^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 189 guests and no members online

ንበራበር፡ ንለዓል ከም ኣንበሳ ድሕሪ ዓሚቕ ድቃስ

ብሓንሳብ ብሚሊዮናትና፡ ኩልና ንዕበ ንንኣስ

የነገፍ ይራገፍ ካብ ዝባና እቲ መግዛእታዊ መንደዓት፡ ከም ዛዕዛዕታ ኣውሊ ጊሓት

ንብተኮ ነዚ ናይ ውሑዳን ናይ ጭቆና ሰንሰለት

ንጉሓፎ ወ ካብ እንግድዓ ኣእምሮና

ኣበይ ከይበጽሑ እዞም ቁንጣሮ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ንበዝሕ ኣብ ናይ ለውጢ መስመር እንከለና።

Read more: ዝሰላሰል ዘሎ ቃልሲ ማእከሉ ህዝባውን...

“ዓዋተ ስታፍ” መጋቢት 11/2015

ትርጉም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

እንተደኣ ዘየጣዒስዎስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ነቲ ዓሊ ዓብዱ ረጥሪጥዎ ዝኸደ ቦታ ሚኒስተርነት ዜና ሓደ ሓድሽ ሰብ መዚዝሉ ኣሎ።

Read more: የማነ ገብረ-መስቀል “ባእ ባእ”...

ዝኸበረ ሰላምታይ ተቐበሉ ኣዳለውትን ኣቕረብትን እዚ መደብ። ብውልቀ- ማሕበራዊ ጸገማተይ ካብ ተሳታፍነት ነዊሕ ርሒቐ ጸኒሐ። ሎሚ ግን ምስገና ነቲ ኩሉ ዘይሰኣኖ ፈጣሪ፡ ካብ ዝነበረኒ ዝተሓላለኸ ጸገማት ብመጠኑ እፎይታ ስለ ዝረኸብኩ ተሳታፍነተይ ክቕጽል ጀሚረ ከም ዘለኹ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከረጋግጸልኩም እፈቱ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ህግደፍ ከም ውድብ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ከም ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ መሪሕነት ጸላኢ፣ ትካላቱ ኩሎም ትካላት ጸላኢ፣ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን መሻርኽቱ፡ መጋበርያታቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ‘ዮም ዝብል ካብ ነዊሕ መርገጽ ተታሒዝሉ ኣስተምህሮ ይወሃበሉ ምንባሩ እቲ ዝፈልጥ ዝፈልጦ ይመስለኒ። እዚ ኣፈ ታሪኽ ኣይኮነን። ብድምጽን ብጽሑፍን ዝተሰነደ መርተዖ ዘለዎ ሓቂ’ዩ። እንተኾነ ከም’ቲ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪነሕ፡ ንነዊሕ ግዜ ነጻ መድረኽ ዝሰኣነ ህዝቢ ወይ ህዝብታት ካብ ሓቂ ይርሕቁ’ዮም። ሓቂ ይዕርዕሮም’ዩ። ቀልጢፉ ኣይስቆሮምን። መሰረታዊ መሰሎምን ቁጠባዊ ረብሓኦም ዘረጋግጽሉ ፖለቲካዊ ኣንፈት ይስሕቱን፡ ምስ ደመኛታት ጸላእቶም ይስለፉን’ዮም ዝበሃል፡ ነቲ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ሽዑ ትንቢት ዝመስል ዝነበረ ፖለቲካዊ ገምጋም ወይ ኣስተምህሮ፡ ብዙሓት ይርድእዎ ኣይነበሩን ጥራሕ ዘይኮነ፡ እንታይ ይበሃል ኣሎ፡ ካበይ ተበጊሱ ኢሎም ኣቓልቦ ክብዎ’ውን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን ክብል እደፍር። ክበሃለካ ብጽሞና ዘይምስማዕ፡ ብስምዒት እንዳተመራሕካ ጉዕዞ፡ እንታይ ዋጋ ከም ዘኽፍል፡ ኣብ ክንዲ ብሓሳብ ደረጃ ብዝወሓደ ክሳራ ሓቂ ምቕባል፡ ፈታውን ጸላእን መሚኻ ምፍላጥ፡ ብተግባር በቲ ግፍዒ ምስተለብለብካ፡ ገለ ኣካል ካብ ስድራ ቤትካ ብጭውያ ድዩ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኲናት ብሞት ምስተፈልየ፣ ትበልዖ፡ ትኽደኖ፡ ትሕከሞ፡ ስኢንካ ብድኽነት ምስተጠቓዕካን ብእግረይ ኣውጽእኒ ናብ ስደት ምስተበታተንካን ካብ ድቃስካ ምብርባር፡ ነቲ ናይ 30 ዓመት ተጋድሎ የፍኩሶ። ብኣሉታ ይጸልዎ። ምኽንያቱ 30 ዓመት ንስለ መሰል ንስለ ክብረት ንሓርነት ንነጻነት ዝተጋደለ ህዝቢ፡ ብዘርኣዮ ሓርበኛዊ ጽንዓትን ብዝኸፈሎ መስዋእትን ኣድናቖት ዝረኽበ ህዝቢ፡ ኣንጊሁ ኣነፈተ ፖለቲካኡ ናበይ ከምዘብል ጠፊእዎ፡ ብዝተመርጸ ቃላትን ቴማታትን ጸላኢኡ ኣእምሮኡ ተደፊኑ፡ ናብ ተማሃራይ ፖለቲካዊ ሀሁ ተቐይሩ ብዝዕድለይ ክምራሕ፡ ተዓዘብቲ በቲ ብኣወንታ ዘድነቕሉ ልሳኖም፡ ብኣሉታ ኣግራሞቶም ክግለጽ ዘገድድ’ዩ። ሓዊ ዘንድድ፡ ኣካል ዘጉድል ኢሉ’ውን ህይወት ዘስእን ምዃኑ ከይነደድካ ብርሑቕ ምፍላጥ’ዩ ልቦና። የንድድ ኣየንድድን ብተግባር ኢድካ ሰዲድካ ወይ ኣብ’ቲ ሃልሃልታ ኣቲኻ ከተረጋግጽ መግለጺ ብሱል ልቦና ኣይኮነን። ኣብ ህዝብታት ኤርትራ ዝተራእየን ገና’ውን መሊኡ ዘይተገርሐ ዘሎን ድማ፡ ኣቐዲምካ ዝመርሐካ ዘሎ ውድብ ባህሪኡን ተግባሩን ብትምህርቲ ብሓሳብ መንነቱ ኣብ ክንዲ ምፍላጥ፡ ግዳዩ ምስ ኮንካ ካብ ተግባር ምምሃር’ዩ። እዚ ብተግባር ዝኾነ’ዩ።

ሓደ ብዝተናወሐ ቃልሲ ዝሓለፈ ህዝቢ፡ ነገራት ካበይ ተበጊሶም ኣበይ የዕርፉ፡ ብኸመይ ዝበለ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ፡ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ስትራተጂን ስልትን እናዓቀነ ክኸይድ ደኣምበር፡ ከም’ቲ “ ኣበይ ክንድቅስ ኢና ኣቦዃ ኣብ ዘደቀሱና” ዝበሃል ምስላ ብዝተወሰኑ ናቱ ዝመስሉ ግን ዘይናቱ መሪሕነታዊ ኣካል ዊንታ ጥራሕ ተመሪሑ ክኸይድ ኣይነበሮን። እቲ ኣቐዲሙ ብገለ ርሑቕ ዝጥምቱ ውድባትን ገለ ባእታታትን ንባህርን ተግባርን ህግደፍ ኣመልኪቱ ዝወሃብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ፡ ከም’ቲ “ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ” ዝተባህለ መለበሚ ክኸውን ኔርዎ። ግን ብኣጋ መለበሚ ኣይኮነን። ካብ ግብራዊ ተመክሮ ብዝተረኽበ ትምህርቲ’ዩ ሎሚ ውድብ ህግደፍ ፈታዊ ኮምዘይኮነ ደመኛ ጸላኢ ምዃኑ ዳርጋ ልዕል 90% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ተረድኦ በጺሑ ዘሎ።

ሕጂ ዝሓለፈ ኣይምለስን። ትማሊ ኣርሒቕና ብዘይምጥማትና እንተስ ብፖለቲካዊ ግርሃን እንተስ ብግዝያዊ ስምዒት ተጠቕዕና ዝፈጸምናዮ ጌጋ፡ ንቕድሚት እኹል ትምህርቲ ክኾነና ይግባእ። ሎሚ ካብ ልሳን ጸላኢ ዝፍነው ጥዑማት ዝመስሉ ዝተመርጹ ቴማታት ወይ ጭርሖታት ባዶ ምዃኖም ብዘይ ዝኾነ ምምታእ ከነረጋግጽ ኣለና። ህግደፍ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ደመኛ ጸላኢና ምዃኑ ክንኣምን ንእምነትና ብተግባር ከነሰንን ኣለና። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣስታት 24 ዓመት በዚ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዘይተፈጸመ ግፍዒ የለን። ስለዚ እቶም ግዳያት ዝኾኑ ዜጋታት ዘይፍለጡ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘይብሎም፡ ቤተሰብ ዘይብሎም ስቕ ኢሎም ሓታቲ ዘይብሎም ብዝወጽእዎ ዝተርፉ ኣይኮኑን። ክብሪ ኣለዎም፣ ሓላዪ ኣለዎም፣ ሓታቲ ኣለዎም። ሕነ ዝፈድየሎም ህዝባዊ ሕጊ ክመጽእ’ዩ። እቶም ሎሚ ብስልጣንን ሃብትን ሰኺሮም ሰባት ዝኣስሩ፣ ዝጨውዩ፣ ዘሳቕዩ፣ ኣካል ዘጉድሉ፣ ዝቐትሉ፣ ሰብ ሓዳር ዘራኽሱ፣ ገንዘብን ንብረት ዝራስዩ፣ ዘለው መሓውር’ዚ ገበነኛ መንግስታዊ ጉጅለ’ውን ቤተሰብ ኣለዎም። ዓዲ ኣለዎም መድረኾም ብህዝባዊ ቃልሲ ምስተቐየረ ናይ ግድን ብህዝባዊ ቤት ፍርዲ ክሕተቱን ናይ ኢዶም ክረክቡን’ዮም። ስለዚ ኣቐዲሞም ብገበን ክቆማጥዑ ዝጸንሑ’ሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ንጥፈታት ደው ዝበሉ ይኹን ገና መሓውር ኣረሜናዊ ጉጅለ ብምዃን ዘገልግሉ ዘለው ሰባት፡ ኣበይ፣ መዓስ፣ ኣብ ልዕሊ መን፣ እንታይ ጌሩ ወይ ጌራ ብደቂቕ ተኸታተልና ብግቡእ ሰኒድና ክንጸንሕ ኣለና።

ቅድም ክብል ኣብ በዓል ስዑዲ ዓረብያ፣ ሆላንድ፣ ሽወደን ..ወዘተ ዝርከቡ ኣብ ኤምባሲታት ህግደፍ ዝተጸፍዩ ኣገልገልቲ ምቅላዕ ተጀሚሩ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። እቲ ሽዑ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝወጸ መንነት ናይ’ዞም ዕሱባት ውልቀ-ሰባዊ ስርዓት ተታሒዙ ግዜ ጥራሕ’ዩ ዝጽበ ዘሎ። እዚ ክቕጽል ኣለዎ። ግን ብጭብጢ ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ። ብይመስለኒ ንጹሃት ከይልከሙ ዓቢ ጥንቃቔ ክግበር ኣለዎ። ንኣብነት ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ናይ’ዚ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ዝነበሩ’ሞ፡ ካብ’ቲ ስርዓት ምስ ወጹ፡ ዝፈልጥዎ ሓቅታት ንህዝቢ ኣብ ምሕባር ታሪኽ ካብ ዝሰርሑ ዘለው ዜጋታት ሓደ ክብሮም ዳፋላ’ዩ። ኣቶ ክብሮም ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ንዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላትን ኣሰራርሓኦምን ኣመልኪቱ ብመንገዲ ረዲዮ ኤረና ሰፊሕ ዓሚቕ ኣስተምህሮ ዘመሓላልፍ ዘሎ ጀግና ኤርትራዊ’ዩ። ክብሮም ንሓፈሻዊ ኣካይዳ እቲ ስርዓትን ትካላዊ ኣሰራርሓኡን ካብ ምቕላዕ ሓሊፉ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ኣብ ኤምባሲታት ተጸፍዮም ብጉልባብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብገንዘብ ህዝቢ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ዘግልግሉ ዘለው ሰብ ረብሓ መነ መን ከም ዝኾኑ፡ ድሕረ ባይታኦም፡ ሕጂ ዘለውዎ ሃገር፡ ዘለዎም ሓላፍነትን ዝጥቀምሉ ሜላን ኣመልኪቱ ሓደ ብሓደ ኣስማቶም እናረቑሐ ከቃልዕ፡ ክመክር ከም ኣጋጣሚ ብ16 መጋቢት 2015 ኣብ ረድዮ ኤረና ተኸታቲለ። ብልቢ ድማ ተሓጒሰ ተሓቢነ። ብህዝባውነቱን ትብዓቱን ድማ ተደኒቐ። በዚ ኣጋጣሚ ክብሮም ዳፍላ ዝጀመሮ ብሰፊሑ ክቕጽለሉ፡ ካልኦት ከኣ ኣብነቱ ክንክተል ኣተሓሳስብ። ጉጅለ ኢሳያስ ንሰባት ኣገሪሁ ብምቕታል፡ ግዜ በሊዑ ንቐተልቲ ምስጢር ከየውጽኡ ብምቕታል፡ ሰነዳት ብምስዋርን ብምቅጻልን ገበነኛ ክንሱ፡ ከም’ቲ ኣብ ጎሬቤትና ኢትዮጵያ ዝነበረ መራሒ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግ መንግስቱ ሃይለ-ማርያም ተውሳኺተይ ኣይኮነን ሰብ ሃመማ’ውን ቀቲለ ኣይፈልጥን ዝበሎ፡ ኢደ ሕጹብ ከም ጲላጦስ ክብለና ክፍትን’ዩ። እንተኾነ “ሰብ ዝገበሮ ምድሪ ነገሮ” ከም ዝተባህለ ኣብ ህዝቢ ዝተፈጸመ ገበን ካብ ህዝቢ ተቐቢሩ ክነብር ኣይኽእልንዩ’ሞ ከም ዕማም ሒዝና መጋበርያታት ህግደፍ ነቃልዕ ብግቡእ መዝጊብና ንሓዝ። ምኽንያቱ ብኣንጻር ሎሚ ዘለናዮ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዝሓሸ ለውጢ ክመጽእ ግድን ስለዝኾነ።

ሮቤል በርሀ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 18-03-2015  

                                 ትርጉም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ሎሚ ኣስታት 35,000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ይነብሩ ኣለው። ነዞም ስደተኛታት፡ ፖለቲከኛታት የማናዊ ክንፊ ኣብ’ታ ሃገር “ሕማም መንሽሮ” ኢሎም’ዮም ዝጽውዕዎም።

Read more: ሓደ ኤርትራዊ ኣብ እስራኤል

ሓደ ሰብ ከም ፍጡር መጠን ትዕድልቱ ንሱ ኮይኑ፡ ተገራጫዊ ባህሪያት እንተሃልይዎ፡ ካብ ኮማዊ ከባቢኡ፡ ካብ መዘናታቱ፡ ካብ መማህርቱ፡ ብሓፈሻኡ ከኣ ካብ ዝነብረሉ ሕብረተ-ሰብ፡ ስነ-ስርዓት ክመሃር፡ ዲስፕሊን ክገብር፡ ተኣሪሙ ክኸይድ ጥራሕ’ዩ ክጽዕር ዘለዎ።

Read more: ሓቀኛ ባህሪያትካ  ኣጸቢቕና ንፈልጦ...

ቃልሲ ብደረጃ’ቲ ዝፍጸም በደልን ዓይነትን ይፈላለ እንተዘይኮይኑ፡ ኩሉ ካብ ወጽዓ’ዩ ዝብገስ። እቲ ወጽዓ ነጻነታዊ ወይ ሃገራዊ ናይ መንነት ሕቶ፡ ደርባዊ፣ ምምሕደራዊ፣ ብሄራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ጾታዊ …ወዘተ ብሓዲኦም፡ ብከፊል ወይ ብምሉኡ መልክዕ ዝግለጽ ክኸውን ይኽእል።

Read more: መስመር ህ.ወ.ሓ.ት. ንበዓል ቤት...

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox