^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 35 guests and no members online

መንግስትን ሃይማኖትን፡ ማዕዶ ማዕዶ

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ወድሰብ ብጥንቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምሕደራ ከየማዕበለ ኸሎ፡ ኣብ ነኣሽቱ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ቀቢላዊ ንጥፈታቱ የካይድ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ፡ እቲ ከሕብሮን ኪጠምሮን ዚኽእል ዝነበረ እንኮ ሓይሊ፡ እቲ ናይ እምነትን ማሪትን ሓይሊ እዩ ዝነበረ። ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዚፍጸም ዝነበረን ኪገልጾ ዘይክእል ዝነበረን ተፈጥሮኣዊ ክስተታት (ከም ንኣብነት፡ በርቅን ነጎዳን ምንቅጥቃጥ ምድርን እሳተጎመራን፡ ከምኡውን ኣብ ህይወቱ ዚጓነፎ ዝነበረ ሕማምን ሞትን) ንኺግንዘቦ እኹል ሳይንሳውን ፍልስፍናውን ፍልጠት ሰለ ዘይነበሮ፡ ነዞም ተርእዮታት እዚኣቶም ዚገልጹሉ ፍሉያት ሰባት ከም መራሕቱ ገይሩ ብምውሳድ፡ ኣብ ቀጻልነት ማሕበራውን ማሪታውን ህይወቱ ውሕስነት ይረክብ ነይሩ።

እዞም ሻማን ተባሂሎም ዚፍለጡ ሓውሲ ጠንቆልትን ፈወስትን ትንቢት ነገርትን፡ ኣብቶም ጉጅለታት ዓቢ ስልጣን ስለ ዝነበሮም፡ እቶም ብወራር ይኹን ብዓመጽ ነቲ ጉጅለ ከሰንፉዎን ከንበርክኹዎን ዝኸኣሉ ናይ ኵናት ሓያላት፡ ነቲ ስልጣን ካብቶም ሻማን ኪምንጥሉዎን ንቐጻልነት መግዛእቶም  ኪጥቀሙሉን ግዜ ኣይወሰደሎምን። በዝን ክንድዝን ድማ፡ እቲ ብጥንቲ፡ ወድሰብ ካብ ዘይፈልጦን ዘፍርሆን ነገራት ገላጊሉ ሰላማዊ ናብራኡ ንኺነብር ብማለት ዘጥረዮ እምነት፡ ቤተ-ክህነትን መንግስትን ጠሊፎም ብምውሳድ፡ ኣብ ምኽዕባት ሓይሎምን ቀጻልነት መግዛእቶምን ንኸውዕሉዎ ኣይደንጎዩን።

ብድሕር’ዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጥንታውያን ነገስታት፡ ንንግስነቶም ዘደልድልን ቀጻልነቱ ዘውሕስን ያታ ወይ ጽውጽዋይ የድልዮም ስለ ዝነበረ፡ ንገዛእ ነብሶም ከም ውሉዳት ኣምላኽ ወይ ድማ፡ ቀልዓለም ዘይብሉ፡ ባዕላቶም ኣማልኽቲ ምንባሮም ይገልጹ ነይሮም። ኣብዚ ጉዳይዚ ድማ እቲ ቤተ-ክህነት ንገዛእ ርእሱ ምስ መለኮታዊ ሓይሊታት ቀጥታ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ምፍጣር ናይ’ቶም ንነብሶም ምስ ኣምላኽ ዘወዳድሩ ዝነበሩ ውልቀ መላኽያን ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ኤውሮጳ፡ እቲ ናይ ሮማ ጳጳስ፡ ስልጣኑ ልዕሊ ነገስታት ብምንባሩ፡ ኣብ ልዕሊ መንፈሳውን ስጋውን ህይወት ሰባት፡ ገባርን ሓዳግን እዩ ነይሩ። ብ 1077 ዓ.ም ናይቲ ዝዓበየ ክፋል ኤውሮጳ ሃጸይ ዝነበረ ሀንሪ ራብዓይ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ካኖሳ ዝነበረ ግረጎሪ ሻብዓይ ዚብሃል ናይ ሮማ ጳጳስ ንኺረኽቦ ብማለት ብዝወሰዶ ናይ ነብሰ-ምሕሳር ተግባር፡ ኣብቲ ኣፍደገ ናይቲ ኣደራሽ ስለሰተ መዓልትን  ለይትን ኣብ ቀዝሒ ቁሪ ተንበርኪኹ ተጸቢዩዎ። እቲ እዋንቲ፡ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣዚዩ ዓብሊሉሉ ዝነበረ ዘመን እዩ ነይሩ።

ኣብ 18 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ፈረንሳ ዚገዝእ ዝነበረ ንጉስ ሉዊ መበል 14፡ ነቲ ቤተ-ክህነት ዝሃቦን ዘጽደቐሉን ናይ ነገስታት መለኮታውያን መሰላት (divine right of kings) ዚብል ስልጣን ብምጥቃም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሰፍ ዘይብል ግፍዕታት ይፍጽም ነይሩ። ኪበዝሕ ኪበዝሕ ግን፡ ኣብ 1789 እቲ ብናይ ፈረንሳ ሰውራ ዚፍለጥ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ነቲ ኸምዚ ዝበለ እምነታትን ነቶም ዚስዕቡዎ ዝነበሩ ንጉሳዊ ቤተሰብን መኳንንትን ላዕለዎት ኣባላት ቤተ-ክህነትን ብሱሮም መንቝሱ ኣጥፊኡዎም እዩ። ንግዜኡውን ንሃይማኖት ብሳይንስ ወይ ብስነ-መጎት (reason)ተኪኡዎ ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ’ውን፡ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ፡ ስዩመ እግዚኣብሄር ዚብል መዓርግ ብምጥቃም፡ ስልጣኑ ብኣምላኽ ከም እተዋህቦ ገይሩ ንህዝቡ ብምዕሻውን ናይ ቤተ-ክህነት መለኮታዊ ሊቸንሳ ብምጥቃምን ዳርጋ ከም ኣምላኽ ኮይኑ ይገዝእ ነይሩ እዩ። ህዝቢ ድማ፡ ንጉስ ኣይክሰስ ሰማይ ኣይሕረስ ብዚብል ጭርሖታት ደገፉ ሂቡ እዩ። ወድሰብ እናተማህረን እናነቕሐን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ግን፡ ከምዚ ዓይነት ምትላል ነዊሕ ከሰጉም ስለ ዘይከኣለ፡ መብዛሕትኦም ውልቀ መላኽያን ካብ ከምዚ ዝበለ ሽጣራ ንግዜኡ ተዓቂቦም ዘለዉ ይመስሉ።

መንግስትን ሃይማኖትን፡ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት ወድሰብ መሰረታዊ ተራ ዚጻወታ ሓይልታት እየን። እታ ሓንቲ ነቲ ማሪታውን መንፈሳውን ህይወት ሰብ ክትቆጻጸሮ ትቃለስ። እታ ሓንቲ ድማ ነቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ህይወት ሰብ ክትቆጻጸሮን ክትድርቶን ክትዕምጽጾን ትጽዕር። ዜርካ ዜርካ ግን፡ ናይ ቤተ-ክህነትን ናይ መንግስታዊ ስርዓትን ደምዳሚ ዕላማ፡ ብጥንትን ብመሰረቱን፡ ሓይልን ስልጣንን ንምኽዕባትን ንምድልዳልን እዩ።

መብዛሕትኡ ኣብዛ ዓለምና ብወድሰብ ዚካየድ ንጥፈታትን ጉዳያትን ራእይን ዕላማን፡ ብዓቢኡ ድማ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ብመራሕቲ መንግስታዊ ስርዓትን ዚካየድ መስርሕን፡ ዚፍጸም ተግባርን፡ ዚትለም መደባትን፡ ዚሕንጸጽ ውጥናትን፡ መልክዑን ሕብሩን ኣገባቡን ኣተገባብራኡን ደኣ ይቐያይር ይኸውን እምበር፡ ብመሰረቱስ ብዛዕባ ምኽዕባት ሓይልን ስልጣንን እዩ። እቲ መሰረታዊ ዕላማኡ ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩሞ፡ ኣብዛ ዓለምና ብመጠኑ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ከምኡውን ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃይማኖታትን እተፈላለያ መንግስታትን፡ ሰላምን ስኒትን ነጊሱ ምረኣና ኔርና። ስለዚ፡ ዓለም ብኹለንትናኣ ናይ ስልጣን ዓውደ ኵናት ወይ መድረኽ (eternal struggle for power) እያ እንተ በልና፡ ምግናን ኣይመስለንን።

መንግስትን ሃይማኖትን ስልጣን ኪማናጠላን ኪሻመዋን ኪካፈላን መዋእላት ሓሊፉ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ብሓደ ኾይነን ነቲ ህዝቢ ይረግጻኦ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እታ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ገልቢጣ ስልጣን ብምሓዝ ነቲ ጭቆና በይና ተካይዶ። ይኹንምበር፡ ሳላ ንቕሓት ወድሰብ፡ ከምኡውን ሳላ ኣብዘን ዝሓለፋ 200 ዓመታት ኣብ ተክኖሎጅን ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ኣብ መሰል ደቂ-ሰብን ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራን ኣብ ቁጠባን፡ ብሳይንስን ብምርምርን እተበጽሐ ምዕባለ፡ ሃይማኖት ንዘመናት ኣብ መንግስታዊ ምሕደራ ዝነበሮ ስልጣን እናደኸመን እናቐሃመን ብምኻዱ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ገለ ሃገራት እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ እቲ መንግስቲ ወይ ምሕደራ፡ ምድራውን (secular) ህዝባውን ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ እንተ ተመልከትና፡ መብዛሕትአን ናይ ቀደም መንግስታት፡ ብሃይማኖት እተጸልዋ እየን ነይረን። ገሊኣተን ድማ ፈጺመን ብመለኮታዊ ስርዓት ዚመሓደራ እየን ነይረን። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ቅዋመንን ሕግታተንን ዳርጋ ምስቲ ዚኽተላኦ ቅዱስ መጽሓፈን ይመሳሰል ነይሩ ማለት እዩ። እዚ ዓይነት መንግስታዊ ምሕደራዚ፡ ተዮክራሲ (theocracy) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ገለ ሃይማኖት እስልምና ዚኽተላ ሃገራት፡ ከም ንኣብነት ኢራን፡ እቲ ምሕደራአን ምስ ሃይማኖት ኣዚዩ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ።

ሃይማኖት፡ ኣብ መንግስታዊ ምሕደራ ዘምጽኦ ጸገማት፡ ኣብቲ ዘይንቕነቕን ኣብ ሕቶ ዘይኣቱን መትከላቱ ስለ ዚጠብቕ እዩ። ምድራዊ ወይ ሰኩላር ሕግታትን ኣምራትን መትከላትን፡ ከከምቲ ግዜን ማሕበራዊ ምዕባለን ኪቀያየርን (flexibility) ኪምዕብልን ከሎ፡ መለኮታዊ ሕግታትን መትከላትን ግን፡ በቶም ሰዓብቱ ከም ፍጹምን (absolute) ዘልኣለማውን ልዕለ-ተፈጥሮን (supernatural) ስለ ዚቝጸር፡ ምስ ግዜ ኪልወጥ ኣይክእልን። በዚ ምኽንያትዚ ድማ ምስ ምዕባሌ ኪጎዓዝ ኣይክእልን። ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ንምዕባለ ንድሕሪት ይጎቶ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ሃይማኖት ነቲ ኣብ ዓለምና ዘጋጥም ውድዓዊ ኩነታት (objective reality) ብፍሉይን ኣብ ስነ-መጎት ብዘይተሰረተን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብሕልማዊ መገድን (illusion) ስለ ዚጥምቶ፡ ገለ ኣመንቲ ክፋላት ሃይማኖታት፡ ናይ’ዛ ዓለም እዚኣ ኣገዳስነት ብምንእኣስን ብምንዓቕን፡ ግጉይ ኣተሓሳስባ የማዕብሉ እዮም። ነዚ ንምርዳእ ዘገልግለና ሓደ ኣብነት፡ እቲ ናይ ዓውለማዊ ሙቐት (global warming) ሕቶ እዩ።

ዓውለማዊ ሙቐት ብገለ ኣመንቲ፡ ከም ዘይፍታሕ መለኮታዊ መቕጻዕቲ ኮይኑ ኪውሰድ ከሎ ግቡእ ኣገዳስነት ኣድህቦን እውን ኣይወሃቦን እዩ። ነታ ገዲፍካያን ከም ትራንዚትን ጌርካ እትርእያ ዓለም፡ ጸገማታ ንኽትፈትሓላ ግዜኻ ኣይተጥፍእን ኢኻ። እቶም ንሳይንስን ንስነ-መጎትን ከም መሰረት መፍትሒ ጸገማት ገይሮም ዚወስዱዎ ግን፡ ጸገማት ዓውለማዊ ሙቐት፡ ብምጕዳል ብከላን ብምዕቃብ ተፈጥሮን ኪፍታሕ ከም ዚኽእል ብምግምጋም፡ ዓለም ንምድሓን፡ ዘይሕለል ጻዕሪ እዮም ዘካይዱ።

ኣብ ጉዳይ አይድስ እውን፡ ገለ ሃይማኖታውያን ትካላት፡ ንምዝውታር ኮንዶም ብምቅዋም፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ኣህጉርና ብዙሕ ሰብ ግዳይ አይድስ ከም ዚኸውን ገይረን እየን። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ንማዕርነት ጾታን ንህዝባዊ ጥዕናን ንምዕባለ ሳይንሳዊ ምርመራን፡ ንማሓበራውን ቑጠባውን ፍትሕን ብዚምልከት እውን፡ ገለ ክፋላት ሃይማኖት ኣሉታዊ ተራ ተጻዊተን እየን ይጻወታውን ኣሎዋ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ እተዋሕጣ ክፋላት ሃይማኖታት፡ ናይ መንግስቲ ልጓም ምስ ዚሕዛ ወይ ሓደ ካብ ኣባላተን መራሕ ናይ ሓንቲ ኑክለየራዊ ኣጽዋር እትውንን ሃገር ምስ ዚኸውን፡ እዛ ዓለምና ንኽትዓኑን ንኽትጸንትን ዘለዋ ዕድል ኣዚዩ ዓቢ እዩ!

ስለዚ፡ እቲ ዘላቒ መፍትሒ፡ ንሃይማኖት ካብ መንግስትነት ከም ዚርሕቕ ምግባር ጥራይ እዩ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጥርጠራታት ስለ ዝነበሮም ከኣ እዮም፡ እቶም ናይ ኣመሪካ መስትረትቲ ሽማግለታት (founding fathers)፡ ብፍላይ ድማ ቶማስ ጀፈርሶን፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ጋግ ኪህሉ ከም ዘለዎ ዝሓበረ። መንግስትን ሃይማኖትንሲ ማዕዶ ማዕዶ ደኣ።

ሽሕኳ ሃይማኖት ብመሰረቱ ናይ ፍቕርን ሰላምን መገዲ ዚኸፍት ትምህርቲ እንተለዎ፡ ምስ መንግስትነት ምስ ዚቋረን ግን፡ ካብቲ ጥቕሙ እቲ ጉድኣቱ ከም ዚዛይድ ኣብ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ናይዚ ኣሉታዊ ጠንቅዚ ምኽንያት ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሃይማኖት ባዕሉ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ መንጎ ምድራውን መለኮታውን ስልጣን ዘሎ ፍልልይ ዘይርድኦም መራሕቱ፡ ከምኡውን እቲ መንግስቲ ባዕሉ ዘይኮነስ፡  እቶም ንሃይማኖት ከም መሸቀጥን ከም መቐጸሊ ስልጣኖም ገይሮም ዚጥቀሙ ናይ’ቲ መንግስቲ መራሕትን መጋበርያታቱን፡ ምዃኖም ክንርስዕ ኣይግባእን።

                                   ብኣማኒኤል ሳህለ

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox