^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 47 guests and no members online

ናይ ጥፍኣት ፖሊሲን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ፡ ብምጥራር ዶብ ኣይሕከምን።

ራብዓይ ክፋል

ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ ብኩለንትንኦም ብኣኻን ስለኻን ጥራሕ ስለዝኾኑ፡ ትማሊ ኮነ ሎሚ ከም ዘለዎ ዘዝተባህልዎ ክደግሙ ደኣምበር፡ ልቢ ኣዕብዮም ስለምንታይ ክብሉ

ስለዘይከኣሉ ብወገና በዚ ዝስዕብ መልሲ ክንህበሉ ኢና ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ኔርና። እነሆ ድማ ራብዓይ ክፋሉ ቀጺሉ ክቐርብ’ዩ።

ዝኾነ ውልቀ ሰብ፡ ማሕበራዊ ኮነ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ካብ ካልእ ዝፍለየሉ ናቱ መለለይ ባህርን ባህልን ከም ዘለዎ ዘይርዳእ ኣሎ ኣይንብልን። እቲ ባህርን ባህልን ኣብ ገዛእ ርእሱ ግጉይ ነብሰ ግምት ዘለዎ፡ ንካልኦት ኣትሒቱ ዝርእን ዘቆናጽብን ድዩ ወይስ፡ ትሕትና ዝተላበሰ፡ ሓቢሩን ተኸባቢሩን ዘንብር ብዝብል መዕቀኒ ከኣ ዝንጸር’ዩ። ባህርን ባህልን ናይ ወልቀ-ሰብ፡ ማሕበራዊ ኮነ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ቅኑዕ ድዩ ቅኑዕ ኣይኮነን ወይ ብካልኦት ቅቡል ድዩ ኣይኮነን ዝምዘን ድማ፡ ከም ደስ ዝበለካ ወይ እቲ ሰብ ማሕበር ድዩ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘስመዖም መደረታትን መግለጺታትን ጥራሕ ከም ዘለዎ ብምውሳድ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቤቱ ማይ ቤቱ፡ ኣብ ቀረብኡ ከባቢኡ፡ ኣብ ህዝቡ ኣብ ሃገሩ ብተግባር እንታይ ይገብር? ቅቡልነት ኣለዎ’ዶ የብሉን? ነቲ ብልሳን ዝሓልፍ መልእኽቲ ኣብ ባይታ ምስ ዝትግባር እናነጻጸርካ ዝወሃብ ክብረ ሚዛን’ዩ ዝግለጽ።

ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ መንግስታዊ ጉጅለ፡ “እግርን ከበሮን በበይኑ” ከም ዝተባህለ፡ ቃሉን ተግባሩን በበይኑ ከም ዝኾነ፡ ሎሚ ኣብ ግዜ ፖለቲካዊ እርጋኑን ጭንቀቱን ዘይኮነ፡ ካብ ግዜ ውልደቱን ውዑይ ናይ ጉብዝና መድረኹን ንለባማት ተነተንቲ ፖለቲካን ግዳይ ናይ’ቲ “ ኣይካይዳና ከም ኣባጎብየ’ዩ፡ ሓለንግና ነዋሕ’ያ” ኢሉ ዝጀሃረሉ ዝነበረን ኢ-ሰብኣዊ ተግባሩ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ኣቐዲሙ ርዱእ’ዩ ነይሩ። ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዘዋጽኣካ ተረጋጊእካ ሓሲብካ ወስን። ኣብ ዝዓገብካሉ እግርኻ መሊእካ ተዋሳእ። ዘይትዓግበሉ ኣይትቀበል፡ ኩሉ ኣብ ምርጫኻ’ዩ ዝብል ብሱል ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ዘይኮነ፡ “ዝተበሃልካዮ ፈጽም፡ ዘይምልከተካ ኣይትሕሰብ” ዝብል ናይ ራዕድን ሽበራን ኣካይዳዩ ገዛኢ ነይሩን ዛጊት’ውን ዘሎን።

ኣብ ሕድሕድ እቲ ህይወቱ ከወፊ ዝወፈረ ተጋዳላይ ኣብ ምሉእ ንቕሓት ዝምርኮስ ምትእምማን ከይህሉ፡ ብኣንጻሩ መበገሲኡ ካበይ ንጹር ብዘይኮነ ናይ ጎሓላሉ ውዲታዊ ስርሒታት፡ ሒዝዎ ዘይወፈረ ዓሚቕ ስግኣትን ምጥርጣርን ዘስፈነ ኣተሓሓዛን’ዩ ዝኽተል ነይሩ። እዚ ጉጅለ ኣብ’ቶም ብቐርባ ናተይ ዝብሎም ተጋድልቱ ኮነ ስቪል ኣባላቱ ካብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝነቐለ እምነት ዘይኮነ፡ ራዕዲ ፈጢሩ፡ ካብ ፍርሒ ዝብገስ ክሳብ ኣምልኾ ዝኸይድ ደገፍቲ ዝረኸበሉ፡ ደስ ዝበሎ ክብልን ክገብርን ዓግብ ዝብሎ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይብሉ ፋሉልነት ኣተኣታትዩ ክገዝእ ዝጸንሐን ዘሎን’ዩ። ነቲ ዝተፈጥረሉን ተሰኪምዎ ዘሎን ህዝቢ ዝንዕቕ፡ ዘሳቒ፡ ብስቓዩ ዘላግጽ ጉጅለ’ዩ። ኣብ ህዝብታት ኤርትራ ኣውሪድዎ ዘሎ ሕሰም፡ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ብርሰት ስኽፍታን መረጋገጺ’ዩ። ኣይኮነን ምስ ካልኦት ኣሚኑን ተኣሚኑን ሓቢሩን ተኸባቢሩን ብጎደና ምዕባለ ክምርሽ ድልዊ ክኸውን ኣብ ውሽጢ ውድቡ የከኣሎን ዋርሳይን፣ሓድሽን ገዲምን፣ ቀዳማይ ዙርያን ካልኣይ ዙርያን ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ግቡኡ ዝገበረን ዘይገበረን፣ ኣስላማይ ክርስታናይ፣ ሓድሽን ነባርን ሃይማኖት፣ ቆላን ከበሳን፣ ኣውራጃን ከባብን፣ ፊደል ዝቖጸረን ዘይጸረን ( ብናቱ ቋንቋ ጨጓር ዳንጋ) …..ብዝብሉ ሕሱራት መለኪዒታት ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ ዜጋ ብዝመስል ፈላልዩ ዝገዝእ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ምዃኑ፡ ኣብ ወረቐት ዘይሰፈረ ኣብ ባይታ ብዓይኒ ዝረአ ተግባሩ ምስክር’ዩ።

እዚ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይተኣማመን ኩሉ ግዜ ብጥርጠራን ስኽፍታን ዝነብር፡ ካብ ሓይሊ ሓሳብ ሃዲሙ ከይቀደመኒ ክቕድም ኣብ ኣካላዊ ቅንጸላ ዝተኣማመን ፈራሕ ጨካን ጉጅለ፡ ሎሚ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮን ዝግልገለሉ ዘሎን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘረሓሕቕ ፖለቲካዊ ክፋእ፡ ብቃላት ኮሓሒሉ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ክሓፍስዎ ዝነበሮም ግን ከኣ ዝኸሰርዎ ምህርቲ ሰላም ኢሉ፡ ገዛእ ርእሱ ሓራ ገይሩ ክምድር ዝተለምደ ንዕቀትን ውስልትናን ‘ምበር ሰላማዊ ኣእምሮ ኣይመልክትን።

ትማሊ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ገዛእቲ ደርብታትን ህዝብን ከይፈላለየ ኣምሓራ ጸላእትኻ ዝምህር ዝነበረ መን ድዩ? ህዝቢ ትግራይ ብደርግን ደርቅን ክልተ ሓዊ ተለብሊቡ ከም ህዝቢ ናይ ብርሰት ሓደጋ ኣጋጢምዎ፡ ዝኸኣለ ህይወቱ ከድሕን መሬት ኤርትራ ረጊጹ ናብ ሳልሳይ ሃገር ሱዳን ከይሓልፍ ከልኪሉ ሞት ዝፈረደ መን ድዩ? ብዶብ ዝተጎልበበ ኲናት ወሊዑ ኢትዮጵያ ከምዘይትኾን ክንገብራ ኢና ከነፍርሳ ኢና ኢሉ ዝጀሃር ዝነበረ መን ድዩ? ንህዝቢ ትግራይ ብድኽነቱ ዘቆናጽብ ሙዚቃዊ ድራማ ( ንኣብነት ጠራራ ዝብል ቪዲዮ ካሴት) ኣሕቲሙ ኣብ ዕዳጋ ዘውረደ መን ድዩ? ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ፣ እምነት ዘይንበረሎም፣ ጠላማት፣ ከሓድቲ ዝብል ሕሱር መልእኽቲ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ብወግዒ ዝምህር መን ድዩ? ኢሳያስ ዝመርሖ ፋሉል ጉጅለ ‘ዶ ደይኮነን? እዚ ንህዝብታት ኤርትራ ዘይምልከት፡ በሃሊኡ ዝሓተተሉ ረሳሕን ሕሱርን መልእኽቲ ድማ ብቐጥታ ንህዝቢታት ኢትዮጵያ ’ምበር ንዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ውድባትን ኢትዮጵያ ዝገልጽ ኣይኮነን። ኣምሓራይ ጸላኢኻ ኢልካ ምጉስጓስ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምንቛት ‘ምበር ካልእ ዕላማ የብሉን።

ኤርትራ ከም ሃገር ብመግዛእቲ ጣልያን ቅድሚ ምድኳና ዝነበረ ታሪኽ ብዝጥዕመካ ትርጉም እናሃብካ እምነት ዘይንበረሎም ጠላማት፡ ከሓድቲ እናበልካ መሰረት ዘይብሉ ፈኲስ መልእኽቲ ኣብ ኣእምሮ ኤርትራውያን ህጻናትን መንእሰያትን ክቕረጽ ዝተሰርሓሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጉጅለ ወይ ውድብ ዘነጻጸረ ዘይኮነ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ዕላማ ዝገበረ’ዩ። ስለዚ ህዝቢ ንህዝቢ ንዘለዎ ባህሪያዊ ምትእስሳር ባሕጒጉ፡ ዘዳሚ ዘቀሓሕር ብቕሉዕን ብስውርን ቀጻሊ ድሑርን ዘርኣውን ጎስጓሳት ዘካይድ ዘሎ መን ምስ ኮነ’ዩ ሎሚ ካልእ ኮይንካ ንምቕራብ ዝፍተን ዘሎ? ኣይኮነን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብብዙሕ ሸነኹ መላግቦ ዝራኸቡ፡ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝርከቡ ህዝብታት ከም ህዝብታት’ኮ ባእሲ የብሎምን። ኢሳያስን ህግደፍ ግን፡ ኢትዮጵያ ታሪኻዊት ጸላኢት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነት ብዝብል፡ ውላዶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሮም ኤርትራውያን ወለዲ 50 ሽሕ ናቕፋ ዘኽፈለ፣ ኣሲሩ ኣካላት ዘልመሰ፣ ልቢ ዘይገበሩ ህጻነት ህዝቢ ኣኪቡ ዝረሸነ ኢሳያስ ዝመርሖ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ’ዶ ኣይኮነን? ሎሚ ብጎይቶቱ ግድን ከም’ዚ ትብልን ትገብርን ምስተባህለ ክልቲኦም ህዝብታት ክረኽብዎ ዝነበሮም ግን ዝኸሰርዎ ክብል እንከሎ ንመን ተሓታቲ ንምግባር’ዩ? ብዘይካኡ መን ተሓቲ ኣሎ?

ምስ ዶብን ባድመን ተኣሳሲሩ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ብልሳን ህግደፍ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዘይራኸቡ ክፈላለዩ፡ እናተቓተሉ ክነብሩን ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕን ዘይተባህለን ዘይተገብረን የለን። መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2018 ምኽንያት ብምግባር፡ ነቲ ዶብና ከይጠረረ፡ ልኡላዊ መሬትና ከይተረከብና፣ ሰራዊት ወያነ ኮሚሽን ዶብ ካብ ዝወሰነልና መሬት ከይወጽአ ብዝብል ጎሮሮ ሃገር ሓኒቑ ሒዝሉ ዘሎ ዘይምኽኑይ ውሳነ፡ ከመክጽበት ቀይሩ ብኣንጻሩ ኮይኑ ዝተረኽበሉ ምኽንያት፣ እቲ ባእሲ ኣብ መንጎ ሃገራት ከም ምዃኑ መጠን፡ ነቲ ተሓሲምዎ ዝጸንሐ’ሞ ብሃንደበት ተቐቢለዮ ዝበሎ መስርሕ ዘተ ኣብ ክንዲ ብሃገር ደረጃ፡ ወያነ ኣብቂዑዩ ስለዚ ናይ ዘተ ሽማግለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሰድድ ከም ዘለና እህብር ማለቱ ንህዝብታት ኤርትራ ሰላም ዘይኮነ ካልእት ግጭት ክፈጥረሎም መደብ ከም ዘለዎ’ዩ ዘመልክት። ምኽንያቱ ኢህወደግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ተቐቢለ ክትግብር ድልዊ’የ። ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ንጽውዕ ክብል ንዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሕራይ ወይ ኣይፋል ‘ምበር እከለ ወዲቑ ስለዘሎ ምስ እከለ ክዘራርብ ፍቃደኛ’የ ማለት፡ ሰራዊት ወያነ ካብ ልኡላዊ መሬትና ከይወጽአ ዝብል ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታት ኤርትራ ካብ ዝተፈጸመ ገበን ከውሊ ኮይኑ ሓራ ዘውጸኦ ኣይኮነን። ብቐንዱ ብህዝብታት ኤርትራ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ‘ምበኣር፡ ብኸመይ ኣብዚ ውሳነ’ዚ በጺሑ? ንመን ተወኪሱ? ብመን ተደፊኡ? ዝተኸተሎ ኣገባብ ከ ቅኑዕ ድዩ? ክሳብ ኣበይ ከ ክቕጽል’ዩ? እንታይ ሳዕቤንከ ከኸትል’ዩ? ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ብልቦና ምርኣይ፡ ብጽሞና ምድምማጽ፡ ምንባብ፡ ሓያል ውደባ ንምፍጣር ሓቀኛ ምቅርራብ ከድሊ’ዩ።

                                             ሓምሻይ ክፋል ይቕጽል

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 02-07-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox