^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 86 guests and no members online

ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምድጋፍ ቅኑዕ፡  ምስ ጉጅለ ህግደፍ ሕግብግብ ምባል ጌጋ፡-

ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ብሓበራ ኣቐዲመ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታይ የቕርበልኩም፡፡ ቀጺለ፡ እቶም ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ልኡላውነት መሬት ኣሳቢብኩም፡ ልኡላውነት ህዝቢ ዝረግጽ መንገዲ ተኸቲልኩም ኣብ ጁባ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ዝኣተኹምን ትኣትው ዘለኹም ወገናት፡ ጠንቅን ሳዕቤንን፣ ሓቅን ሓሶት፣ ልኡላውነት ህዝብን ግዝኣታዊ ልኡላውነትን፣ ሓሳብን ተግባርን፣ መንገዲ ዓወትን ስዕረትን፣ ተሓዋዊስኩም ይመስለኒ። “ከመይ ይብል ለባም” ከመይ በሉ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝነበረት፡ ብዓይነቱ ኮነ ዓቐኑ ብዙሕ ዋጋ ስለዝተኸፍለ፡ እቲ ዝሓለፈ ምረት እናዘከርኩም፡ ሎሚ ብምትዕጽጻፍ ንዝርከብ መሰረታዊ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መኽሰብ ኣእምሮኹም ነጻ ጌርኩም ከይትሓስቡ፡ ነገራት ከይተመዛዝኑ ጋሪድኩም።

ርግእ ኢልኩም ነገራት ካበየናይ ኩርናዕ ይብገሱ፡ ስለምንታይ ይብገሱ፡ ኣብ ልዕለና ኣብ ልዕሊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰልናን መሬታዊ ልኡላውነትናን እንታይ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኣለዎም? ዝፍጥርዎ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ኸ ? ብግቡእ ከየመዛዘንኩም፡ ብፍላይ ብወገን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝምልከት ሓሳባት ክመጽእ እንከሎ፡ ብዓይኒ ጥርጠራ ምቕባል። ኣሉታዊ ስምዒታዊ ረስኒኹም ሓፍ ክሳብ ዝብል፡ ሓጋዚ መረዳእታ ብዝጎደሎ ኣገባብ ብጥሪኡ ምንጻግ። ካብ’ዚ ግጉይ ኣግንዝቦ’ዚ ተበጊስኩም ምስ’ቲ ብዋድሕ ብጥልመት ብመንገዲ ጥፍኣት ዝሕንበብ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ መንግስታዊ ጉጅለ ጽግዕግዕ ምባል ይረአ። እዚ ስለምንታይ? ትማልን ሎሚን እኮ በበይኑ’ዩ።

ትማሊ ኤርትራን ህዝባን ብወግዒ ብሓይሊ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ተጎቢጠምሉ ዝነበሩ መድረኽ’ዩ። ናይ ሎሚ ባእሲ ኣብ ህላወ ክልተ ልኡላውያን ሃገራት ዝተፈጸመ ናይ ዝተወሰነ መሬት ይግበኣኒ ሕቶ ምኽንያት ዝገበረ’ዩ። ኣበጋሲ ወይ ጠንቂ ከኣ ህግደፍ’ዩ። እቲ ኲናት ዘጥፈአ ኣጥፊኡ ካብ ስነ-መጎት ሓይሊ ናብ መድረኽ ሕጊ ተሰጋጊሩ ዳንነታዊ ፍርዲ ዝረኸበ’ዩ። እቲ ናትና ትብልዎ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሳላኻን ምሳኻን ትብልዎ ህግደፍ ድማ ብባህሪኡ ወራሪ’ዩ። ብተግባር ከኣ ወሪሩ ኣብ መንጎ’ዞም ኣሕዋት ህዝብታት ደማዊ ኲናት ክውላዕ ጌሩ’ዩ። ህግደፍ ጸረ-ህዝባዊ ልኡላውነትን መሬታዊ ልኡላውነትን፡ ዝባኑ ዝቐልዐ ዘቤታዊ ጸላኢ ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ’ዩ።

እቲ ጭቡጥ ሓቂ እዚ ክንሱ፡ ንህግደፍ ንጸልኦ ኢና፡ ኣብ ጉዳይ ባድመ ሒዝዎ ብዘሎ መርገጽ ግን ምስኡ ኢና ዝብል ኣይፍትሕ ኣይኪዳን ዝኾነ መርገጽ ቅኑዕ ኣይመስለንን። ልኡላዊ መሬትና እንክድፈር ኣይፋል ሕጊ ይከበር፡ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ይጠሓስ ኣሎ ዝብል ድምጺ ከነስምዕ፡ ብናይ ሓሳብ ተቓውሞ ዘይምለስ ናይ ብሓቂ ወራር እንተደኣ ኮይኑ ድማ፡ ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእቲ ንምኽፋል ክንቅረብ ኣብ ቦትኡ’ዩ። ታሪኽና ከምኡ’ዩ። ጀጋኑ ሰማእታትና ዘሰከሙና ሕድሪ ንሱ’ዩ። ክኸውን ዘለዎ’ውን ከምኡ’ዩ። እዚ ግን ዶባዊ ጎንጺ’ዩ። ዶባዊ ጎንጺ ድማ ብስምዒት ብስነ-መጎት ሓይሊ ዘይኮነ፡ ብሓይሊ ሕጊ፡ ብዲፕሎማስያዊ ብቕዓትን ምትዕጽጻፍን’ዩ መዕለቢ ዝረክብ።

ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ እቲ ተሪፉ ዘሎ ኣብ መሬት ምጥራር ወይ ምልክት ምግባር እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ሕጊ በጺሑስ እዚ ንኤርትራ እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ይግባእ ዝብል ውሳነ ዝተዋህቦ ጉዳይ’ዩ። ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝወሰነልና መሬት ክንብል እንከለና ከኣ፡ ነዛ ህግደፍ ባዕሉ ኲናት ዝወለዓላ፡ ከም ፖለቲካዊ መጻወቲ ካርታ ድማ ዝጥቀመላ ዘሎ ባድመ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ቡሬ ክሳብ ኦም ሓጀር ኣብ ዘሎ ነዊሕን ሰንሰለታውን መሬት ካባና ዝተወስደን ካብ ኢትዮጵያ ናባና ዝተወሰነን ኣብ ጸብጻብ ብእታው ክኸውን ይግባእ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ በቶም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ቦታት ዝነብሩ ዘለው ወገናትናን ምስ ኢትዮጵያ ንቐጻሊ ክህልወና ዘለዎ ዝምድናን ግቡእ ጠመተ ብምሃብ ክኸውን ኣለዎ።

ቤት ፍርዲ ንኤርትራ ኢሉ ዝወሰኖ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ጽቡቕ። ኣታውን ወጻእን መሬትን ንነዊሕ ዘመናት ተኣሳሲሩን ካብ ሓደ ሩባ ሓቢሩ ማይ እናሰተየን ኣብ መጋሃጫ ሓቢሩ እናተገልገለን ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ከመይ ይኹን ብሓላፍነት ግምት ከይሃብካ፡ ብሓደ መዳይ ህግደፍ ክውገድ ኣለዎ እናበልካ ትጭርሕ፡ ተገልቢጥካ ሕጊ ይተግበር ዝብል ደረቕ ርእይቶ ሒዝካ፡ ኣነ ኣብ ጎኒ መንግስተይ ኣለኹ ማለት ሕድሕዱ ዘይቃዶ ዝገራጮ ኣተሓሳስባ’ዩ። ብዘይዝኾነ ዘረባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ይውጻእ። ኣብኡ ዝሰፈሩ ኢትዮጵያውያን ገዛውቶም የፍርሱ። ካብኡ ዝተባረሩ ኤርትራ ድማ ተመሊሶም ይስፈሩ ብድሕሪኡ ኣብ መሬት ምልክት ይግበር ዝርርብ ይጅመር ዝብል ደረቕ ምጉት ሓላፍነታዊ ኣይኮነን። ሰላም ዘምጽእን ንኤርትራ ዘርብሕን ኣይኮነን። ማእከሉ ህልኽ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ሰፊሕን ልሙዕን መሬት ከባቢ ጸሮናን ኣብኡ ዘሎ ህዝብን ንዓመታት ካብ ኤርትራ ተነጺሎም ዝነብሩ ዘለው ነበርቲ ዓድታት ክኒን ቅኒቶ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ናይ ወገንነት ሓልዮት ቃል ከየስማዕካ ባድመ ባድመ ምባል ከኣ፡ ዕላማኡ ንጹር’ዩ። ሕጊ ይከበር ዘይኮነ ፖለቲካዊ ጠላዕ’ዩ።

ዶባዊ ኲናት ዝወለዐ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ከንቱ ሞት ክሞቱ ዝገበር፣ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ዝነበረ ልዑል ሃገራዊ ስምዒትን ተወፋይነትን ብመደብ ደረጃ ብደረጃ ክዳኸም፡ ሃገር ብቑጠባ ዝነበራ ስኢና ኣብ ቅልውላው ክትኣቱ፡ ዓያዪ ጉልበት መንእሰይ ገለ ብኣስገዳድ ኣብ ድፋዓት ብጅሆ ክተሓዝ ገለ ከኣ ተስፋ ቆሪጹ ኣርሒቑ ክስደድ ዝፈረደ፡ ብዘይተጻሕፈ ሕጊ ባርነት ዘንገሰ፡ ፖለቲካ ኤርትራ ኣበለሽዩ ህዝባዊ ተቐባልነትና ኣብ ዲሎማስያዊ ዓለም ለጠቅ ክብል ዝሰርሐን ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። እዚ ጥልመት’ዩ። ክሕደት’ዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያ ፍልልይ ይሃሉ፡ ሃገር ብግዳም ናይ ወራር ሓደጋ እንተዘጋጥማ ኩልኻ ኤርትራዊ ልኡላውነት ሃገር ንምኽባር ቀዳምነት ሃብ ክበሃል፡ ከምኡ ድማ ክግበር ቅኑዕ’ዩ።

ኮሚሽን ዶባ ዝሃቦ ውሳነ ጨቢጡ ንከመይነት ኣፈጻጽማኡ ኣብ ባይታ ፈጺመ ኣይረዳዳእን ኢሉ ንዝሓንገደ ጉጅለ፡ ኣብ ክንዲ ተዓጻጻፊ ኣይኮንካን ክትተዓጻጸፍ ዘይምድላይካ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ከይፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ከይረክብ ካብ ዘለካ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባ ዝነቅል’ዩ ኢልካ ምኹናን፤ ብኣንጻሩ ሎሚ ምስ ህግደፍ ዘይወገነ መጀመርያ ጌጋ ደሓር ዕብዳን’ዩ። ኤርትራዊ ሃገርነት ምውንዛፍ’ዩ። ኣደኻ ገዲፍካ ሓትነኻ ምንፋቕ’ዩ እናበልካ ሓላዪ ህዝብን ሃገርን ተመሲልካ ብባህሪኦም ዘይወሃዱ ነገራት ብኣረጊት ፈትሊ ኣላጊብካ ዕድመ ኢሳያስን ህግደፍን ንምንዋሕ ዝግበር ዘብዘብ ፖለቲካዊ ዕንደራ’ዩ። ኣብ ምውሓስ ልኡላዊ መሬትና ከኣ ኣፍራሲ ‘ምበር ደራኺ ጉልበት የብሉን። ስለዚ ያዕ ክበሃል ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።

ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ንኤርትራ ኢሉ ዝወሰኖ መሬት ናብ ኤርትራ ምምጽኡ ኣይተርፍን። ከምኡ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ኢሉ ዝወሰኖ ናብ ኢትዮጵያ ምኻዱ ዘይተርፍ’ዩ። ሕጊ ብደረቑ ክፍጸም ኣለዎ ዝበሃል ግን ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ ‘ምበር ለባም ኣይኮነን። ሃገር ሽፋን ጌርካ ምስ ህግደፍ ዝግበር ፖለቲካዊ ዕርቅን ምምጽዳቕን ከኣ ካብ ኩሉ ዝኸፍአን ብህይወት ህዝብታት ኤርትራ ምጥላዕ’ዩ። ካብ ጉጅለ ህግደፍ ወጻኢ መን ዝበሃል ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድብ’ዩ ብልኡላውነቱ ዝተዋገየ? እስከ እከለ ዝበሃል ውድብ በዚ ዕለት’ዚ ንረብሓታት ኤርትራ ዝጻረር ምስ እከለ ከም’ዚ ዝበለ ስምምዕ ገይሩ ዝብል ዝኾነ ዝጭበጥ መርተዖ ከተቕርበሉ ኣብዘይትኽእል፡ ንግሩሃት ንምድንጋር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሆ ምባል፡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ 15 ንዝቐረበ ፈጠራዊ ናይ ክድዓት ክሲ የዘኻኽረካ። ዝኾነ ጭብጢ ከይሓዝካ፡ ንጠላም ጉጅለ ህግደፍ ብሓሶት ኮሓሒልካ ዘይናቱ ባህርን ተግባርን ከዲንካ ከተጽድቖ ምፍታን ዝከኣል ኣይኮነን። ነቶም ብፖለቲካ፣ ብሕጊ፣ ብተግባር ንስለ ልኡላውነት ህዝብን ልኡላዊ መሬትን ብእምነት፡ ብንቕሓትን ጽንዓትን ደው ዝበሉ ወገናት ብፖለቲካዊ ጥቕራን ጸለሎ ለኺኻ ካብ ህዝቢ ክትንጽል ምፍታን ከንቱ ምልሕሓጽ’ዩ። ምኽንያት ህግደፍ ብዝኾነ መለክዒ ንህዝባዊ ልኡላውነት ኮነ መሬታዊ ልኡላውነት ዝግህስ ደኣምበር ዝጣበቕ ሓይሊ ስለ ዘይኮነን።

                                           ካብ ክብሮም ሰመረ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 15-06-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox