You are here: Home
እዋናዊ ጉዳይ
ርእይቶታት - Opinions
ካብ ጀርመን ንኤርትራ ዶ ይቐርብ ንጃማይካ፡እቲ መልሲ ኤርትራ እኳ እንተ ኾነ፡ምርጫ የብሉን እንቢ ንምልኪ ዝበለ፡«



^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ
ካብ ጀርመን ንኤርትራ ዶ ይቐርብ ንጃማይካ፡እቲ መልሲ ኤርትራ እኳ እንተ ኾነ፡ምርጫ የብሉን እንቢ ንምልኪ ዝበለ፡«፡
ደቂ ኤረይ መሰታ ቀዳሞት ሰለ ዝኾንኩ፡ከይተሰከፍኩ ሕልናይ ክቕስን እንተ ገጠምኩ፡ ኣይመስለን ዝተጋገኹ, ድሕሪ ሐራ ኤርትራ, ከምቲ ዝተቃለስናዮ,ህዝባዊ መንግስቲ እንተ ዝህሉ, ንዕረፍቲ ክንዲ ንጃማይካ, ምስ ስድራቤተይ ንኤርትራ ምኸድኩ ፡«፡
ኮኾብ ስነ ጥብባዊ ናይ ህዝቢ ኤርትራ የማነ ገብረሚካኤል ባርያ፡«፡ምስ ጃማይካዊ ኮኾብ ስነ ጥበባዊ ኣብ ዓለም ዓቢ ዝና ዝገደፈ ቦብ ማርሊን፡ህቡብ ሰነ ጥበባዊ ንመሰልካ ተላዓል ዝበለ ምስ ደቀይ፡ ምስ ሰነዳቱ ተላሊና እዛ ትርእይዋ ሐንቲ ካብተን ብዙሐት ሐወልቲታቱ እያ፡«፡
ንሰናይ ተበግሶ ደቀይ ከካፍለኩም ተኸተሉኒ«ቀደም ንሱዳን ወይ ንኢትዮጵያ እንተ ከድካ፡ ጠፊኡ እንድዩ ይበሃል ነሩ፡ሕጂ ድማ ድሕሪ ነጻነት ሐርነትን መሰልን ተሳኢኑ፡ ክንዲ ሽዱሽተ ሰዓት ተጓዒዝካ ንኤርትራ ንጃማይካ ንዕረፍቲ ምኻድ ኮይኑ፡«፡ኣቦና ንሐርነትን ንመሰልን ክቃለስ መሬት ዓደቡኡ ሐሪምዎ ኢሎም፡ ደቀይ ንጃማይካ ሕልናይ ክቀስን ንዕረፍቲ ወሰዶምኒ፡«፡
ህግደፍ ልሳኖም ዝኽንሽቦ ሲኢኑ
እኒ ኣልኣሚን መራሕቲ ምስ ኮኑ
ንሐቂ ደፊኖም ንሐሶት ዘጋንኑ
መሰል ኣሎ ኢሎም ከእምኑ ዝፍትኑ፡
መሰል እንተ ዝህሉ ዶ ህዝቢ ምተሰደደ
መሰል እንተ ዝህሉ ዶ ኡሱር ከይተፈረደ
እግባይ ከይብለ ንዓዲ ኣቤቶ ንዓላ ምወረደ፡
ንጸሊም ንጻዕዳ ብማዕረ ዘኽብሩ
መሰልስ ሪኢናዮ ኣብ ጀማይካ
ከመይ ሐዲርካ ከመይ ዊዒልካ
እቲ ተቓሊስካ ዝሰኣንካዮ ክብረትካ
ጸሊም ምዃንካ ኣብ ጀማካ
ከም ኣፍሪቃዊ ሐብን ይስመዓካ፡
ስለ ዘይጠለምኩ ናይ ጀጋኑ ሕድሪ
ምስ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዘየለ ክብሪ
ካብ ህዝቢ ጃማይካ ረኺበዮ ፍቕሪ፡
ቀይሕ ባሕሪ ዓደቦይ ተሐሪሙኒ
ጨዋም ባሕሪ ጃማይካ መርሓባ ኢኡኒ
ባጽዕ ከም ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡
ዓሰርተ መዓልቲ ከም ሐንቲ መዓልቲ፡ ኮይነን ተሰሚዔናኒ, ምስ ስድራይ ፍቕሪ ኣስኒቖም፡ ንዓመታ የራኽበና እንዳበሉ ኣፋንዮምኒ፡ ኣብ ጃማይካ ከም ሰብ ፍናን ሐዲሩኒ፡«፡
ብህግደፍ ሲኢና ክብረት
ናይ ጉጅለ ህግደፍ ሐሶት
መሰል ኣሎ ክብሉና ንባርነት፡
ኢሰያስ ምስ ጉጅሉኡ
ህዝቢ ክራባረብ ዝተሕብኡ
መንግስቱ ብማፍያ ህግደፍ ተተኪኡ
ዝፈትዎም ደቁ ከፊሉ ሃገሩ ነጻ ኣውጽኡ
ህዝቢ ኤርትራ ከም እንስሳ ዘቤት ተሐዚኡ፡
ን27 ዓመት ምስ ሕማም መንሽሮ
ምስ መራሒ ጭፍራ መራሒ እንባ ጋሮ
ንህዝቢ ኤርትራ ነበረ ያ ነበረ ከይገበሮ
ያኣክል ዘረባ ብስኒት ዕምሩ ንሕጽሮ፡«፡
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና, ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና ኤርትራ, ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፡«፡ካብ ዉሽጡ ሑሩር ከም ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ሐርነት ዝሐረሞ፡«፡ በርሀ ዑቅባዝጊ ኣባል ተሐኤ ሃገር ጀርመን፡«፡
ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ
ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ
ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን
ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን
ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ