^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 39 guests and no members online

ውሽጣዊ ተቓራኒ ሓይሊ (dialectics of growth)

ኩሉ ለውጢ ወይ ሰውራ፡ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ወይ ተቕዋም ወይ ኣተሓሳስባ ወይ ቅርጺ (structure) ብምንጻግን ብምቅዋምን፡ ብምእዳምን እዩ ንጥፈታቱ ዚጅምር። እቲ ዝነበረ ንዘልኣለም ኪቕጽል ኣይክእልን። ብቐደሙውን ንዘልኣለም ኣይነበረን። ኩሉ ነገራት ይውለድ ወይ ይፍጠር ወይ ይድኰን፡ ብድሕርዚ ይዓቢ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ይመውት ወይ ይበታተን። ካብዚ ሕግዚ ዘምልጥ ግዙፍ ወይ ረቂቕ ነገር የልቦን። እዚ ባህርያትዚ፡ ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ነገራትን ኣብ ሰብን፡ ኣብቲ ሰብ ዘፍርዮ ሓሳባትን፡ ዚምስርቶ ማሕበራዊ ወይ ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይውን ሃይማኖታዊ ትካላት ይኽሰት። በዚ መሰረትዚ፡ ትካላት ይድኰናን ይዓብያን ይሞታን። መንግስቲ ይቐውም፡ ይዓቢ፡ ይበታተን። ሓሳባት ይፍጠሩን ይዓብዩን ይሞቱን፡ ብኻልእ ሓሳባት ድማ ይትክኡ። ሃገራት ይፍጠራን ይዓብያን ይበታተናን ወይ ይጠፍኣን። ትካላት እምነትውን ብወገነን ይውለዳን፡ ይዕምብባን ይቕምስላን ወይ ይብረዛን።

ዝኾነ ስርዓት ወይ ስነ ሓሳብ ወይ ቅርጺ፡ ኪዓቢ ኸሎ ምስቶም ኣብ ውሽጣውን ደጋውን ከባቢኡ ዚህልዉ ሓይልታት ይዋሳእ እዩ (interact)። ከምዚ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ስርዓት ወይ ቅርጺ፡ ኣብቲ ኪዋሳእ ከሎ ዚህቦ ወይ ዘቕርቦ ግብረ መልስታት፡ ጌጋታትን ተገራጫውን ኣሰራት ስለ ዚፍጠሩ፡ ገሊኣቶም ብድሆታት ድማ ብቑዕ መልሲ ስለ ዘይረኽቡ፡ ኣብ ውሽጡ ዘዳኽሞ ኣበራትን ተቓረንቲ ሓይልታትን ኪኽሰቱ ይኽእሉ እዮም። እቶም በዚ መገድዚ ዚፍጠሩ ኣበራት (defects) ወይውን ተቓረንቲ ሓይልታት (destructive forces) ተኣኪቦም ኣብ መወዳእታ ነቲ ስርዓት ወይ ስነ ሓሳብ ወይ ነቲ ቕርጺ ኣብ ምፍራስ ወይ ኣብ ምዝራግ ወይ ኣብ ምውዳቕ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ እዮም።

እቲ ተቓራኒ ሓይሊ፡ ካብቲ ሃናጺ ወይ ጸጋኒ ሓይሊ እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ እቲ ቅርጺ ወይ ስርዓት ኪፈርስ ይጅምር። እቲ ነዚ ስርዓትዚ ተኪኡ ዚፍጠር ቅርጺ ወይ ስርዓትውን ብወገኑ ነዚ ባህርያትዚ ሓቚፉ እዩ ዚፍጠርን ዚጎዓዝን። እዚ፡ ሓደ ካብቶም ዘይልወጡ ናይ ፍጥረት ሕግታት እዩ። ሃጸያዊት መንግስቲ ሮማ፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ተቨረ ተደኵና፡ መግዛእታዊ ኣውታራታን ጽልዋታታን ኣብ ኩሉ ዓለም ብምዝርጋሕ ኣብቲ ወርቃዊ ናይ ምዕባለኣ ደረጃ ድማ ምስ በጽሐት፡ ከምኡ ኢላ ኣይቀጸለትን። በቲ ኣብ ውሽጣ እተኸሰተ ኣብ ዘይምፍታሕ መሰረታውያን ሕቶታትን ኣብ ምቕራብ ግጉይ ግብረ መልስን፡ ከምኡውን ምስቲ ዚፍጠር ሓደስቲ ኩነታት ብዘይ ምስምማዕን ብዚምስረትን ዚእከብን ተቓራኒ ሓይልታት፡ ምስ ተነድቀት ድሕሪ ዳርጋ 400 ዓመታት፡ ገማዕማዕ ኢላ ፈሪሳ።

ሓደ ካብቶም ነዚ ኣብ ውሽጢ ነገራት ወይ ስርዓታት ወይ ቅርጽታት ዚፍጠሩ ናይ ተቓራንነት ሓይሊ ብመጠኑ ከዳኽሙዎ ግን ፈጺሞም ከልግሱዎ ዘይክእሉ ኣገባባት፡ እቲ ናይ ቅኑዕ ግብረ መልሲ ምሃብ ወይ እቲ ምስቲ ግዜን ኩነታትን ተላዚብካ ኣብ ምኻድ ዚዝውተር ስልቲ እዩ። እቲ ነዚ ሜላዚ ዚኽተል ስነሓሳብ ወይ ስርዓት፡ ብተዛማዲ ናይ ምቕጻል ዕድላቱ ዓቢ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ነዚ ሜላዚ ዘይክተል ስርዓት ወይ ስነሓሳብ ወይ ቅርጺ ግን ዕምሩ ሓጺር’ዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ናይ ዘገምታዊ ምርዓምን ምምስሳልን ዘይክተላን ንውሽጣዊ ብድሆታት ብቑዕ ግብረ መልሲ ዘይህባን ሃገራትን መንግስታትን፡ እቲ ኣብ ውሽጠን ዚኽሰት ተቓራኒ ሓይሊ ይብርትዕ እሞ ወይ ይፈርሳን ይበታተናን ወይ ድማ ብኻልኦት ሃገራት ተዋሒጠን ይተርፋ።

ኤርትራ ሃገርና፡ ሽሕኳ ከም ሓውሲ ሃገር ኮይና ንገለ ዘመናት ትነብር እንተ ነበረት፡ ከም መንግስታዊት ሃገር ግን ብ 1891፡ ማለት ጣልያን ምስ ሓዙዋን ዶብ ምስ ሓንጸጹላን፡ ማእከላዊ መንግስቲ ድማ ምስ ተኸሉላን እያ ዘመናዊ ህላወኣ ዘረጋገጸት። እቲ ፖለቲካዊ ህይወት ዘመናዊት ኤርትራ ድማ ሽዑ እዩ እተጀመረ። ኣብቲ ድሕሪ ምፍጣር ኤርትራ ዝነበረ መግዛእታዊ-ሃገራዊ ናይ ዕቤት ጕዕዞ ግን፡ ናይ ተቓራንነት ድጉል ሓይልታት እውን ጎድኒ ብጎድኒ ይጎዓዙ ነይሮም እዮም። እዞም ድጉላት ተቓረንቲ ሓይልታት አዚኣቶም፡ ኤርትራ ክትፍጠር ከላ ጀሚሮም ምስ ዕቤታ ዚጎዓዙ ዝነበሩን ነቲ መግዛእታዊ ስርዓት ንኺዳኸምን ነቲ መግዛእታዊ ቕርጺ ድማ ንኺፈርስን ኣፈናውን መሰረታውን ተራ ዝነበሮም ረቛሒታት እዮም ነይሮም።

ኢጣልያዊ  ገዛኢ፡ ንኤርትራ ኪሕዛ ኸሎ፡ እንታይ ዕላማን ራእይን እዩ ነይሩዎ? ነቲ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣቃውማ ህዝቢ፡ ነቲ ባህሊ ህዝቢ፡ ነቲ ታሪኹን መበቆሉን፡ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ምስ ከባቢኡ ዘለዎ ዝምድናን ምትእስሳርን ወዘተ. ብግቡእ ኣጽኒዑዎ ወይ መርሚሩዎ ዲዩ? እቲ ምምሕዳሩኸ ምስዚ እተጠቕሰ ዚሳነ ወይ ንኣኡ ኣብ ግምት ዘእተወ ድዩ ነይሩ? ኤርትራኸ እንታይ ድኽመታት ወይ ጸገማት ስለ  ዝነበራ እያ ግዳይ ጣልያን ኮይና? ኣብቲ ከባቢኣኸ እንታይ ይካየድ ነይሩ? ኣብቲ ከባቢ ዚካየድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለ፡ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ በዓል መን እዮም ነይሮም? ኣጀንዳታቶምከ እንታይ እዩ ነይሩ?

እታ ከም ግዝኣት ጣልያን ኮይና እተፈጥረት ኤርትራ፡ ኣብቲ መግዛእታዊ ጕዕዞኣ፡ ብዙሓት ዘይተመለሹ ሕቶታት ተሰኪማ እያ እትቕጽል ዝነበረት። ዘይተመለሹ ሕቶታት ድማ ኣብ ምፍጣር ተቓረንቲ ሓይልታት መሰረታዊ ተራ ኣለዎም፡ ማለት ውሽጣውያን ተቓረንቲ ሓይልታት ንኺፍጠሩ ቀንዲ ምኽንያታት እዮም።እዚ ተቓራኒ ሓይሊዚ፡ ከም ሓሳባት ኮይኑ ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ዚጭቆኑ ዘለዉ ሰባት ምስ ሰፈረን ምስ ሰረጸን፡ ተቓውሞን ተቓወምትን ይፍጠሩ። እዚ ሓይልዚ እዩ ነቲ ስርዓት ዚጻብኦን ዚምክቶን ዚብድሆን። ኣብ ምውዳቕ ናይቲ ድጉል ተጻራሪኡ ሒዙ ዚጎዓዝ ዘሎ ስርዓት ወይ ስነሓሳብ ወይ ቅርጺ ድማ መሰረታውን ልዑልን ተራ ይጻወት።

ብጣልያንን ብሃጸያዊት ኢትዮጵያን ከምኡውን ብደርጋውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እተቐርጸ ስርዓት ኪነጥፍ ከሎን ኣብ ጕዕዞኡን፡ ኣብ ውሽጡ፡ ተቓረንቲ ዝኾኑ ሓይልታት ብድጉል ኪፍጠሩን ኪዕምብቡን ግድን እዩ ነይሩ። እዞም ተቓረንቲ ወይ ኣፍረስቲ ሓይልታት ድማ ኣብቲ ዚጻረር ኣካል ከም ሓሳባት ኮይኖም፡ ሓርነታዊ ውድብ ብምፍጣር፡ ኣብቲ ምውዳቕ ናይቲ ስርዓት ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ኣብ ኤርትራ፡ እተን ናይ ናጽነትን ሓርነትን ምንቅስቓሳት ንጥፈታተን ኪጅምራ ኸለዋ፡ ነዚ ኣብቲ ስርዓት ዝሰረጸ ተቓራኒ ሓይሊ፡ ናብቲ ከቃልሰን ዚኽእል ሓሳባትን ትልምን መትከልን ራእይን ኪትርጉማኦ ግድን እዩ ነይሩ። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ብመጀመርታ ብኣእምሮአን ኪቃወማን ኪእድማን ኣማራጺ ዘይነበሮ ተግባር እዩ ነይሩ። እቲ ተቓውሞ፡ ነቲ ዘሎ ቅርጺ ንምዕናው፡ ካብ ሓሳባትን መትከላትን ሓሊፉ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትዩ። ነቲ ዝነበረ ስርዓትን ቅርጽን ድማ በታቲኑዎ። ብድሕርዚ እቲ ነቲ ኣረጊት ስርዓት ዘውደቐ ኣካል ብወገኑ ናቱ ስርዓትን ቅርጽን ተኺሉ። ካብቲ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ከምልጥ ስለ ዘይክእል ግን፡ ኣብ ውሽጡ ተቓራኒ ወይ ኣፍራሲ ሓይሊ ኪፍጠር ግድን እዩ ነይሩ።

ኣብ ሓደ ስነ ሓሳብ ወይ ቅርጺ ዘለዉ መሰረታውያንን ባህርያውያንን ተቓረንቲ ወይ ኣፍረስቲ ሓይልታት፡ ናብ ሓሳባትን መትከላትን ቀዪርካ ተቓውሞኻ ቅድሚ ምብጋስ፡ ናይ ኣእምሮ ኣድማ ወይ ኣእምሮኣዊ ሽፍትነት ክትርዕም ግድን እዩ። ኩሉ ተቓውሞ ድማ ብኣእምሮኣዊ ምእዳም እዩ ንጥፈታቱ ዚጅምሮ። ኣብ ኤርትራ እንተ ተመልከትና፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓትን ቅርጹን በቶም ኣብ ጕዕዞኡ ኣብ ውሽጡ እተኸሰቱ ተቓረንቲ ሓይልታት ዘቕቢቡ እዩ። ከም ሓቂ ድማ ዛጊት ኪወድቕን ኪበታተንን ነይሩዎ። ይኹን ‘ምበር፡ እቲ ኣብቲ ውሽጢ ስርዓት ኮይኑ ብድጉል መገዲ ዝማዕበለ ተቓራኒ ሓይልታት በቶም ተቓወምቲ ደንበታት ከም ሓሳባት ወይ መትከላት ኮይኑ ናብ ሓያልን ወሳንን ተቓውሞ ኪትርጎም ኣይከኣለን። ስለዚ፡ እቲ ስርዓት ምስቶም ዝኣከቦምን ዕንወት ከስዕበሉ ዚኽእሉን ተቓራኒ ሓይልታት ኮይኑ ዋኒኑ ብምክያድ፡ ገለ ኸይኮነ ይቕጽል ኣሎ። ዚቕጽል ዘሎ ግን፡ ብናቱ ጥበብ ወይ ብናቱ ሓይሊ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ናይቶም ንተቓረንቲ ሓይልታት ናብ ሓሳባትን መትከላትን ለዊጦም ኪነጥፉን ኪቃለሱን ዘይከኣሉ ተቃወምቲ ውድባት እዩ።

እቲ ስርዓት፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምውዳቑ ኣይተርፎን እዩ። መን ምስ ተረፈ እዩሞ ዚተርፍ። ግን ቅድሚ ምውዳቑ ብዙሕ ነገር ኣበላሽዩ ኪሓልፍ ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ውሽጣዊ ተቓራንን ኣፍራስን ሓይሊ ሓቚፍካ ንዘልኣለም ክትጎዓዝ ኣይከኣልን። ኩሉ ዚሓልፍ እንተ ኾነውን፡ ቅድሚ ምሕላፉ ኣሰንኪሉ ይገድፈካ እዩ።ንኤርትራ ሃገርና ዚምልከት፡ ሓደ ካብቲ ኪገሃድ ዚኽእል ዘሰንብድ ተኽእሎ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ባዕዳውያን ሃገራት፡ ነቲ ሃገራውያን ተቓወምቲ ኪጻወቱዎ ዝነበሮም ተራ ባዕላተን ኪጻወታኦ ኪጅምራ ኸለዋ እዩ። ንሳተን፡ ነቲ ኣብቲ ጕዕዞ ናይቲ ስርዓት ዝማዕበለ ተቓራኒ ሓይልታት ብምጥቃም ኣእዳወን ወስ ከብላ ይኽእላ እየን፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ኣብዚ ዞባዚ ስግኣትን ሕንፍሽፍሽን ንኺፈጥራ ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚዚ፡ ንሶማልያ ከም ኣብነት ክንወስዳ ንኽእል ኢና።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ ሶቬት ሩስያ፡ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ናይቲ ስርዓት ዝዓምበበ ተቓራኒ ሓይልታት ኣብ ናይ ተቓውሞ ሓሳባትን መትከልን ለዊጡ ኪጥቀመሉ ኣይከኣለን። ነዚ ዕድልዚ ብርሑቕ እተመልከተት ኣመሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ግን፡ ኣብቲ ጉዳይ ግርም ገይረን ተዋሲአን እየን። ኣብ ምፍራስን ምውዳቕን ሶቬታዊት ሩስያ ድማ ክብ ዝበለ ተራ ተጻዊተን እየን። ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ሕሙም መንግስትን ድኹም ህዝብን ዘለዎ ሃገር፡ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ንኺፍጠር ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ ብምዃኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ድሕነት ሃገሩ ብምቕዳም፡ ንኸባቢኡ ብርሑቕን ብቐረባን ብንቕሓትን ብምስትውዓልን፡ ኪዕዘብን ኪሕሉን ይግባእ

                                             ኣማኒኤል ሳህለ

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox