^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 84 guests and no members online

ነበርናን ላህጃን ኣብ ኣገልግሎት ምልኪ እንክውዕል

ኣብ ነብሱ፡ ኣብ ህዝብን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዘይተኣማመን ጃንዳ ህግደፍ፡ ንድሩት ፖለቲካዊ ንቕሓት መዝሚዙ ከም ፖለቲካዊ ዕርዲ ዝጥቀመሉ ሜላታት ብዙሕ ዓይነት’ዩ። ኩሎም እቶም ዝጥቀመሎም ሜላታት ከኣ ዜጋታትን ህዝብታትን ናብ ሓደ ዘምጽኡ፡ ምትእምማን ፈጢሮም ሓድነት ዘደልድሉ፡ ካብ ድሕረትን ድኽነት ዘናግፉ ኣይኮኑን፡፡ ገሊኡ ፈጺሙ ዘይፈላሊ፡ ገለ ከኣ ንኡስ ወይ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ክንሱ፡ ብውሽጢ ውሽጢ ብመደብ ኣረሳሲኑ መሰረታዊ ኣምሲሉ ብምጉላህ፡ ኣብ መንጎ ውጹዓትን ግዙኣትን ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ፈጢሩ፡ ሕድሕድ ኣተፋኒኑን ኣብ ሓደ መድረኽ ምስ’ቲ ሓደ፡ ካልእ መድረኽ ድማ ምስ’ቲ ካልእ እናተገላበጠ፡ ከም ፖለቲካዊ ቃርሳ ብህይወት ዜጋታት ዝጻወት ጉጅለ’ዩ። መሰረታዊ ዕላማ ናይ ከም’ዚ መግበሪኡ ከኣ፡ ብፖለቲካዊ ድሕረትን ቁጠባዊ ድኽነትን ዝተዳህከ ኣመት ፖለቲካዊ ስልጣንን ምሕደራን ዘይገብር፡ ተጸጊመ፡ ደኽየ፡ ክብረተይ መሰለይ ኢሉ ዘይሓትት ኣብ ምሉእ ምሕረቱ ወዲቑ ኣሜን ኢሉ ተማእዚዙ ዝነብር ክብሪ ዘይብሉ ድኹም ሕብረተ-ሰብ ንምፍጣር’ዩ።

እቲ ወሳኒ ውዲታዊ መሪሕነታዊ ጃንዳ፡ ከም ውድብ ካብ ዝተፈልጠሉ ግዜ ክሳብ ሎሚ ኢዱ ብደም ንጹሃት ዝተጨማለቐ’ዩ። ሓቅነት ናይ’ዚ ንምርግጋጽ ቅድሚ ምምላስ ሃገራዊ ነጻነት ካብ መጀመርያ 70ታት ፍጥር ጥቕር ኣቢሉ ኣስማቶም ብምጽላምን ዘይገበኖም ገበነኛታት ብምባልን ዝቐተሎም፣ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ኣይን ዓዲ ኣይን ዓውዲ ዘርምዘርሞ ኮይኖም ክተርፉ ዝገበሮም፡ ካብ’ቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ከልግሱ ኣርሒቖም ክስደዱ ዘገደዶም ተቓለስቲ፡ በዓል መን መዓስ ብኸመይ ምዝካር ወይ ድሕሪ ነጻነት ምስ’ዚ ጉጅለ ዝነበሮም ዝምድና ዝበተኹ፡ ኣብ ምሉእ ጉዕዞ ነብሶምን እቲ ዝነበርዎ ውድብን ሚዛናዊ ፖለቲካዊ ገምጋም ብምግባር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ኣብ ምምጻእ’ኳ ጽቡቕ እንተገበርናሉ ብፖለቲካዊ ደሞክራሲ መዳይ ግን፡ ንባዕልና ተበዲልና በዲልናዮ ኢና። ለኪምናዮ ኢና ኢሎም ዝናስሑን እቲ ውድብ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ከም ዘይነበሮ፡ እቲ ወሳኒ መሪሕነታዊ ጉጅለ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርእይቶ ንዝሓዙ ወይ ዘማዕበሉ ሰባት ካብ ተጋደልትን ህዝብን ንምንጻል ኢሉ’ውን ንምጥፋኦም ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሜላ፡ በዓል መን? መዓስ? ብናይ መን ትእዛዝ? ግዳይ ከምዝኾኑ፡ ኣስማት በደልትን ብዱላትን ብጽሑፍን ብድምጽን ናብ ህዝቢ ዝዝርግሕዎ ዘለው ኣገዳሲ ሰነዳት ኣናዲኻ ምንባብ’ዩ።

እዚ ጉጅለ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራ ሃይማኖት ዝሰረቱ መሰረታዊ ዘይምቅዳው ከም ዘሎ ገይሩ ይጉስጉስ። ብደሞክራስያዊ ዘተን ምይይጥን ንዝፍታሕን ዝመሓደርን ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ነብሱ ካብ ኩሉ ኣበራት ሓራ ገይሩ፡ ካልኦት ንዝሓዝዎ ዝተፈልየ ሓሳብ ከም ጸረ-ህዝብን ሃገርን ገይሩ ይሰብኽ። ንቦታዊ ወይ ኣውራጃዊ ምምሕደራዊ ቅርጻ ከም ስሩት ደማዊ ቅርሕንቲ ዘሎ ኣምሲሉ፡ ንስኻ’ኮ ከም’ዚ ኢኻ እከለ ብኸምዚ’ዩ ዝጥምተካ ኣይትእመኖ ኣይትቕረቦ ግን እንታይ ይብልን ይገብርን ተኸታተሎ እናበለ፡ ፍልልይ ንምፍጣር ዝከኣሎ ኩሉ ወፍሪ የገብር። ከበሳን ቆላን፣ ወዲ-ከተማን ወዲ ገጠርን፣ ፊደል ዝቖጸረን ዘይቆጸረን፣ ኣብ’ቲ ፊደል ዝቖጸረ፡ ሕኑንን ልሙስን፣ ኣብ’ቲ ወዲ ገጠር ገዲምን ሓድሽን እናበለ እቲ ሓደ ኣጉል ነብሰ ልዕልነት ክስመዖ፡ እቲ ካልእ ብነብሰ ትሕተት ክጥቃዕ ዝገብር ሜላ ይጥቀም።

ንኣብነት ወተሃደራዊ መሳርዑ ካብ ዝተሓተ መራሒ መስርዕ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ኣዛዚ እታ ዝመረሓ ዘሎ ክፍሊ ወይ ኣሃዱ ብስሙ ትጽዋዕ። እዚ እቶም ሓላፍነት ዝወሃቡ ዘለው ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝመርሕዎም ዘለው ተጋደልቲ ናይ ገባሪ ሓዳግነት መላኺ ስምዒት ከሕድሩ፡ ነቶም ልዕሊኦም ዘለው ሓለፍቲ ከኣ እሺ በሃልቲ እሙናት ኣገልገልቲ ክኾይኑ ዝገብር ዝረቐቐ ሜላ’ዩ። ሰባት ኣብ ክንዲ ብፖለቲካዊ ንቕሓቶም፡ ተወፋይነቶምን ናይ ስራሕ ኣበርክቶኦምን ዝምዘኑ፡ ናብ’ቲ ውድብ ዝተጸንበርሉ ግዜ ከም መምዘኒ ብቕዓት ተቖጺሩ፡ ይከኣሎ፣ ኣርከበ፣ ወጋሕታ፣ ዋርሳይ፡ ኣብ’ቶም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገፊፎም ዝተጸንበሩ ከኣ ቀዳማይ ዙርያ ንካልኣይ ዙርያ ክንዕቆ፣ ካልኣይ ዙርያ ንሳልሳይ ዙርያ ክንዕቆ ‘ሞ ውሽጣዊ ምትእምማን ስኢኖም ዝተባህልዎ ፈጸምቲ ክኾኑ ዝገብር ሜላ’ዩ ክኽተል ጸኒሑን ዘሎን።

እቲ ጉጅለ ዝጥቀመሉ ሜላ እዝን ከምዝን ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ገለ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሰለፉ ወገናት፡ ኣብ ክንዲ ከም ደራሲ መጽሓፍ “ሳሕል ወፊርና እንታይ ኣምጺእና” ተባዕ ተጋዳላይ የማነ ተስፋገርጊስ ተመክሮኦም ብግቡእ ገምጊሞም ነብሶም ዝሓቱ፡ ካብ ሕሉፍ ጌጋኦም ዝመሃሩን ብወግዒ ኣብዝን ኣብዝ ጽቡቕ ነይርና ኣብዝን ኣብዝን ከኣ ሕማቕ ሰሪሕና ኢሎም ርትዓዊ ሚዛን ዘቐምጡ፡ ናቶም ሓቢኦም ብካልኦት ይወራዘዩ። ኣብ’ቲ ውድብ ኣወንታ ‘ምበር ዝኾነ ኣሉታ ከምዘይነበረ፡ ኣብኡ ምንባሮም ጥራሕ ከም ምሉእ ፖለቲካዊ ሰብነት ዘውህቦ ገይሮም ክገልጹን ክጀሃሩን ይስምዑ። ዝሓለፍካዮ ናይ ገድሊ ህይወት መሰረት ገይርካ ክትዛረብ ክትጽሕፍ ጌጋ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካብ ዝፈኾሰ ረሃጽ ክሳብ’ቲ ዝኸበረ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝተኽፍሎ ብዙሓት ብጾት ድማ ብጀግንነት ዝሓለፍሉ ስለዝኾነ፡ ተራ ዛንታ ኮይኑ ከይተርፍ ኣኹል ግዜ ፍልጠትን ገንዘብን ተመዲብሉ ብግቡእ ተጸኒዑ ብዘየደናግር ኣገባብ ተሰኒዱ ናብ መጻኢ ወለዶ ክሰጋገር’ዩ ክግበር ዘለዎ። እቲ ጌጋ ዝኸውን ኣወንታን ኣሉታ ዘይፈሊ ንኹሉ’ቲ መስርሕ ውሽጣዊ ምቖትን ብቕዓት ኣመራርሓን ከም ዝነበሮ፡ ከም መቐጸልታ ናቱ ድማ ሕጂ’ውን ብቕኑዕ ኣገባብ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ እቲ ኣሎ ዝበሃል ጸገም ውድባዊ ወይ መንግስታዊ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ጉድለት ዘይኮነ፡ ናይ ዝተወሰኑ ሰባት ገበናዊ ጥፍኣትዩ ብዝብል ክኸወሉ ምፍታኖም’ዩ።

ነበረና ብዛዕባ ህልውን መጻእን ኣይኮነን ዝዛረብ ዘዘንቱ። ታሪኽ’ዩ። ታሪኽ ድማ ቅኑዕን ቅቡልን ዝኸውን እቲ ዝነበረ ከምዘለዎ ክቐርብ እንከሎ’ዩ። ዝናኻ ዘጉልህ ኣብ ኣእምሮ ህጻናት መታን ክሰርጽ ብመደብ ክትወፍረሉ ክትምህረሉ፡ ዘሕትተካ ጎደሎታት ከም ቃል’ውን ከይመሉቕ ተቐቢሩ ክነብር ዝግበር ድኹም ፈተነ፡ ሓደ ካብ’ቶም መላኺ ውዲታዊ ጉጅለ ከም መከላኸሊ ዕርዲ ዝጥቀመሎም ዘሎ ሜላታት’ዩ። ብመሰረቱ’ውን ወዲ-ሰብ ኣብ ነበርና ኣይነብርን። ዝነበርካዮን ዝሰራሕካዮን ብግቡእ ሰኒድካ ከከም ኣድላይነቱ ንናይ ቅድሚት ውጥናትካ ከም መወከሲ ትጥቀመሉ ‘ምበር፡ ዕድሜኻ ምስ ግዜ ንቕድሚ ይሕንበብ፡ ኣተሓሳስባኻ ድሕሪት ተመሊሱ ኣብ ነበርና ገበርና ተኣሊኹ ክነብር ቅኑዕ ኣይኮነን። ወዲ-ሰብ ሩሕ ክሳብ ዝሃለዎ ታሪኽ እናሰርሐ’ዩ ክነብር ዘለዎ። እዚ ነበርና ዝብል ብገለ ወገናት ኣብ ጠቕሚ መላኺ ጉጅለ ይውዕል ከምዘሎ ንምርዳእ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ናይ ተመክሮ፣ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ኣሰራርሓ፣ መሪሕነት፡ ፍልልይ ከም ዘሎ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝኾነ ሓጥያት ዘይብሉ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ዝነበሮ ህዝባዊ፡ ህግደፍ ግን ንህዝባዊ ግንባር ኮነ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ሓድሽ ድሕሪ ነጻነት ዝተወልደ ጸረ-ህዝቢ ሰልፊ ከም ዝኾነ፡ ስለዚ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካልእ ውድብ፡ ህግደፍ ካልእ ውድብ’ዩ ኢሎም ከይተሰከፉ ኣፎም መሊኦም ዝማጎቱ ሰባት ምህላዎም’ዩ። እዚኦም ነዚ ዝንቡዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዚ ክሳብ ዘይኣረምዎ፡ ይረደኣዮም ኣይረደኣዮም፡ ንመከላኸልቲ ዕርዲ ህግደፍ ዘገልግል ርእይቶ ዝተሓንገጡ’ዮም። ብኻልእ ኣገላልጻ ምስቲ መላኺ ጉጅለ ብነበርና ዝራኸቡ፡ ኣብ ውልቀ ሰባት ‘ምበር ኣብ’ቲ ስማዊ ስርዓት ከም ስርዓት ጸገም ዘይብሎ ወገናት’ዮም።

ካልእ ካብኡ ዘይፍለ ግን ከኣ ብዙሕ ሰብ ዘየቓልበሉ ንጸላኢ ድኹዒ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ፡ ከባብያዊ ኣጠቓቕማ ቋንቋ (ላህጃ) መሰረት ዝገበረ ንሰባት ወይ ህዝቢ ምንዓቕ’ዩ። ቋንቋ ትግርኛ ናይ ህዝቢ ናይ መንነት መግለጺ’ዩ። ሰብ ቤት ናይ’ዚ ቋንቋ ከኣ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዘለው ህዝብታት’ዮም። ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ’ቲ ቋንቋ (ላህጃ) ኣብ ኩሉ እኳ እንተዘይተባህለ ኣብ ገሊኡ ፍልልይ ኣሎ’ዩ። ኣብ ትግራይን ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተፈላለያ ናይ ቃላት ኣደማምጻ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ትግራይ’ውን እቲ ኣገላልጻ ናይ ቃላት (ላህጃ) ሓደ ኣይኮነን። ፍልልይ ኣሎ። እዚ ግን ነቲ ቋንቋ ትግርኛ፡ ትግርኛ ምዃኑ ዘህስስ ወይ ብካልእ ዝተከአ ኣይኮነን። ህዝቢ ከከም ከባቢኡ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ብመጠኑ ዝፍለየሉ ኣደማምጻ ምህላው ኣብ ኤርትራን ትግራይን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን ዘሎ’ዩ። ከምኡ ምህላው ከኣ ኣብ’ቶም ህዝብታትን እቲ ቋንቋ ዘምጸኦ መሰረታዊ ፍልልይ የለን። መን ከማና እናበሉ ዝጀሃሩ ልክዖም ዘይፈልጡ፡ ካብ ዓንኬል ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ዘይወጽኡ ገለ ወገናት ግን፡ ነቲ ናይ ላህጃ ፍልልይ፡ ጽሩይን ዘይጽሩይን፡ ምዕቡልን ድሑርን ዝብል መፈላላዪ ዶብ ሰሪሖም ንነብሶም ሓፍ ነቲ ካልእ ኣትሕት ኣቢሎም ክጥቀምሉ ይስምዑ፡፡ ነዚ መሰረት ዘይብሉ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባኦም ዝመንጨወ ኣጉል፡ ናትና ይበልጽ ንሕና ንምዕባል ኣተሓሳስባ፡ ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ተታሒዙ ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ክውዕልን ብተዘዋዋሪ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ክግልገለሉን ይረአ ኣሎ። እዚ ጽሩይን ዘይጽሩይን ምዕቡልን ዘይምዕብሉን ዝብል ድሑር ኣረኣእያ ዶብ ሰጊሩ ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ፍልልይ ንምፍጣር ዝተደረተ ኣይኮነን።  ኣብ ውሽጢ ኤርትራ’ውን ብፍላይ ኣብ’ቲ ወተሃደራዊ መሳርዕ ጸላኢ፡ መን ካበየናይ ኩርናዕ ናይ ኤርትራ ከም ዝመጽአ ብኣዘራርባኡ ወይ ላህጃኡ ተለልዩ ኣብ መንጎ’ቶም ውጹዓት ሰራዊት ስኽፍታ ፈጢሩ፡ ፖለቲካዊ ዕርዲ ጸላኢ ኣብ ምሕያል ድኹዒ ኮይኑ የገልግል ምህላው’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 01-01-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox