^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 108 guests and no members online

ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ሰላሕታዊ ምትፍናን ናብ ክፉት መድረኽ ምርብራብ፡-

ገዛእ ርእሱ ኣብ ፍጹም ከበባ እናሃለወ፡ ንዓለም ብዓለማ ኣብ ገዛእ ከበባኡ ዘእትዋ ዝመስሎ ስርዓት እንተሃልወ ስርዓት ኣስመራ’ዩ።

Read more: ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ...

በትሪ ሐቂ ትቐጥን እንበር ኣይትስበርን

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡ እዩ

ብበርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

መግለጺ ብምኽንያት 24 ግንቦት፡ ጀጋኑ ሰማእታትና ተበጅዮም ዘረከቡና፡ ብስዲ ንባብን ብግጥምን፡ ነውሊዔይ ባንዴራ ኤረይ መርከብ

Read more: በትሪ ሐቂ ትቐጥን እንበር ኣይትስበርን

ፖሊቲካን ሃይማኖትን- ናይ ኤርትራ ቅልውላው- Eritrean Desintegration

 

ብፍስሃ ናይር

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እንተረኤና ካብ ፖሊካዊ ቃልሲ ክሳብ ብረታዊ ቃልሲ ቀጺሉ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ምንጪ ክሳብ ሕጂ እውን ክፍታሕ ዘይተኻእለ ፖሊቲካዊ ምሕደራን ሃይማኖትን ፈሊኻ ዘይምርኣይ ኢዩ፣ምንጪ ናይ ግርጭት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ መንነት ወይ ድማ ካብ ስነ-ሓሳብ ዝመንጨወ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መንነታት ከም ሃይማኖት፣ ዓለት ቋንቋ፣ ኣውራጃ ኢዩ፣ እቲ ቀንዲ መሃንድስ ናይዚ መንነታት እቲ

Read more: ፖሊቲካን ሃይማኖትን- ናይ ኤርትራ...

ቅዋም 1997 ሎሚ’ዩ መሊኡ ዝሞተ።

ክቡራት ኣባላት ኣዳለውቲ መጽሔት “ህዝባዊ ደሞክራሲ” ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም? ሓድሽ ዓመት ኣትዩስ እነሆ ድሮ’ኳ ገለ ኣዋርሕ ኣልዒልናሉ። እሞ ካብ’ዚ ኣጋጣሚ ዝሓይሽ ስለ ዘየለ

Read more: ቅዋም 1997 ሎሚ’ዩ መሊኡ ዝሞተ

Do the Eritrean Opposition Political Organizations own the struggle

                       from Dictatorship to Democracy in Eritrea?

                                             By Fesseha Nair

I have been reading and following the process of building of alliances and partnership inside the opposition camp since 20 years in the past period. All the alliances and partnership failed to succeed and succumbed to factionalism and internal disagreements.

Read more: Do the Eritrean...

ኣብ ወሳኒ ጉዳይ መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን

በዓል ቤት ዘይኮነስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ወሰንቲ ዝኾኑሉ መድረኽ

ኣብ ታሪኽ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ሕሱር ሰብኣዊ ጉልበትን ባህሪያዊ ሃብትን ናይ ህዝብታት ክብዝብዙ ክብሉ ብዘለዎም ገንዘባውን ወተሃደራውን ዓቕሚ ተጠቒሞም ሃገራት ብዓመጽ እናወረሩ ዝሕዝሉ ዝነበሩ ታሪኽ ናይ ቀረባ ተዘክሮና’ዩ። በዚ ከኣ ብዙሓት ሃገራት ናይ ምዕራባዊ ዓለም ካብ’ዚ ጭቁን ህዝብታት’ዚ ብምምዝማዝ ዘኻዕበትዎ

Read more: ኣብ ወሳኒ ጉዳይ መጻኢ ዕድል ህዝብን...

ዝምህር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ድሕረት ኣውጺኡ ዝምሕር ረዚን መልእኽቲ።

ነገራት ብድሌትካን ብስምዒትካን ጥራሕ ክኸዱልካ ወይ ክትግበሩልካ ምድላይ ንብዙሓት ሰባት ዝውክል’ዩ እንተበልኩ ኣብ ባይታ ካብ ዘሎ ሓቒ ዝወጻእኩ ኣይመስለንን። ብኣንጻሩ ነገራት ብስምዒቶም ብድሌቶም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ ጭቡጥ ክውንነቶም፡ ምስ

Read more: ዝምህር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ድሕረት...

ብንቕሓትን ጽንዓትን ተቓሊስካ ዘይስገር ጸገም የለን።

ሓደ ፍትሓዊ ናይ ህዝብታት ቃልሲ፡ ኣብ መስርሕ ጉዕዞኡ ብዝተፈላለዩ ወድዓውን ባዕላውን ምኽንያታት፡ ዕንቅፋት ከጋጥሞ፡ ካብኡ ዝብገስ ገለ ምድኻማት ከርኢ፡ ስለዚ ከኣ ክብ ለጥቕ እናበለ ክጎዓዝ ባህሪያዊ’ዩ። እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ድኽመት ኣርእዩ ማለት ግን፡ መሊኡ ወዲቑ ወይ ተሳዒሩ ማለት ኣይኮነን። ኣብ’ቶም ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ከብጽሕዎ ዝግበኦም ውጹዓት ህዝብታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ብከም’ቲ ዝድለ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣብ ዘይጎልበተሉን ተወሃሂዶም ብስጥመት ክቃለሱ ኣብ ዘይበቕዕሉን ኩነታት ግዝያዊ ምድኻማት ክረአ ውሁብ ነገር’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ድኻማት ድማ ኣብ ዝኾነ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥምን ብቓልሲ ድማ ዝፍታሕን ተርእዮ ‘ምበር ዘይፍታሕን ተስፋ ኣቚሪጹ ካብ መኣዲ ቃልሲ ዘብኩርን ኣይኮነን።

ንኣብነት ገለ ካብ’ቶም ኣገደስቲ ናይ ቃልሲ ረቛሒታት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ሓደ ተቓሊሱ ከቃልስ ዝኽእል ድልዱል መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ዘይምውናን፤ ካልኣይ እቲ በዓል ቤት ዝኾነ ሓፋሽ ህዝቢ ጸላኢኡን ፈታዊኡን ብንቕሓት ኣለልዩ፡ ተወዲቡ ክቃልስ ዘይምብቃዕ፤ ሳልሳይ ፕሮግራም ቀሪጾም ብዝተወደበ መልክዕ ዝነጥፉ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ’ቲ ብሓባር ከቃልሶም ዝኽእል፡ ተኣማሚኖምን ተደጋጊፎምን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብብቕዓትን ብጽንዓትን ክቃለሱ ዘይምኽኣል ናይ’ቲ ዘጋጥም ድኽመታት ጠንቂ ገይርካ ክውሰዱ ዝከኣሉ’ዮም።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ እዞም ዝገለጽክዎም ኣገደስቲ መሳርሒታት፡ ብከምቲ ዝድለ ውሽጣዊ ምትእምማን ፈጢሮም ክቃለሱ ብዘይምብቃዖም፡ እቲ ዝድለ ለውጢ ቅልጡፍ ምዕባለ የርኢ የለን። ስለዚ ከኣ ኣብ’ቲ ዘይተወደበ ሓፋሽ ህዝብና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ’ቶም ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለው ወገናት ከይተረፈ፡ እንታይ ኮይና ዘይንሕይል፡ ዘይንዕወት፡ ህዝብና ካብ ስቓይን ምብትታንን ዘይነድሕን ዝብል ዝፈጥሮ ዘሎ ስምዒታት ቀሊል ኣይኮነን። ብናተይ ገምጋም እዚ እንታይ ኮይና ….ዝመበገሲኡ ዝስማዕ ዘሎ ድምጺ ጠርኒፉ ዘቃልሶን ለውጢ ዝደልን ብምዃኑ ኣብ ቦትኡ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ዝጭበጥ መልሲ ክህብሉ ዘለዎም ድማ ፖለቲካዊ ሓይልታት’ዮም። ብኸመይ ውሽጣዊ ፍልልያቶም ፈትሾም፡ ኣብ ሓደ ከምጽኦም ዝኽእልን ብመትከል ዝፈላለዮምን ኣነጺሮም ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምሕዳር፡ ንህዝቢ ብሓፈሻ ንመንእሰይ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ ድማ ብፍላይ ኣብ ዙርያ’ቲ ህዝባዊ ቃልሲ ክዓስሉን ግቡኦም ክዋጽኡን ብምግባር፡ ነቲ ስኽፍታን ጻምእን ከርውይዎ ይኽእሉ’ዮም ዝብል እምነት ኣለኒ። ከምኡ ብዘይምግባሮም ዝፍጠር ዘሎ ጸገማት ቀሊል ኣይኮነን።

ነቲ ዝረአ ዘሎ ድኽመታት ጉድለትካ ምዃኑ ኣሚንካ ንምፍታሑ ኣብ ክንዲ ምቅላስ፡ ብኣንጻሩ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም፡ መንገዲ ምፍልላይን ምፍንጫን ምኽታል’ውን ሓደ ካብ’ቲ ክንቀሓሉን ክእረምን ዘለዎም ዓንቃፊ ኣካይዳ’ዩ። ገለ ሓላፍነት ዘይስመዖም ኣካላት፡ ነቲ ዝፍጠር ድኽመታት ብምምዝማዝ፡ ንፍሉይን ጸቢብን ዕላማኦም ክግልገልሉ፡ ናይ ህዝብን ተቓለስቲ ሓይልታትን ረስኒ ኣብ ምዝሕሓል ዝጻወትዎ ዘለው ኣሉታዊ ተራ’ውን ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ ድኽመታት እዝን ወዲ ከምዝን ተደማሚሩ ዝፈጠሮ ብወሳኒ መልክዑ ባዕላዊ ምኽንያታት’ዩ ክበሃል ይከኣል። ዝኾነ ዕንቅፋታት ይጋጥሞ ግን፡ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ክብገስ ዝገበርዎ፡ ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ …ወዘተ ዝበሉ መሰረታዊ ሕቶታት ክሳብ ዘይተመለሱ፡ ንዘጋጥምዎ ውሽጣዊ ባዕላዊ ድኽመታትን ጸገማትን ይኹን ውድዓዊ ተጽዕኖታት ብቃልሲ እናኣለየን እናፈትሐን ክሳብ ፍጹም ዓወት ክቃለስ ናይ ግድን’ዩ።

ስለዚ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ዋላ’ኳ ቀልጢፉ ኣብ ዓወት ከይበጽሕ ሓሊኾም ዝሕዝዎ ፖለቲካዊ ተርእዮታት ህልዋት እንተኾኑ፡ ንጥፈታት ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታትና ብንቕሓት እናተኸታተልና፡ ኣራምን ሓጋዝን ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ እናተጻወትና፡ ካብ ተጸባይነትን ተስፋ ምቑራጽን መንፈሳት ሓራ ኮይና እንተተዋሲእና ኣብ ቅድሜና ዘይፍታሕ ጸገም ኣይህሉን። ብፍላይ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድመ ዝርከብ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ ኣብ’ቲ ቃልሲ ብንቕሓትን ጽንዓትን እንተተሳቲፉ ዕለተ ዓወትና ቀረባ’ዩ። እቶም ድኽመታትና እናመዝመዙ፡ ናይ መጻኢ ስውር ዕላማኦም ንምዕዋት ህዝብን ሃገርን ብምብትታን ክርብሑ ዝሓልሙ፡ ብውድዕነቶም ድማ ንጸላእን ተጻባእትን ዘገልግሉ ሓንኮልቲ ኣካላት ብንቕሓት እናመከትና ክንቃለስ እንተበቒዕና፡ ህዝባዊ ቃልስና ነዊሕ ኣብዘይኮነ ግዜ ከም ዝዕወት ኣየጠራጥርን። ስለዚ ካባና ዝድለ ኣላሽ ከይበልና ድኽመታትና ኣለሊና ብምውጋድ ምቅላስ’ዩ፡፡ ድኽመታት እናጸብጸብናን ብሽርሕታት መደናገርቲ ኣካላት ተሰኲናን ኣብ ኩለ-መዳያዊ ዓዘቕቲ ንነብር ማለት ድማ ዘበት’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብንቕሓትን ጽንዓትን ተቓሊስካ ዘይስገር ጸገም የለን።

                               ብርሃነ ግርማይ ካብ ሱዳን

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 08-02-2017

A tribute to the great Eritrean leaderDr. Habte Tesfamariam.



                                           By: Ali Omer Ore

With the passing of Dr. Habte Tesfamarim, the Eritrean people as a whole have painfully lost one of the towering legends of Eritrean revolution for independence.

Dr. Habte, popularly known as A conscience in dual reference to him being a doctor and the conscience of the Eritrean movements, by and large and is unmatched in Eritrean history

Read more: A tribute to the great...

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox