ፣ ኢህኣፓ፣ መኢሶን፣ ..ወዘተ ኢትዮጵያ ትሃሉ’ዶ ኣይትሃሉ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ናብ’ቲ ብኢህወደግ ዝተጸወዓ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ኣይንኣቱን’ዮም ኢሎም። ንዓይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገርም ታሪኽ ( the most historic) ኢትዮጵያ ንክትህሉ ጻዕሪ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ትውልዶም’ዩ ኢትዮጵያውያን ‘ምበር ናይ ኢትዮጵያ ኣረኣእያ ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ ናይ ኢትዮጵያ ኣረኣእያ እንተዝነብሮም ነይሩ ኣይንኣቱን ኣይምበሉን ነይሮም። እዚ ኣዝዩ ታሪኻዊ ነይሩ። እዚኦም እንታይ ይበሃሉ? ኢትዮጵያ ከም ልኡላዊት ሃገር ትሃሉዶ ኣይትሃሉ ኣብ ዝበሃለሉ ፈታኒ እዋን፡ ኢትዮጵያ ኣይትሃሉ’ዮም መሪጾም። ስለዚ እቶም ትምክሕተኛታት ነዚ ስርዓት’ዚ ኣይድግፉን ይቃወሙ ነይሮም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኢትዮጵያ ኣትበሃል ሃገር ክጠፍእ ዝለዓል ድሌት ነይርዎም።

ኢድዩ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘውረዶ ጉድኣት ዝፍለጥ’ዩ። ኮይኑ ግን ናብ’ቲ መሰጋግሪ መድረኽ ክሳተፉ ጸዊዕና’ዮም ኢና። ጻውዒትና ተቐቢሎም ኣትዮም፡ ተቐቢልናዮም ድማ። ኣምላኽ ይኹን ሰይጣን ብስም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተወደበ ሓይሊ ይእቶ ኢና ኢልና። ካልእ ይትረፍ እስላማዊ ግንባር ሓርነት ኦሮም ( Islamic Front for the libaration of oromia) ይበሃል ንዝነበረ’ውን ይምጻእ ይሳተፍ’ዩ ተባሂሉ። እዚ ኩሉ ገይርና’ውን ግን ኣይሰለጠን። ከም’ዚ ዝብል ዘለኹ ነቲ ፌደራላዊ ስርዓት ብቃል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብተግባር’ውን ዘይደልይዎ ምንባሮም ክገልጽ ስለ ዝደለኹ’የ። ኣብ’ዚ መስርሕ’ዚ እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ኣብ’ቲ ሕገ-መንግስቲ ዝተሓንጸጸ ማለተይ’የ ኣብ ማዕርነት ዝተሰረተ ሓድነት ናይ ብሄራት ከም ዝህሉ’ዩ ዘቐምጥ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ከኣ ኣብ መስርሕ፡ ሓደ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ማሕበረ-ሰብ ከም ዝፍጠር’ዩ ዝገልጽ። ስለዚ እቲ ሕገ-መንግስቲ ካልኦት ወሲዶም ከም ኣብነት ክጥቀምሉ ዝደልዩ ሕገ-መንግስቲ’ዩ። ንኣብነት ዒራቕ ጸገም ኣጋጢምዎ ‘ምበር ክጥቀምሉ ሓሳብ ነይርዎም’ዩ። የመንን ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ሃገራትን’ውን ተመሳሳሊ ድሌታት ነይርዎምን ኣለውምን’ዩ። እቲ ሕገ-መንግስቲ እቲ ፈደራል ስርዓት ከከም ኩነታቱ እናተመሓየሸ ከም ዝኸይድ’ውን ይፈቅድ’ዩ። ብጠቕላላ ግን እቲ ሕገ-መንግስቲ ብመንጽር ረብሓ ህዝብን ሃገርን እንተተራእዩ ዝወጾ የብሉን።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ኣፈጻጽማ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ዝጻብኡ ተግባራት ኣለው’ዮም። ከምኡ ብምዃኑ ድማ፡ ንሱ ጥራሕ’ዩ ፈጢርዎም’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ኣብ’ዛ ሃገር ናይ’ቲ ስርዓት ሓደጋ ትምክሕቲ ጥራሕ ዝነበረ ሕጂ ጸቢብ ኣረኣእያ’ውን ተወሲኽዎ ኣሎ። ስለዚ ኩላትና ንዕዘቦ ከም ዘለና እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ፈተና ወዲቑ ኣሎ። ኮይኑ ግን ዕጥቂ ስለ ዘለና ( ክለሰ-ሓሳባዊ ዕጥቂ ማለተየ) ማለት ሕገ-መንግስቲ ብዓቢኡን፡ ወያናይ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ድማ ብካልኣይ ስለዘለና ነዚ ብግቡእ ተዓጢቅካ ምድሓን ይከኣል’ዩ። እቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ወኒና ስለ ዘለና ካብ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ክንወጽእ ንኽእል ኢና። ኣብ 1983 ዓ/ም እዞም ሕጂ ወኒናዮም ዘለና ዕጥቂ ኣይነበሩናን። ሎሚ ካብ’ቲ ሽዑ ዝነበረና ኣዝዩ ዝበለጸ ዕጥቂ ስለዘለና ካብ’ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ክንወጽኣሉ ዘይንኽእለሉ ምኽንያት የለን ክብል ደልየ’የ። ሕጂ ነቲ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ብግቡእ ብንቕሓት ምውናን’ዩ ዘድሊ። እዚ ወኒናዮ ዘለና ዕጥቂ ብተግባር ተራእዩ ህዝቢ ዝተረብሓሉ ስለዝኾነ፡ ንሕገ-መንግስቲ ኮነ ዙርያ መለሽ ጉዕዞና ዓቢ ዕድል’ዩ። ትምክሕቲ ናይ ዝተወሰነ ምሁር ኣተሓሳስባ’ዩ። ጽበት’ውም ከምኡ። ስለዚ ነዚ ገጢሙና ዘሎ ብደሆ ስዒርና ብዓወት ክንወጽእ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ብግቡእ ምዕጣቕ፣ ህዝቢ ብግቡእ ክነቅሕን ክውደብን ምግባር የድሊ።

                                       ካልኣይ ክፋል ይቕጽል

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 24-07-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox