^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 44 guests and no members online

ጽላሎትነት ፍትሒ (The Illusion of Justice)

ኣስታት 20 ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኣስመራ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ገዛይ ኣብ ቤትጽሕፈት ህግደፍ ተሰቒሉ ዝነበረ ታቤላ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዚብል ጽሑፍ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ብልበይ ድማ፡ እዛ ፍትሒ እትብል ቃልሲ ክሳዕ ክንደይ እያ ተናዒቓ ዘላ፡ ክሳዕ መኣስከ እያ ተናዒቓ ክትነብር ተመዲቡላ ዘሎ፡ ብምባል ደጋጊመ እሓስብ ነይረ። ናይ ደሞክራሲ ጉዳይውን ከምኡ። ኣብ ኤርትራ እዘን ክልተ ኣምራት እዚኣተን፡ ባዕላተን እውን ናይ ትርጉምን ናይ ትግበራን ፍትሒ ዝረኸባ ኣይመስላን። ከምቲ ህግደፋውያን ዚብሉዎ ግን፡ ናይ ሓቂ ትርጉመን ዚትግበረሉ፡ ማለት ከምቲ ህዝቢ ዚግምቶን ኣብ ዓለምና ድማ ዝውቱር ዝኾነ ትርጉመን ኣብ ግብሪ ዚውዕለሉ ሃገር እንተሎ ንምፍላጥ፡ ናብ ጁፒተር ክንከይድ ጥራይ ከም ዘሎና ብህግደፍ ተነጊሩና እዩ።

ገለ ብጭቆና ዝፍለጡ መራሕቲ ሃገር፡ ነታ ኣብ ትሕቲ እግሮም ዚረግጹዋ ሃገሮም፡ ከይሓፈሩን ሰብ እንታይ ይብለኒ ከይበሉን፡ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ዚብል ውሕሉል ስም እዮም ዘጠምቑዋ። እቲ ደሞክራሲ ዚብል ቃል ዲዩ ዘይተረድኦም ኮይኑ ወይስ ከምኡ ኢልና እንተ ጸዋዕናያ እዩ ሰብ ዘኽብራ ወይ ድማ ሰብ እነታልል ማለቶም እዩ? ዕላማኦም ግን ነቲ ዚመጽእ ስቓይን ግፍዕን ብኣጋኡ ግሩም ዝኾነ መሸፈኒ ወይ መጠቕለሊ ኪገብሩሉ ስለ ዝደለዩ እዩ። ንሕሱር ነገር ብኽቡር ዋጋ ክትሸጦ እንተ ደሊኻ፡ ዘብለጭልጭ መጠቕለሊ ኢኻ እትገብረሉ።

ዝኾነኾይኑ፡ ኣብቲ ዓለሞም ኣቲኻ ክትርእዮ ከሎኻ፡ ሓቃቶም ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም ንደሞክራሲ ከምቲ ንኹሉ ሰብ ብሓደ ዓይኒ ዚርኢ ምሕደራ ገይሮም እዮም ዚወስዱዎ ንብል እንተሎና፡ ደሞክራሲ ይኽተሉ ኣለዉ ክንብል ንኽእል ኢና፡ ምኽንያቱ እቲ ዘስዕቡዎ ስቓይን ሞትን፡ ንገለ ከይነሓፈ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ እዩ ዝበጽሖን ዚዕደሎን ዘሎ። ሓደ እዋን ሓደ መንፈሳዊ ሰብኣይ፡ ንገሃነም እሳት ኣመልኪቱ ኪዛረብ ከሎ፡ ኣብኡ ስቓይን ምሕርቃም ኣስናንን ኣሎ ዚብል ሓበሬታ ብምሃብ መግለጺ ሂቡ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ሰማዕቱ፡ እሞኸ እቶም ኣስናን ዘይብሎም (ጓህማማት) ኣረግቶት ደኣ ከመይ ኪኾኑ እዮም ብማለት ሓቲቱ።  ኩሎም ብማዕረ ኣስናን ኪዕደሉ እዮም፡ ዚብል መልሲ ድማ ተዋሂቡዎ።

ስም ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህ ተባሂሉኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ግን፡ እቲ ደሞክራስን ፍትሒን ዚብል ስም፡ መገዲ ኣጋጊዩ ኸጥፍኣካ ኸሎ፡ እቲ ከብርህ እተመደበ ጥዋፍ ድማ ነዊሕ ከይከደ ተኺኹ እዩ ዚተርፍ። ኣብዛ ዓለምና ብሓፈሻ ፍትሒ ከም ዘየሎ ኩሉ ሰብ ይእመኖ እዩ። ከምቲ ኣቦታትና ዚብሉዎ፡ ፍትሒ እንተ ዚህሉስ፡ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣፉ ኣይምተኣስረን፡ እቲ ኪሓርስ ዝኸረመ ብዕራይ ድማ ድቋ ምስተየ ነይሩ።

ቤትፍርድን ጉቦን ብሓደ እዮም ተፈጢሮም፡ ፍትሒ ድማ ሽዑ እያ ክትቅህም ዝጀመረት። ኣብ መወዳእታ ድማ ጽላሎታዊት ኮይና ተሪፋ። ፍርድን ጉቦን፡ እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ኪነብሩ ኣይክእሉን። ኣብ ሃገርና ብጥንቲ፡ ንዳኛ መማለጃ ዚኸውን ለቖታ መዓር ወይ ደርሆ ምውሳድ፡ ነውሪ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ምዝውታር ግን ዓዲ ኣይወዓለን።

ይኹንምበር፡ ሽሕኳ ዓለም ናይ ፍትሒ ቦታ እንተ ዘይኮነት፡ ናይ ምሒር ግፍዒ ቦታ ክትከውን ግን ኣይግባእን። ብሓጺሩ፡ ኣብ ዓለም ፍትሒ የልቦን ብምባል ስቕ ክንብል ኣይግባእን። ምናልባት ፍትሓውነት ኣብቲ ናይ ሰብ ዘገምታዊ ምዕባለ ዘይነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ይኹንምበር፡ ወድሰብ ኣእምሮኡ ብምዝውታርን፡ ምስቲ ደመነፍሳዊ ባህርያቱ ብምቅላስን፡ ኣብ ፍጹም እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ኣብ ተዛማዲ ፍትሓውነት ኪበጽሕ ክኢሉ እዩ።

ዓይኒ ዘይብሉ ግፍዒ ግን፡ ናይ ፋሉልነት ባህርያት እዩ። ዝኾነ ዓይነት ናይ መንግስትነት ስም ዝለበሰ ምሕደራ፡ ብሓደ ሓደ ናይ ፍትሓውነት ጉድለት ኣብቲ ህዝቢ ስቓይ ከስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ባህርያዊ እዩ። ከምዚ ናትና ናይ መንግስትነት ቅርጽን ተምሳልን ዘይብሉን ካብ ጌጋታቱ ኪምሃር ዘይደልን፡ ንምሁራን ዚንዕቕን ኣብ ማሕበራዊ ምዕባለ ዘይኣምንን ፋሉል ዝኾነ ስርዓት ግን፡ እቲ ፍትሓውነት ዚብል ኣምር ኣብ ኣእምሮኡን ንቕሓቱን ሰለ ዘየልቦ፡ ከመሓድር እንተ ፈተነውን ነቲ ግፍዓዊ ተግባራቱ ደው ከብሎ ከቶ ኣይክእልን። ፋሉላዊ ስርዓት ብባህርያቱ ንምሕደራ ካብ ግፍዒ ፈልዩ ኪርእዮን ከተግብሮን ኣይክእልን።

ፋሉልነት እኮ ናቱ ዝኾነ፡ ባዕሉ ዝፈጠሮ ፍትሓውነት ኣለዎዩ፡ ንሱ ድማ ካብቲ ናይ ጫካ ፍትሓውነት ብምንም መገዲ ኪፍለ ኣይክእልን። ሓንቲ ሓራስ ነብሪ ንደቃ ከተዐንግል ብማለት ንሓንቲ ሓራስ ጤለበዱ እንተ ቐተለታ፡ እዚ ተግባርዚ ሽሕኳ በቶም ደቂ እታ ጤለበዱ ፍትሓዊ እንተ ዘይኮነ፡ በቶም ደቂ እታ ነብሪ ግን ፍትሓዊ እዩ። ኣብ እንስሳታት፡ ፍትሒ ማለት ጥቕምን በለጽን ዕብለላን ማለት እዩ። ኣብ ደቂ-ሰብ ግን ከምኡ ኪኸውን ኣይግባእን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ ናይቲ ዘይፍትሓውነት ምንጪታት፡ እተን ስልጡናትን መበቆል ደሞክራስን ፍትሕን እየን ዚብሃላ ሃገራት ምዃነን እዩ። ኩሉ ጽቡቕን ሕማቕን ካብኣታተን እዩ ዚነቅል። ንሳተን መምጻእቲ ደርፊ፡ ንሳተን መጥፋእቲ ደርፊ። ንሳተን ሓገግቲ፡ ንሳተን ሰረቕቲ፡ ንሳተን ተጣበቕቲ፡ ንሳተን ፈረድቲ። ደሞክራሲ ተቐበል ኢለን ንሓንሳእ ይሰብካኻ፡ ንሓንሳእ ድማ ቦምቢታት ይድርብያልካ። ደሞክራሲ ተቐበል ኢለን ንሓንሳእ የጓጥጣልካ፡ ንሓንሳእ ድማ ነቲ ውልቀመላኽነትካ  መርሚረን ዘትየን ደሓን ክሳዕ ካልእ መምርሒ እንህበካ ብኡ ቐጽል ይብላኻ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 60-70 ዓመታት፡ ብኣመሪካን ብምዕራባውያን ሃገራትን ሰዓብተንን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም እተፈጸመ ግፍዕን ዘይፍትሓውነትን መዘና ኪርከቦ ኣይክእልን። በዘን ሃገራት እዚኣተን ተሳቕየን ፍትሒ ዝሰኣና ሃገራት፡ ኣልጀርያ፡ ኮንጎ ኪንሻሳ፡ ቪየትናም፡ ዓራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ከም ኣብነት ኪጥቀሳ ይኽእላ። ምዕራባውያን ሃገራት፡ መበቆል ዘመናዊ ምሕደራን ደሞክራስን ብምዃነን፡ ናይ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ፍትሒ ኣብነት ኪኾና ይግባአን ነይሩ፡ ብኣንጻሩ ግን፡ ናይ ዘይፍትሓውነት ኣብነታት ኮይነን፡ ነቶም ተምሳሌት (role model) ሃሰው ዚብሉ ዝነበሩን ዘለዉን ናይ’ዛ ዓለም መራሕቲ ግሩም መወከሲ ኾይነን ይነብራ ኣለዋ።

ኣብዚ ናይ ዘይፍትሓውነት ጕዕዞዚ፡ ናይ ሃገርና ኤርትራ ጉዳይ ከም ሓደ ናይዚ ዘመንዚ መሪር ዘይፍትሓውነት ኣብነት ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ኪምዝገብ ይኽእል እዩ። ኤርትራ ከምተን ከምኣ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ዝረኸባኦ ፍትሓውነት ከይረኸበት ብሃጸያዊት ኢትዮጵያ ከም እትጉበጥ እተገብረት፡ ብናይ ኣመሪካ ዘይፍትሓዊ ውሳኔ እዩ። እዚ ኣጸያፊ ተግባርዚ ድማ ነታ ሃገር ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስቓይን ሞትን ሸሚሙዋ ሓሊፉ። ፍትሒ ብሓደ ኢድካ ሒዝካ፡ በቲ ኻልእ ኢድካ ድማ ሃብቲ እንዳማትካ ክትዘምት፡ ቁጠባዊ ግዝኣትካ ከተስፋሕፍሕ፡ ናይ ዓለም ፖሊስ ዄንካ ከም ድላይካ ጸፋዕፋዕ ክትብል ስለ ዘይትኽእል፡ ኣመሪካን ተኸተልታ ምዕራባውያን ሃገራትን ብሱሩ ናይ ፍትሓውነት ኣምር እተሰቖረን ኣይመስላን እየን። ይኹንምበር፡ እዘን ሃገራት እዚኣተን ንኻልኦት ህዝቢ ደኣ እየን እምበር፡ ንህዝበንሲ ብተዛማዲ መገዲ ጽቡቕ ገይረን እየን ዚሕዛኦ።  እዚ ናትና ስርዓት ግን፡ ንህዝቡ ኣሳቕዩስ፡ ንጎረቤት ሃገራት ደጊሙ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንዓለም ሃዊኹዋ ይነብር ኣሎ።

ኣንታ ብዘመን ጣልያንሲ ኣይትዛረቡ ጥራይ ኢና ንብሃል ኔርና እምበር፡ ንበልዕ ንሰቲ ኔርና ኢና፥ እንተ ብዘመን እንግሊዝ እሞ ተዛረቡ ጥራይ እምበር ብልዑ ዚብል ኣይነበረን፡ ይብሉ ኣቦታትና። ኣብዚ ግዜዚ ድማ ገለ ሰባት ነዚ ዘሎ ኩነታት ብምግላጽ፡ ሎምስ ከይትዛረቡ ከይትበልዑ ዚብሉ ኣዛብእ መጺኦምና፡ ይብሉ ኣለዉ። አረ በዚ ይሕለፈልና፡ ኣይትሕሰቡ ጥራይ ከይብሉና። እንተ ዚከኣሎምስ ኣይትሕለሙ ኪብሉውን ድሕር ኣይምበሉን። ባዕልና ክንሓስበልኩም፡ ባዕልና ክንሓልመልኩም ኢና ኪብሉ ቅሩብ እዩ ተሪፉዎም።

ኣብ ትሕቲ ሓደ መንግስቲ ዚቕመጥ ህዝቢ፡ ፍትሒ ምስ ሰኣነ ይሽፍት ከም ዝነበረ ኣብ ናይ ሃገርና ታሪኽ ምዝጉብ እዩ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ንባዕሉ ሽፍታ ዝኾነ መንግስቲ፡ ፍትሒ ስኢነ ኢልካ ምሽፋት ግን፡ ኣብ ልዕሊ ሽፍትነት፡ ሽፍትነት ምፍጣር ማለት ስለ ዝኾነ፡ ህዝብና ኣብ ዓቢ ወጥርን ስግኣትን ቅልውላውን ይርከብ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ይግበኣና። ዝኾነኾይኑ፡ ንህዝብና ከነድሕኖ እንኽእል፡ ነዚ ዘሎ ዘይፍትሓዊ መንግስቲ ከም ዚዳኸም ብምግባር እንተ ዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ኪህሉ ኣይክእልን።

ፍትሓውነት፡ ፍጹምነት ከም ዘይብሉ ንጹር እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብዛ ዓለም ፍጹም ፍትሓዊ ዚብሃል ኣካይዳ ኣይነበረን ሕጂውን የልቦን ንኺህሉ ድማ ዘመናት ዚወስድ ቃልሲ ከድልዮ እዩ። ይኹንምበር፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይፍትሓውነት፡ ኣዚዩ ብርቅን ፍሉይን ጥራይ ዘይኮነስ ኣዕናውን ኣብራስን ድማ እዩ። ፋሉላውን ኪዕረ ዘይክእልን ኣዕናውን ብምዃኑ ድማ፡ ከተሓሳስበና ይግባእ። ስለዚ ነዚ ከቢድ ብድሆዚ ብኹለንትናኡ ብምምካትን ብምግጣምን፡ ነቲ ምሒር እተሳቐየ ህዝብና፡ ብተዛማዲ መገዲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ፍትሒ ሒዙ ዘመሓድር መንግስቲ ክንፈጥረሉ ክንጽዕር ይግበኣና።

                                                       ኣማኒኤል ሳህለ

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox