^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 62 guests and no members online

ቀቢላዊ ድራኸ (Tribal Urge)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ከባቢ 1962፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብታ ከተማ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ብዙሓት ኣይነበሩን። እቶም ዝነበሩ ግን፡ ካብ ሰቦም፡ ዓዶምን ባህሎምን ርሒቖም ብምንባሮም፡ ዚእክቦምን መንነቶም ዚሕልወሎምን፡ ስምዒት ውሕስነት ዚህቦምን መፍትሒ ንኺረኽቡ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብቲ እዋንቲ እዩ ማሕበር ምትሕግጋዝ ሰም ዓሰም (ሰራየ) ዚብል ምትእኽኻብ ይካየድ ከም ዝነበረ ብኣዝማደይ ዝሰማዕኩ። ኣብቲ ማሕበር እውን ከም ቤተሰብ ተዓዲመ ከይደ ነይረ። ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ ድማ ይገርመኒ።

ወዲ-ሰብ ማሕበረ-ሰብኣዊ እንስሳ (social animal) ብምዃኑ፡ ብዅለንትናኡ ምስቲ ንዓኡ ዚመስል እዩ ኪጫኖ ዚደሊ። ምስቲ ምስ ሕብሪ ቆርበቱን ምስ ቋንቋኡን ባህሉን ሃይማኖቱን ዚቃዶን፡ ተመሳሳሊ ተመክሮ ዘለዎን ሰብ ድማ ሕብረት ኪፈጥር ይደሊ። ነዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ዘይፈልጦ ከባቢ ኪቕመጥ ከሎሞ፡ ስግኣት ኪሓድሮ ኸሎ ብዝያዳ የግህዶ። ከምዚ ኪገብር ከሎ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ስለ ዝደለየን፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ መንነቱ ኪዕቅብ ስለ ዚፍትንን እዩ። በዚ ድማ ንቐጻልነት ህይወቱ ውሕስነት ይረኽበሉ።  ኣብዚ ኩነታትዚ ኢዩ ድማ እቲ ቀቢላ (tribe) ዚብል ስነ-ልቦናውን ማተርያላውን ድራኸ ዚፍጠር።

 ቀቢላ (tribe)፡ እቲ ንማሕበራዊ ድሕነት ኢሉ ወድሰብ ካብ ጥንቲ ዝፈጠሮ ዝነኣሰ ሰብኣዊ ጉጅለ እዩ። ካብቲ ኣድላዪ መጠኑ ኣዚዩ ምስ ዚንእስ ንድሕነት ኣስጋኢ ይኸውን፡ ካብቲ ኣድላዪነቱ ኣዚዩ ምስ ዚዓቢ ድማ፡ ንማሕበራዊ ምትእስሳር ኣጸጋሚ ይኸውን። ቀቢላነት ኣብ ኩሉ ንጥንፈታት ወዲ-ሰብ፡ ብስም ማሕበራትን፡ ትካላትን፡ ከምኡውን ብስም ባህላውን ሃይማኖታውን ውድባት፡ ይገሃድን ይንጸባረቕን። እቲ ዚድለ ተመሳሳልነት ብመሰረቱ ተፈጥሮኣዊ ወይ ባህላዊ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣምታት ግን ሰብ-ሰርሖ ተመሳሳልነት እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ፡ ማለት ብሞያን ዝንባሌን ብስነ-ጥበብን ዚፍጠር ተመሳሳልነት። 

እዚ ኣገዳስን መሰረታውን ድራኸ’ዚ ኣብ/ቲ ውሻጠ ኣነነት ሰብ ስለ ዘሎ፡ ወዲ-ሰብ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ኣብ ኩሉ እዋን፡ ካብ ጽልዋኡን ሓይሉን ኪላቐቕ ኣይደልን ጥራይ ዘይኮነስ ኣይክእልንውን እዩ። እዚ ቀቢላዊ ባህርይ’ዚ፡ በቲ ጥንታውን መሰረታውን ኣገባቡ ኣይኹን ደኣምበር፡ ኣብ ማሕበረ-ሰብን ህዝብን ሃገርን ግዝኣትን ይረአ እዩ። ቀቢላነት ከም ናይ ምጭንናው ባህርይ ጌርና እንተ ወሲድናዮ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ  ቻይና ታውን ዚብሃል ሓምሻይ ወይ ሻድሻይ ወለዶ ስደተኛታት ቻይና ዚቕመጡሉ ክፍለ-ከተማ ኒውዮርክ፡ ወይ ኣብቲ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወለዶ ስደተኛታት ኢጣልያውያን ዚቕመጥሉ ሊትል ኢታሊ ዚብሃል ናይ ኒውዮርክ ክፍለ-ከተማ ወይ ድማ ኣብቲ ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብ ስቶክሆልም ዚርከብ መብዛሕትኦም ደቂ-ሶማልያ ዚቕመጥሉ ሊትል መቓድሾ ዚብሃል ቦታ ኣንጸባሪቑ ክንርእዮ ንኽእል።

ኣብ ገሊኡ ከተማታት ኣመሪካ፡ ሓደስቲ ስደተኛታት ስለ ዚበዝሑዎ፡ ቛንቋ እንግሊዝ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ብልምዲ ኣመሪካዊ ዘብለካ ገለ ባህርያትን ባህልታትን ልማዳትን እውን ከይተረፈ ፈጺሙ ተረሲዑን ብናይቶም ስደተኛታት ልምድን ባህልን ድማ ተተኪኡን ይረአ እዩ። እዚ ኩነትዚ ነቲ ሰብኣዊ ናይ ተመሳሳልነት ምቅርራብን ምትሕልላይን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንስምዒት ውሕስነትን (sense of security) ርግኣትን ንምድልዳልን ንምዕቃብን ኢሉ ስለ ዚፍጠር፡ ብተዛማዲ መገዲ ቀቢላነት እዩ ክንብሎ ንኽእል ኢና።

ይኹንምበር፡ ንቐቢላነት ዘበግሱዎ ብዙሓት ረቛሒታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣብ ናይ ኒውዮርክ ገቶ ዚቕመጡ ዝነበሩ ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ ኣብቲ ቦታቲ ኪቕመጡ ዝገበሮም ምኽንያት እንተሎ ዓሌታውነት እምበር ካልእ ኣይኮነን። ዝኾነ ኾይኑ፡ ዜርካ ዜርካስ ንሳቶምውን ብሓደ ወገንሲ ንድሕነቶም ኢሎም እዮም ኣብቲ ቦታቲ እተኣኻኸቡ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሓቀኛን ኣብቲ ኣመሪካዊ ባህሊ ዝሰረጸን ደሞክራሲ እንተዚህሉዎ ነይሩ፡ እዞም ጭቁናት ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ዘሕዝን ቦታቲ ኪቕመጡ ኣይምተገደዱን። መበገሲ ቀቢላነት፡ ድልየት ውሕስነትን ምዕቃብ ጉጅላዊ ሓድነትን ስለ ዝኾነ፡ ዚድልድለሉን ዚደኽመሉን ኩነታት ኪህሉ ባህርያዊ እዩ። ቀቢላነት፡ ብጕድለት ውሕስነትን ብምሒር ስግኣትን ኪድልድል ከሎ፡ ብናይቲ ግዳይ ርእሰ-ተኣማንነትን ብናይ ከባቢ ሰላምን ርግኣትን፡ ብኹለንትናዊ ምዕባለን ፍትሕን ድማ ኪልሕልሕ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ምእታውና ግን፡ ገለ ካብ’ቶም ናይ  ወዲ-ሰብ ኣገደስትን መሰረታውያንን ድሌታት፡ ምግብን መጽለልን ውሕስነትን ከም ዚርከቡዎም ክንርስዕ ኣይግባእን።

መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ እቲ ናጽነተን ብባዕዳውያን ገዛእቲ ተጠፍጢፉ ስለ እተዋህበን፡ ኣማኢት ብሄራት ሒዘን እየን ሃገራዊ ህይወተን ኪቕጽላ እተፈርደን። እቲ እተረኽበ ወይ እተዋህበ ናጽነት ግን ብሱሩ ነታ ሃገር ብዓባያ ደኣምበር ነቶም ውሁዳን ወይ ህዳጣን (minorities)  እተዋህበ ከም ዘይኮነ፡ እቶም ሰብ-ጉዳይ ወይ እቶም ግዳያት ነዊሕ ከይከዱ ይስቆሮም እዩ። ማእከላዊ መንግስቲ፡ ነቲ ናይ ውሁዳን ጉዳይ ኣነኣኢሱን ኣቃሊሉን ብምርኣይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ርትዓዊ ሕቶኦም ጓስዩዎ እዩ ዚሓልፍ። መንግስቲ ብባህርያቱ ጨቋኒ ብምዃኑ ድማ፡ ነቲ ጉዳይ ካብ ምዕራዩ፡ ምድቋሱ እዩ ዚቐሎን ዚመርጾን። ከምዚ ምስ ኮነ፡ እቲ ናይ ቀቢላነት መንፈስ ኣብቶም ውሁዳን ኪጕህር ይጅምር። ሰባት፡ ድሕንነትን ውሕስነትን ምስ ዚጎድሎም፡ እታ ነዚ ጉድለትዚ ክትመልኣሎም እትኽእል ሓንቲ መገዲ፡ ቀቢላዊ ስምዒት ምፍጣር እያ። ካልእ ኣማራጺ ኪህሉዎም ኣይክእልን።

በዚ ምኽንያትዚ፡ ናይ መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ሃገራዊ ጉዕዞ፡ ሓጎጽጎጽ ዝመልኦን ንምዕባለ ዝጎትትን ኮይኑ፡ ናብቲ ዝደለያኦ ቁጠባውን ማሕበራውን ደረጃ ንኺበጽሓ ጸገም ኮይኑወን ይነብር ኣሎ። ቀጻሊ ኪፈትሕኦ ዚግባአን ጸገም፡ ቀጻሊ ሻላ ስለ ዝብላኦ፡ ቀጻሊ ድማ የሳቕየን ኣሎ። ሓደ ካብ’ቶም ነዚ ጽሑፍዚ ከቕርብ ዝደረኹኒ ምኽንያታት፡ እቲ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ንውሁዳን ወይ ህዳጣን ብሄራት ዚምልከት ሕቶ ክለዓል ከሎ ዚፍጠር ዘይምርድዳእን ቆየቓን ባእስን እዩ። ገለ ሰባት፡ ኣብቲ ነዚ ኣርእስትዚ ዚምልከት ክትዕ ኪሳተፉ ኸለዉ፡ ዓቕሎም የጽብቡ፡ ጸርጸር ይብሉ፡ ናብ መረዳእታ ኪበጽሑ ድማ ኣይደልዩን። ይኹን ’ምበር፡ ሽሕ’ኳ ብዓቢኡ ሕቶ ሃገር ቀዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ ጉዳይ እንተ ኾነ፡ እቲ ቆየቓን ባእስን ግን ኣብ’ቶም ግዳያት ጥርጠራ ስለ ዘልዕል፡ ነቲ ቀቢላዊ ስምዒቶም የደልድሎ እምበር ኣየድክሞን። ዝያዳ ክትቃወም ከሎኻ፡ እቲ ቀቢላዊ ድራኸ ድማ ኣብቲ ተኸራኻሪኻ ብኡ መጠን ከም ዚሕይል ክትፈልጥ ይግበኣካ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ዚርከብ ብመሰላቱ ዘይተሓጎሰ ወይ ዘይዓገበ ብሄር፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሉ ውድዓዊ ሕቶ ከልዕል መሰል ኣለዎ። ሕቶ ዘልዕል ዘሎ ድማ ብመጻኢ ዕድላቱ ስለ ዚሰግእ እዩ። ነቲ ግዜኡ ኣይኮነን ዚብል ናይቲ መብዛሕትኡ ሰብ ርእይቶ ዘይቅበለሉ ምኽንያት ድማ፡ ነቲ መልሲ ከም ብድሆ ገይሩ ስለ ዚርእዮ እዩ። ነቲ ኣብ ገለ ኣኼባታት ዚርእዮ ደሞክራሲ ዝጎደሎ ኣካይዳ ኣብ ግምት ስለ ዘእትዎ፡ ስግኣታቱ እናዓበየ ይኸይድ። እዚ ድማ ባህርያዊ እዩ። ቀቢላዊ ድራኸ ኣብ ደሞክራስያዊ ሃዋህው፡ ኣብቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሓውነትን ምዕሩይ ምክፍፋል ሃገራዊ ሃብትን ዝጥቀም መንግስትን ህዝብን ኪልሕልሕ ይኽእል እዩ። ብሃገራዊ ወይ ጽምበራዊ ድራኸ ድማ ይትካእ። ከምዚ እናኾነ ኸሎ፡ እቲ ኣባል ብሄር ዝጠራጠር እንተ ኾይኑ፡ ንተመክሮ ከም ምስክር ገይሩ ስለ ዝወስዶ እዩ።

ብዙሓት ሃገራት፡ ኣብቲ ቅዋመን፡ ንሓደ ብሄር ክሳዕ ምንጻል መሰል ኣለዎ ዚብል ዓንቀጻት የቐምጣ እየን። እዚ ግን ናይ ምትላል ሜላ እዩ። ካብ ከምኡ ኢልካ ምጽሓፍ፡ ነቲ ግቡኡ ኣይረኸበን እትብሎ ብሄር፡ ብኣጋኡ ስግኣቱ ዘልግሰሉ መደባትን ፖሊሲታትን ክትሕንጽጽ ይግባኣካ፡ ነዚ ድማ ብቕልጡፍ ኣብ ተግባር ከተርእዮ ይግበኣካ። ኣብ ቅዋም ኣስፊርካ፡ ብድሕሪኡ ቃሕ ዝበለካ ምግባር ግን ንነዊሕ ከኺደካ ኣይክእልን። ብሓጺሩ፡ ቀቢላነት፡ ቅቡል ምኽንያት ኣለዎ። መሰረቱ ድማ ስግኣትን ጥርጠራን እዩ። እዚ ስግኣትዚ ክሳዕ ዘሎ፡ እቲ ግዳይ መሰሉ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ውሕስነት ዝህቦ ኣብ ቅኑዕ መንፈስ እተሞርከሰ ተግባራትን ስጉምትታትን ብኣጋኡ ኪርኢ ይደሊ እዩ። ንመንግስቲ ዘይምእማኑ ዘገርም ኣይኮነን፡ ተመክሮ ስለ ዘለዎ። ክፈርህን ክሰግእን ምኽንያታዊ እዩ። ከምቲ እታ ሃገር ብዓባያ ካብተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት እትሰግእን እትጥንቀቕን፡ ንሱውን ካብቲ ዘይሓቘፎን ዘጠራጥሮን ከባቢኡ ይሰግእ እዩ።

እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስኩዎም ኣባላት ማሕበር ምትሕግጋዝ፡ ምናልባት እቲ ኩነታት ኣብቲ ከባቢኦም ቀጻሊ ንኺነብሩ፡ ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ስለ ዘይፈጠረሎም ይኸውን ንመዓልታውን መጻእን ህይወቶም ካብቲ ማሕበሮም ንላዕሊ ኣብሊጾም ኪርእይዎ ዝጀመሩ። ከምዚ ብምግባር ድማ ምስቲ ናይ ከባቢኦም ማሕበረሰብ ተጸምቢሮም፡ ንእተወሰነ ግዜ ማለት ክሳዕ እቲ ምጽምባር ከም ብሓድሽ ኣብ ምልክት ሕቶ ዚኣቱ፡ ብሰላም ኪነብሩ ክኢሎም።

ሕጂውን ገለ ሰባት፡ ናይ ቀቢላነት ወይ ብሄርነት ሕቶ ብፍጹም ኪለዓል ከም ዘይብሉን፡ ብቐዳምነት ናይ ሃገር ሕቶ ኪፍታሕ ከም ዘለዎን ዚብል ርእይቶ ከልዕሉ ይኽእሉ እዮም። ቀዳምነት ነየን ይወሃቦ ንዚብል ሕቶ ንምምላሽ እንተ ኾይኑ፡ ሓቃቶም እዮም። ይኹን ‘ምበር፡ ነቲ ጉዳይ ቀዳምነት ብዘይምሃቡ፡ ኣገዳስነቱ ብኣኡ መጠን ኪጎድል ኣይግባእን። ቀቢላነት፡ ኣብ ናይ ወዲ-ሰብ ማሕበራውን ስነ-ልቦናውን ስግኣትን ምጥርጣርን እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ክትዓት ቀዳምነት እኳ እንተ ዘይተዋህቦ፡ ዓቢ ትዅረትን ኣገዳስነትን ከምኡውን ምርምርን ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ግን ከጠራጥረና ኣይግባእን።

                             ኣማኒኤል ሳህለ

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox